ኣብ ጐንደር ‘ዕጡቓት ፋኖ’ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሞትን ምዝንባል ልዕሊ 10 ሽሕ ነበርትን ኣስዒቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ዕጡቓት ፋኖ” ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጐንደር ወረዳ ቋራ ኣብ ልዕሊ “ተወለድቲ ኣገው” ዝነብሩሉ ዝተባህለ ከባቢ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ተመዛበልትን ገሊጾም።
በቲ መጥቃዕቲ ህጻናት ዝርከቡዎም ቍጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ነበርቲ ከም ዝተቐትሉን ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን’ውን መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
ኣንጻር መንግስቲ እቲ ክልል ዝዋግኡ ዘለው ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሰሉስ ይካዎ ኣብ ዝተባህለ ጣብያ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ኣቦ መንበር እታ ጣብያ ኣቶ ኣለማየሁ ታሌን ነበርትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ጣብያ፡ ብብዝሒ “ተወለድቲ ኣገው” ዝነብርሉ ከም ዝዀነ’ውን ሓቢሮም።
ነበርቲ ከም ዝብሉዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ መንጐ “ዕጡቓት ፋኖን ሚሊሻታትን” ውግእ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ እቶም ሚሊሻታት ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ብረት ነቶም ዕጡቓት ከረክቡዎ ዝቐረበ ጻውዒት ብምቅዋሞም ዝተላዕለ ምዃኑ የረድኡ።
“ኣብቲ ከባቢ ፋኖ ዝብሃል ጕጅለ ኣሎ፤ ብረት መንግስቲ ኣረክቡኒ’ዩ ዝብል። መንግስቲ ድማ ከየተረክቡ ስለ ዝበለና ኣይነረክቦምን። ንሕና ካብ ነሓሰ 2015 [ግ] ጀሚሩ ኣይትተናዅዩና ክንብሎም ጸኒሕና ኢና” ዝብል ኣቦ መንበር እታ ጣብያ፡ ብ28 ሰነ 2016 [ግ] እቶም ዕጡቓት ኣብታ ጣብያ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱ ከሲሱ።
ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ በዓል ስልጣን ወረዳ ቋራ፡ “ደገፍቲ መንግስቲ’ዮም፤ ንመንግስቲ ሓጊዞም ብዝብል እዮም ተጠቒዖም” ኢሉ።
ኣብታ ወረዳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ግጭታት ከም ዝተኻየዱ ዝገልጽ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ዝርከባ ጣብያታት ከም ዘለዋ ኣረዲኡ። ብዝሒ እተን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ዘለዋ ጣብያታት ካብ ምጥቃስ ግን ተቘጢቡ።
ቢቢሲ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ስድራኦም ንዝተቐትሉ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ሰባት ከዘራርብ እንከሎ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከቡዎም ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።
“ሓረስቶት ዝዀኑ” ክልተ ኣሕዋቶም ኣብ ገዛኦም እንከለው ከም ዝተቐትሉ ዝገለጹ ሓደ ቀሺ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ቀብሪ ክልተ ህጻናትን ሓንቲ ኣደን ከም ዝተረኸቡ ተዛሪቦም።
“ቀሺ ስለ ዝዀንኩ ባርኽ ተባሂለ፡ ተሓቢእና ንሰለስተ ሰባት ቀቢርና ኢና፤ እቲ ሓደ ወዲ ክልተ ዓመት፡ እታ ካልአይቲ ድማ ጓል 12 ዓመት’ያ። እታ ሓንቲ ድማ ኣደኦም እያ” ኢሎም።
ጓል 55 ዓመት ወላዲት ኣደኡን ኣኮኡን ከም ዝተቐትሉዎ ዝዛረብ ካልእ ነባሪ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣባላት ስድራኡ ሓዊሱ ሰለስተ ኣረጋውያንን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝሞታ ተዛሪቡ።
ወዲ 18 ዓመት ውላዶም ዝተቐትለ ካልእ ነባሪ ድማ፡ “ኣብ ስራሕ’ዩ ነይሩ” ብምባል እቶም ዕጡቓት “ከቢቦም” ብዘብጽሑዎ መጥቃዕቲ ከም ዝሞተ ሓቢሮም።
ኣቦ መንበር እታ ጣብያ ኣቶ ኣለማየሁ ኰነ እቶም ነበርቲ “ልዕሊ 80 ሰባት” በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱ እኳ እንተገለጹ፡ ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ዘረጋገጾ ኣይኰነን።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጨንፈር ባህርዳር፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ሓበሬታ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ወረዳ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት’ውን ዕንወት ከም ዝበጽሐን ዝምታ ከም ዝተፈጸመን ክገልጽ እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት “ኣስታት 10 ሽሕ ነበርቲ” ናብ ከተማ ገለጉ ከም ዝተመዛበሉ ተዛሪቡ።
ናብታ ከተማ ዝኣተው ተመዛበልቲ፡ መዓስከር ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ዝነበረ ቀጽሪ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ኣዳራሻት ክጸንሑ ከም ዝተገብረ ነበርቲ ገሊጾም።
ቢቢሲ፡ ካብ ሓለፍቲ እቲ ክልልን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ዞባ ምዕራብ ጐንደርን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







