ኣሴክሹዋል፡ ጾታዊ ስምዒት ዘይብሎም ሰባት

ዲያን ዢ፡ ጾታዊ ስምዒት የብላን፡ እዚ ግን ኣየሻቕላን። ምስ ዝኾነ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም፡ ፍጹም ድልየት የብላን።
"ጾታዊ ስምዒት እንታይ ከምዝመስል ኣይፈልጦን'የ" ትብል።
"ጾታዊ ስምዒት ዘይምህላው ግን ከም ጽቡቕ ነገር እየ ዝርእዮ፡ ጾታዊ ርክብ ንዓይ ትርጉም ኮነ ፍረ ዘይብሉ ነገር እዩ"
ኣብ ቻይና፡ ንርእሶም "ኣነ ጾታዊ-ስምዒት-ዘይብሉ (ኣሴክሹዋል) እየ" ኢሎም ዝገልጹ ሰባት ክንደይ ከምዝኾኑ ንጹር ኣይኮንን።
ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራት፡ ኣብ ብሪጣንያ 1 ምኢታዊት ካብ ዓበይቲ ሰባት፡ ጾታዊ-ስምዒት-ዘይብሎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ቻይና ድማ ኣስታት 10.8 ሚልዮን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግምቱ።
ዲያን ዢን ካልኦት ንርእሰን 'ጾታዊ ስምዒት የብለይን' ኢለን ዝገልጻ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ኹነታተን ከም ምናነ ወይ ከኣ ብፍቓድካ ስጋዊ ድልየታት ከም ምሕራም ዘይኮነስ ከም ሓደ ተፈጥሮኣዊ ጾታዊ መግለጺ እየን ዝርእየኦ። ከም ሕማም እውን ኣይኮነን።
ዲያን ዢ፡ ጓል ዕስራታት እናሃለወት ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ ኣብ ብሪጣንያን ኣብ ኔዘርላንድስን ተማሂራ እያ።
ኣብ ዩንቨርስቲ እናሃለወት፡ ምስ ሓደ ሆላንዳዊ ይራኸቡን ብሓባር ግዜ የሕልፉን ነይሮም። ሽዑ፡ ንምንታይ ጾታዊ ስምዒት ክህልዋ ከምዘይከኣለ፤ ይገርማ ነይሩ።
ኣብ ኢንተርኔት ነቲ ምልክታት ገሊጻ፡ ብዛዕባ እቲ ኹነታት ክትእልሽ ፈቲና። ሽዑ፡ ሓደ ብዛዕባ ኣሴክሹዋሊቲ (ጾታዊ ስምዒት ዘይብሎም ሰባት) ዝገልጽ መርበብ ሓበሬታ ረኺባ። ብድሕሪ'ዚ እያ ንርእሳ ከም ጾታዊ-ስምዒት-ዘይብሉ (ኣሴክሹዋል) ሰብ ክትገልጽ ዝጀመረት።

"ኣብ ጥቓይ ዝነበራ ኩለን ኣዋልድ ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ብዛዕባ ፍሉጣት ሰባትን ብዛዕባ ኣወዳትን ከዕልላ እንከለዋ፡ ኣነ ግን ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ኣይነበረንን" ትብል።
ዲያን ዢ፡ ንቻይናውያን ቤተሰባ ብዘዕባ እዚ ክትነግሮም ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እያ ትዛረብ።
ባህሊ ቻይናውያን ንስድራ ልዑል ቦታ እዩ ዝህብ። ደቆም፡ ከምዘይምርዓው ወይ ከምዘይወልዱ ምፍላጥ ንቻይናውያን ስድራ ኣዝዩ ዘሻቕል ነገር እዩ።
ጽዕንቶ ካብ መንግስቲ
ክትምርዖን ክትወልድን ግን፡ ካብ ስድራ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ መንግስቲ እውን እዩ ጽዕንቶ ዝግበረካ። መንግስቲ ቻይና ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስነ-ህዝቢ ዘይምምጥጣን የሻቕሎ እዩ።
ኣብታ ሃገር ተባዕትዮ በዚሖም ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ውሒደን እየን ዘለዋ። እዚ ድማ እቲ ኣብ 1970ታት ዝተኣታተወ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ጥንሲ እናሃለዋ ክስደዳ ዝገብር መስርሕ ዝፈጠሮ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ተባዕትዮ ቻይናውያን፡ ሎሚ መርዓት ምርካብ የጸግመሎም ኣሎ።
"ንስድራይ ክነግሮም ብዙሕ ፈቲነ እየ። ሕዚ፡ ኣደይ ተረዲኣትኒ ኣላ። ኣነ ሕጉስቲ ናብ ዘይኮነሉ ናይ ሓዳር ህይወት ንክኣቱ ከምዘይትደፍኣኒ'ውን ቃል ኣትያትለይ ኣላ። ኣቦይ ግን፡ ነቓጽ እዩ። ባህ ዝብለኒ ሰብ እንተደኣ ረኺበ፡ ጾታዊ ስምዒት ከም ዝህልወኒ እዩ ዝሓስብ" ትብል ዲያን ዢ።
ዓብዪ መጻወድያ
ዲያን ዢ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ሓዳር ምግባርን ቆልዑ ምውላድን ሕቶታት ከልዕላ ካብ ዝጀመራ ብዙሓት ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።
"እቲ ሓዳር ዝበሃል ትካል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝረብሕ ኣይኮንን፡ ዓብዪ መጻወድያ እዩ" ትብል።
"ብዘይ ጾታዊ ርክብን ሓዳርን፡ ሰባት ቆልዑ ክህልውዎም ዝኽእሉ እንተዝኾኑ፡ ዝሓሸ ውልቃዊ ናጽነት ምሃለዎም" ትብል።
ዲያን ዢ፡ ኣብ መጻኢ ፍቕራዊ ርክብ ክህልዋ ይኽእል ዶ ይኸውን? ብሕታውነት ከ ይስመዓ ዶ? ... ሓቲትናያ።
ዲያን ዢ "ናይ ቀረባ መሓዙት ኣለውኒ" ትብል፡ ኣብ ጉዳይ ሓዳር ግን ንሓዋሩ በይና ከምእትነብር እያ እትኣምን። ምኽንያቱ፡ ክትፈትዎ እትኽእል ካልእ ከምኣ ዝበለ ጾታዊ-ስምዒት-ዘይብሉ ሰብ ምርካብ ከቢድ እዩ ኢላ ትሓስብ።

ፍቕራዊ ርክብ ከ ክህልዎም ይኽእል ዶ?
ስምዒት ጾታዊ ርክብ ንዘይብሎም ሰባት፡ ሓዳር ዘማጽኡ መርበብ ሓበሬታታት ኣለዉ።
ገሊኦም ሰባት፡ ዋላኳ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ኣይሃልዎም ፍቕራዊ ስምዒት ግን ክህልዎም ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







