ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ብውሽጢን ወጻኢን ዝተወሃሃደ ውዲት ዕልዋ መንግስቲ ከምዘሎ ኣፍሊጣ

ትካላት ኣባላት ሓይሊ ዕማም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ብውሽጢን ብወጻኢን ዝተዋደደ ውዲት ዕልዋ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፈደራልን ከምዘሎን፡ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐደመን ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተገልጸ፡ እቲ ንተኣፈፍቲ ጉዳያት ጸጥታን ምክልኻልን ንምቍጽጻር ብሓባር ዝዓዪ፡ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ብሰንበት 30 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰይኖም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ተግባር ተወዲቦም ዝጸንሑ ዝበሎም ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዘእተወን፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ኰይኖም ከኣ ግጭት ብምፍጣር ንመንግስታት ክልልን ፈደራልን ብሓይሊ ንምዕላው ተንቀሳቒሶም ዝበሎም ውልቀ ሰባት ክወሃብዎ ይጽዕር ምህላውን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እቲ “ሕቡእ ውዳበ” ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ንመሓውራት መንግስቲ እቲ ክልል ንምቍጽጻርን፡ ብኡ ኣቢልካ ንመንግስቲ ፈደራል ንምዕላውን ዕላማ ዝገበረ ምንቅስቓስ ከም ዝጸንሐን፡ ከም ዝተረኽበን እዩ።

ብዘይካ’ዚ “ነቲ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስን ብገበናት ሽበራን” ብሕቡእ ክንቀሳቐሱ ምጽንሖም ናይ ዝገለጾም ውልቀ ሰባት ሃብቲ ናይ ምቁጽጻር ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ኣፍሊጡ።

ንቀንዲ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር ዝሓቝፍ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ብሰንበት ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣስታት 50 ዝዀኑ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ምእታውን ልዕሊ10 ዝዀኑ ከኣ ይድለዩ ከምዘለውን ገሊጹ።

እቲ መግለጺ፡ እቲ “ኣኽራሪ” ዝተባህለ ሓይሊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ስለያዊን ሚድያዊን ክንፊታቱ፡ ዶ/ር ወንድወሰን ኣሰፋ ብዝተባህለ ውልቀሰብ ከምዝምራሕን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝነብሩ 16 ኣኽረርቲ ኣባላት ዲያስፖራ ተወሃሂዱ፡ ካብ ባሕርዳር - ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ፡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት እቲ ክልል ዝዝርጋሕ መርበብ፡ ምምልማልን፡ ምዕላምን ምዕጣቕን ሓይልታት፡ ተልእኾ ቅትለትን ሽበራን ሒዙ ክሰርሕ ከምዝጸንሐን፡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዘተበጽሐን የመልክት።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ነቶም “ኣኽረርቲ” ዝበሎም ሓይልታት፡ “ሓሶት ዝዀኑ ዜናታት ብምፍጣርን ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕን፡” ኣብታ ሃገር ሃይማኖታውን ዓሌታውን ግጭት ንኽፍጠር ተወዲቦም ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኰይኖም፡ ኣብታ ሃገር ህውከትን ሕንፍሽፍሽን ብምፍጣር፡ መንግስታት ክልል ኣምሓራን ፈደራልን ንምዕላው ዕላማ ከምዘለዎም የመልክት።

በዚ መሰረት፡ እቶም ብሕቡእ ተወዳዲቦም ዝተባህሉ፡ ኣብ ውሽጢ ይዅን ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለዉ ውልቀሰባት “መርመራ ግብረሽበራ” ይግበረሎም ምህላዉ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ሓይልታት ራዕዲ ዝተባህሉ ወልቀሰባት፡ ካብተን ዘለዉወን ሃገራት፡ ምስ ኣህጉራዊ ትካል ፖሊስ - ኢንተርፖል፡ ከምኡ’ውን ትካላት ጸጥታን ድሕነትን እተን ዝነብሩለን ሃገራት “ኣሕሊፈን ከረክባኦምን ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባሮምን፡” ተሓባቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለው ውልቀሰባት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ይዅን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዎም ሃብቲ፡ “ወጢኖምዎ ኣለዉ” ንዝበሎ ዕላማ ከይጥቀምሉ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሃብቲ ምልላይን ብሕጊ ንምቍጽጻሩ ዘኽእል ስጕምቲ ይውሰድ ምህላዉን ኣገንዚቡ።

ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ብሰንበት ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብሕቡእ ክንቀሳቐሱን ሽበራዊ ተግባራትን ክፍጽሙ ዝተረኽቡ” ዝበሎም 47 ተጠርጠርቲ፡ ምስ ዝተፈላለየ ወተሃደራውን ናይ ርክብን መሳርሒታቶም ከምዝሓዘ የመልክት።

እቶም ዝተታሕዙ ሰባት፡ “ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ንምቕታል፡ ቅዋማዊ ስርዓት ብሓይሊ ኣፍሪስካ፡ መሓውራት መንግስቲ እቲ ክልል ብምቍጽጻር፡ ንመንግስቲ ፈደራል ንምዕላው፡” ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ተወዳዲቦም ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ዝነበረ እዋን ከምዘርከቦም ገሊጹ።

እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም፡ ሓሙስ 27 ሚያዝያ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ብልጽግናን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኣምሓራን ዝነበረ ኣቶ ግርማ የሺጥላ፡ ብዕጡቓት ድሕሪ ምቕታሉ እዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

ስነስርዓት ቀብሪ ኣቶ ግርማ ብሰንበት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ “ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ኣፍሪስካ ስልጣን ንምሓዝ፡” ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ኣኽረርቲ ሓይልታት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ምስ መግለጺኡ ኣተሓሒዙ፡ ነቶም ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስን ኣብ ተግባራት ራዕድን ተንቀሳቒሶም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ናይ ዝኣተዉ 42 ሰባት ኣሳእል ኣተሓሒዙ ዘርጊሑ።

ብተወሳኺ፡ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ዝሰርሑን፡ ኣባላት ፋኖ ዝርከብዎም ተደለይቲ ዝተባህሉ 11 ጥርጡራትን’ውን ተዘርጊሑ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ ቅድሚ ሰሙናት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክርአ ዝጀመረ፡ ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈሩን ሰባት ምዃኖም ይፍለጥ።

እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን፡ ቀንዲ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት ምክልኻልን ጸጥታን ተወሃሂዱ ዝዓዪ፡ ንትካላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ፈደራል ፖሊስ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነት፡ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ፡ ፖሊስ ምምሕዳር ኣዲስኣበባን ዝሓቘፈ እዩ።