ግእዝ ምምሃር የድሊ ዶ ኣየድልን - ኣውራ ሕመረት እቲ ክትዕ እንታይ'ዩ?

ዝመሃራ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቋንቋታት ዓለም ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ንዝዝረቡ ሓያለ ቋንቋታት መሰረት እዩ።

እዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ፍልጠታት ዘድሃበ ጽሑፋት ዝፈረየሉ ቋንቋ፡ ሕጂ ኣብ ሓያለ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ይዝረብ።

ቍጽሪ ተዛረብቱ ምስ ግዜ እናነከየ ብምምጽኡ፡ ሕጂ እቲ ቋንቋ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብዝተወሰነ ደረጃ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ።

ኣብዚ ቅንያት እምበኣር ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ቋንቋ ናብ ስሩዕ ትምህርቲ ንምትእትታው ዛዕባ ፈጢሩ ቀንዩ'ሎ።

ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ካብዚ ዓመት'ዚ ኣትሒዙ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ዝጅምር ኣብ ኵለን መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ከምሃር ከም ዝወሰነ ይዝከር።

እቲ ቋንቋ ንምምሃር ዝተዳለወ ውጥን፡ ሃገር በቈል ፍልጠት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብል ካብ ሕብረተሰብ ንዝቐረበ ሕቶ ምርኩስ ዝገበረን ብክኢላታት ትምህርቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣድላይነት እቲ ቋንቋ ምህላዉን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ እዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝገልጽ።

እዚ ዀይኑ ግን ኣድላይነት ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ እሞ ድማ ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ብዝምልከት ብዙሓት ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶ ይህቡሉን ይካትዑሉን ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣቶ ላቀው ዝተባህለ ነባሪ ከተማ ባህርዳር፡ ምትእትታው እቲ ቋንቋ ኣብ ትምህርቲ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ይገልጽ።

"መብዛሕትኦም ጥንታውያን ሃይማኖታውን ታሪኻውን ከምኡ'ውን ሕክምናዊ ፍልጠት ዝሓዙ መጻሕፍቲ ብግእዝ ስለዝተጻሕፉ፡ እቲ ቋንቋ ምምሃር ቈልዑ ብዛዕባ ታሪኽ ሃገሮም ንኽፈልጡ ዕድል ይህቦም" ይብል።

"ጉዳይ ቋንቋ ፖለቲካዊ እናተገብረ እምበር፡ ብደረጃ ሃገር ኵሉ ሰብ እንተተሰማሚዑሉ ጽቡቕ ምዀነ" ክብል እውን ርእይቶኡ ይውስኽ።

ነባሪ ከተማ ወልድያ ዝዀነ ኣቶ መሓመድ፡ ኣብ ምትእትታው እቲ ቋንቋ ዝዀነ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "እቲ ግዜ ግን ሕጂ ኣይኰነን" ኢሉ።

እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከምዝተወጠነ ከምዘይፈልጥ ዝገለጸ መሓመድ፡ ትምህርቲ ዝተወሰነሉ ግዜ ብዝምልከት ክልተ ነጥብታት ኣልዒሉ። እቲ ሓደ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዓለም ዝያዳ ናብ ሓደ ቍሸት እናጸበበትን ብቴክኖሎጂ እናዓበየትን እትኸደሉ ዘላ ዘመን ምዃኑን እዩ።

መሓመድ፡ ንህጻናት ተወሳኺ ቋንቋታት ምምሃር ጉድኣት ከምዘይብሉ'ኳ እንተኣመነ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭት ስሩዕ ትምህርቲ ምሃብ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ተወሳኺ ቋንቋታት ንምምሃር ዝቐረበ ውሳነ ምኽኑይ ከምዘይኰነ ይዛረብ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ዓለም ዝያዳ ሓደ ናብ ምዃን ገጻ እትኸደሉ ዘላ ዘመን ንኻልኦት ዓለማውያን ቋንቋታት ኣቓልቦ ምሃብ ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ እምነቱ ይገልጽ።

"ይዅን'ውን እንተተባህለ እዅላት መምህራንን መጻሕፍትን ኣለዉ ድዮም?" ብምባል እቲ ውሳነ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኰነ የረድእ።

ክኢላታት ቋንቋ እውን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍሊ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ኣምሓርኛ መምህር ሙሉሰው ኣስራተ፡ ዋላ'ኳ ብዛዕባ ግብራውነቱ መስርሕ ኣፈጻጽማኡን ሕቶታት እንተሃለዎ፡ ቋንቋ ከም እወታዊ ነገር እዩ ዝርእዮ።

"ግእዝ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ቅርሲ ዝዀነ ቋንቋ እዩ። ከምቲ ኤውሮጳውያን - ላቲን፡ ግሪኻውያን - ግሪኽ፡ እስራኤላውያን - እብራይስጢ፡ ህንዳውያን ድማ ሳንስክሪት ዘለዎም፡ ኢትዮጵያ ድማ ኵሉ ስልጣነኣ፡ ቅርሳ፡ ታሪኻ፡ ፍልጠታ ዝኽዘነሉ ቋንቋ ስለዝዀነ ክትምሃር ይግባእ" ኢሉ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን መምህርን ደራስን ዝዀነ በድሉ ዋቕጂራ (ፒኤችዲ) ግን ካብ መምህር ሙሉሰው ዝተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ።

"ግእዝ ዝሞተ ቋንቋ እዩ፡" ብምባል መምህር በድሉ ነዚ ቋንቋ ከም ትምህርቲ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ምምሃር ትርጕም የብሉን፡ ኢሉ።

ሓደ ቋንቋ ኣፎም ዝኸፍቱሉ ቀንዲ ተዛረብቲ እንተዘይሃልዮምዎን ትሕቲ 25 ሽሕ ተዛረብቲ ጥራይ ዘለዎ እንተዀይኑን ከም ዝሞተ እዩ ዝቝጸር ዝብል እቲ መምህር፡ ነዚ "ምዉት ቋንቋ" ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ምምሃር፡ ግዜ ተምሃሮ ምብኻን ምዃኑ ገሊጹ።

ብኣንጻር'ዚ፡ ሓደ ቋንቋ መበቈላዊ ተዛረብቲ ዘይምህላው ነቲ ቋንቋ ከምዘይቀትሎን ዝዛረቡ ካልኦት ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ኣለዉ።

ውሱናት ተዛረብቲ ዘለዎ ቋንቋ ዝያዳ ተዛረብቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ይምጕቱ።

ሓደ ቋንቋ ሞይቱ ንምባል እንኮ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ዝዀነ ጥንታዊ ታሪኽ ክነግር ዝኽእል ሰብ ምስ ዘይርከብ ምዃኑ እውን ሓሳብ የልዕሉ።

ይዅን እምበር፡ ቀንዲ ዕላማ ምምሃር ቋንቋ ንርክብን ናብራን ምዃኑ ዝገልጽ መምህር በድሉ፡ ግእዝ ኣብዚ እዋን'ዚ ንርክብ ይዅን ንናብራ ኣይጠቅምን'ዩ ይብል።

ግእዝ ፈጺሙ ክምሃር የብሉን ዝብል እምነት ግን የብሉን።

ግእዝ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣዲስ ኣበባ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ከም ዝወሃብ ዝገልጽ መምህር በድሉ፡ ግእዝ ኣብቲ ቋንቋ ምርምር ክገብሩ ንዝደልዩ ጥራይ ከም ዝወሃብ ይጠቅስ።

ስለዚ እቲ ትምህርቲ ክወሃብ እንተዀይኑ ካብ 9ይ ክፍሊ ጀሚሩ ኣብ ስነ-ሰብ፡ ታሪኽን ስነ-ቋንቋን ንዝግደሱ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ክወሃብ ይግባእ ዝብል ሓሳቡ ይህብ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወ ንሓደ ዓመት ግእዝ ከም ዘጽንዐ ዝገለጸ እቲ መምህር፡ "ግእዝ ኣይጠቅምን እዩ ኣይብልን፡" ብምባል ነቲ ግን ውሳነ ብምንቃፍ፡ ነዚ ድሩትነት ኣብ ርክባትን ብመንጽር ረብሓ ህይወትን ዘለዎ ቋንቋ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ጀሚርካ ምምሃር "ግዜ ተምሃሮ ምብኻን ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

"እቶም ተምሃሮኸ ንትሽዓተ ዓመት [ካብ 3ይ-12 ክፍሊ] እንታይ እዮም ክመሃሩ?" ብምባል ብዛዕባ እቲ ዘሎ ምድላዋት ሕቶ የልዕል።

ምሉእ ትግበራ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ'ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ግን ናብ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ካብቲ ክልል ንቢቢሲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ግእዝ ዘሰጕም ድዩ ዝጐትት?

መምህር ሙሉሰው፡ "ሕሉፉ ዝገደፈን ንነብሱ ዘይፈልጥን ህዝቢ ብዘይሱር ከም ዝበቁል ተኽሊ እዩ" ይብል።

"ሕሉፍ ገዲፍካ ንቕድሚት ዝስጐመሉ መንገዲ የለን፤ ሱር ዘይብሉ ተኽሊ ጸገም እንተጋጢምዎ ብቕጽበት'ዩ ዝሓርር" ዝበለ ዶክተር ሙሉሰው፡ ጥንታዊ ፍልጠት ምምርማርን ምፍላጥን ንሓደ ወለዶ ኣገዳሲ መሰረት ምዃኑ የብርህ።

"ኣብ ጽሑፋት ግእዝ፡ ሃይማኖት፡ ፍልስፍና፡ ባህላዊ ሕክምና፡ ፍልጠት ተፈጥሮ፡ ታሪኽን ባህልን ኣሎ" ዝብል መምህር ሙሉሰው፡ ነዚ ዅሉ ፍሒርካ ንቕድሚት ንምስጓም መሰረታዊ ፍልጠት ግእዝ ከምዘድሊ ይገልጽ።

"ግእዝ ንመሃር ዘለና መዓልታዊ ባኒ ወይ ቡን ንምግዛእ ስለዘድልየና ወይ ንረዳድኣሉ ቋንቋ ስለዘይብልና ኣይኰነን" ክብል'ውን ምጕቱ የጽንዕ።

ካብዚ ሓሊፉ ዘመናዊ ኣምር ንምስያም ዝሕግዝ ቋንቋ ምዃኑ፡ ንኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ካልኦት ሴማዊ ቋንቋታትን እውን ከም ምንጪ ከምዘገልግል ይጠቅስ።

ግእዝ ሃይማኖታዊ ቋንቋ ዝገልጽን ካልእ ግጉይ ኣረኣእያን ከምዘሎ ዘመልክት መምህር ሙሉሰው፡ ካልኦት ክልላት'ውን ኣብቲ እወታዊ ሸነኻቱ ኣተኲረን ነዚ ቋንቋ ከተኣታትዋ ይመክር።

ኣቶ ላቀው እውን ምስ ርእይቶ መምህር ሙሉሰው ብምስምማዕ፡ "ግእዝ ምምሃር ንቕድሚት የሰጕም እምበር ንድሕሪት ኣይጐትትን፡" ኢሉ።

"ብዛዕባ ሕሉፍ ብዙሕ ስለዘይንፈልጥ፡ መጻኢ ካብ ሕሉፍ ይሓይሽ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን ኢና" ድማ ይውስኽ።

መምህር በድሉ ግን እዚ ሓሳብ ኣይወሓጠሉን።

"ዕላማ ትምህርቲ፡ ተምሃሮ ንመጻኢ ንምድላው'ዩ" ብምባል፡ እቶም ሎሚ ግእዝ ዝመሃሩ ተምሃሮ 'ቋንቋ ፈረንሳ' እንተዝመሃሩ ተጠቀምቲ ምዀኑ ዝብል እምነቱ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ንዝግደሱን ኣብ ከም ታሪኽን ስነ-ሰብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዝነጥፉ ተምሃሮ ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ሞያዊ ርእይቶኡ ሂቡ።

ፊደላት ግእዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዙሕ ቋንቋታት ምምሃር ዝፈጥሮ ጸቕጢ እንታይ'ዩ?

ቈልዑ ክፉት ኣተሓሳስባ ክህልዎምን ካልኦት ዓለምለኻዊ ቋንቋታት ክመሃሩ፡ ከምኡ'ውን ተወሳኺ ቋንቋ ክምሃሩ ዝዀነ ጸቕጢ ዝፈጥር ኣይመስለንን ይብል ኣቶ ላቀው።

መምህር ሙሉሰው ግን፡ ተምሃሮ ብቋንቋታት ምጭንናቕ፡ ንስርዓተ ትምህርትና ብድሆ ኰይኑ ኣሎ ክብል ይዛረብ።

እቲ መምህር፡ ተምሃሮ በዚ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ወይ ልዕሊኡ ቋንቋታት ክመሃሩ ከምዝግደዱን ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ጸቕጢ ከምዝፈጥር ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን ይብል።

ኣቶ በድሉ እውን ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ።

"ቋንቋ ብመንጽር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ትምህርቲ ዝወሃብ ቋንቋታት፡ እቲ ተምሃራይ ክሰርሓሉ፡ ትምህርቲ ክረኽበሉ ወይ ህይወቱ ክቕይር ዘኽእል ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ፡" ይብል።

ኣብ ግዜ ኢህወደግ ኣብ ትምህርቲ ክምሃሩ ዝግባኦም ቋንቋታት መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸረ ኣቶ በድሉ፡ ኣብ መጽናዕቶም ብዝሒ ቋንቋ ጸገም ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

"ሓደ ተምሃራይ ኣብ ትምህርቱ ሃገራዊ ቋንቋ፡ ቋንቋ ኣደ፡ ክልላዊ ናይ ስራሕ ቋንቋን ካልኦት ቋንቋታት ወጻኢን ይመሃር። እዚ ቋንቋታት ጥራይ ድማ ዝበዝሕ ናይ ትምህርቲ መዓልቲ ይወስድ" ይብል።

ስለዚ፡ ንፍሉይ ኣገልግሎት ወይ ቤተክርስትያን ጥራይ ዝገልግል ቋንቋ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ጀሚርካ ኣብ ትምህርቲ ምእታዉ ግዜ ተምሃሮ ካብ ምብኻን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

መምህር ሙሉሰው ብወገኑ፡ ግእዝ እዅል ምድላው እንተተገይሩሉ ክምሃር የብሉን ዝብል እምነት እኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ እዋን ግን ቀዳምነት ዝወሃቦ ከምዘይኰነ ይዛረብ።

ነባሪ ከተማ ወልድያ ዝዀነ ኣቶ መሓመድ፡ "ትምህርቲ ድሕሪ ምብላዕን ምስታይን ክመጽእ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። መጀመርታ ኵሎም ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ክመቻችኣሎም ይግባእ፡" ይብል።

"እዚ እዋን'ዚ ተምሃሮ፡ ክውዕል ድየ ክሓድር፣ ተማሂረ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ክበጽሕከ እኽእል ድየ ኣብ ዝብል ስክፍታ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ግእዝ ከም ተወሳኺ ትምህርቲ ምሃብ ብሰንኪ ብዝሒ ዓይነታት ትምህርቲ ምስልቻዋት ዝፈጥር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንተምሃሮ'ውን ከጸግሞም'ዩ" ዝብል ስክፍታኡ'ውን ይገልጽ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 5,500 ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ግጭትን ካልእ ምኽንያታትን ከምዘቋረጻን፡ መብዛሕትአን ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝርከባ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ከም ውጽኢቱ፡ ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኰይኖም ከምዘለዉ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ እዩ።

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ግጭት ብዙሓት ስድራቤታት ከምዘመዛበለን ጽላት ትምህርቲ ብኸቢድ ከምዝጸለወን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን እቲ ክልል ኣብ ግጭት ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ግጭት ኣብ ዝሓየለሉ ከባቢታት ዝርከቡ ተምሃሮ ትምህርቶም ካብ ዘቋርጹ ሳልሳይ ዓመቶም ሒዞም ኣለው።

ተወሳኺ ቋንቋታት ንኽወሃብ መን እዩ ዝውስን?

ዶ/ር በድሉ ዋቅጂራ ኣብ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ክመሃርዎ ዘለዎም ቋንቋታት ብፖለቲካዊ ዓይኒ ተራእዩ እዩ ዝውሰን ብምባል ነቲ መስርሕ ይነቅፍ።

"ብድምጺ ቤት ምኽሪ እዩ እቲ ቋንቋ ዝጽዓን" ይብል።

ይዅን እምበር፡ ቈልዑ ኣብቲ ባዕሎም ክውስኑሉ ዝኽእሉ ዕድመ እንተበጺሖም፡ እቲ ሕርያ ናቶም ክኸውን ከም ዘለዎ ሓሳብ ይህብ።

መምህር በድሉ፡ ኣብታ ብዙሕ ቋንቋታት ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ድሌታት ተምሃሮ ተመርኲስካ ውሳነ ክትወስድ ከጸግም ከም ዝኽእል ዘተሓሰሳበ እቲ መምህር፡ ኣቀራሪብካ ግን ናይ ዝበዝሑ ወሲድካ ክግበር ከምዝከኣል ይመክር።

"ብቐንዱ ምርጫ ተምሃሮን ወለድን ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ሓሳባት መምህራን ድማ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ክሰፍር ኣለዎ" ይብል።

መምህር ሙሉሰው ብወገኑ፡ ሓደ ቋንቋ ከም ዓይነት ትምህርቲ ንምቕራብ ዝውሰድ ውሳነ ንመንግስቲ ጥራይ ክግደፍ ከምዘይብሉን፡ ተምሃሮን ወለድን ዝያዳ ዝጠቅም ዝመስሎም ቋንቋ ክመርጹ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ንተመኵሮ ካልኦት ሃገራት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ተምሃሮ ዝመሃርዎ ቋንቋ ክመርጹ ዝሕተቱሉ ኣገባብ ከምዘየለ ይገልጽ።

"ካብ ኣድላይነት ተበጊሱ ኣርባዕተ ቋንቋታት ክምሃሮም ዝተገደደ ተምሃራይ ውጽኢታዊ ኣይከውንን። ኣብ ስርዓተ ትምህርትና ግን ክመርጹ ዘኽእሎም ኣገባብ የለን" ይብል።

ስለዚ፡ ተምሃሮን ወለዶምን ኣብዚ ናይ ምውሳን መሰል ክህልዎም ከም ዘለዎ እቶም ክኢልታት የስምሩሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ንቋንቋ ብዝምልከት ክትዕ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

ተወሳኽቲ ካብ ቋንቋታት ሃገር ምምሃር ንምንታይ የድሊ?

ኣብ ብዙሓት ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ቋንቋ ኣደ፡ ሃገራዊ ቋንቋን ሓደ ናይ ወጻኢ ቋንቋን ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዮም ዝወሃቡ።

ይዅን እምበር ከከም ኣብያተ ትምህርቱ ካልኦት ቋንቋታት ወጻኢ ሃገር እውን ይምሃሩ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ብሕቲ፡ ገለ ቋንቋታት ወጻኢ ወሲኸን ልዕሊ ኣርባዕተ ቋንቋታት ይህባ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃቡ ቋንቋታት እውን ካብ ክልል ናብ ክልል ይፈላለዩ። ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣደአን ዘይኰነ ክልላት፡ ቋንቋ ኣደ፡ ወግዓዊ ቋንቋ ስራሕ [ኣምሓርኛ]፡ እንግሊዝኛን ይምህራ። ክልል ኣምሓራን ቋንቋአ ኣምሓርኛ ዝዀነን ክልላት፡ ሓደ ቋንቋ ወጻኢ [እንግሊዝኛ] ጥራይ ወሲኸን እየን ዝምህራ።

ካብዚ ሓሊፉ ክልላት ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ ቋንቋ የብለንን። እዚ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ብምንቅስቓስ ክሰርሑን ናብራኦም ክመርሑን የጸግሞም።

እዚ ምስ ቅዋምን ፖለቲካን እታ ሃገር ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ብቋንቋ ኣደኦም ክምሃሩ ዝእዝዝ ኰይኑ፡ ክልላት ድማ ናይ ባዕለን ናይ ስራሕ ቋንቋ ክህልወን ይፈቅድ።

ተምሃሮ ብቋንቋ ኣደኦም ክምሃሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ መምህር በድሉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልል ዘሎ ናይ ስራሕ ቋንቋ ዝተፈላለየ ምዃኑ ግን፡ ክልላት ልዕሊ ሰለስተ ቋንቋታት ክምህራ ከምዘገድደን የረድእ።

ካብዚ ሓሊፉ ሓባራዊ ሃገራዊ ናይ ስራሕ ቋንቋ ዘይምህላዉ ተምሃሮ ድሕሪ ምረቓ ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ከይዶም ከይሰርሑን ከይነብሩን ከምዝድርቶም ይገልጹ።

ብተወሳኺ በዚ ሕገ-መንግስቲ ዝጽለዋ እተን ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣደን ቋንቋ ስራሕን ዝገበራ ክልላት ምዃነን ኣመልኪቱ።

ስለዚ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዘይተመሓየሸ በዚ ሕጂ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ካብ ግእዝ ንላዕሊ ተዛረብቲ ዘለዎም ቋንቋታት እታ ሃገር ከምህር እዩ ዘርብሖ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ስለዚ፡ "ተምሃሮ ምስ ወለዶም ክመኽሩን ንመጻኢ ህይወቶም ዝጠቅም ቋንቋ ክመርጹን ከምዘለዎም" ኣስሚሩሉ።