ፍሉይ ሓይሊ ብሓድሽ ንምውዳብ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘስዓቦ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, SM
ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ደጊምካ ከም ብሓድሽ ንምውዳብ ዝተጀመረ ስጕምቲ ብምቅዋም ብቐዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶ/ር ይልቃል ከፋለ እውን ኣብ ገለ ከተማታት እቲ ክልል ተቓውሞታት፡ ጻውዒት ኣድማን ተግባራት ምዕጻው መንገዲን ከምዝተርኣዩ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ነቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ሰራዊት ምክልኻልን ትካላት ጸጥታን ንምሕዋስ ዝተታሕዘ ትልሚ ብታህዋኽ ንምትግባር ዝወሰድ ዘሎ ስጕምቲ፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ከቢድ ህዝባዊ ቍጠዐ ኣልዒሉ” ኢሉ።
ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሰራዊት ምክልኻል፡ ፖሊስ ፈደራልን ክልልን ክጠቓለሉ ዝገብር ትልሚ ዕላዊ ምስተገበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወጥርን ተቓውሞን ኣጋጢሙ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሎም ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዱን ከምኡ እውን ምዕጻው መንገዲታት ዘርእዩ ቪድዮታትን ኣሳእልን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስፍሓት ክዘዋወሩ ተራእዮምን እዮም።
'ተቓውሞን ምትዕንቓፍ ምንቅስቓሳትን'
ቢቢሲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንምጽራይ ከምዝፈተኖ፡ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህር ዳር ልሙድ ምንቅስቓሳ ተዓናቒፉ፡ ብፍላይ ሰንበት ዝሕልሕል ኢላ ዝወዓለት ኰይና፡ ኣብ ከም ጎንደርን ደብረ ማርቆስን ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ብሰንበት ብውሕዱ ኣብ ክልተ ከተማታት ነቲ መንግስቲ ፈደራል ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዘካየዱን ድምጺ ተዅሲ ከምዝተሰምዐን ወኪል ዜና ሮይተረስ ሓቢሩ።
ሓደ ነባራይ ከተማ ጎንደር ንሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ስጕምቲ መንግስቲ ብምቅዋም ምሉእ ለይቲ ናብ ሰማይ ክትኩሱ ሓዲሮም።
እቲ ዳግመ ምጥያስ ዝፈጠሮ ውጥረት ስዒቡ፡ ተግባራዊነቱ ብዝምልከት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶ/ር ይልቃል ከፋለን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብፍቓዶም ናብ ምክልኻል፡ ፖሊስ ፈደራልን ክልልን ከምዝሕወሱ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን “መብዛሕትኦም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዘተ ወዲኦም ኣብ ካምፕ ኰይኖም ነቲ ውሳነ ይጽበዩ ኣለዉ” ብምባል እቶም ካብ ካምፕ ወጺኦም ዘለዉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ጸዊዑ።
ክልተ ነበርቲ ናይታ ኣብ ምብራቓዊ እቲ ክልል ኣብ እትርከብ ከተማ ቆቦ፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ድምጺ መዳፍዕ ከምዝተሰምዐ ንሮይተርስ ሓቢሮም። እንተዀነ ካብ ኣየናይ ወገን ከምዝተተኮሰ ከምዘይተፈለጠ ተገሊጹ።
ኣብን ብወገኑ ብሰንበት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣምሓራ ሰልፊታት ተቓውሞ ከምዝተኻየዱን ስሩዕ ምንቅስቓስ ከምዝተዓናቐፈን ብምግላጽ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ራያ ቆቦን ከባቢኣን “ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሰነየ ተዅሲ” ተኻይዱ ኢሉ።
ብሰንበት ብውሑድ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት እቲ ክልል ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ንድሕነቶም ክበሃል ሽሞም ዘይተጠቐሰ ነበርቲ ንሮይተርስ ገሊጾም።
ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰልፈኛታት ብኣእማን፡ ዕንጸይትን ካልኦት ነገራትን መንገዲታት ድሕሪ ምዕጻዎም ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ስለዝተገደበ ልሙድ ምንቅስቃስ ከምዘይተራእየ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
'ፕሮፖጋንዳን ጉድለት ሓበሬታን'
ዋላ'ኳ መንግስቲ ፈደራል ኮነ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ እቶም ሰልፊታት ተቓውሞ ዝሃብዎ ሓበሬታ እንተዘይሃለወ፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ግን ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝግበር ዳግመ ውደባ ፍሉይ ሓይልታት ብዝምልከት፡ “ ብዘጋጠመ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ኣብ ገለ ከባቢታት ሰላማዊ ሰልፊ፡ ጻውዒት ኣድማን ናይ ሰባትን ተሽከርከርትን ምንቅስቓስ ናይ ምግዳብን ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ” ኢሉ።
ነቲ ውሳነ ኣብ ምፍጻም ዝተፈጠረ ክፍተትን “ዝተነዝሐ ፕሮፖጋንዳን” ጸገማት ከምዝፈጠሩ ዝገለጸ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ቅሬታ ከምዝፈጠረን፡ “እቲ ቅሬታ ዘጋጠመ ዝተማልአ ሓበሬታ ናብቲ ህዝቢ ስለዘይበጽሐ” ከምዝዀነን ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ “እቲ ዝለዓል ሕቶ ልክዕ'ኳ እንተዀነ፡ ተግባራውነቱ ንሃገር ዘርብሕ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ” ዝበለ እቲ ርእሰ ምምሕዳር “ብፍሉይ ዕጥቂ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ንምፍታሕን ምብታንን ውሳነ ከምዘየለ” ብምጥቃስ፡ ብስምምዕ መንግስቲ ፈደራልን ክልላትን ከምዝፍጸም ተዛሪቡ።
ምፍራስ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘይፍጸምን ብፍሉይ ንክልል ኣምሓራ ትዅረት ዝገበረን ከምዝዀነ ዝኸስስ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብን ግን ንስጕምቲ መንግስቲ ነቒፉ።
'ቅልውላውን ግጭትን ከይፍጠር'
ኣብን ትማሊ ሰንበት 01 ሚያዝያ 2015 [ኣግ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፈደራል “ኣመራርሓ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ካብቲ ሰራዊት ብምንጻልን ስንቂ፡ ቀረብን ደሞዝን ብምኽልካልን ሓዊሱ፡ ነቲ ሓይሊ ንምብታን ጻዕሪ ይገብር ኣሎ” ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ እዚ ስጕምቲ “ብእዚ ዘይምራሕን መንግስቲ ዘይቈጻጸሮን ሓይሊ ብምፍጣር እቲ ክልል ናብ ቅልውላውን ግጭትን ዝወስድ እዩ” ክብል ኣጠንቂቝ።
በዚ መሰረት ነቲ ኣብን መንግስቲ “ብታህዋኽ ዝጀመሮ” ዝበሎ ዳግም ምውዳብ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብዕሊ ደው ብምባል ኣብቲ ክልል ዝተልዓለ ተቓውሞን ወጥርን ዘዝሕል ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከም ብሓድሽ ንምውዳብ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ፡ መንግስቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፈደራልን ስሩዕ ናይ ክልልን ፖሊስ ንምሕዋስ ክዳሎ ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።
እቲ ውሳነ፡ “ዋጋ ተኸፊልዎ እውን እንተዀነ” ተግባራዊ ከምዝግበር ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር በዚ መንጽር፡ “ ኮነ ኢሎም ኣዕናዊ ተራ ኣብ ዝጻወቱ ግቡእ ስጕምቲ ምኽባር ሕጊ" ከምዝውሰድ ኣጠንቂቝ።
ብተወሳኺ ካብቶም ነቲ ስጕምቲ ዝተቓወሙ፡ “ውሑዳት ዘይበሃሉ ‘ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ክፈርስ ኣለዎ’ ኢሎም ክጽሕፉን ክማጐቱን ዝጸንሑ እዮም” ክብል ብምግላጽ፡ እቲ ዝተጀመረ ዳግመ ውደባ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምዝቕጽለሉን ኣብ ልዕሊ ዘተዓናቕፉ ስጕምቲ ከምዝወስድን ገሊጹ።
ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ንውሳነ መንግስቲ ፈደራል ብምድጋፍ ተግባራዊ ከምዝገብርዎ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክዛረቡ ተሰሚዖም።
ተቓወምቲ ውድባት ኢዜማን ባልደራስን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሰራዊትን ፖሊስን ንምሕዋስ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ኰይኖም፡ እንተዀነ ብመንጽር ኵነታት እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ተግባራዊ ንምግባር ምፍታን እዋን ዘይሓለወ እዩ ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







