ንዓመታት ደሃይ ዘይነበራ ጓል ብኸመይ ስድራኣ ረኺባ?

ኣሊሻ ናብ መደበር ፖሊስ ምስከደት

ምንጪ ስእሊ, GLENDALE POLICE DEPARTMENT

ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ 14 ዓመት ኮይና ዝጠፍአት ንእስቲ ሎሚ ጓል 18 ዓመት ኮይና ባዕላ ናብ መደበር ፖሊስ ብምምፃእ “ኣለኹ” ኢላ’ላ።

እታ ቅድሚ ምስዋራ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ትነብር ዝነበረት ቆልዓ ኣብ ግዝኣት ሞንታና ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ እያ ባዕላ ከይዳ።

ኣሊሻ ናቫሮ ኣብ 2019 ካብ ገዝኣ ወፂኣ ከይዳ ካብ ዝበሃል ጀሚሩ ናብ ኤፍ.ቢ.ኣይ ከምኡ ድማ ናብ ማእከል ዝጠፍኡን ንምዝመዛ ጉልበት ዝተቓልዑን ህጻናት ብኣሽሓት ዝግመቱ ሓበሬታታት ክቐርቡ ፀኒሖም’ዮም።

ብሰሉስ ግን ፖሊስ ናይታ ዝተወለደትላ ግለንደል ዝተብሃለት ኣብ ኣሪዞና እትርከብ ከተማ፡ ኣሊሻ ናቫሮ ካብ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣስታት 40 ማይልስ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ "ባዕላ ናብ ክፍሊ ፖሊስ ከምዝኸደት" ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወላዲት ኣዲኣ ጀሲካ ኑነዝ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ "ተኣምራት ብርግጽ ኣሎ" ኢላ።

እታ ሽዑ ጓል 14 ዓመት ዝነበረት ኣሊሻ ብ15 መስከረም 2019 ካብ ገዛ ወለዳ ክትጠፍእ ከላ "ባዕለይ ሃዲመ ኣለኹ፤ ክምለስ እየ፤ ከምዝምለስ ድማ እምሕል፤ ይቕሬታ!" ዝብል ፊርማ ዘንበረትሉ ጽሑፍ ገዲፋ ነይራ።

ኣዲኣ ግን ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ንዝኾነ ማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ጓላ ብኢንተርነት ምስ ዝተላለየቶ ሰብ ተሳሒባ ምኻዳ ከም እትኣምን እያ ገሊጻ።

"እዚ ስቕ ኢሉ ብዘይምኽንያት ዝኸውን ነገር ኣይኮነን። ዝተፈለየ ዓይነት ጉዕዞ፣ ድግስ ወይ ምናልባት ፍቕሪ ከምዝፅበያ ሓሲባ ከም ዝተሳሕበት ድማ እኣምን" ትብል።

ጓላ ቅድሚ ምጥፍኣ ‘ስፔክትረም ኦቲዝም’ [ድሩትነት ዕብየት ሓንጎል ኮይኑ ተነፅሎ ወይ በይንነት ዘኸትል] ከምዘለዋ ከምዝተረጋገፀን ንፍዕቲ ተጻዋቲት ቪድዮ ጌም ከምዝነበረትን ወሲኻ ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ግለንደል ጆሴ ሳንትያጎ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እታ ሕጂ ጓል 18 ዓመት ዝኾነት ኣሊሻ በይና ናብ መደበር ፖሊስ ሞንታና ኣትያ ሃለዋታ ከምዘፍለጠት ሓቢሩ’ሎ።

ካብ መዝገብ ደሃዮም ዝተስኣነ መናእሰይ ንኽትስረዝ ሓገዝ ዝሓተተት ኮይና ኣብ ፅቡቕ ድሕነት፣ በዓልቲ ጥዕናን ሕጉስቲን ትመስል ከምዝነበረት ድማ ተዛሪቡ።

ኮነ ኢላ ብድልየታ ካብ ገዝኣ ከምዝጠፍአትን ኣብ "ዝኾነ ዓይነት ጸገም" ከምዘይነበረትን እውን ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣሊሻ ከመይ ጌራ ካብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ ግዝኣት ኣሪዞና ናብታ ልዕሊ 1900 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ግዝኣት ሞንታና ከም ዝበጽሐት ግን ንጹር ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ኣዲኣ ኑነዝ፡ ጓላ ብሰላም ከምዝተመልሰት ኣብ ገጽ ፌስቡክ እኳ እንተገለጸት ግን ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብላ እያ ኣፍሊጣ።

"ንጸሎተይ መልሲ ስለዝሃበንን ነዚ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ክብሪ ክህቦ እደሊ" ኢላ።

“ዘፍቅርዎም ሰባት ዝጠፍእዎም ኩሎም ወገናት ድማ ነዚ ጉዳይ ከም ኣብነት ክወስድዎ እደሊ። ተኣምራት ብርግጽ ኣሎ። ፈጺምኩም ተስፋ አይትቑረጹ" ክትብል ምዒዳ።

ሌተናል ስኮት ዌይት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣደን ጓልን "ስምዒት ብዝዓብለሎ" ኩነታት ዳግማይ ከምዝተራኸባን ኣሊሻ ንኣዲኣ “ከቢድ እዋን ንኽተሕልፍ ብምግባራ ኣዝያ ይቕሬታ ከም ዝሓተተታን" ሓቢሩ።