ኣብ ክልል ኣምሓራ ተላዒሉ ብዘሎ ኵነታት ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞታት

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞታት

መንግስቲ ፈደራል፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ክፈርሱ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዝተለዓለ ተቓውሞታት፡ ኣካላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጕምትን መንነቶም ዘይተፈለጡ ውልቀሰባት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ብተኵሲ ብዝተሰነየ መጥቃዕትታት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ሞትን ኣካላዊ መጕዳትን ከምዘስዓበ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ 12 ሚያዝያ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣካላት ጸጥታ ዘይተመጣጣኒ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቝጠቡን፡ ኵሉ ሰብ ሓሳቡ ብሰለማውን ሕጋውን መንግዲ ክገልጽን ጻውዒት ብምቕራብ፡ መንግስቲ ንፈጸምቲ መጥቃዕቲ ኣድላዪ መርመራ ኣካይዱ ተሓታትነት ከረጋግጽ ሓቲቱ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ካቶሊካዊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንበት ክልተ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ቆቦ ከምዝተቐተሉ ምግላጹ ይዝከር።

ከምኡ’ውን ቢቢሲ ኣብ ደብረብርሃብ ብዘጋጠመ ግጭት ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

በቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ተዓቒቦም ዝነበሩ ክልት ሰባት ከምዝተቐተሉን ሓንቲ ሰበይቲ ብጥይት ከምዝተሃረመትን ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ቆቦ 9 ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ግጭት ድሕሪ ምልዓሉ ብዝሰዓበ ምልውዋጥ ተዅሲ ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ቢቢሲ ካብ ክልተ ነበርቲ ቆቦ ከምዘረጋገጾ፡ እቶም ነበርቲ ሰለስተ ኣባላት ፋኖ ከምዝተቐተሉ ምስምዖም ክገልጹ እንከለዉ፡ ካብ ዝምልከቶም ሰባት ተወሳኺ ሓበሬታ ክርከብ ኣይትኸኣለን።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ መራዊ ኣብ እትበሃል ከተማ ብዝወሰዶ ዘይተመጣጣኒ ስጕምቲ ብውሕዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ክብል ማሕበር ኣምሓሩ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ መንግስቲ ይዅን ካብ ሰራዊት ፈደራል ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን።

መንግስቲ ኣብ ክልላት ዝርከቡ ብክልላት ዝመሓደሩ ፍሉያት ሓይልታት ከም ብሓድሽ ክስርዑ ብዘውጽኦ መደብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዕጥቁ ክፈትሕ’ዩ ብዝብል፡ ነቲ ውሳነ መንግስቲ ዝቓወም ሓያለ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየዱ ካብ ዝጅምሩ መዓልታት ኣቝጺሮም ኣለዉ።

ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ከኣ ኣብ መንጐ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ምትፍናን ተፈጢሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቶም ስግኣታት ጸጥታ ኣጋጢምዎም ዘሎ ከባቢታት ምክትታል ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቆቦ፡ ባህርዳር፡ ወረታ፡ ኮምቦልቻ፡ ደብረብርሃንን ኣብ መረዊን ብዘተኻየደ ተቓውሞታት ምዕጻው መንገዲ፡ ምቍራጽ ኣገልግሎታት ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጐ ኣካላት ጸጥታ ምትፍናን ከምዝተፈጠረ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምሽን፡ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ከተማታትን ካልእ ከባቢታትን ብዘሎ ዘይምርግጋእ ነበርቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዕንቅፋታት የጋጥሞም ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብዘሎ ወጥሪ ኣብ ደብረብርሃን፡ ጎንደር፡ ደሴን ኮምቦልቻን ሰዓታት ገደብ ምንቅስቓሳት ተነቢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኮምሽን፡ እዚ ዘሎ ዘይምርግጋእ መዕለቢ እንተዘይተገይርሉ ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ከስዕብ ከምዝኽል ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ መንግስቲ ብዘተን ብምምኻርን ክፈትሖ ተላብዩ።