እስራኤል ኣብ ቃዛ ምጽናት ዓሌት ከምዝፈጸመት መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ደምዲሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ቃዛ ምጽናት ዓሌት (genocide) ከምዝፈጸመት ገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ካብቶም ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ዝተገልጹ ሓሙሽተ ባእታት ምጽናት ዓሌት፡ እቶም ኣርባዕተ፡ ኣብ 2023 ኲናት ቃዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም ዝተፈጸሙ ምዃኖም፡ ንምብያን ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘሎ ይገልጽ።
ንመግለጺታት መራሕቲ እስራኤል፡ ከምኡ'ውን ኣካይዳ ሓይልታት እስራኤል፡ ከም መርትዖ ሃቐነ-ምጽናት ዓሌት ከምዝተጠቕመ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ነቲ ሓድሽ ጸብጻብ "ዝተዛበዐን ኣብ ሓሶት ዝተመስረትን" ክብል ነፂጉዎ'ሎ።
እስራኤል፡ እቶም ኣብቲ ኮሚሽን ዝነበሩ ሰለስተ ክኢላታት፡ "ወከልቲ ሓማስ" ኮይኖም ከምዘገልግሉን "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓሶት ሓማስ፡ ብኻልኦት ዝተብሃለን ዝተወዘዐን" ፀለመታት ዝደግሙ'ዮም ክትብል ከሲሳ።
"ኣንጻር ናይቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ሓሶት፡ ሓማስ ኣብ እስራኤል ፈተነ ምጽናት ዓሌት ዝፈጸመ ውድብ'ዩ - 1200 ሰባት ብምቕታል፡ ደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽ፡ ስድራቤታት ብህይወት ምንዳድ፡ ከምኡ'ውን ንነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ናይ ምቕታል ዕላማኡ ብግልጺ ዝኣወጀ" እዩ ክብል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ወሲኹ ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ስዒቡ፡ ኣብ ቃዛ ሰፊሕ ወፍሪ ኣካይዱ።
ኣብቲ ብሓማስ ዝተፈነወ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ 7 ጥቀምቲ፡ ብወገን እስራኤል 1200 ሰባት ክሞቱ እንከሉ፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ምንባሮም ይግለጽ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 64,905 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ወሽመጥ ሓቢሩ።
ዝበዝሐ ህዝቢ እውን ብተደጋጋሚ ተመዛቢሉ፤ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ኣባይቲ ከምዝተሃስዩ ፤ ስርዓተ ክንክን ጥዕና፣ ማይ፣ ፅሬትን ከምዝዓነዉ ይግለፅ።
ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ቃዛ ጥሜት ከምዘጋጠመ ኣዊጆም።
እቲ ናጻ ዓለማዊ መርማሪ ኮሚሽን- ዝተጎበጠ መሬት ፍልስጤም፡ ኣብ 2021 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንኹሉ ተፈጺሙ ዝበሃል ጥሕሰት ሰብኣውን፡ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምምርማር እዩ ቈይሙ።
እቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ፓነል ክኢላታት፡ ብላዕለዋይነት - ናቪ ፒላይ ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበርን፡ ፕረዚደንት ዓለማዊ መጋባእያ፡ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ዝነበረትን ይምራሕ።
እቶም ካልኦት ክልተ ኣባላት ድማ፡ ክሪስ ሲዶቲ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሚሎን ኮታሪ ዝተባህለ ህንዳዊ ክኢላ መሰል ኣባይትን መሰልኣት-መሬትን እዮም።
እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ፡ ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን ብ7 ጥቅምቲ 2023 ገበናት ኲናትን ካልእ ከቢድ ጥሕሰት ዓለማዊ ሕጊን ከምዝፈጸሙን፡ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ድማ ኣብ ቃዛ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ከምዝፈጸሙ በይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ሕዚ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት፡ "ክሳብ ሕጂ እቲ ዝሓየለን ብልዑል ኣካል ዝተፀንዐን፡ መርትዖታት ሕቡራት ሃገራት" ምዃኑ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኮሚሽን ብወግዒ ኣብ ክንዲ-ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይኰነን ውፅኢቱ ገሊፁ ዘሎ።
እቲ 72 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ ሰበስልጣን እስራኤልን ሓይልታት ጸጥታ እስራኤልን፡ ካብቶም ብመሰረት ውዕል ምጽናት ዓሌት 1948 ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገራዊ፣ ብሄራዊ፣ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ዝተገልጹ ሓሙሽተ ተግባራት፡ ኣርባዕተ ከም ዝፈጸሙን ይቕጽሉ ከምዘለዉን ይገልጽ ።
መጥቃዕቲ ኣባላት እቲ ጉጅለ ምቕታል፤ ንሲቪላትን ካልኦት ሰባትን ዒላማ ምግባር፤ ከምኡ'ውን ኮነ ኢልካ ሞት ዘስዕቡ ኩነታት ምፍጣር ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ከምዝተፈፀመ ይድምድም።
ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም፡ ኣብ ኣባላት እቲ ዓሌት ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ምብፃሕ፤ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፤ ግዱድ ምምዝባል፤ ከምኡ'ውን ዕንወት ከባቢ ይርከቡዎም።
ብመሰረት ውዕል ምጽናት ዓሌት ዝወሃብ ሕጋዊ ትርጉም፡ እቲ ገበነኛ ዝኾነ ካብቶም ተግባራት ነቲ ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ንምጥፋእ ብፍሉይ ሃቐነ ከም ዝተንቀሳቐሰ እውን ክረጋገጽ ኣለዎ።
እቲ ኮሚሽን፡ መራሕቲ እስራኤል ዝሃብዎ መግለጺታት ከምዝተንተነ ብምግላጽ፡ ፕረዚደንት ኢሳቕ ሄርዞግ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ዮኣቭ ጋላንትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘስምዑዎም ዘረባታት፡ "ንምጽናት ዓሌት ኣለዓዒሎምዎ" ክብል ይኸስስ።
ብተወሳኺ፡ ጭቡጥ ኣካይዳ ሰበስልጣን እስራኤልን ሓይልታት ጸጥታን፡ ኣብ ቃዛ፡ "ናይ ዓሌት ምጽናት ሃቐነ እቲ እንኮ ርትዓዊ ምኽንያት" ከምዝኰነ ይድምድም።
ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ እስራኤል ብቐጻሊ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ንርእሰ ምክልኻል፡ ንሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን ንምስዓርን፡ ግዳያት ጅሆ ዝኾኑ እስራኤላውያን ንኽፍትሑን ዝካየድ ምዃኑ ብቐጻሊ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም።
ብተወሳኺ፡ ሓይልታት እስራኤል ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ክሰርሑን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምጉዳል፡ ዝከኣል ኩሉ ከምዝገበሩን ይምጉቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







