ደቂ ኣንስትዮ ንዕርክነት ዝምነይኦ ወዲ ተባዕታይ ከመይ ዝበለ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ደቂ ኣንስትዮ ቁሩብ ምስጢራዊ ስለዝዀና ድሌተን ምርዳእ ኣጸጋሚ'ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ደቂ ተባዕትዮ ሒደት ኣይኰኑን።
ብሰንኪ’ዚ ድማ ቀጻሊ ፍቕራዊ ዕርክነት ኣብ ምምስራት ምድንጋር ከምዘጋጥሞም ይዛረቡ።
ብሓፈሻ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሮም፡ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከምዝመርጻ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።
እዚ ሕቶ’ዚ ዓቢ ሚስጥር ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት’ኳ እንተሃለዉ፡ መልሱ ግን ብሓቂ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከምዘሎ ክኢላታት ይዛረቡ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ መጻምድቲ ኣብ ዝመርጻሉ እዋን ዝጠልብኦም ባህርያት ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ምዃኖም ንምፍላጥ ሓያሎ መጽናዕትታት ተኻይዶም’ዮም።
ገለ ካብቶም መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ተባዕቶት ዝጠልብኦም ባህርያት፡ ብዛዕባ እቲ ዝደልይኦ ዓይነት ርክብ ዘመልክት እዩ።
ንኣብነት፡ ብስለትን ተኣማንነት ዝደልያ እንተዀይነን፡ ካብ ግዜያዊ ስምዒታት ነጻ ዝዀነን ደገፍ ዝረኽባሉን ርክብ ከምዝደለያ ዘርኢ’ዩ ይብሉ።
ብሓፈሻ ግን እዞም ዝስዕቡ፡ ገለ ካብቶም ብደቂ ኣንስትዮ ዝጥለቡ ቀንዲ ባህርያት ከምዝዀኑ መጽናዕትታት የመልክቱ።
1. ሕያዋይነት
ደቂ ኣንስትዮ ካብ መጻምድተን ካብ መንጎ ዝደልይኦም ባህርያት እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሕያውነት ወይ ርህራሀ ከምዝዀነ ኣብ 2019 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ ካብ 180 ሃገራት 68 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዘሳተፈ ነይሩ። 88 ሚእታዊት ካብኣተን፡ እቲ ኣብ ህይወተን ዝደልዮ ሰብ ሕያዋይ ክኸውን ከምዝደልያ ኣመልኪተን።
ኣብ 2013 ዝተገብረ ካልእ መፅናዕቲ እውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስምዒተን ዝካፈለን መጻምድቲ ከምዝደልያ የመልክት።
ከም በዓል ፕሮፌሰር ዶክተር ሱዛን ደግስ-ዋይት ዝኣመሰሉ ክኢላታት፡ ብፍላይ ኣብ ነዊሕ ዝጸንሕ ዝምድናታት ሕያዋይነት ኣገዳስነት ከምዘለዎ የስምሩ።
ዶክተር ሱዛን ደግስ-ዋይት፡ "ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮ ሕያውነት፣ ትዕግስቲ፣ ምርድዳእ፣ ከርእይወን ይደልያ። ዓይነት እቲ ርክብ ብዘየገድስ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ስምዒት ሓድሕዶም ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም" ክትብል ኣብ ሓደ ናይ ስነ-ልቦና ፅሑፍ ትጠቅስ።
ግን ሓደ ተባዕታይ ንኣንስተይቲ መጻምድቱ ብመኸመይ ሕያዋይነቱ ከርእያ ይኽእል?
ምስጋናን ኣድንቖትን ብቐጻሊ ምግላፅ፤
ስምዒታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዘሐጉስዋ ተግባራት ፈጽም፤
መጻምድትኻ ክትዛረብ እንከላ ብንጥፈት ናተይ ኢልካ ስምዓያ፤
ብፍላይ ኣብ ጽንኩር እዋናት ደግፋ ከምኡ’ውን ኣተባብዓያ።
መጻምድትኻ ስምዒታዊ ኣብ ትዀነሉ እዋን ነቲ ኵነታት ዘጋድዱ ነገራት ንዘይምግባር ዓቕሊ ግበር።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ንዓኣ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብ ሕያዋይነቱ ዘርኢ ሰብኣይ እያ እትደሊ።
ብፍላይ ምስ ግዜ ምስኡ ሓዳርን ስድራቤትን ክትምስርት ትሓስብ እንተዀይና እዚ ባህሪ እዚ ኣገዳሲ እዩ።
ስድራቤት ክትምስርት ድሌት እንተሃልይዋ፡ ኣብ ከባቢ ህጻናትን እንስሳታትን እትፍጽሞም ነገራት ብቐረባ ክትከታተል እያ።
ኣባኻ፡ ንፉዕ ኣቦ ክትከውን ከምትኽእል ዘመልክቱ ባህርያት ክትእልሽ እያ፡ ሕያውነት ድማ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝርዝር ናይቶም ባህርያት’ዩ ዝርከብ።
ኣስተውዕል - እታ ጓል ኣንስተይቲ ቆልዑ ክትወልድ ተገዳስነት እንተዘይሃለዋ’ውን፡ ካብ ጨካን መጻምድቲ ምስ ሕያዋይ መጻምድቲ እንተዀነት’ያ ትመርጽ።
ስለዚ ኣብ ቤት መግቢ ከይተረፈ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ብግቡእ ኣዛርቦም፡ መቝሽሽ’ውን ሃቦም።
ብሓፈሻ ብኸምዚኦም ዝበሉ ቀለልቲ ነገራት እያ ክሳብ ክንደይ ሕያዋይ ምዃንካ ክትግንዘብ እትኽእል።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
2. ደገፍ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብቲ 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስእተዮ መጻምድተን ሕያዋይ ክኸውን ከምዝደልያ ዝገለጻሉ መጽናዕቲ፡ 'ደገፍ' ምሃብ ካልኣይ ኣገዳሲ ባህሪ ምዃኑ'ውን ኣመልኪተን እየን።
ዶክተር ሱዛን እዋን ደገፍ "መሰረታዊ ተራ" ዘለዎ ባህሪ ምዃኑ ትጠቅስ።
ኣብ 2008 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ "ተኣማንነት ዘለዎ ባህሪ" ደቂ ኣንስትዮ ዝመርጽኦ ደገፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እውን ዝተለወጠ ኣይመስልን።
ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኣብ ጎድና ዘይርከብ መጻምድቲ እትደሊ ጓል ኣንስተይቲ ዘላ ኣእመስለናን።
ደቂ ሰባት ክንበሃል፡ ጸገም ምስ ዘጋጥመና ዓንዲ ዝዀነና ሰብ ክህልወና ደስ ይብለና።
ስለዚ ንመጻምድትኻ ደገፍ ክትኰናን ክተባብዓን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጎድና ኰይንካ ኣብ ሕልምታታን ዕላማታታን ንኽትዕወት ሓግዛ።
ዓወታታ ምስኣ ብሓባር ኣኽብር፤ እንተፈሺሎም ድማ ኣጸናንዓያ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኣታተን ብዝኣምኑን ክዕወታ ከምዝኽእላ ክስምዐን ብዝገብሩን ደቂ ተባዕትዮ ይምሰጣ እየን።
3. ርእሰ ተኣማንነት
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ርእሰ ተኣማንነት ኣገዳሲን ሰሓብን ባህሪ ምዃኑ ኣየካትዕን።
ኣብቲ ናይ 2019 መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ እተን 60 ሚእታዊት፡ ምሉእ ህይወተን ዝካፈለን መጻምድቲ ኣብ ዝመርጻሉ እዋን ርእሰ ተኣማንነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እየን ገሊጸን።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መፃምድተን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ክኸውን ይደልያ’የን፤ እንተዀነ ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎ ኣይደልያን።
ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምስሓብ ክብሉ ‘ሱፐርሞዴል’ ክዀኑ ከምዘለዎም ዝኣምኑ ደቂ ተባዕትዮ ሒደት ኣይኰኑን።
ብሓቂ ግን ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ዝበለ ወዲ ተባዕታይ ይምስጠን እንተዀይኑ እንተተሓቲተን፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ምላሸን ርእሰ ምትእምማን ዘንጸባርቕ ወዲ ተባዕታይ ከምዝስሕበን ዝገልጽ እዩ።
ብርግጽ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ጽቡቐ መልክዕ’ኳ እንተዘይሃለዎ፡ ብዘንጸባርቖ ርእሰ ተኣማንነት ግን ኣቓልቦ ክረክብ ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ ነብሱ እምነት ዘሕደረ፡ ካብ ህይወቱ እንታይ ከምዝጽበ ዝፈልጥ፡ ብመንነቱ ዝሕበንን ወዲ ተባዕታይ መሳጢ’ዩ ዝምስጠን።
ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከዕልለንን ተገዳስነት ከርእየንን ዝኽእል ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ ይመርጻ። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ውሕስነት ምስ ዘይስምዖ ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ርግጸኛ ምስ ዘይኰነ ወዲ ተባዕታይ ግዜ ምሕላፍ ኣየሐጉሰንን።
ስለዚ ብጽቡቕ ኣቃውማ ርእሰ ተኣማንነትካ ኣንጸባርቕ፤ ከተዕእልል እንከለኻ ግቡእ ናይ ዓይኒ ርክብ ይሃልኻ።
ምስ መጻምድትኻ እትረዳድአሉ መስርሕ ካልእ ርእሰ ተኣማንነትካ እተንጸባርቐሉ ኣገባብ እዩ። ውሕስነት ዘይስምዖ ሰብ ስምዒታቱ፡ ሓሳባቱን ጸገማቱን ብንጹር ኣገባብ ከመሓላልፍ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት’ዩ።
ምስ መጻምድትኻ ይኹን ምስ ካልእ ሰብ እትረዳድአሉ ኣገባብ ጓል ኣንስተይቲ ካብ እትደልዮም ኣገደስቲ ባህርያት ሓደ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ድልዱልን ዝምድና ኣብ ምምስራት ቁልፊ ስለዝዀነ እዩ።
4. ኣንቅዶ ወይ ሕልሚ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ብዙሓት ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ መጻምድተን ልዑል ኣንቅዶ፡ ሕልሚ ክህልዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጸን።
ደቂ ኣንስትዮ መጻምድተን ተወፋይነት ክህልዎ፡ ክመጣጠርን ሓላኒ ክኸውንን ልዑል ድሌት ከምዘለወን ክኢላታት ይገልጹ።
እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወተን ሓቢርወን ንኽጸንሕ ውፉይ ምዃኑ ጥራይ ዝምልከት ዘይኰነስ፡ ዕላማታቱን ሕልምታቱን ዕዉት ኣብ ምግባር እውን ብንቕሓት ጻዕሪ ምግባር ዘጠቓልል እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ መጻምድተን ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶን ኣንቅዶን ዘለዎም ክዀኑ’ዩ ድልየተን።
ስለዚ ከም ወዲ ተባዕትዮ ሓደ ጸገም ንምፍታሕ ሓጋዚ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ መጻምድትኻ ኣብ ጎንኻ ክትህሉ እያ።
ብቐጻሊ ጽቡቕ ስራሕ ከምዝሰራሕኻ ክተረጋግጸልካ እንተድኣ ኣድልዩካ ግን፡ እዚ ንመጻምድትኻ ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
5. መልክዕን ቅዲን
ብዙሓት ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘመልከትኦ፡ መልክዕ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
ኣካላዊ ስሕበትን ኣከዳድናን ካብቶም መጻምድቲ ንምምራጽ ዝጥቀማሎም ረቛሒታት መብዛሕትአን እንተገለጻ’ኳ፡ ካልኦተን ግን መልክዕ ብዙሕ ኣገዳሲ ከምዘይኰነ እየን ጠቒሰን።
ክንዲ ብራድ ፒት ወይ ጆርጅ ክሉኒ ሰሓቢ መልክዕ ክህልወካ ግድን ኣይኰነን። ግን ኣይትጋገ - ደቂ ኣንስትዮ መጻምድተን ሰሓብን ተደላዪን ክትከውን ድሌት ኣለወን።
ብተወሳኺ ንነብሱ ዝከናኸን ክኸውን ከምዘለዎ ይኣምና። ስለዚ ከም ጆርጅ ክሉኒ ክትክደን’ኳ እንተዘይደልየካ፡ ብሓቂ ግን ጽሬትካ ከምዝሓለኻ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍሉይ ኣከዳድና ከምዘለካን ከምኡ’ውን ኣካላዊ ጥዕናኻ ንምርግጋጽ ጻዕሪ ትገብርን የድልየካ’ዩ።
ብተወሳኺ ንጡፍ ሰማዒ’ውን ክትከውን ኣለካ - መጻምድትኻ ንትዛረቦ ነገር ኣቓልቦ ሃብ’ምበር ተራኻ ጥራይ ክትዛረብ ኣይትጸበ፤ ግዜ ወሲድካ ሓሳባታን ስምዒታታን ብሓቂ ንምርዳእ ጻዕሪ ግበር።
ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ብሓቂ ተገዲሱ ዝሰምዐን ወዲ ተባዕታይ ይምስጠን’ዩ። ንጡፍ ሰማዒ ንምዃን ድማ ለውሓት፡ ትዕግስቲ ከምኡ’ውን መጻምድትኻ እንታይ ትብል ከምዘላ ንምርዳእ ቅኑዕ ድሌትን ክህልወካን የድሊ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቓይቕ ፌስቡክ ምፍታሽ፡ ንዓኣ ትኩረትን ምላሽን ሃብ። እዚ ማለት ክትድውለልካ ወይ መልእኽቲ ክትሰድደልካ ከላ፡ ብቕልጡፍ መልሲ ምሃብ ዘጠቃልል’ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ መልሲ ካብ ዘይምሃብ እንተወሓደ ኣብቲ እዋን ኣብ ውጥረት ስራሕ ከምዘለኻ ክትሕብራ የድሊ።
ልዕሊ ኵሉ ድማ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ዝምሰጣሉ ወዲ ተባዕታይ ንምዃን እዚ ዝበሃል ቀመር ከምዘየለ ኣይትረስዕ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ካልእ ሰብ ክትመስል ዘይምፍታን’ዩ - ንገኣዝ ርእስኻ ምሰል ወይ ኵን።
ደቂ ኣንስትዮ ምስቶም ሓቀኛታትን ግሉጻትን ደቂ ተባዕትዮ እንተዀና እየን ዝመርጻ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሓፈሻዊ ለበዋ
ብደቂ ኣንስትዮ ዝጥለቡ ባህርያት እዞም ዝተጠቐሱ ጥራይ ኣይኰኑን።
ማዓርነት’ውን ሓደ ካብ ዝጠልብኦም ባህርያት እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመጻምድተን ይኹን ብካልእ ሰብ ከም ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክረኣያ ልዑል ድሌት ኣለወን።
ዝዕብልለን ወይ ክቕይረን ዝፍትን ዘይኰነስ ከም ማዕረ መሻርኽቲ ዘኽብረን መጻምድቲ’የን ዝደልያ። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ንዕቐት ዘርእየን ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይተረፈ ዘኽብረን ወዲ ተባዕታይ ሰሓቢ ኰይኑ ክረኽብኦ ይኽእላ’የን።
ካልእ ድማ ዘዋዝየን፡ ዘስሕቐን ወዲ ተባዕታይ ከምዝፈትዋ መጽናዕቲታት የመልክቱ። ቅልል ዝበለን ተጻዋታይን ስብእናን እንተሃልዩካ፡ ንመጻምድትኻ ዘስሕቑ ነገራት ብባህርያዊ መንገዲ ክመጸልካ ከምዝኽእል ክኢላታት የመልክቱ።
ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ምሉእ ህይወተን ዘካፍልኦ ዝመርጽኦ ወዲ ተባዕታይ መሰጥቲ ባህርያት ክጠልባ ንቡር እዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ መጻምድቶም ክረኽብዎም ዝደልይዎም ባህርያት ኣለዉ።
እዚ ድማ መሰረት ዘለዎ፡ ጥዑይን ነባሪን ዝምድና ንምምስራት ሓጋዚ እዩ።
ብኽልቲኡ ወገን ብሱልን ርግጸኛን መጻምድቲ ምርካብ፡ እቲ ርክብ ንኽምዕብልን ቀጻሊ ንክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ክብ ክብል ይገብር። ነቶም ኣብ ቀጻሊ ኣብ ህይወትና እንሓልፎም ለውጥታት ድማ ድልዱል መሰረት ከምዝኸውን ድማ መጽናዕትታት የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







