ነፍሰ-ተምሳጥ ‘ናርሲዝም’ ምስ ዕድመ ይበሊ ዶ ይኸውን?

ገጽ ሓደ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነፍሰ-ተምሳጥ ወይ ከኣ ናርሲዝም (Narcissism)፡ ኣብ ብዙሓት ሰባት ከከም ደረጃኡ ብዝፈላለየ ዝንጸባረቕ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ብገዛእ ርእስኻ ምምሳጥን፡ ምስ ኵሉ እንትናኻ - መልክዕካ፡ ቍመናኻ፡ ባህሪኻ፡ ዓቕምኻ... - ብሕሉፍ ፍቕሪ ሕቒቕ ምባል፡ ብመንከማይነት ተደሪኽካ ንነፍስኻ ልዕሊ ካልኦት ሕሉፍ ኣገዳስነት ዘለዋ ጌርካ ናይ ምርኣይ ስምዒት፡ ነፍሰ-ኣድናቘት ንኻልኦት ከኣ ብኣንጻሩ ብዘይምድናቕን ዝኣመሰሉ ባህሪያት ዝልለ ስብእና እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ናርሲስታዊ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ከም ዝበልጹን ፍሉይ ክንክንን ኣኽብሮትን ከም ዝግብኦምን ይኣምኑ።

እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ዝምድናታትን ማሕበራዊ ርክባትን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ነፍሰ-ምሱጣት ትዕቢተኛታት፡ ንነብሶም ጥራይ ዝሓስቡን መታለልትን ኰይኖም ክቐርቡ ስለዝኽእሉ እዩ።

ዳርጋ ኵሉ ሰብ ሓሓሊፉ ብነፍሱ ምሱጥ ወይ ናርሲስታዊ ባህርያት ከንጸባርቕ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ምስቲ ከም ሕዱር ሕማም ዝልለ ‘ክሊኒካዊ ናርሲዝም’ ወይ ናርሲስታዊ ፐርሶናሊቲ ዲስኦርደር (NPD) ዝተሓዋወስ ኣይኰነን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ነፍሰ-ምሱጣት ሰባት ምስ እርጋን ዝያዳ፡ ርህሩሃትን ለጋሳትን ልዙባትን ክዀኑ ከምዝኽእሉ የመልክት።

ይዅን እምበር፡ እቲ ልዑል ነፍሰ-ኣገዳስነት ዘለዎ ዓሚቝ ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከምዘይክእ እቲ መጽናዕቲ ኣተሓሒዙ የመልክት።

እቲ ንልዕሊ 37,000 ሰባት ዘሳተፈ መጽናዕቲ፡ እቶም ብህጻንነቶም ዝያዳ ነፍሰ-ምሱጣት ዝነበሩ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ባህሪ ሒዞምዎ ከምዝኣርጉ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ እቲ መጽናዕቲ ሰለስተ ዓይነት ባህርያት ነፍሰ-ተምሳጥ ኣለልዩ፤

  • ‘ኣጀንቲክ ናርሲስት’፤ ካብ ካልኦት ኣመና ዝበለጽካ ኰይኑ ይስምዓካ’ሞ ወትሩ ኣድናቘት ጥራይ ትምነ።
  • ‘ኣንታጐነስቲክ ናርሲስት’፤ ንኻልኦት ከም ተቐናቐንቲ ምርኣት፡ ምምዝማዝን ፍጹም ርህራሀ ዘይምህላውን።
  • ‘ኒውሮቲክ ናርሲስት’፤ ውሕስነት ዘይስምዖም፣ ንሕፍረት ዝተቃልዑን ንነቐፌታ ልዕሊ ዓቐን ተሃዋሲ ምዃን እዮም።

ነፍሰ-ተምሳጥ እንታይ እዩ?

‘ነፍሰ-ምሱጥ፣ ናርሲስት እዩ’ ክንብል እንከለና መብዛሕትኡ ግዜ ከም ጸርፊ ንጥቀመሉ ኰይኑ፡ ኣብ ገዛእ ነፍስካ ዓሚቝ ስምዒት ልዕልና ናይ ምንጽብራቕ ጸገም ስብእና'ውን ይገልጽ።

እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ትዕቢተኛታትን ንነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ፡ ሓይልዮትን ተገዳስነትን ካልኦት ዘይብሎም፡ ናይ ካልኦት ስራሕን ኣበርክቶን ፈጺሞም ዘየድንቝን ዘየኽብሩን፣ መዝመዝቲን ተበለጽትን ኰይኖም ክቐርቡ ይኽእሉ።

ነዚ ምርኵስ ገይሩ፡ ኣብ ‘ሳይኮሎጂካል ቡለቲን’ ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ 8 ክሳብ 77 ዓመት ዝዕድመኦም ተሳተፍቲ ካብ ዝተገብረ 51 መጽናዕትታት ዝተረኽበ መረዳእታ ብምትንታን፡ ባህሪያት ናርሲዝም ምስ ዕድመ ብመጠኑ ክጐድን ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ። ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከምዘይክእል ከኣ ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ።

ርድኢት ክኢላታት

ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ኡልሪክ ኦርት ካብ ዩኒቨርሲቲ በርን፡ ዋላ’ኳ ነፍሰ-ተምሳጥ ምስ ግዜ ዝንኪ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ለውጢ ግን ንእሽቶ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ስለዚ ሓደ ኣመና ነፍሰ-ምሱጥ ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ክቕየር ዘይሕሰብ እዩ። ገለ ባህሪያት ነፍሰ-ተምሳጥ ኣብ ገለ እዋን፡ ሓጺር እዋናዊ ረብሓ ክህልዎም ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ተፈላጥነት ንምዕባይን ኣብ ሞያኻ ዕብየት ንኽትጐናጸፍን።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ሰባት ብቐጻሊ ስለዘጋጭወካን ስምረት ዘይፈጥረልካን ናይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤናቱ ኣሉታዊ እዩ።

ዶክተር ሳራ ዳቪስ ዝተባህለት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ትዕቢት ዝመስል ነገራት ወይ ነፍሰ-ፍትወት ምስ ክሊኒካዊ ናርሲዝም ክደናገር ከምዘይብሉ ኣስሚራትሉ።

እቶም ናይ ሓቂ ናርሲስታት መብዛሕትኡ ግዜ ቀናእት፡ መታለልቲ፡ ጣዕሳ ወይ ስምዒት ሓላፍነት ዘይብሎምን ክፉኣት እዮም። እዚ ሓሓሊፉ ብማሕበራዊ ሜድያ ዝድረኽ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተገዳስነት ኣብ ኣምር ነፍሰ-ተምሳጥ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ክሊኒካዊ ትርጉም ናይቲ ቃል ከም ዘደብዝዞ ኣሚታ።

ባህሪ ነፍሰ-ተምሳጥ ብኸመይ ይልለ?

ዶክተር ዳቪስ ሓደ ሰብ ነፍሰ-ምሱጥ እዩ ከብሎ ዝኽእል ምልክታት ኣጕሊሑ፤

  • ቀጻሊ ድራማ፤ ኣድላይቲ ኰይኑ ክስምዖምን ብቐጻሊ ህውከትን ግርጭትን ክፈጥሩ የድልዮም።
  • ቅኑዕ - ልባዊ ይቕረታ የለን፤ ንዝዀነ ይዅን ተግባራቶም ምሉእ ሓላፍነት ፈጺሞም ኣይወስዱን፣ ይቕረታ ምባል ድማ ዓቐብ ኰይኑ ይስምዖም።
  • ወቐሳ [ብሌም ጌይም]፤ ንስሱዕ ረብሓኦም ኢሎም ንኻልኦት ይቈጻጸሩን ይምዝምዙን፤ ንኻልኦት ብዘይድኻም እናወቐሱን እናናሸውን ድማ ነፍሶም የጕልሑ።

ዶክተር ቴኒሰን ሊ ዝተባህለ ኣማኻሪን ሓኪም ስነ-ኣእምሮን፡ ንጽሬት እቲ መጽናዕቲ ብምንኣድ፡ ርኽበታቱ ጠቓሚ ምዃኑ ገሊጹ። “እቲ ጽቡቕ ዜና ነፍሰ-ተምሳጥ ምስ ዕድመ ዝንኪ ምዃኑ እዩ፤ እቲ ሕማቕ ዜና ድማ እዚ ምንካይ ገዚፍ ዘይምዃኑ እዩ።"

ስለዚ፡ እዚ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ እዚ ባህሪ ዘለዎም “ነፍሰ-ተምሳጦም ኣብ ዝተወሰነ ዕድመ ክመሓየሽ እዩ ኢልካ ኣይትጸበ፣ ከምኡ ኣይኰነን።"

እዚ ድማ ነቲ፡ “ደሓን ቀስ እናበለ ደይ ክመሓየሽ እዩ እናበሉ ንነዊሕ እዋን ዝሳቐዩ መጻምድቲ ጽልዋ ኣለዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።