ኣብ እምነት ኦሮሞ 'ዋቄፈና' ገነትን ገሃነምን ኣሎ ድዩ?

ኣቦ ሃይማኖት ኦሮሞ

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa / BBC

ዋቄፈና፡ እምነት ቀዳሞት ህዝብታት ኦሮሞ እዩ፤ ተኸተልቲ እቲ እምነት ድማ፡ ዅሉ ብዝፈጠረ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ።

ኣቶ ኣስናቀ ተሾመ ኢርኮ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ብዛዕባ እቲ እምነት ከጽንዕ ጸኒሑ ኣሎ፤ ሕዚ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ምኽሪ እምነት ዋቄፈና ብመሪሕነት የገልግል ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናብ ዝርከብ ከባቢ ቦረና ብምኻድ ከጽንዕ እንከሎ፡ "ፈጣሪ ሽሙ፡ ሚእቲ፡ ከብዱ ከም ውቅያኖስ ሰፊሕ፡ ሓሳቡ ድማ ንጹህ እዩ፤ ቀደም ሰብ ሓጢኣት ምስራሕ እንከይጀመረ እንከሎ፡ ድምጺ ፈጣሪ ዝሰምዑ ሰባት ነይሮም ይብሃል" ይብል።

ሽሙ ሚእቲ እዩ ዝብሃል ድማ፡ ፈጣሪ "ሓደ"ን ልዕሊ ዅሉን ስለ ዝዀነን ሃይማኖታት ወይ እምነታት ግን ብዙሓት ምዃኖም ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ኣቶ ኣስናቀ የረድእ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ማሕበሰረብ ንፈጣሪ ብዓይኑ ዝርኣዮ ሰብ የለን ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። 'ፈጣሪ ኦሮሞ ፀሊም'ዩ፡' ይብል።

"ፈጣሪ ኦሮሞ ፀሊም'ዩ" ክንብል እንከለና ግን እቲ ዝርኣይ መልክዑ ወይ ሕብሩ ኣይኰነን።

ንሱ፡ "ፈጣሪ ሚስጢር'ዩ፤ ልዕሊ ናይ ወዲሰብ ኣእምሮ እዩ ዝብል ንምርኣይ'ዩ ፈጣሪ ፀሊም'ዩ ብዝብል ዝግለጽ፡" ኢሉ።

ብመሰረት እምነት ዋቄፈና፡ ፈጣሪ ንኵሉ ካብ ማይ ከም ዝፈጠሮ ይእመን። ፈጣሪ ነዚ ማይ ኣብ ክልተ መቒልዎ፡ 'ላዕለዋይን ታሕተዋይን ማይ'።

ኣቶ ኣስናቀ፡ እቲ ላዕለዋይ ማይ ኣብ ጠፈር ዝርከቡ ኣካላት፡ ሰማይ፡ ጸሓይን ከዋኽብትን ዝሓዘ እዩ፤ እቲ ታሕተዋይ ማይ ድማ ከም ውቅያኖስ፣ ባሕርን ደረቕ መሬትን ዝኣመሰሉ ማይ ዝሓዘ እዩ ይብል።

ዋቄፈና ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት ኵሎም ኣብ ውሽጢ 27 መዓልቲ ከም ዝተፈጥሩ ይኣምን።

መጀመርያ ንሰብ ፈጠረ፤ ካልኦት ፍጡራትን ተኽልታትን ብተመሳሳሊ ብቅደም ሰዓብ ፈጢሩ።

ፈጣሪ ንምድሪ ክፈጥራ እንከሎ፡ ሰብ ብስርዓት ክነብር ሕግታት እውን ፈጢሩ እዩ።

እዚ ሕጋጋት እዚ ሕጊ ሰብ፡ ሕጊ ከብቲ፡ ሕጊ ኣፍራስ፡ ሕጊ እንስሳ ዘገዳም፡ ሕጊ ተኽልን ሕጊ ጸሓይን ከዋኽብትን ይበሃሉ።

'ሰፉ' ዘይልወጥ ሕጊ ፈጣሪ እዩ።

እዚ ምቕታል፡ ምስራቕ፡ ምንዝርናን ሓሶትን ይኽልክል።

ንፈጣሪን ንምድሪን ካልኦት ኵሎም ፍጡራትን ምኽባር ሕግታት ፈጣሪ ምእዛዝ እዩ።

'ለጉ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ክልከላታት፡ ሞራላዊ ኣካይዳ ሕብረተሰብ ንምሕላው ዝዓለሙ እዮም።

ሓደ ሰብ ነዞም ናይ ፈጣሪ ሕግታትን ክልከላታትን ክጥሕስ ከሎ ሓጢኣት ፈጺሙ ይበሃል።

ድሕሪ ሞት ህይወት?

ቀዳሞት ህዝብታት ኦሮሞ፡ ሰብ ክመውት እንከሎ ነብሱ ናብ ፈጣሪ ወይ ድማ ናብ ሓቃዊ ቦታ እያ ትኸይድ ኢሎም ይኣምኑ።

ከም እምነት ዋቄፈና፡ ሰብ ካብ ማይ፣ ንፋስ፣ ሓውን ሓመድን እዩ ተሰሪሑ።

ስለዚ፡ ሰብ ክመውት እንከሎ ኣካላቱ ናብ ሓመድ ይሕወስ፤ ደሙ ናብ ማይ፡ ነብሱ ድማ ናብ ፈጣሪ ይኸዱ።

"ከም ካልኦት እምነታት፡ ዋቄፈና ሰብ ምስ ሞተ ክለዓል'ዩ ወይ'ዉን ብህይወት ክነብር እዩ ኢሉ ኣይኣምንን። ከምኡ'ዉን ኣብ ህላወ ሰይጣንን ንፈጣሪ ዝፈታተን ሓይልን ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን። ሰባት ድማ፡ ሓጢኣት ንክሰርሑ ዘገድዶም ሓይሊ የለን ኢሉ እዩ ዝኣምን፡" ይብል ኣቶ ኣስናቀ።

ይኹን'ምበር፡ "ክፉኣት መናፍስቲ ከም ዘለዉ፡" ይኣምኑ፣ ሓደ ሰብ ነቲ ዘይልወጥ ሕጊ ፈጣሪ እንተጥሒሱ ድማ ተሓታቲ ከም ዝኸውንን እቲ መርገም ናብ ሸውዓተ ወለዶ ከም ዝሰጋገርን ይኣምኑ።

ህዝቢ በዚ ይፈርሕ።

ኣባላት ዋቄፈና

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa / BBC

ንኣብነት ሓደ ሰብ ህይወት ካልእ ሰብ ኣጥፊኡ ጸኒሑ ከይተዛረበ እንተሞይቱ፡ ስድርኡ ወይ ኣዝማዱ ናብቶም ምስ ምዉታት ዝዛረቡ "ሽማግለታት" ከይዶም "ብህይወት ከም ዘሎ ጌሮም" ካሕሳ ይሓቱ።

ኣብዚ እምነት እዚ ሲኦል ወይ መንግስተ ሰማይ ዝበሃል የለን።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ዝደለዮ ክገብር ይኽእል እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ትሕቲ እቶም ዘይልወጡ ሕግታት ፈጣሪ ክዋሳእ ኣለዎ።

በዚ መገዲ ኣብ መንጐ ፍጡራትን ደቂ ሰባትን ብሰላምን ስኒትን ምንባር ከም ዝከኣል ይኣምን፤ ዋቄፈና ።

ኣቶ ተሻገር ዓበይቲ ዓዲ፡ "ከም ዝርኣናዮ ከም ዝሰማዕናዮ" ብምባል ከም ዝዛረቡ፤ ኦሮሞ፡ ንፈጣሪ ብፍሉይ ወዲ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ኢሉ ኣይጽውዖን፤ እንተዀነ ብፆታ ተባዕታይ ይፅውዑዎ።

እዚ ግን ጾትኡ ንምምልኻት ኣይኰነን።

ሰዓብቲ ዋቄፈናን ጸሎትን

ኣብ መዓልቲ ኢሬቻ ኣምላኽ ዘመስግኑ

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa / BBC

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ደሳለኝ ደሜ ኣብ ቢሾፍቱ ሆረ ኣርሳደ ዋቄፈና እምነት "ዋዩ" እዩ።

ዋዩ ማለት ምምሕዳራዊ ጕዳያት ዋቄፈና ዝእክብን ዘመሓድርን ሰብ እዩ።

ኣቶ ደሳለኝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋቄፈና ካብ ኣቦታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ እኳ እንተጸንሐ፡ ንሕና እቶም ሕጂ ዘለና ወለዶታት ግን፡ ነቲ እምነት ስርዓቱን ባህሉን ከይገደፍና ምስ ህሉው ግዜ ብዝጥዕም መገዲ ኣብ ኣብ 1990ታት ቤተ እምነት መስሪትና፡ እቲ ሃይማኖት ክውደብ ገይርና ኢና ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ከም እምነትና፡ ንዅሉ በሊጹ ዝምህር መምህር የብልናን ዝበለ ኣቶ ደሳለኝ ደሜ፡ ነዚ እምነት እዚ ኵሉ ሰብ ካብ ኣቦኡ ወሪሱ ተማሂሩ ከም ዝመጽእ የረድእ።

ይኹን እምበር፡ ፅላል ዘተ ዝብሃል ምድላው ከም ዘለዎም ገሊፁ። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ፈጣሪ ተዘራሪብና ፀሊና ንምላስ ኢሉ።

"ብሓፈሻ ግን እቲ 'ቃል' እዩ ነቲ እምነት ብላዕለዋይነት ዝመርሖ፡"።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቢሾፍቱ ጥራሕ ኣርባዕተ ቤተ እምነታት ዋቀፌና ኣለው። ኣብ ኣዳማ፡ ባቱ፡ ሰበታን ወሊሶን እውን ኣብያተ እምነት ኣለዋ።

ቤተ እምነት ሆረ ኣርሰዴ ኣስታት 5,000 ኣባላት ከም ዘለውዎ ኣቶ ደሳለኝ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ኣባላት ተመሃሮ እኳ እንተዀኑ፡ሰራሕተኛታትን ሰባትን እውን ኣለዉ።

እቲ ቤተ እምነት ወትሩ ንዅሉ ክፉት እኳ እንተዀነ፡ እቶም ኣባላት ግን ሰንበት ሰንበት ተኣኪቦም ናይ ኣምልኾ ኣገልግሎት የካይዱ።

ወጋሕታ ክራኸቡ እንከለው፡ ዝዀነ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ንሓድሕዶም ይቕረ ይቕረ ይብሃሃሉ።

"ኣብቲ ቤተ እምነት ዘሎ ሰብ ዕርቀ ሰላም እንተዘይገይሩ፡ ፈጣሪ ከም ዘይሰምዕ ስለ ዝእመን ቀዲሙ ዕርቀ ሰላም ይግበር፡" ዝብል ኣቶ ደሳለኝ፡ ብድሕሪ እዚ ሰብ ጸጋ ዕድመ ይምርቝ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ትሕቲ ፅላል ዘተ ዘለዉ ኣባላት ምስ ዋቄፈና ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ይዛተዩ።

ካብኡ ፀሎትን ምስጋናን ይቕፅል፤ ስነ-ስርዓት ምፍላሕ ቡን ይካየድ።

ዝሓመመ ሰብ ፀሎት ይግበረሉ፤ ስድርኡ ሕጊ ፈጣሪ እንተ ጥሒሶም፡ ንፈጣሪ ክዕረቖም ይልመን።

ቅድሚ ሕጂ ፀሎቶም ዝተመሰለሎም ሰባት እንተሃልዮም እውን የመስግኑ።

ኣብ መንጐ እዚ መዝሙር 'ጄከርሳ' ይዝመር።

እዚ መዝሙር ኣብ መኽፈትን መዕጸዊን እቲ ስነ-ስርዓት ዝቐርብ ኰይኑ፡ ቅድሚ ምውድኡ ግን ስነ-ስርዓት ምሃብ "ባልቻ" ይካየድ።

እዚ ስነ-ስርዓት እዚ ሓደ ኣባል ናይቲ ቤትምነት ገንዘባዊ፡ ምሁራውን ንዋታውን ደገፍ ዝገብረሉ እዩ።