ኣብ መንጐ ሓይልታት ፈደራልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ወጥሪ ከምዘሎ ተገሊጹ

ከተማ ባህርዳር

ምንጪ ስእሊ, ከተማ ባህርዳር

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኵለን ክልላት ፍሉይ ሓይሊ መሊስካ ናይ ምውዳብ ዕማም ይስራሕ ከምዘሎ፡ እንተዀነ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕንቅፋት ይገጥሞ ከምዘሎ ገሊጹ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዝተወሰና ኣሃዱታት ፍሉይ ሓይሊ፡ "ዕማምን ዕላማን ዳግመ ውደባ ብግቡእ ዘይምርዳእ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ኣሰጐምቲ ኣጀንዳ ጥፍኣት ኮነ ኢሎም ወረታት ሓሶት ብምግዋሕ ነቲ መስርሕ ይዘርግዎ ኣለዉ፡" ክብል እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ክልላት እታ ሃገር ዝተወደበ መሓውር ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ን ዝዓጠቘ ኣጽዋርን ንዓመታት ከዛራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ምትዕርራይ ክግበረሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት እማመ-ሓሳባት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ዳርጋ ኣብ ኵለን ክልላት፡ እቶም ሓይልታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ወዲቦም፡ ካብ ስሩዕ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታ ከባብን ፍልይ ዝበሉ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ክህቡን ዝተፈለየ ኣጽዋር ክዓጥቁን ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ንክልላዊ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ትካላት ምክልኻል ሃገርን ጸጥታን ፈደራል ፖሊስን ካልኦት ሃገራዊ ትካላት ጸጥታን ክውደቡ ወሲኑ ይሰርሐሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ቢቢሲ ኣምሓርኛ ካብ ሓደ ሓደ ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብቲ ክልል ትማሊ ዘይተለምደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻልን ፈደራል ፖሊስን ተራእዩ።

ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህርዳር፡ ናብ ከተማ ጐንደር ዝወስድ መንገዲ ንዝተወሰነ እዋን ተዓጽዩ ከምዝነበረ ዝገለጹ ነበርቲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራል እውን ኣብቲ ከባቢ ብበዝሒ ከምዝተራእየ ሓቢሮም።

ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰሜን ወሎ ከባቢ ቆቦ’ውን፡ ንሓጺር እዋን ድምጺ ተዅሲ ከምዝተሰምዐን፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ስንባደን ፍርሕን ከምዝፈጠረን ሓቢሮም።

ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ክልተ ነበርቲ፡ ምኽንያት ምዕጻው ጽርግያን ንሓጺር እዋን ዝተሰምዐ ተዅሲ "ካብ ምግማት ወጻኢ" ምኽንያቱ ብዕሊ ከምዘይፈለጡ ገሊጾም።

እዚ እማመ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ደገፍን ተቓውሞን ዝረኸበ ኰይኑ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ግን እቲ ውሳነ ጭቡጥ ኵነታት ኣብ ግምት ከምዘየእተወን ኣድላዪ ዘተ ከምዘይተገብረሉን ብምንቃፍ፡ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ኣብን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ መንጐ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ሓይልታት ጸጥታ ፈደራልን ከቢድ ወጥሪ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ጭቡጥ ኵነታት ብዝምልከት ካብ ትካላት ጸጥታ እቲ ክልል ሓበሬታ ንምርካብ ቢቢሲ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።