ደቀንስትዮ ክንዲ ዝደለያኦም ኣፍቀርቲ ዝመርጻሉ ማሕበረሰብ

ማሕበረሰብ ሞሱኦ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ዘይርከብ ልምድታት ዓቂቡ ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ማሕበረሰብ ሞሱኦ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ዘይርከብ ልምድታት ዓቂቡ ይርከብ

ኣብ ከም ህዝቢ ሓበሻ ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም፡ መራሕቲ ማሕበረሰብ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣቦ ወይ ዓቢ ወዲ ተባዕታይ ከም ርእሲ ስድራቤት ኰይኑ የገልግል።

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ስርዓት ሕብረተሰባት ወይ መንግስታት፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ዘሕልፉ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ማእለያ ዘይብሉ ዕብለላን፡ ጸቕጥን ተፈጺሙ እዩ።

ኣብዚ ኣርእስቲ ገይርናዮ ዘለና ማሕበረሰብ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

ሞስኦ ኣስታት 40,000 ኣባላት ዘለዎ ማሕበረሰብ እዩ።

ኣባላት እዚ ማሕበረሰብ ኣብ ቻይና ምስ ኣውራጃታት ሲቹዋንን ዩናንን ኣብ ዝዳወብ ገምገም ቀላይ ሉጉ ንዘመናት ክነብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ኣኽራናት፡ ብዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ይነብሩ።

ከባቢኦም 2,700 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ኰይኑ፡ እታ ዝቐረበት ከተማ ብመኪና ኣስታት ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት መንገዲ ርሒቓ ትርከብ።

ካብ ርሕቀቱ ዝተለዓለ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ዘይርከብ፡ ልምድታቱ ንኽዕቀብ ምኽንያት ኰይኑ'ሎ።

ሓደ ካብቶም ፍሉይ ባህላዊ ልምድታት 'ዞውሁን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ስነስርዓት ሓዳር እዩ።

ዝኣኸለት ጓለንስተይቲ ሞስኦ፡ ኣብ ምሉእ ዕድመኣ ክንዲ ዝደለየቶ ብዝሒ ኣፍቀርቲ ክትመርጽ ትኽእል'ያ።

ኣብዚ 'ሓዳር' እዚ፡ ደቂ ተባዕትዮ ተዓዲሞም እዮም ናብ መንበሪ እታ ሰበይቲ ዝኣትዉ።

'ክፍሊ ዕምባባ' ተባሂሉ ኣብ ዝተመደበ ክፍሊ ድማ ይሓድሩ። ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ገዛኦም ይምለሱ።

መጻምድቲ ብሓባር ኣይነብሩን፤ ዕሸላት ድማ ኣብ ስድራቤት እታ ጓለንስተይቲ ጥራይ'ዮም ዝዓብዩ።

ናይ ኣቦነት ተራ ዝጻወቱ ኣሕዋት - ኣኮታት እቶም ቈልዑ - እዮም።

ሞስኦ ካብ ከተማታት ርሒቘም ይርከቡ
መግለጺ ስእሊ, ማስኦ ካብ ከተማታት ርሒቘም ይርከቡ

ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ሞስኦ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ብልምዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብታ ዓዲ ርሒቘም ፍርያት ናይቲ ከባቢ ይሸጡ። ብተወሳኺ ገዛውቲ ናይ ምህናጽ፡ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ከምኡ'ውን ጥሪት ናይ ምሕራድ ሓላፍነት ይስከሙ።

ብዓቢኡ ግን ክሳዕ ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሶም ደቆም ሓላፍነት ዘይስከሙ እኳ እንተዀኑ፡ ምስኦም ኣብ ገዛኦም ናይ ዝነብሩ ደቂ ሓፍቶም ግን ብገንዘብ ሓላፍነት ይወስዱ እዮም።

ሞስኡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ እኖኣዊ ወይ ኣደነታዊ ማሕበረሰብ (ማትሪያርካል ሶሳይቲ) ብዝብል ዝጽውዑ'ኳ እንተዀነ፡ ባህሎም ግን ሓረገ-እኖኣዊ (ማትሪሊኒያል) እንተተበሃለ ዝያዳ ቅኑዕ ይኸውን።

እኖኣዊ ወይ ኣደነታዊ ማሕበረሰብ (ማትሪያርካል ሶሳይቲ) ስልጣንን ሓለፋን ብደቂ ኣንስትዮ ዝተሓዘሉ ስርዓት ክኸውን እንከሎ፡ ሓረገ-እኖኣዊ (ማትሪሊኒያል) ድማ ኣብ ምስ ኣደ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዘሎ ዘመድነት ዝተመርኰሰ እዩ።

ደቂ ተባዕትዮ ፖለቲካዊ ስልጣን ይሕዙ እዮም፡ እንተዀነ መራሕቲ ስድራቤተን ኰይነን ብዛዕባ ጸጋታት ስድራቤት ውሳነታት ዘሕልፋ ደቀንስትዮ እየን።

ቆልዑ ምስ ስድራቤት እታ ሰበይቲ ይዓብዩ
መግለጺ ስእሊ, ቆልዑ ምስ ስድራቤት እታ ሰበይቲ ይዓብዩ

ሃብትን ንብረትን ድማ ድሕሪ ሞት፡ ብኣደ ኣቢሉ እዩ ዝውረስ፣ እዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ሞስኦ ዓቢ ስልጣንን ናጽነትን ዝህብ ስርዓት እዩ።

ያንግ ዛክሲ ኣብ ኣዝዩ ባህላዊ ገዛ ሞስኦ ዝዓበየ መንእሰይ ሙዚቀኛ እዩ። ብኣደኡን ብኣኮታቱን ሕትኖታቱን እናተሓብሐበ ድማ እዩ ዓብዩ።

ኣቦኡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ቁሸት እዩ ዝነብር፣ ምስ ያንግ ድማ ጽኑዕ ምትእስሳር ኣለዎ።

እንተዀነ ኣቦነት፡ ብሓቂ ኣብ ባህሪ ናይቲ ተባዕታይ እዩ ዝምርኮስ። ሕያዋይ እንተዀይኑ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሓዳር እንተዘይቀጸለ፡ ደቁ ክሕብሕብ፡ ህያባት ክገዝኣሎምን ኣብ ትምህርቶም ክሕግዝን ይኽእል።

"ደሓር ከኣ እቶም ቈልዑ ዋላ'ውን ናቱ ሓላፍነቱ እንተዘይኰኑ፡ ዘይሩ ዘይሩ ደቁ'ዮም" ይብል ዛክሲ።

ኣኮታት ናይ ኣቦነት ተራ ይጻወቱ
መግለጺ ስእሊ, ኣኮታት ናይ ኣቦነት ተራ ይጻወቱ

ምስ ካልኦት ብዙሓት ባህላዊ ሕብረተሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ሞስኦ ዝፍጸም ሓዳር ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ኣሎ።

እታ ጓለንስተይቲ ብቝጠባ ኣብቲ ተባዕታይ ጽግዕተኛ ስለዘይኰነት፡ እቲ ዝምድና ተፈጥሮኣዊ መስመሩ ሓልዩ ክኸይድ ንቡር'ዩ። እታ ሰበይቲ እንተዘይተመቺእዋ፡ እቲ ሓዳር ከተቋርጽ ትኽእል'ያ።

ያንግ ዛክሲ ሓትኖኡ ያንግ ኮንግሙ ትበሃል። ንሳ መፍትሕ ናይቲ ስድራቤታ ዝውንኖ መኽዘን ተዋሂብዋ'ዩ። እዚ ማለት፡ ሓላፍነት ስድራቤት ከምዝሓዘት ዘርኢ ምልክት'ዩ።

ቀዳማይ 'ሰብኣያ' ጸራብ ዕንጸይቲ - ፈለኛሞ - ስለ ዝነበረ፡ ገዛኣ ክሃንጸላ እንከሎ እዮም ተራኺቦም።

ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን እቲ ፍቕሪ ሃሲሱ።

"በዓል ቤተይ ብሓቂ ምስቶም ደቁ ዝዀነ ርክብ ስለ ዘይነበሮ ምምጻእ ኣቋረጹ። ኣብ ባህሊ ሞስኦ፡ ዝምድናታት ኵሉ ብዛዕባ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ምስ ዝሃሰሰ ድማ ንቕድሚት ናብራና ንቕጽል" ትብል።

ሕያዋይ ኣቦ እንተዀይኑ፡ ደቁ ክሕብሕብ፡ ህያባት ክገዝኣሎምን ኣብ ትምህርቶም ክሕግዝን ይኽእል
መግለጺ ስእሊ, ሕያዋይ ኣቦ እንተዀይኑ፡ ደቁ ክሕብሕብ፡ ህያባት ክገዝኣሎምን ኣብ ትምህርቶም ክሕግዝን ይኽእል

ብዝሒ ህዝቢ ማሕበረሰብ ሞስኦ ብተዛማዲ ውሑድ ስለዝዀነ፡ ከምቶም ካልኦት 55 ውሑዳት ጕጅለታት ብመንግስቲ ቻይና ኣፍልጦ ኣይተወሃቦን።

ንኣብነት ያንግ ዛክሲ፡ መንነት ወረቐቱ ሞንጎላዊ ከምዝዀነ እዩ ዝጠቅስ።

ሞስኦ ብባህሊ ኣኒሚዝም እዮም ዝኽተሉ። ኣኒሚዝም ንዅሎም ባእታታት ተፈጥሮ፡ እንተላይ ንኣትክልቲ፡ እንስሳታት፡ ኣኻውሕ፡ ዋላ እውን ህይወት ዘይብሎም ነገራት መንፈሳዊ ሕመረት ከምዘለዎም ዝገልጽ ኣረኣእያ እዩ።

ብኣደ ኣምላኽ ድማ ይኣምኑ።

እዚ ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ስርዓት ግን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቡድሂዝም ቲቤት ይተሓዋወስ ኣሎ፤ ብዙሓት ስድራቤታት ተባዕታይ ኣባላቶም ንኽምንኩስ ይልእኩ ኣለዉ።

ሞስኦ ገለ ዘይተለምደ እምነታት እውን ኣለዎም፤ ንኣብነት ንከልቢ ክብሪ ይህቡ እዮም።

ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣኽላባት ክሳዕ 60 ዓመት ይነብሩ ከምዝነበሩን ዕድመ ደቂ ሰባት ድማ ክሳብ 13 ዓመት ጥራይ ይበጽሕ ከምዝነበረን ዝገልጽ ጽውጽዋይ ኣለዎም።

ደቂ ሰባትን ኣኽላባትን ዓዲሞም ክለዋወጡ ተሰማሚዖም፡ ደቂ ሰባት ድማ ብኣምሳያኡ ንኣኽላባት ኣኽብሮት ክህቡ ቃል ኣትዮም ይብል እዚ ጽውጽዋይ።

ያንግ ዛክሲ ካብ ቀቢላኡ ወጻኢ ምስ ዝተመርዓዋ ቻይናዊትን ወዶምን ይነብር
መግለጺ ስእሊ, ያንግ ዛክሲ ካብ ቀቢላኡ ወጻኢ ምስ ዝተመርዓዋ ቻይናዊትን ወዶምን ይነብር

ኣብ 2015 ዝተኸፍተ ሓድሽ ጽርግያን ኣብ ቀረባ ዝተሃነጸ መዓርፎ ነፈርትን ስዒቡ፡ ዝያዳ በጻሕቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ሉጉ ይመጹ ኣለዉ። እዚ ድማ ሓድሽ እምነታትን ኣሰራርሓታትን ክተኣታቶ ይገብር ኣሎ።

ባህሊ ሞስኦ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ዘመናዊነትን ጥንታዊ ትውፊትን ተታሒዙ ይርከብ።

"ኣብ ጥቓ እቲ ቀላይ ዝነብሩ ደቂ ዓዲ፡ በጻሕቲ ዘአንግዱ ሆቴላት ሰሪሖም ኣለዉ። ገለ ጽቡቕ ቦታታት ዝነበሮም ስድራቤታት ሕጂ ኣዝዮም ሃብታማት ኰይኖም ኣለዉ። መጓዓዝያን ካልእ መዳያትን እውን ዝያዳ ምቹእ ኰይኑ ኣሎ። ኣባላት ሞስኦ ድማ ነቲ ሓድሽ ዓለም ይምርምሩን ሓደስቲ ሓሳባት የስተማቕሩን ኣለዉ" ይብል ያንግ ዛክሲ።

ሞስኦ ኣብ ፍቕርን ሓዳርን ዘለዎም ኣረኣእያ ምስ ግዳማዊ ዓለም ብዝተፈጠረ ርክብ ይቕየር ኣሎ።

መንእሰያት ሞስኦ ብናይ ቻይናውያን ፍቕራዊ ፊልምታትን ጽውጽዋያዊ ርእዮተ ዓለምን ይምሰጡ ኣለዉ።

ብዙሓት መጻምድቲ ድማ ብባህላዊ ቻይናዊ ስነስርዓት ክምርዓዉ ክመርጹ ዝጀመሩ ኰይኖም፡ ብሓባር ክነብሩ መብጽዓ ሓዳር ይኣትዉ ኣለዉ።

ያንግ ዛክሲ ንባዕሉ ካብ ቀቢላኡ ወጻኢ፡ ምስ ቻይናዊት ተመርዕዩ፡ ምስኣን ምስ ወዶም ብሓባር ይነብር ኣሎ።

ከምኡ ኰይኑ ግን፡ ደቂ ሓፍቱ ክሕብሕብ ሕጂ'ውን ሓላፍነት ኣለዎ።