ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ቅትለት ሓላፊ ብልጽግና ዛጊት ዝተረጋገጸ ሓቅታት

ምንጪ ስእሊ, SM
ሓላፊ ቤትጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺጥላ ብሓሙስ ከምዝተቐተለ ይፍለጥ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነ ኣቶ ግርማ ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሾዋ ካብ ዝተኻየደ ኣኼባ እናተመለሰ እንከሎ እዩ ብዕጡቓት ተቐቲሉ።
"ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሽዋ ፍሉይ ዞን፡ መንዝ ጓሳ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ብስራሕ እናተንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ብኣኽረርቲ ዕጡቓት ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ህይወቶም ሓሊፉ'ሎ" ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።
ምስ ኣቶ ግርማ ዝነበሩ ሓለውቱ ዝርከብዎም ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት'ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ዝርከብዎም ኣካላት ብሞት እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፡ ነቲ ቅትለት ኮኒኖሞ ኣለዉ።
መን'ዩ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ?
ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕትለት ኣቶ ግርማ የሺጥላን ብጾቱን ዝሕተት መን ምዃኑ ብስም ኣይገለጹን።
ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ዛጊት የለን።
ሰብመዚ ክልል ኣምሓራን ፈደራላዊ መንግስትን "ዘይስሩዓት ሓይልታት" ከምኡ'ውን "ሕሉፋት ሓይልታት" ብምባል ዝገለጽዎም ወገናት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ'ዮም ገሊጾም ዘለዉ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ነቲ ፈለማ ዘወጽኦ መግለጺ ብምቕያር፡ ጸኒሑ ኣቶ ግርማ በቶም "ኣኽረርቲ ሓይልታት" ከምዝተቐትለ ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን፡ እቶም ሰብመዚ፡ እቶም ዝተባህሉ ሓይልታት መን ምዃኖም ብስም ካብ ምጥቃስ ተዓቂቦም ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ ግን፡ ሰበስልጣን እቲ ክልል ይኹኑ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ነቶም ብወግዒ ኣካል ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዘይኮኑ ዕጡቓት "ዘይስሩዓት ሓይልታት" ብምባል ክገልጽዎም ጸኒሖም'ዮም።
ነቶም ብሄር መሰረት ዝገበረ ቃልሲ ዘካይዱ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት'ውን "ሕሉፋት ሓይልታት" ተባሂሎም ክግለጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ካብቶም "ዘይስሩዕ ሓይልታት" ተባሂሎም ብሰብመዚ ክግለጹ ዝጸንሑ'ዮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝኾነን፡ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝነበረን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ "ዘይስሩዓት" ሓይልታት ዝተፈላለየ ቅርጺ ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፋና ተለቪዢን ገሊጹ ነይሩ።
ገለ ካብኦም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ፈደራል ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉን፡ ገለ ድማ ኣብ ዝምታን ዝተዋፈሩ ከምዘለዉ'ዩ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ስለምንታይ ኣቶ ግርማ ዒላማ ኮይኑ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ብዓል ኣቶ ግርማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ዝዘርግሑ'ዩ።
ኣቶ ግርማ በቶም “ሓሳብ ብሓሳብ ክስዕሩ ዘይከኣሉ ኣካላት ነብሲ ክቡር ሓውና” ዝተቐትለ'ዩ ኣብዪ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቅስ።
“ፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ምፍታሕ ባህሊ ኣብ ዝኾነሉ ክፍለ ዘመን፡ ምሳና ዘይሰማምዑ ንምእማን ብጠበንጃ ምጥቃም ናይ መወዳእታ ደረጃ ጽንፈኝነት”።
ወልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣቶ ግርማ እንታይ ከምዝነበረ ብንጹር ዝተረጋገጸ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዳግመ-ስርርዕ ፍሉይ ሓይልልታት ክልላት ብዝምልከት ጉዳያት ብዝሃቦም መግለጺታት ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ከም ጸገም ጸጥታ ዝራኣዩ ፍሉይ ሓይልታት ናብ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ፈደራል ፖሊስ ከምኡ'ውን ስሩዕ ፖሊስ ክጽንበሩ ዝተወስደ ውሳነ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓያል ተቓውሞ ኣስዒቡ ኣይርከብ።
ኣቶ ግርማ ድማ ሓደ ካብቶም እቲ ውሳነ ኣገዳሲ ምዃኑ ንህዝቢ ንምርዳእ ኣኼባታት ክመርሑ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል'ዩ ነይሩ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ካብቶም ነቲ ዳግመ-ስርርዕ ዝቃወሙ ተሪር ነቐፌታታት ክቐርበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣቶ ግርማ ኣብ ምምሕዳርን ሰልፊን ዝነበሮ ጽልዋ
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰሜን ሽዋ ዞን፡ መሃል ሜዳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ከምዝተወልደ ዝንገረሉ ኣቶ ግርማ የሺጥላ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍን መንግስታዊ ኣካላትን ሰሪሑ።
ኣብ ሰሜን ሸዋ ዞን፡ ናይ ኣንጾክያ ገምዛ ወረዳ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ናይቲ ወረዳ ዋና ኣመሓዳሪ፡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ደብረ-ብርሃን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈለለዩ ቤት ጽሕፈታት ከምዘገልገለ ታሪኽ ህይወቱ የመልክት።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣባል ቤት-ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ግርማ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈትእ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ምንባሩ'ውን ይግለጽ።
ኣቶ ግርማ፡ ኣባል ናይቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝተተከአ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ ኣባል ዝነበረ'ዩ። ኣብቲ ኣካል ኢህወደግ ዝነበረ ንክልል ኣምሓራ ዝመርሕ ዝነበረን ብስም ብልጽግና ኣብ ስልጣን ዘሎን 'ብአዴን' ዝብሃል ዝነበረ ውድብ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰሜን ሸዋ ዞን ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ። ሓላፊ ብአዴን ኣብ ደብረብርሃን ኮይኑ'ውን ሰሪሑ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኣምሓራን ምክትል ርእሰ-ምምሕዳርን ብምዃን እናገልገለ እንከሎ'ዩ ተቐቲሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







