ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ዝርርብ ክጅመር እዩ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቕ ሓይሊ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝርርብ ክጅምር ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጹ።
እዚ ምስቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ምስ ዝጽውዖ ጕጅለ ዝግበር ዝርርብ ጽባሕ ሰሉስ 25 ሚያዝያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ታንዛንያ ከምዝጅምር እውን ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ጻዕሪ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መደብ እዩ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ምስ መንገስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍልልይ ብዘተ ክፈትሕ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ጕጅለ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ንዝርርብ ከም ቅድመ ኵነት ዘቐመጥናዮ ነጥብታት ስለዝተቐበለ ተሰማሚዕና ኣለና ኢሉ።
ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ክፋላት እታ ሃገር ከካይዶ ንዝጸንሐ ምንቅስቓስ ደው ንምባልን ንምዝታይን ድልየታት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ነዚ ቅድመ ኵነት ዝበሎም ጉዳያት ምዝርዛሩ ዝዝከር እዩ።
ሓደ ካብቲ ቅድመ ኵነት፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብመንጐኝነት ሳልሳይ ወገን ክግበር ዝጠልብ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዝወጽአ መግለጺ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፡ "ሸኔ" ዝብል መንግስቲ ዝጥቀመሉ መጸውዒ ክተርፍ ኣመልኪቱ። "መጸውዒ 'ቲ ውድብ፡ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኰይኑ፡ ካልእ መጸውዒ ግጕይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዕላማናን መንነትናን ዘንጸባርቕ ኣይኰነን፡" ብምባል መንግስቲ ካብዚ ዝንቡዕ ኣገላልጻታት ክቝጠብ ጸዊዑ።
ክልቲኦም ወገናት፡ መዓልቲ ፈልዮም ክዛተዩ ወሲኖም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ "ንፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ዕድልካ ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል፡ ፈላሚ ምዕራፍ ለውጢ እዩ፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝርርብ ኣብ ታንዛንያ ክግበር ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ መንጐኛ ብዛዕባ ምህላው ዝበሎ የለን።
ኣቐድም ኣቢሎም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ መንግስቲ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንምዝርራብን ሰላም ንምውራድን ድልየታት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ምግላጾም ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት ንፕረዚደንትታት ኵሎም ክልላት ዘካተተ ጕጅለ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ ከምርሕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሓቢሩ።
ኲናት ትግራይ ደው ኣብ ምባል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ትማሊ ሰንበት 23 ሚያዝያ፡ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክዛዘም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ናይ ምስጋናን ኣፍልጦን ስነ-ስርዓት ተኻዪዱ።
ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ምሕዝነት ዝተኻየደ መደብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሓማት፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራትን መራሕቲ ክልላትን ተረኺቦም።
“ኲናት የብቅዕ፤ ሰላምና ንጽንዕ” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ፡ ንመራሕቲ ክልቲኡ ወገናት ሰላም ንምስፋን ንዝገበርዎ ጻዕርታት ኣመስጊኑ።
ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተገብረ ዘተ ዝመርሐ መንጐኛ እዩ።
ኣብ 2021 ነቲ መዝነት ዝተዋሃበ ኦባሳንጆ፡ “ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት’ውን ሰላም ከምዝመጽእ ትስፍው እየ ነይረ፡” ኢሉ።
“እቲ ዓወት ንክርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሰላም ዝወሰዶ ተሪር ስጕምቲ ወሳኒ እዩ ነይሩ። . . . ንተበግሶ ህወሓት እውን ከየልዓልክዎ ኣይሓልፍን።”
ሰላም ብተሳትፎ ክልተ ወገናት ዝመጽእ ምዃኑ ዝገለጸ ኦባሳንጆ፡ ክልቲኦም ኣካላት ዝበጽሕዎ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ንምግባር ተወሳኺ ኣተኩሮ ምግባር ከምዘድሊ ሓቢሩ።
ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዘለዎ’ውን ገሊጹ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዐ ሓደ ካብ ተወከልቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምዃን ካብ መንጐ እቶም ነቲ ዘተ ዝመርሑ ዝነበሩ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ “ኣፍሪቃ ንጸገማታ ናይ ገዛእ ርእሳ መፍትሒ ክተምጽእ ትኽእል እያ፡” ኢሉ።
ኣቦ መንበር ኮምሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሓማት ብወገኑ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከብቅዕን ስምምዕ ሰላም ክብጻሕን ተራኦም ንዝተጻወቱ ውልቀሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን ምስጋና ኣቕሪቡ።
“ኢትዮጵያ ንዋጋ ሰላምን ኲናት ትርዳእ እያ” ዝበለ እቲ ኣቦ መንበር፡ ጐረባብቲ ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክመሃራ ከምዝግብአን ብምግላጽ፤ “ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ክትሕግዝ ይግባኣ፡” ኢሉ።
“ነዚ ዝብል ዘለኹ ንኣሕዋት ሱዳናውያን እናዘከርኩ እዩ። ሱዳናውያን ካባኹም ክመሃሩ ኣለዎም።”
‘ካብ ትግራይ ሰላምን ፍቕርን ጥራሕ እየ ሒዘ መጺአ’

ምንጪ ስእሊ, EBC
ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ደው ንምባል ጥራሕ ዘይኮነ ሰላም ንምውሓስ “ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ ስነ-ስርዓት ምድላው” ንመንግስቲ ኣመስጊኑ።
"መልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ጥራሕ እየ ሒዘ መጺአ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክሰፍንን ናብ ናይ ቀደም ህይወቱ ንምምላስን እምበር ድምጺ ጥይት ንምስማዕ ድልየት ፍጹም ከምዘይብሉ ገሊጹ።
“ደማዊ ኲናት ኢና ኣሕሊፍና። ብዙሓት ኣማኢት ኣሽሓት ኣኽፊሉና ኣሎ” ድሕሪ ምባል እቲ ስምምዕ ሰላም ንክኽተም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝወሰዶ “ድፍረት ዝተመልኦ ውሳነታት ከየድነቕኩ ክሓልፍ ኣይክእልን፡” ኢሉ።
“መቕርበይ ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ ኣለዉ። ተመዛበልቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ኣለዎም። ኣርባዕተ ዓመት ካብ ቤት ትምህርቲ ርሒቘም ዝጸንሑ ክምለሱ ይደልዩ። . . . ምስ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ግጭት ክህሉ ኣይግባእን።”
ንሱ ወሲኹ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ንዝርኣዩ ግጭታት “ብድፍረትን ስፍሕ ብዝበለ ኣረኣእያን ከምዝፈትሖ ተስፋ እገብር። ንሕና’ውን ነዚ ንምዕዋት ዝከኣለና ንምግባር ድልዋት ምህላውና አረጋግጸልኩም፡” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
ንመንግስቲ ፈደራል ብምውካል ኣብቲ መድረኽ ቃል ዘስምዐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮንን እውን እቲ ኲናት ብዙሕ ጉድኣት ከምዘውረደ ሓቢሩ።
“እቲ ግጭት ልዑል ክሳራ ኣውሪዱ፡ ተስፋታት ኣማህሚኑ እዩ። መንእሰያት ከፈልቲ ዘይተለቅሕዎ ዕዳ ኮይኖም እዮም” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “ብዘይ ዝዀነ ምጥርጣር ከትግበር ይግባእ፡” ክብል ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







