ኣጀማምራ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊን ኣብዚ እዋን ዘለዎም ቁመናን

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያን ትግራይን
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያን ትግራይን

ኣብ ቀረባ ካብ ዝተመስረታ ክልላት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልላት ኵለን፡ ብደረጃ ስሩዕ ሰራዊት ዝሰልጠኑ ፍሉይ ሓይሊ ምምልማል ካብ ዝጅምራ ዓመታት ተቘጺሩ እዩ።

ኣወዳድባ ናይዞም ተጸዋዕነቶም ንክልላት ዝዀኑ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጠናኸረ ብዕጥቅን ብቝጽርን እናዓበየን ብምኻድ ንሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ክሳብ ምንሕናሕ በጺሑ።

ክልላት ካብ ፖሊስ ብዝሓለፈ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ጸጥታ ንምውዳብ ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሶማል፡ ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ስሩዕ ሰራዊት ብዝመስል መልክዕ ብተኸታታሊ ብዙሕ ሰራዊት እናመረቓ ነይረን።

ኣብዚ እዋን ክልላት ክንድዚ ናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ወዲበንን ኣዕጢቐንን ምውፋረን ንድሕነት ሃገር ሓደጋ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ናይዞም ሓይልታት ውደባ ሕጋዊ መሰረት የብሉን ብምባል ድማ ይምጕቱ።

ብኻልእ ወገን ዓቕሚ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሕድሕድ ክልል ዘጋጠሙ ስግኣታት ጸጥታ ብቐረባ ንምቍጽጻርን ድሕነት ህዝቢ ንምሕላውን ካብ ፖሊስ ብተወሳኺ ፍሉይ ሓይሊ ዓቢይ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል ዝብሉ እውን ኣለዉ።

ኣጀማምራን ዕብየትን ፍሉይ ሓይሊ

ኣብ ኢትዮጵያ ምውዳብ ፍሉይ ሓይሊ ዝተጀመረ ኣብ 1998 [ኣ.ግ] ኣብ ክልል ሶማል ዝነበረ ምንቅስቓስ ደባይ ሓይሊ ንምቍጽጻር እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብቲ ክልል ዓቢይ ጸቕጢ ናይ ዝነበሮ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ተዋጋእቲ ንምቍጽጻር ብሓገዝ መንግስቲ ፈደራል ፍሉይ ሓይሊ ቈይሙ።

ቀጺለ፡ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያ ነናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ምውዳብ ጀሚረን። በዚ ድማ ኣብተን ሓድሽ ዝተመስረታ ክልላት ሓዊሱ ፍሉይ ሓይሊ ናይ ምጥያሽ ልምዲ ሰፊሑ ቀጺሉ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልላት መጀመርታ እንትምስረቱ ብሽም ፖሊስ ዝነበረ ኮይኑ በዚ ምኽንያት “ፍሉይ ፖሊስ” እናተበሃሉ ክጽውዑ ጸኒሖም።

እንተዀነ ኣወዳድባኦም፡ ሓላፍነቶምን ዕጥቆምን ካብ ፖሊስ ዝተፈለየ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ምስ ስሩዕ ሰራዊት ዝመጣጠን ብምዃኑ፡ ቀስ ብቐስ መጸውዒኦም ካብ ፖሊስ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ተቐይሩ።

ፍሉይ ሓይልታት ዝተዓጠቑ ዓመጽትን ጕጅለታት ገበንን ዒላማ ዝገበሩ ወፍርታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ብተወሳኺ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ዘለወን ክልላት ኣብ ዘጋጥሙ ግጭታት ድማ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ።

ኣብ ክልላት እታ ሃገር ዘለዉ ፍሉይ ሓይልታት ኣወዳድባኦምን ዕጥቈምን ዝምልከት፡ ብዙሓት ዓመታት ሕቶ ክለዓሎን ኣራሚ ስጕምቲ ክውሰድን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓሳብ ክህቡ ጸኒሖም።

ኵለን ክልላት ብዝበሃል፡ ካብ ፖሊስን ከባብያዊ ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈለየ ወታሃደራዊ ስልጠናን ዕጥቅን ዘለዎም ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍሉይ ሓይልታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ወዲበን እየን።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ

ስልጠናን ዕጥቅን ፍሉይ ሓይሊ

ምስ ፍሉይ ሓይሊ ተተሓሒዞም ካብ ዝለዓሉ ጉዳያት ሓደ፡ ቍጽሮም፡ ዝተዓጠቕዎ ኣጽዋርን በዝሕን ዝምልከት እዩ።

ኣብ ክልላት ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊ ዘለዎም ብዝሒ ሰራዊትን ዝተዓጠቕዎ ኣጽዋርን ብዝምልከት ዕላዊ መረዳእታ ምርካብ ከቢድ እዩ።

ክልላት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዝነበረን ብዝሒ ፍሉይ ሓይሊ ኣዐርየን ከዕብያኦ ተራእየን። እንተዀነ ዘለወን ብዝሒ ኣይፍለጥን።

ኣብ ገለ ክልላት ዘለዉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝተዓጠቕዎ ኣጽዋር፡ ካብ ፖሊስ ኣዐርዩ ዝበለጸን ዘመናውን ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።

ምስቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተዓጠቘ ዝዳረግ ኣጽዋር ዝተዓጠቝ'ውን ከምዘለዉ ይጠቀስ።

ፍሉይ ሓይልን ክልላትን

ኣብታ ሃገር ዘለዋ ክልላት፡ ዳርጋ ኵለን ሓንቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሓንቲ ናይ ወሰን ይግብአኒ ሕቶ የልዕላ፣ ገለ እዋን ድማ ጐንጺታት የጋጥሙ ምንባሮም ይዝከር።

ኣብዞም ዘጋጥሙ ግጭታት፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ ነይሮም።

ኣብዚ ክልላት ሶማልን ዓፋርን ተጠቀስቲ እየን። ኣብ መንጐ ክልቲአን ክልላት ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ሕቶ ይግበኣኒ ኣብ ዝለዓሉ ማሕበረሰባዊ ጐንጺታት፡ ሽም ፍሉይ ሓይሊ ብተደጋጋሚ ይለዓል።

ኣብ 2021 ክልል ሶማል ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ዕጡቓት ብምዃን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ ብተመሳሳሊ ክልል ዓፋር ድማ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክትብል ከሲሳ።

ኣብ መንጐ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ዝተፈጠሩ ጐንጺታት እውን ፍሉይ ሓይሊ ክልቲአን ክልላት ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይቐርበሎም።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማል
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማል

ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝፈጠርዎ ስግኣት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መከላኸልን ካልኦት ኣካላት ጸጥታን ንምሕዋስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ስግኣት ፈጢሮም ከምዘለዉ ጠቒሱ።

“ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ተተሓሒዙ ሓደ ክልተ ግዜ ሃገራዊ ልኡላውነትን ሓድነትን ዝፈታተኑ ኵነታት ኣጋጢሞምዋ ምንባሮም ዝርሳዕ ኣይኰነን። ካብ ስግኣት ልኡላውነትን ሓድነትን ሓሊፉ ኣብ መንጐ ክልላት ዘየድሊ ንሕንሕን ምፍጣጥን ክለዓል ምኽንያት ከምዝዀነ ንርኢ ኢና” ኢሉ።

ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተፈጠረ ለውጢ፡ በቲ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል ነበር ኣቢሉ ብፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዝተሰደ ስጕምትን ዘስዓቦ ጥፍኣትን ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዝነበሮ ግደ በዚ መንጽር ዝጥቀስ እዩ።

ገለ እዋን ድማ እዞም ሓይልታት ካብ ክልሎም ወጻእ ኣብ ዝገብርዎ ብጽቡቕን ሕማቕን ሽሞም ይለዓል እዩ።

ኣብ ኵነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብወገን መንግስቲ ምስጋናን ኣድናቘትን እንትወሃቦም ብኻልእ ወገን ድማ ብጥሕሰት መሰላት ይኽሰሱ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝነበረ ኲናት፡ ኵሎም ሓይልታት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ጥሕሰታት ከምዝፈጸሙ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ምብታንን ዳግመ ውደባን ፍሉይ ሓይሊ

እቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኵለን ክልላት ዝተጣየሱ ፍሉይ ሓይልታት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ክልሎም ድጋፍ እንተሃለዎም፡ ኣብ ሕጊ እታ ሃገር ግን ምጥያሶም ዝድግፍ ሕጊ የለን።

በዚ ምኽንያት ነቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየሉ ናብ ዝተወደበ ሰራዊት ዝበጽሑ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፡ መንግስቲ ፍታሕ ክደልየሎም ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ምምስራት ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ክልላት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብፍሉይ ሓይልታት ዝፍጸሙ ገበናት ክምዝገብ ጸኒሑ።

ኣምነስቲ፡ ኣብ 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ክብትን ክሳብ ምጽዋዕ በጺሑ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ኣብ ክልል ሶማልን ኦሮምያን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ እዮም ዝበሎም ፍሉይ ሓይልታት ክብትንን ተሓተትቲ ክገብርን ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፌ መሓመድ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ትዅረት ካብ ዝገበረሎም ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ብተሓለቕቲ መሰላት ተደጋጋሚ ጥሕሰት ከምዝፍጽም ክሲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ፍሉይ ፖሊስ፡ እቲ ክልል ናይ ኣወዳድባ ለውጢ ከምዝተገበረ ተዛሪቡ እዩ።

ኣብቲ እዋን ፍሉይ ሓይሊ ኣድላዪ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ክልል ክቕጽል ከምዝዀነ ዝገለጸ ሙስጠፌ “ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ንቐጻሊ ምስ ኣካላት ጸጥታ ፈደራል ብዛዕባ ዝህልዎም ምትእስሳር ዘተ ከድሊ ይኽእል” እውን ኢሉ ነይሩ።