ኢትዮጵያ፡ ኣብ 18 ኣዋርሕ 40 መራሕቲ መካይን ተቐቲሎም፡ ልዕሊ 200 ተጐዲኦም

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመትን መንፈቕን 40 መራሕቲ መካይን ፅዕነት ከም ዝተቐተሉን ኣስታት 200 ድማ ንመጭወይቲ ሓዊሱ ጕድኣት ከም ዝበፅሖምን ማሕበር መራሕቲ መካይን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ጕዕዞ ማሕበር መራሕቲ ዶብ ተሳገርቲ መካይን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ጐንፂ ዝርከባ ክልላት እታ ሃገር፡ ኣብ መካይን ፅዕነትን መራሕትን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት እናገደዱ መፅዮም ኣለዉ።
እዚ ኣሃዝ ሞትን ጕድኣትን፡ እቲ ማሕበር ንዘረጋገፆም ጥራሕ ዝገልፅ'ዩ።
ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ዮሃንስ ታምራት፡ ቅድሚ ሕዚ ንገናሕቲ መካይን ብምጭዋይ ገንዘብ ናይ ምሕታት ኵነታት ከም ዝነበረ ብምግላፅ፡ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ግና ሰላማውያን ዘወርቲ መካይን፡ "ኣብ ውሽጢ መኪንኦም" ይቕተሉ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ብሰንኩ ድማ ቍፅሪ ነቲ ሞያ ዝፀልኡን ስርሖም ዝገድፉን መራሕቲ መካይን ከም ዝወሰኸን፡ መብዛሕትኦም መጥቃዕትታት ሓይልታት መንግስቲ ምስ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝዋግእሎም ከባብታት ከም ዝፍፀሙን ገሊፁ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ኣዲስ ዘመን፡ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተዓጂበን ይጓዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ መካይን ብዝተኸፈተ ተዅሲ፡ ህይወት ሓደ መራሒ መኪና ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።
ሓደ ነባሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ 22 ነሓሰ 2017 (ኣቈፃፅራ ግእዝ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ካብ ዝርከብ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ሓረስቶት ግዮን እኽሊ ፅዒነን ንምውፃእ "እናጅማ" ናብ ዝበሃል ከባቢ ዝኣተዋ ክልተ መካይን ከም ዝተቓፀላን እቶም መራሕተን ድማ ንመዓልታት ከም ዝተዓገቱን ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ናብቲ ከባቢ ድዅዒ ደንጕዩ ብምእታዉ፡ ካብቲ ከባቢ እኽሊ ኣይወፅእን፡" ዝብል ተቓውሞ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ነባሪ፡ እተን መካይን ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተዓጂበን ክወፅኣ እናተፀበያ እንከለዋ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመን ሓቢሩ። ኣብቲ እዋን፡ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝነበረ'ውን ተዛሪቡ።
"ዕጡቓት ነቲ ዝተፅዓነ እኽሊ ካብተን መካይን ብምውራድ፡ ካልኦት መካይን ከይመፅኣ ኢሎም ኣቃፂሎመን፡" ኢሉ።
እቲ ከባቢ ብዙሓት ዕጡቓት ዝርከብሉ ብምዃኑ፡ መን ከም ዘቃፀለን ንምዝራብ ኣፀጋሚ ከም ዝዀነ ብምግላፅ፡ መራሕቲ ናይተን መካይን ግና ን"ዕጡቓት ፋኖ" ከም ዝኸሰሱ ገሊፁ።
መዓስከር ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈፀመሉ ቦታ 26 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ከም ዝርከብ እዩ እቲ ነባሪ ዝዛረብ።
ሓደ ኣመራርሓ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ሓረስቶት ግዮን'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ መካይን ፅዕነት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣረጋጊፁ። እቲ ኣመራርሓ፡ "ንድሕንነተይ እሰግእ'የ" ብምባል ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።
ኣይተ ዮሃንስ፡ ከተማታት መተማ፡ ኣዲስ ዘመን፡ ካብ ወልድያ ናብ ጎንደር ዝወስዱ መንገድታት፡ መተሃራ፡ ወለንጪቲ፡ ሑመራን ከምኡ'ውን ካብ መስመር ኣዲስ ኣበባ ናብ ጎጃም ዝወስዱ መስመራት፡ ኣብ ልዕሊ መካይን ፅዕነትን ገናሕተንን መጥቃዕታት ዝፍፀመሎም ከባብታት ከም ዝዀኑ ገሊፁ።
መንግስቲ ሓይልታት ፀጥታ ድሕሪ ምውፋሩ ኣብ ወለንጪቲን መተሃራን ይፍፀሙ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ዋላ'ኳ እንተ ሃድአ፡ ኣብቶም ካልኦት ከባብታት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ግና ብኢሶም ከም ዝቐፀሉ ሓቢሩ።
እዞም መጥቃዕትታት ብዕጡቓት ከም ዝፍፀሙ ዝገለፀ ኣይተ ዮሃንስ፡ ነቶም መጥቃዕትታት ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል የሎን ብምባል፡ መንነት እቶም ዕጡቓት ከም ዘይፈልጡ ተዛሪቡ።
"እዚ መጥቃዕቲ ብኸመይ ደው ከም ዝብል ኣይንፈልጥን። ምስ ኣካላት መንግስቲ ንዘራረብ ኣለና፡" ኢሉ።
ጕዕዞ ማሕበር መራሕቲ መካይን፡ 1,000ሕ ኣባላት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣባላቱ ናብ ኬንያን ጅቡቲን ሓዊሱ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ነዳዲ፡ ድዅዒን ካልኦት ፅዕነትን የጓዓዕዙ።
ፕረዚደንት ፈደረይሽን ኣስራሕቲ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ብርሃኔ ዘሩ፡ ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መካይን ፅዕነትን ገናሕተንን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣብ ኣሰካፊ ብርኪ'ዩ በፂሑ ኢሉ።
ሰላም እቲ ዘፈር ንኸይበላሸው፡ መንግስቲ ግቡኡ ንኽፍፅም ፀቕጢ ንገብር ኣለና ዝበለ ኣይተ ብርሃኔ፡ ኣብዚ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ደብዳበ ከም ዝፀሓፉ ተዛሪቡ።
"እዚ ጉዳይ ትዅረት እንተ ዘይተዋሂብዎን ድሕነት መንገድታት ውሑስ እንተ ዘይኰይኑን፡ መካይን ኣብዚ ስራሕ ናይ ምዋፈረን ጉዳይ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ እዩ፡" ኢሉ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣሽከርከርቲ ኢትየጵያ ተክሌ ሽፈራው ብወገኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መጥቃዕትታት ከም ዝፍፀሙ ብምግላፅ፡ "ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ሰላም፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ መራሕቲ መካይን ነፃ ኰይኖም ከሽከርክሩ ኣይከኣሉን። ዝተዋህቦም ፅዕነት ብኣግባቡን ኣብ ሰዓቱን ንምብፃሕ ይፅገሙ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ጅቡቲ ብዓጀባ ኣብ ልዕሊ ዝጓዓዛ መካይን ብዝተኸፈተ ተዅሲ፡ ህይወት ሓደ መራሒ መኪና ከም ዝሓለፈ ኣይተ ተክሌ ተዛሪቡ።
ዝበዝሓ ተሽከርከርቲ ካብ ጅቡቲ ነዳዲ ፅዒነን ብጋሸናን ገርገራን ዝበሃሉ ከባብታት ኣቢለን ናብ ጎንደር ከም ዝኣትዋ ዝሓበረ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብ ጎንደር ገርገራ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከም ዝተፈፀመ ገሊፁ።
"እቲ ጠንቂ ከተርቲ ምውሳኾም እዩ፡" ብምባል፡ መንግስቲ መራሕቲ መካይን ስርሖም ክዓሙ ክገብር ሓቲቱ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንሰብመዚ ክልል ኦሮምያን ኣምሓራን ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣብቶም ከባብታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ብዛዕባ እዞም መጥቃዕትታት ዝበልዎ ነገር'ኳ እንተ ዘይሃለወ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኣውቶብሳት መጓዓዝያ ህዝቢ ብዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንዝቐርበሎም ክሲ ግና ከም ዘይወዓልዎ ይገልፁ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ድዅዒ ፅዒነን ይጓዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ መኻይን "ኰነ ተባሂሉ" ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ተቐቲሎም፡ ብዝሖም ዘይተፈለጡ ድማ ከም ዝተጨወዩ ማሕበር ኣሽከርከርትን ምምሕዳርን እቲ ከባቢ ምግላፁ ይዝከር።
ካብዚኦም ዝበዝሑ ዝሞቱ ካብ ጅቡቲ ድዅዒ ፅዒኖም ብሓይልታት ፀጥታ ተዓጂቦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ መካይን ከም ዝዀኑ ተገሊፁ።
ምምሕዳር እቲ ዞባ ሰፊሕ መግለፂ ዘውፅአ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ፀጥታን "ኰነ ተባሂሉ፡ ተሓሲብሉ ዝተዳለወ" ብምባል፡ መራሕቲ መካይን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።
ኣኽረርቲ ኢሉ ዝገለፆም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ነዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀምዎ ከሲሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







