ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ተዓለምቲ ምልሻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ብውሑድ 39' ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, North Wollo Comm./fb
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝርከም መሰልጠኒ ማእከል ንዝነበሩ ኣባላት ምልሻ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ "ብውሑድ 39 ሰባት" ከም ዝተቐትሉ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ ኣባላት ምልሻ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝወረደ ጕድኣት ሓበሬታ "ይእከብ" ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ሃብሩ ኣብ ዝርከብ ማእከል ታዕሊም ኣባላት ምሊሻ፡ ብሰኑይ 5 መስከረም 2018 [ግ] ናብ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ሰዓት 10፡00 [4፡00 ኣ. ምብራቕ ኣፍሪቃ]፡ ጀሚሩ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሰለስተ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ 2015 ዓ.ም.ግ ጀሚሩ ዝሰፈርሉ መዕቈቢ ማእከል ጃራ ከም ዝርከብ ተገሊጹ።
ኣብቲ መዕቈቢ ዝነብሩ ሰለስተ ውልቀሰባት፡ እቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ታዕሊም ዝወሰድሉ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ንኣባላት ምልሻ ክልል ስልጠና ከም ዝተዋህበ ሓቢሮም። ሓደ ነባሪ እቲ መዕቈቢ "እቲ ናይ ታዕሊም መዓስከር፡ ንሕና እንነብረሉ ዝነበርናን ሕጂ ተዓለምቲ ዝጥቀምሉ ዘለውን'ዩ፡" ኢሉ።
ሰለስቲኦም ምንጭታት፡ ነበርቲ መዕቈቢ ጃራ፡ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታ ንታዕሊም ይጥቀመሉ ምህላዎም ስክፍታኦም ኣልዒሎም ነይሮም።
ሓደ ምንጪ "በጃኹም ኣብዚ ዘለና ንፈርሕ ኣለና፣ ህይወትና ንምድሓን ኢና ኣብዚ ዘለና። እዚ ቦታ፡ መዓስከር ታዕሊም ክኸውን የብሉን፤ መዓስከር ታዕሊም እንተዀይኑ ናብ ካልእ ቦታ ውሰዱና እናበልናዮም እዩ ተመስሪቱ፡" ኢሉ።
እቶም ነበርቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ኣብቲ መዓስከር ታዕሊም ዝነበሩ ኣባላት ምልሻ፡ ናብቲ ከባቢ ብዝመጽኡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም ይዛረቡ።
ክልተ ነበርቲ "ተዅስን ድምጺ ቦምባን" ከም ዝሰምዑን፡ እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ከም ዝጸንሐን ይጠቕሱ።
"30 ደቓይቕ ዝወሰደ እዩ። ብቐንዱ ንዓኣቶም'ዮም ዒላማ ገይሮም፤ ንሕና ኣብ ቴንዳ ኢና ዘለና። ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። እቲ ተዅሲ ናባና ዝቐንዐ ኣይነበረን፤ እንተዀነ ደቂስና ኢና ህይወትና ከነድሕን ክኢልና፡" ይብል ሓደ ነባሪ።
ብፍላይ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኣደታትን ህጻናትን ከም ዝተረበሹ እውን ገሊጹ።
ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምርኣይ፡ ወጋሕታ ናብቲ መዓስከር ከም ዝኸዱ ገሊጾም። ሓደ ነባሪ፡ "ካብቶም ዝመጽኡ'ዩ ዝተባህለ ሓደ ሰብ ወዲቍ -ሞይቱ- ርእየ። ካብቶም ተዓለምቲ ድማ ኣስታት 39 ሰባት ወዲቘም ርእየ፡" ክብል ምስክርነቱ ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ፡ "ኣስታት 46 [ዝተቐትሉ] ይበጽሑ'ዮም፤ ኣስታት 52 ቈሲሎም ነይሮም፡" ኢሉ።
ሳልሳይ ነባሪ መዓስከር ጃራ ድማ፡ ዝሞቱ "56" ዝቘሰሉ "53" ክብል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, North Wollo Comm./fb
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ መዕቈቢ ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየለ ተዛሪቦም።
ሓደ ነባሪ ድማ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረን ከም ምልሻ ዝስልጥን ዝነበረን ሰብ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ከም ዝተቐብረ ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ፡ "መን ከም ዝተጐድአን እንታይ ከም ዘጋጠመን ክንርኢ ኬድና። ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ እቶም ዝሞቱ ፈቘዶኡ ተደፊኦም ነይሮም። እቶም ውጕኣት ብኡንብኡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። እቶም ዝሞቱ ናብ ስድራኦም ተላኢኾም፡" ኢሉ።
እቶም ምንጭታት ወሲኾም፡ እቶም ዝተጐድኡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ኣብ ወልድያን ካልኦት ኣብ ቀረባ ከባቢታትን ናብ ዝርከባ ትካላት ሕክምና ከም ዝተወስዱ ሓቢሮም።
ቢቢሲ እቶም ዝተጎድኡ ኣብ ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ወልድያ ምህላዎም ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዞባ ሰሜን ወሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ምልሻ ኣብ ዝስልጥኑሉ መዓስከር ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
"እቲ ዕንወት ተፈጺሙ'ዩ፡" ዝበለ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ "መጠን እቲ ዕንወት፡ ብዝሒ ዝቘሰሉ፡ ዝሞቱን ብኸመይ ከም ዝተፈጸመን ዝምልከት ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ይእከብ ኣሎ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ዝርዝር እቲ ጕድኣት ንምርግጋጽ [ኣብቲ ቦታ] ዝተመደበ ሰብ፡" ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነበርቲ መዕቈቢ ጃራ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ብዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።
ሓደ መራሒ "ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ"፡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ "መዓስከር ጃራ" ዝተባህለ "ወተሃደራዊ መዓስከር ታዕሊም" ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብለይቲ ከም ዝፈጸሞን "ሓያሎ ኣባላት ምልሻ ኣድማ ብተና" ከም ዝቐተሉን እዩ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







