ሕሉፍ ተመኵሮ ይድገም ከምዘሎ ተሰሚዕኩም'ዶ ይፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, iStock
ኣብ ርሕቕ ዝበለ ሰፈር ናብ ዝረኸብክምዎ ካፈ ኣቲኹም ማክያቶ ኣዚዝኩም። እቲ ካፈ ቅድሚ ሕጂ ኣይትፈልጥዎን። ግን ከምትፈልጥዎ ኰይኑ ተሰሚዕኩም።
ሓደ ኣሰላፊ ትእዛዝኩም ኣምጺኡ ኣብ ጠረጴዛ ከቐምጦ እንከሎ ግን ሃንደበት እቲ ማክያቶ ተደፊኡ።
ገና ስንባደኹም ከይጠፍአ እንከሎ፡ ዋና እቲ ካፈ መጺኡ ነቲ ኣሰላፊ ክጸርፎ ድማ ተዓዚብኩም።
እዚ ነገር ቅድሚ ሕጂ ከምዘጋጠመኩም ዊን ይብለኩም፤ መዓስ ከምዝዀነ ኣይትዝክሩን። ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ካፌ ተመሳሳሊ ነገር ከምዘጋጠመኩም ንጹር ተዘክሮ ኣለኩም።
እዚ እንኮ ጸገም፡ እዚ ካፈ ቅድሚ ሕጂ ኣይትፈልጥዎን፤ እቲ ዝኽሪ ድማ ብሓቂ ዘጋጠመኩም ኣይኰነን።
እዚ ደኣ እንታይ ይበሃል?
እዚ ስምኢት ዴዣ ቩ (déjà vu) ይብልዎ። ዴዣ ቩ ካብ ፈረንሳኛ ዝተወሰደ ቃል ኰይኑ ‘ድሮ ዝተረኣየ’ ዝብል ትርጕም ኣለዎ።
ናብ ትግርኛ ክንመልሶ እንከለና ድማ ‘ዊንታ’ ማለት እዩ።
እዚ ማለት ሓደ ሕጂ ዘጋጠመ ነገር ከም ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመኩም ነገር ዊን ክብለኩም እንከሎ ዝስማዓኩም ዝገርም ስምዒት’ዩ ክበሃል ይከኣል።
ይዅን እምበር ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-መትኒ (ኒውሮሳይንቲስት) እዚ ስምዒት፡ ብቐሊሉ ክግለጽ ወይ ክስመ ዘይክእል ባህሪ ምዃኑ ይሰማምዑ።
ላዕለዋይ መምህር ስነ-ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሴንት ኣንድሪውስ ዝዀነ ዶክተር ኣኪራ ኦ’ኮነር ዝርከብዎም ክኢላታት፡ ‘déjà vu’ ወይ ዊንታ ናይ ምልላይ ስምዒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዞም ስምዒታት ኣብ ዘይቦታኦም ከምዘለዉ ዝገልጽ ልብወታዊ ወይ ተገንዝቦኣዊ ኣፍልጦ’ውን እዩ።
“ዊንታ ብመሰረቱ ኣብ መንጐ ስምዒት ምልላይን እቲ ምልላይ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ምፍላጥን ዝፍጠር ግርጭት እዩ። ከምኡ’ውን ዊንታ ካብ ካልኦት ናይ ዝኽሪ ፍጻመታት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ትታለል ከም ዘለኻ ምፍላጥ’ዩ” ይብል ዶክተር ኣኪራ ኦ’ኮነር።
“መብዛሕትኦም ሰባት ብሰንኪ’ዚ ስምዒት ዊንታ ባህርያቶም ኣይቅይሩን፡ ብስነመጐት ደረጃ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ይርድኦም’ዩ።”
ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ዊንታ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ሓንጐል እንታይ’ዩ ዝፍጸም? ስለምንታይከ ኣብ ገለ ሰባት ዝያዳ የጋጥም?

ምንጪ ስእሊ, Lorenzo Ranieri Tenti
‘ዴዣ ቩ’ ወይ ዊንታ እንታይ እዩ?
ተመራመርቲ ስነ-መትኒ፡ እዚ ናይ ተዘክሮ ምትላል ምልክት ጸገም ጥዕና ሓንጎል ከምዘይኰነ ይገልጹ። ብፍጹም ናይ ዝኽሪ ጌጋ ዘይኰነስ ዳርጋ ብኣንጻሩ እዩ።
ዴዣ ቩ ዘጋጥመሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ቅድመ-ከባቢታት ሓንጎል ንዘይቅኑዕ ዝኽሪ ንምእራም ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ከምዝዀነ ዶክተር ኦ’ኮነር ይምጕት።
“ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ተመኵሮ ዴዣ ቩ ከጋጥሞም ጽቡቕ ነገር ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቶም ሓቂ ዝምርምሩ ከባቢታት ሓንጎል ብጽቡቕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ዘርኢ ምልክት ኰይኑ፡ ፍጻመታት ብጌጋ ከይዝክርዎ የኽእሎም።”
"ኣብ ጥዑይ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ግጉይ ዝኽሪ መዓልታዊ ዘጋጥም ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ዝኽርና ሚልዮናትን ቢልዮናትን መትኒታት ስለዘጠቓልል፡ እዚ ከጋጥም ትጽቢት ዝግበር ነገር እዩ" ይብል።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ እዋን ዴዣ ቩ ኣብ ሓንጎል እንታይ የጋጥም ከምዘሎ ብልክዕ ዝገልጽ ክኢላታት ዝተሰማምዑሉ ሞዴል የለን።
ይዅን’ምበር፡ መብዛሕትኦም ክልሰ-ሓሳባት ዝሰማምዑሉ ሓደ ሓሳብ ኣሎ፡ ዴዣ ቩ ዝፍጠር፡ ከባቢታት ሓንጎል (ከም ቴምፖራል ሎብ) ንናይ ኣእምሮ ቅድመ-ከባቢታት ሓበሬታ ከካፍሉ እንከለዉ፡ ሕሉፍ ተመኵሮ ይድገም ከምዘሎ ስለዘመልክቱ እዩ።
“ድሕሪ'ዚ፡ እቶም ናይ ቅድሚት ውሳነ ዝህቡ ከባቢታት ሓንጎል፡ እዚ ምልክት ምስቲ ክኸውን ዝኽእል ነገር ዝሰማማዕ ድዩ ኣይኰነን ንምፍላጥ ብኣድማዒ መንገዲ ይምርምሩ። ‘ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ነይረ ድየ?’ ኢሎም ይሓትቱ።
"እቲ ሰብ ብሓቂ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ነይሩ እንተዀይኑ፡ ዝያዳ ተዘክሮታት ንምምላስ ዝያዳ ክጽዕር ይኽእል እዩ። እዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ፡ ስምዒት ዴዣ ቩ ከጋጥም ይኽእል'ዩ።"
ዴዣ ቩ ዘጋጥመሉ ዝያዳ ተኽእሎ እንታይ እዩ?
ኦ’ኮነር ሓደ ጥዑይ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ዴዣ ቩ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግምት። ይዅን’ምበር እቲ ስምዒት ዘጋጥመሉ ዕድል ክብርኽ ዝገብሩ ሓያሎ ረቛሒታት ኣለዉ።
ቀዳማይ፡ እቲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ስምዒት ድኻምን ውጥረትን ኣለዎ ዝብል እዩ።
“ሓንጎልና ዝያዳ ክደክም ከሎ፡ ውሽጣዊ ስርዓታት መትኒታቱ ነገራት ከመዓራርዩን ብሓቂ ንነብሶም ክቈጻጸሩን ዕድል ኣይረኸቡን። ስለዚ ድማ ንጥፈት መትኒ ቅሩብ ክዝሕትል ይኽእል፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ዴዣ ቩ ከጋጥም ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ” ይብል’ቲ ዶክተር።
መጽናዕትታት፡ ኣብ መንጐ መተሓላለፍቲ ናይቲ ፍሉጥ ስሚዒት ዝድርኽ ዶፓማይን፡ ዴዣ ቩን ክፍጥረሉ ዝኽእል ምትእስሳር እውን የጉልሑ።
“ዶፓማይን እቲ መተሓላለፍቲ መትኒ ምልዕዓል’ዩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቶም ምልላይ ምልክት ዝገብሩ ዘለዉ ከባቢታት ሓንጎል ክንዛረብ ከለና፡ ኣብቶም መትኒታት ሓይሊ ስጕምቲ ዶፓማይን ክህልው እዩ - እዚ ብመሰረቱ ዶፓሚን ይሳተፍ ኣሎ ማለት’ዩ” ይብል ዶክተር ኦ’ኮነር።
“እዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመዘናግዒ ይዅን ንካልእ ዝውሰዱ መድሃኒታት ሓይሊ ስጉምቲ ዶፓማይን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ልዑል ዴዣ ቩ ክህሉ ዝገብርሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።”
ካልእ ረቛሒ’ውን ኣሎ
ሰባት ክንድቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዘጋጥሞም ዝነበረ ዴዣ ቩ ኣየጋጥሞምን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዕቱብ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ የመልክት።
“እቲ ዘሕዝን ግን ከም ብዙሓት ጉዳያት ክእለት ዝኽሪ፡ ምስ ባህርያዊ ምውሳኽ ዕድመ ዝተኣሳሰር እዩ። ምስ ግዜ ጌጋታት ናይ ምስትብሃል ክእለት እናነከየ’ዩ ዝኸይድ” ይብል ኦ’ኮነር።
“መንእሰያት ዝያዳ ዴዣ ቩ ከጋጥሞም ብሓቂ መሳጢ’ዩ – ኣረጋውያን ዝያዳ ናይ ምዝካር ቅልውላው ክህልዎም ንቡር እዩ። ይዅን’ምበር፡ እዚ ዝኸውን፡ መንእሰያት ብሓፈሻ ኣብ ሓንጐሎም ዝዓበየ ዓይነት ምልዕዓል ንጥፈታት ስለዘለዎም’ዩ – ብሓፈሻ ዝያዳ ንጡፋት’ዮም። ከምኡ’ውን ናይ ብሓቂ ጥዑይ ሓቂ ዝምርምር ቅድመ-ክፋል ሓንጐል ኣለዎም” ብምባል ስለምንታይ ኣብ መንእሰያት ብተደጋጋሚ ዊንታ ከምዘጋጥም የብርህ።
“ቅድሚ ዳርጋ 20 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ዴዣ ቩ ምርምር ክጅምር ከለኹ ብዙሕ ግዜ የጋጥመኒ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ!”

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ዴዣ ቩ ጸገም ጥዕና ድዩ?
ዴዣ ቩ ብሓቂ ካብ ሓደገኛ ነገር ዝረሓቐ እዩ።
ብቐጻሊ ዴዣ ቩ ዘጋጥም እንተዀይኑ’ኸ? ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ተመኵሮ ስምዒት ዊንታ እንተስዒቡ’ኸ?
እቲ ዝገርም ነገር እዚ ኣብ ገለ ሰባት ከጋጥም ይኽእል እዩ።
“ኣብ ፊንላንድ ሓደ ተሓካሚ ብፍላይ ንገለ ዶፓማይን መትኒታት ዘነቓቕሕ ዝተሓዋወሰ መድሃኒታት ጉንፋዕ ምስ ወሰደ ብቀጻሊ ዴዣ ቩ ከጋጥሞ ገይርዎ” ይብል ኦ’ኮነር። ኣብ መወዳእታ እቲ ተሓካሚ መድሃኒቱ ኣቋሪጹ።
“ሓደ ካብቲ ዴዣ ቩ ዘለዎም ሰባት ኣዝዮም መሳጢ ዝገብሮም ነገር፡ ነዞም ስምዒታት ብጭብጢ ናይ ምፍታሽ ክእለቶም ክስእኑ ምኽኣሎም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ተኸታታሊ ፍልም ዝረኣይዎ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ነቲ ፊልም የቋርጽዎ – ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ዝድገም ዘሎ ኰይኑ’ዩ ዝስምዖም’ዩ” ይብል ኦ’ኮነር።
“ዋላ’ኳ መሳጥን ልብወለዳዊን እንተመሰለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት ከጋጥም ከምዝኽእል ምርኣይ ልቢ ዝሰብር’ዩ፤ ምልክት ዝገደደ ምዕባለ’ውን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።”
‘ዣሜ ቩ’ - ‘ተራእዩ ዘይፈልጥ’
ካልእ ዝገርም ምስ ዴዣ ቩ ምምስሳል ዘለዎ ድማ ‘ዣሜ ቩ’ እዩ። ‘ዣሜ ቩ’ ፈረንሳኛ ቃል ኰይኑ ‘ተራእዩ ዘይፈልጥ’ ዝብል ትርጕም ይህብ።
እዚ ብመሰረቱ ብስነመጐት ክፍለጥ ዝግበኦ ኵነታት ምፍላጥ ዘይምኽኣል ማለት እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕማም ምርሳዕ ዝተኣሳሰር እኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ካብ ንሓጺር እዋን ምርሳዕ ዝኽሪ ንላዕሊ ክኸውን እንከሎ እዩ።
“እዚ መደበኛ ምርሳዕ ኣይኰነን” ይብል ኦ’ኮነር።
“ንሓደ ነገር ከተለልዮ ከምዘለካ ኣብ ዝፈለጥካሉ እዋን ከምዘይትፈልጦ ዝገብር፡ ኣንፈትካ ዝስሕት ስምዒት’ዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ነገር ባእታ ንቕሓት እዩ - እዚ ስምዒት እዚ ብጭቡጥ ጌጋ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ክሳብ ዘይተዓዘብካዮ፡ ዣሜ ቩ ኣየጋጥመካን ማለት እዩ።”
“ክንዲ ዴዣ ቩ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም’ኳ እንተዘይኰነ፡ ከም ዴዣ ቩ ግን ክንደክም ከለና’ዩ ዘጋጥም፡ ካብ ኣብ ኣረጋውያን ንላዕሊ ድማ ኣብ መንእሰያት ዝያዳ’ዩ ዘጋጥም።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







