ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ንኣቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ክኸውን መሪጽዎም

ኣቡነ ቄርሎስ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ቄርሎስ

ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝመረጾም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ምእጋድን ምውጋዝን ናይቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።

"ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምቕባእ [ናይዞም ሓድሽ ፓትሪያርክ] ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፡ ዕለት 13 ሰነ ክፍጸም'ዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጠቒሱ።

ዓቃቤ መንበር እታ ቤተክርስያን ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብኣጋጣሚ ብዓል ትንሳኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሓድሽ ፓትርያርክ ክመርጹ ይዳለዉ ምህላዎም ሓቢሮም ነይሮም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2007 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, TEWAHDO.ORG/SCREENSHOT

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ

ኣብ ሓምለ 2019፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ነቶም 3ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

ብኣቡን መርቀርዮስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ "እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ብእምነት ቤተክርስትያን፡ ብስርዓት ቤተክርስትያን፡ ብሕጊ ቤተክርስትያን፡ ንክልተ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ ቆኖናዊ መመሓዳደሪ ቤተክርስትያን፡ ሕጋዊ ዘይኮነ" ውሳነ'ዩ ክብል ተቓዊምዎ።

ኣፈኛ ናይቲ ሃገረስብከት፡ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ግብረመልሲ፡ "ኣብ ርእሲ ሓደ ቅዱስ ሰብ ገበን ምፍጻም ስለዝኾነ . . . ኣትሪርና ንኽኑኖን ንውግዞን ንቃወሞን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ ስለምንታይ ተኣጊዶም?

እቶም ወዲ 96 ዓመት ኣቡን ኣንጦንዮስ፡ "ኣብ ሕብረት መናፍቓን" ኣትዮም ብዝብል'ዩ ካብታ ቤተክርስትያን ከምዝወጹ ተገይሩ።

ነቶም ጳጳስ ዞባ ማእከል ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣቡነ ጴጥሮስ ከኣ፡ ክሳብ ሓድሽ ፓትርያርክ "ዓቃቤ መንበር" ፓትሪያርክ ገይሩ መሪጽዎም።

ቅድሚ'ቲ ውሳነ ምሕላፉ፡ ኣቡን ኣንጦንዮስ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምንባሮም ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ይገልጹ።

እቶም ካብ መዝነቶምን ዝተኣለዩ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ "ሓሶት" ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቪድዮ መግለጺ ነጺጎሞ ነይሮም'ዮም።

ኣብቲ መሊቑ ዝወጸ መልእኽቲ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሽዱሽተ ነጥብታት ዘለዎ ክሲ ከም ዝቐረበሎም ብምግላጽ፡ "ካብ ፓትርያርክ ወሪድካ ተራ ፈላሲ ኮንካ ክትነብር" ዝብል ጠለብ ከም ዝነበሮ ይዛረቡ።

ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

"ወይ ፈላሲ ወይ ካህን ወይ ምእመን ወይ ሊቅ፡ ከምዚ ጌርካ [በዲልካ] ዝብለኒ ኣይረኸብኩን፤ ሓሶት ከም ምዃኑ ተገሊጹለይ" ክብሉ ተሰሚዖም።

ደገፍቶምን ተጣበቕቲን ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ፡ ንማእሰርቲ መራሕቲ መንእሰያት "ትምህርቲ ሰንበትን" ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ብምቅዋሞም'ዮም ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ተደልዮም።

ገለ ካብቶም ንልዕሊ 15 ዓመታት ብመንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣገልገልቲ፡ ሓካይም ዶ/ር ፍጹም ገብረንሰስን ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብን፡ ከምኡ'ውን ቀሺ ገብረመድህን ገብረግዮርጊስን ይርከብዎም።

መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኮይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣቡን ኣንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ከሰስቶም "ኣብ ከቢድ ዝኾነ ሓለዋ፡ ኣብ ዕጹው ገዛ" ይነብሩ ከምዘለዉ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ሓቢሮም።