መራሕቲ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖ በዓል መን እዮም?

[ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ካብ የማን ንጸጋም] እስክንድር ነጋ፡ ምረ ወድጆ፡ ዘመን ካሴ፡ ሃብቴ ወልዴ፡ መከታው ማሞን ባየ ቀናውን
መግለጺ ስእሊ, [ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ካብ የማን ንጸጋም] እስክንድር ነጋ፡ ምረ ወዳጆ፡ ዘመነ ካሴ፡ ሃብቴ ወልዴ፡ መከታው ማሞን ባየ ቀናውን

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቕ ሓይልታት ዕጥቂ ከፍትሕን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ክፈርስን ብምውሳኑ ኣብቲ ክልል ግጭት ከምዝተወልዐ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ንውሳነ መንግስቲ ዝተቓወሙ ፍሉያት ሓይልታትን ዕጡቓት ፋኖን ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኵነታት ፈጢሩ። ምምሕዳር ክልል እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምዃኑ ብምግላጽ መንግስቲ ኢዱ ከእቱን ስጕምቲ ክወስድን ምሕታቱ ይዝከር።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ፈደራል ሓይልታት ፋኖ ንምቍጽጻር ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ሰራዊት ኣዋፊሩ።

ሓይልታት ፋኖ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ክልል ውዳበኦም ኣስፊሖም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣወዳድባ ብምግባር ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ግጭታት የካይዱ ኣለዉ። ብሰንኪ'ዚ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ጉድኣትን ጸገማት የጋጥም ከምዘሎ ይንገር።

እዚ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብከባቢ ዝተወደበ ኰይኑ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም መራሒ ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓድነታዊ መሪሕነት ክህልዎ ጻዕርታት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ክሰምር ኣይከኣለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ እስክንደር ነጋ ከም መራሒ ፋኖ ከምዝተሰመየ ተነጊሩ ነይሩ። ይዅን’ምበር ጕጅለታት ፋኖ ነዚ መሪሕነት ከምዝቃወሙ ኣፍሊጦም። ስለዚ ሓደ ኣመራርሓን መሓውርን ዘለዎ ፋኖ ንምፍጣር ዝተገብረ ጻዕሪ ኵሉ ኣባል ብዝቕበሎ ኣገባብ ክምስረት ኣይተኸኣለን።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ሸዋ ካብ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ፋኖ ሓደ ዝነበረ ኮሎኔል ኣሰግድ መኮነን ኣብ ኢድ መንግስቲ ከምዝኣተወ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቡ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ጕጅለታት ፋኖ ምውቕቓስ ከምዘስዓበ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርብ መልእኽትታት ምርዳእ ይከኣል።

ንምዃኑ መራሕቲ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ በዓል መን እዮም?

እስክንድር ነጋ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣምሓራ

እስክንድር ነጋ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስክንድር ነጋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ኣብ 1980ታት [ግእዝ] ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ተኸታቲሉ።

ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣብ ጋዜጠኝነት ተዋፊሩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት ከም ዋናን ዋና ኣሰናዳኢን ዝሰርሐ ኰይኑ በዚ ስርሑ ብተደጋጋሚ ማእሰርቲ ኣጋጢምዎ’ዩ።

ካብ ኣዋርሕ ክሳዕ ዓመታት ንዝበጽሑ እዋናት ዝተኣሰረ እስክንድር፡ ድሕሪ ቅልውላው መረጻ 1997 ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብ ድማ 2004 ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ን18 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ እንከለዉ፡ እስክንድር እውን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ከም ጋዜጠኛ ስራሕ ቀጺሉ።

ይዅን'ምበር ነዊሕ ከይጸንሐ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ "ቤት ምኽሪ ባልደራስ" መስሪቱ። ምስ ግዜ ድማ "ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ" ዝብል ሰልፊ ብምቛም ምስ መንግስቲ ክጋጮ ጀሚሩ።

ኣብ 2012 ዳግማይ ተኣሲሩ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። ድሕሪ ምፍትሑ ናብ ጋዜጠኝነት ይዅን ናብ ውድባዊ ንጥፈታት ኣይተመልሰን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሑ ግን "ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ" ዝተባህለ ጕጅለ ከምዘቘመ ኣፍሊጡ።

እቲ ግንባር ነዊሕ ከይጸንሐ ተበታቲኑ፤ ድሕሪ ኣዋርሕ ብ"ህዝባዊ ሰራዊት ኣምሓራ" ከምዝተተክአ ተሰሚዑ። ቅድሚ ሰሙናት፡ ብዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፋኖ ኣቢሉ "ማእከላይ ትእዛዝ ኣምሓራ ፋኖ" ዝተባህለ ውሁድ ውዳበ ፋኖ ንምቛም ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ እስክንድር ከም መራሒ ተሰይሙ ተነጊሩ ነይሩ።

እንተዀነ እስክንድር ነጋ ከም መራሒ ምስያሙ ዘይተቐበሉ ጕጅለታት ፋኖ ነቲ ብእስክንድር ዝምራሕ ሓድሽ ዝተመስረተ ማእከላይ መሓውር ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ጕጅለ ስሒቦም።

ምሬ ወዳጆ፡ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ወሎ

ምሬ ወዳጆ

ምሬ ወዳጆ ኣብ ራያ ቆቦ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ሽሙ ምስ ጕጅለ ፋኖ ክለዓል ዝጀመረ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተዉ እዩ።

ኣብቲ ውልቃዊ ኣጽዋር ምሓዝ ልሙድ ዝዀነሉ ከባቢ ራያ፡ ምሬ ሓይልታት ጸጥታ ብረቱ ንመንግስቲ ከረክቦ ምስ ሓተትዎ እዩ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ይድለ ነይሩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ።

ምሬ ግን ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብኡ ክጸንሕ ኣይከኣለን። ብፖሊስ እታ ሃገር ተታሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ብሃገር ተደላዪ ስለዝነበረ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሱ ክሳዕ 2010 ኣብኡ ጸኒሑ። ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣምሓራ ምንቅስቓስ ፋኖ እናሓየለ ስለዝመጸ፡ ምሬ’ውን ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ራያ ቆቦ ጕጅለ ፋኖ ክውድብ ጀሚሩ። ካብ ራያ ቆቦ ሓሊፉ ኣብ ጐንደር፡ ጐጃምን ሸዋን እውን ምስ ጕጅለታት ፋኖ ርክብ ፈጢሩ።

ኣብ 2013 ኲናት ትግራይ እናተጋደደ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተዉ ኣብ ከባቢ ራያ ቆቦ ዝተወደበ ፋኖ ኣብቲ ውግኣት ብምስታፍ ተመኵሮን ኣጽዋርን ክረክብ ከምዝኸኣለ ይንገር።

እቲ ኲናት ካብ ከባቢ ቆቦ ናብ ከባቢ ሰሜንን ደቡብን ወሎ እናተዘርግሐ ምስ ከደ ስፍሓት ንጥፈታት እቲ ጕጅለ እውን ብኡ መጠን ወሲኹ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብምሬ ወዳጆ ዝምራሕ ንከባቢ ወሎ ዝሽፍን "ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ" ዝተባህለ ሓይሊ ተፈጢሩ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰሜን ሸዋ ምስ በጽሑ፡ ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራን መራሒኡ ምሬ ወዳጆን ኣብ ሸዋ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ተሳቲፎም እዮም።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ብስምምዓት ፕሪቶርያ ምስ ተዛዘመ፡ ጕጅለ ምሬ ወዳጆን ፋኖን ኣብ ሓደ ኣከባቢ ተኣኻኺቦም ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ ተሰማሚዖም።

መንግስቲ፡ ፍሉይ ሓይልታት ንምብታንን ዘይስሩዕ ዕጡቓት ኣጽዋር ንኽፈትሑን ድሕሪ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ኣብ ራያ ቆቦ ዓስኪሩ ዝነበረ ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ግጭት ኣትዩ።

ኣብ መንጐ ሓይልታት ፋኖን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት መንግስትን ዝነበረ ግጭትን ወጥሪን ንምቅላል፡ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ፡ ምሬ ብስም ሓይልታት ፋኖ ኣብ ዕርቂ ሰላም ተሳቲፉ።

እንተዀነ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ቅሉዕ ግጭት ተላዒሉ። ምሬ’ውን ኣባላቱ ሒዙ ናብ በረኻ ኣትዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ ንጥፈታቱ ኣስፊሑ "ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ወሎ" ብዝብል እናተጸውዐ ንምሬ ወዳጆ ዋና ኣዛዚ ክገብር ከሎ፡ ኮሎኔል ፋንታሁን ሙሓባ ድማ ምክትል ኰይኑ።

ዘመነ ካሴ፡ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጎጃም

ዘመነ ካሴ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጐጃም ኣብ መርዓዊ ተወሊዱ ዝዓበየ ዘመነ ካሴ ኣካቢ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐጃም እዩ።

ካብ ሃሮሚያ ዩኒቨርስቲ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ዝረኸበ ዘመነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ብሞያን ብሓላፍነትን ዝሰርሐን ከም ፕረዚደንት መንእሰያት ክልል ኣምሓራ እውን ዘገልገለን እዩ።

ድሕሪ ቅልውላው መረጻ 1997፡ ምንቅስቓስ 7 ግንቦት ኣንጻር እቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ፡ ዕጥቃዊ ስጕምቲ ዝኣመሰሉ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ቃልሲ ንምክያድ ምስ ተመስረተ፡ ዘመነ ናብ ኤርትራ ከይዱ ምስቲ ጕጅለ ተጸንቢሩ።

ድሕሪ ምምሕዳራዊ ለውጢ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ። ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ስልጣን ምስ ተቓወምቲ ምስ ተማቐለ፡ ዘመነ ሓደ ካብቶም ስልጣን ዝተዋህቦም እዩ ነይሩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ እቲ ክልል ከም ኣማኻሪ ክሰርሕ ጀሚሩ። እንተዀነ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዎት መራሕቲ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ዘመነ ስልጣኑ ገዲፉ ጠፊኡ።

ካብቲ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ዝተቐትሉሉ መጥቃዕቲ ናጻ ምዃኑ ምስተገልጸ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ማእከል ሃገር ምስ ተዘርገሐ ዳግማይ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፍ ጀሚሩ።.

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ንብዙሓት ከባቢታት ኣምሓራ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኣብ ጐጃም ምስ ካልኦት ፈተውቱ ብምዃን "ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራ" ዝተባህለ ጕጅለ ኣቚሞም ንሱ ከም ኣቦ መንበር ተመሪጹ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ከባቢ ጎጃም እኳ እንተዘይኣተዉ፡ እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ወሎ ብምንቅስቓስ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ከምዝተዋግአ ይንገር።

ይዅን'ምበር፡ ኲናት ትግራይ ከይተዛዘመ እንከሎ፡ መንግስቲ "ምኽባር ሕጊ" ብዝብል ኣብቲ ዘመነን ንሱ ዝመርሖ ጕጅለን ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ንመራሒ ናይቲ ጕጅለ ዒላማ ዝገበረ ወፍሪ ኣካይዱ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ጸገም ከምዝተፈትሐ ተገሊጹ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ንዘመነ ካሴ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብኡ ንኣዋርሕ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ተፈቲሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕጡቓት ፋኖ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ምግጫው ምስ ጀመሩ፡ ዘመነ "ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራ" ኢሉ ዝወደቦ ጕጅለ ሒዙ ናብ በረኻ ኣትዩ።

እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ሓደ ዓመት ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጐጃም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ፋኖ ተዋሃሂዱ ስርሒቱን ሓይሊ ሰቡን ብምብራኽ "ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐጃም" ብምፍጣር ቀንዲ ኣካቢ ዘመነ ካሴ ኰይኑ።

ሃብቴ ወልዴ፡ ፋኖ ኣምሓራ እዚ ጐንደር

ሃብቴ ወልዴ

ሃብቴ ወልዴ ኣብ ጐንደር ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። ንሱ፡ ካብተን ኣብ ጐንደር ዝርከባ ክልተ እዝታት ፋኖ ሓንቲ ዝዀነት ፋኖ ኣምሓራ እዚ ጐንደር ይመርሕ።

ሃብቴ ኣብ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ዝተፈጠረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ድሕሪ ምቅይያር መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓስ ፋኖ ቅድሚ ምሕያሉ፡ ኣብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ይዅን ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ኣይተሳተፈን።

ይዅን’ምበር ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ ምስ ካልኦት መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝፍጸም ዝነበረ ቅትለትን መጥቃዕትን ደው ክብል ኣብ ዝጠልብ ንጥፈታት ተሳቲፉ’ዩ።

ካብ 2012 [ግ] ኣትሒዙ እዞም ሕቶታት ዝምለሱ ብዕጡቕ ምንቅስቓስ እዩ ብምባል ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ምንቅስቓስ ፋኖ ከወሃህድ ጀሚሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ተዘርግሐ፡ ሃብቴ ነበርቲ እቲ ክልል ነቲ ከባቢ ክከላኸሉን ኣብቲ ኲናት ክሳተፉን ብምጽዋዕ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ፋኖታት መሪሑ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ተሰሊፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ዕጡቓት ስርሒት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብሃብቴ ዝምራሕ ፋኖ ጐንደር እውን ዒላማ ከምዝነበረ ይንገር።

እዚ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብውሱናት ኣባላት ዝጀመረ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጐንደር መሓውሩ ኣስፊሑ ይርከብ። ኣብዚ እዋን እታ ጕጅለ ብሃብቴ እናተመርሐት ከም ፋኖ ኣምሓራ እዚ ጐንደር ትንቀሳቐስ ኣላ።

መከታው ማሞ፡ እዚ ጠቅላይ ግዝኣት ሸዋ

መከታው ማሞ

እዚ ጠቅላይ ግዝኣት ሸዋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ፋኖ፡ ኣብ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ጣርማ በር ብዝተወልደ መከታው ማሞ እያ ትምራሕ።

መከታው ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ሽዋ ሮቢት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣቓልቦኡ ናብ ንግዲ ብምቕናዕ ኣብ ሽዋ ሮቢት ኣብ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ነይሩ።

ካብ ትምህርትን ንግድን ወጻኢ ኣብ ፖለቲካዊ ይዅን ዕጥቃዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ከምዘይፈልጥ ዝዛረብ መከታው፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣጣየን ከባቢኣን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣዕሩኽቱ ብምውህሃድ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ይንገር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣብቲ ክሳብ ክልል ኣምሓራ ዝተዘርግሐ ኲናት ተሳቲፉ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ኣባላት ፋኖን ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢታት ተደጋጋሚ ግጭት ብምቕጻሉ፡ እታ ጕጅለ ካብ ሽዋ ሮቢት ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ጐረባብቲ ከባቢታት ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ወጥሪ ተፈንጂሩ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝተለዓለ ግጭት ምስ ተጋደደ፡ እታ ብመከታው ትምራሕ ጕጅለ ፋኖ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣብ ዝካየዱ ግጭት ክትሳተፍ ጀሚራ።

ሓንቲ ካብተን ኣብ ከባቢ ሸዋ ዝንቀሳቐሳ ጕጅለታት ፋኖ ዝዀነት እዛ ብመከታው እትምራሕ ሓይሊ፡ እናሓየለ ከይዳ "እዚ ጠቅላይ ግዛት ሸዋ" ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ፡ መራሒኣ’ውን ባዕሉ መከታው ኰይኑ ቀጺሉ።

ባየ ቀናው፡ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐንደር

ባየ ቀናው

ባየ ቀናው መራሒ "ኣምሓራ ፋኖ ኣብ ጐንደር" ብዝብል ዝጽዋዕ ሓደ ካብቶም ኣብ ከባቢ ጐንደር ዝርከቡ ጕጅለታት ፋኖ እዩ። ወዲ 42 ዓመት ባየ ፍርቂ ዕድመኡ ኣብ በረኻ እዩ ኣሕሊፉ።

ባየ ኣብ ወረዳ ወገራ ዞባ ሰሜን ጐንደር እንቃሽ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወሊዱ፤ ብ1993 ናብ በረኻ ወጺኡ።

ንምውጻእ ምኽንያት ዝዀኖ ድማ ሰበስልጣን እቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ንስድራቤቱ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ምህዳኖምን ምእሳሮምን ዘስዓቦ ብስጭት ምዃኑ ይዛረብ። ባየ፡ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ጫካ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰላም ናብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊሱ ነይሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብ 1997 ባየ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ። ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1999 ተፈቲሑ።

ባየ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ናብ ንቡር ህይወቱ ኣይተመልሰን። ትኽ ኢሉ ናብ በረኻ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሸፊቱ።

ድሕሪ ዓመታት ኣብ ጐንደር ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ብፈደራል ፖሊስ ምስ ተኸበበ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ነቶም ዕጡቓት ሰዓብቱ ኣሳቲፉ’ዩ። ድሕሪ እቲ ግጭት ክሳዕ 2013 ኣብ በረኻ ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 [ግ] እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ተዘርግሐ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ዕጡቓት ጻውዒት ኣቕሪቡ። ባየ’ውን ካብቲ ንዓመታት ዝጸንሓሉ በረኻ ተመሊሱ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ።

እቲ ኲናት ምስተዛዘመን፡ መንግስቲ ዕጡቓት ኣጽዋር ክፈትሑ ድሕሪ ምውሳኑን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ሓምለ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተለዓለ ግጭት ተሳቲፉ።

ባየ ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ጐንደር፡ ማእከላይ ጐንደርን ሰሜን ጐንደርን ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐንደር ይመርሕ ኣሎ። [እዚ ጸብጻብ ድሕሪ ምድላዉ፡ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጎንደር ሓድሽ ናይ ኣመራርሓ ምደባ ከምዘካየደ ዝገልጽ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሑ።]

መደምደምታ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፋኖ ብሓደ መሪሕነት ንምውዳብ ዝተገብረ ጻዕሪ ዛጊት ዕዉት ኣይመስልን።

መሪሕነት ንምስያም ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣብ መወዳእታ ንእስክንድር ነጋ ከም መራሒ ምምራጹ’ኳ እንተተገለጸ፡ ካብ ኵለን ጕጅለታት ፋኖ ግን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ እዩ ዝንገር ዘሎ። ስዒቡ ዝመጽእ ምንቕቓፍ ድማ ኣብ ክንዲ ሓድነት ፍልልያቶም ዘጕልሕ ምዃኑ ይረአ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል መንግስታዊ ኣገልግሎት፡ ትምህርትን ጥዕናን፡ ንግድን ሰብኣዊ ምንቅስቓስን ብኸቢድ ከምዝተዓናቐፈ ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ክልል ኣብ ፈታኒ ኵነታት ከምዘሎ መራሕቲ እቲ ክልል ይዛረቡ።

እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን ብተደጋጋሚ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ይገብር ምህላዉ እዩ።

ምምሕዳር ክልልን መንግስቲ ፈደራልን ነቲ ጸገም ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ድሌት ከምዘለዎም ብተደጋጋሚ’ኳ እንተገለጹ፡ ዛጊት ዝተረኣየ ጭቡጥ ስጕምቲ የለን።

ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቱ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ይዘራረብ ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ። ይዅን’ምበር ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ፋኖ ዝተፈላለዩ ስለዝዀኑ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ምዃኑ እውን ከምዘመልከተ ይዝከር።