ኣርባዕተ ቈልዑ ጥራሕ ዝነብሩላ ከተማ

ብዝሒ ህዝቢ ፍሪጎ ናኣዝዩ የንቈልቍል ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ብዝሒ ህዝቢ ፍሪጎ ናኣዝዩ የንቈልቍል ኣሎ

ጂያኮሞ ደ ሉካ ኣብቲ ጸቢብ ቀንዲ ጐደና ናይታ ኣብ ሰሜን ጣልያን እትርከብ ከተማ እዩ ዝነብር።

ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓጽየን ኣለዋ፡ ክልተ ሱፐርማርኬታት፡ እንዳ ጸጕሪ፡ ቤት መግቢ - ኩለን ኣብ ልዕሊ ማዕጾታተን ዝተሳእለ መሸጎሪን ዝሃሰሰ ምልክታትን ኣለወን።

እታ ኣብ እግሪ ኣኽራናት እትርከብ ጽብቕቲ ከተማ ፍረጎና ከም ብዙሓት ከተማታት እቲ ከባቢ ጥርሓ ትተርፍ ኣላ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ጣልያናውያን ውሑዳት ቈልዑ ስለ ዘለዎምን ናብ ዝዓበየ ቦታታት ይስደዱ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይኸዱ ምህላዎምን እዩ። ሕጂ እቲ ናይቲ ከባቢ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ ከንቲባ ስክፍታ ኣለዎ።

"ኣርባዕተ ቈልዑ ጥራይ ስለ ዘለዉ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ፤ ክዓጽዉዎ እዮም ዝደልዩ፡" ይብል ደ ሉካ።

ምወላ ንምርካብ ብውሑድ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ 10 ቈልዑ ክህልዉ ኣለዎም።

"ምንቁልቋል ወሊድን ዋሕዲ ብዝሒ ህዝብን ኣዝዩ ኣዝዩ ልዑል'ዩ ነይሩ።"

እቲ ከንቲባ፡ ኣብታ ካብ ቬኒስ ንሰሜን ናይ ሓደ ሰዓት ርሒቓ እትርከብ ከተማ ፍረጎና፡ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዳርጋ ብሓሙሽተ ኢድ ከም ዝነከየ ይሕብር።

ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ኣርባዕተ ቈልዑ ጥራይ'ዮም ተወሊዶም።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣስታት 2700 ነበርቲ ኣረጋውያን እዮም።

ከንቲባ ደ ሉካ፡ እቶም ዝተረፉ ቈልዑ ንትምህርቲ ናብ ካልእ ከባቢ እንተኸይዶም፡ ኣይመስለሱን ዝብል ልዑል ስግኣት ኣለዎ።

ስለዚ ኣብቲ ከባቢ እናተዘዋወረ፡ ናብ ፋብሪካ ፒዛ ከይተረፈ እናኸደ ወለዲ ደቈም ናብታ ከተማ ክሰዱን እቲ ቤት ትምህርቲ ከይዕጾ ክሕግዙዎን ከእምን ይጽዕር።

"ብሚኒባስ ከም ዝወስዶም፡ ቈልዑ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት (12 ብኢትዮጵያ) ከም እነጽንሖም ፡ ኵሉ ወጻኢታት ድማ ብካውንስል ከም ዝኽፈል እየ ዝነግሮም ዘለዅ፡" ኢሉ።

ንሱ ወሲዅ፡ "ኣመና ተጨኒቐ ኣለኹ። በብቑሩብ ነገራት ከምዚ እንተቐጺሎም እታ ዓዲ ክትመውት እያ፡" ይብል።

ከንቲባ ደ ሉካ እታ ዓዲ ጥርሓ ከይትተርፍ ይሰግእ
መግለጺ ስእሊ, ከንቲባ ደ ሉካ እታ ዓዲ ጥርሓ ከይትተርፍ ይሰግእ

ብደረጃ ሃገር ዘሎ ጸገም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዝሒ ህዝቢ ጣልያን፡ ካብ ፍረጎና ወጻእ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ኰይኑ እናዓሞቐ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብደረጃ ሃገር ብዝሒ ህዝቢ ዳርጋ ብ1.9 ሚልዮን ከም ዝነከየን ን16 ተኸታተልቲ ዓመታት ቁጽሪ ወሊድ ከም ዝነከየን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብማእከላይ ገምጋም ደቂ ኣንስትዮ ጣልያን፡ ሕጂ 1.18 ዕሸላት ጥራይ ይወልዳ ኣለዋ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ዝወሓደ ደረጃ እዩ።

እዚ ድማ ትሕቲ ማእከላይ መጠን ፍርያምነት ሕብረት ኤውሮጳ 1.38 ኰይኑ፡ ካብቲ ህዝቢ ንምቕጻል ዘድሊ 2.1 ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

የማናዊ መንግስቲ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ወሊድ ንምትብባዕ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ስድራቤት ዝምችእ ፖለቲካ ብዙሕ ዝዛረብ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ምንቍልቋል ግን ደው ከብሎ ኣይክኣለን።

"ቅድሚ ቈልዓ ምውላድካ ብዙሕ ክትሓስብ ኣለካ፡"ትብል ቫለንቲና ዶቶር።

ንሳ፡ ኣደ ጓል 10 ወርሒ ዕሸል እያ፤ ኣብ ከተማ ፍሪጎና ድማ ትነብር።

ቫለንቲና ንመጀመርታ ዓመት ዲለታ ኣብ ወርሒ ኣስታት 200 ዩሮ ኣበል ትረክብ፤ እንተዀነ መንግስቲ ኣብ 2025 ንዝተወልዱ ህጻናት ዝህቦ ሓድሽ ቦነስ ህጻናት 1000 ዩሮ ኣየርከበትሉን።

መንግስቲ ጣልያን፡ ወሊድ ንምትብባዕ ሓድሽ ምጕዳል ግብሪ'ዉን ገይሩ ኣሎ፤ ከምኡ'ውን ነዊሕ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይህብ።

ቫለንቲና ግን ሕጂ ናብ ስራሕ ክትምለስ ከም ዘለዋን፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ክንክን ህጻናት ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑን ትዛረብ።

"ብዙሓት ዕሸላት የለዉን፡ ናይ መዋእለ ህጻናት [ቦታታት]'ውን ብዙሓት ኣይኰኑን። ዕድለኛ እየ ዓባየይ ንጓለይ ክትኣልያ'ያ። እንተዘይኰይኑ ኣበይ ከም ዝገድፋ ኣይፈልጥን።"

በዚ ምኽንያት፡ መሓዙታ ክወልዳ ከም ዘይደልያ ትዛረብ።

"ከቢድ'ዩ - ብሰንኪ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ገንዘብ። ገለ ሓገዝ ኣሎ፡ እዚ ግን ቈልዑ ንምውላድ እዅል ኣይኰነን፡ ነቲ ጸገም ኣይፈትሖን" ትብል።

ኣብ ዞባ ቬነቶ ዝርከባ ገለ ኵባንያታት ነቲ ጕዳይ ባዕለን ክፈትሕኦ ይፍትና ኣለዋ።

ካብ ፍረጎና ቍልቍል ክትወርድ ከለኻ፡ ብኣናእሽተይን ማእከሎትን ትካላት ዝተመልአ ዓቢ ኢንዱስትርያዊ ቦታ ትረክብ።

እዚአን መብዛሕትአን ብስድራቤታት ዝመሓደራ እየን።

ኢሪኖክስ ዝተባህለ ኣፍራዪ፡ ነቲ ጸገም ኣተዓባብያ ቈልዑ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ስለ ዝረኣዮ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ክንዲ ዝኸስር ነቲ ጸገም ዝፈትሕ ስጕምቲ ክወስድ ወሲኑ።

እቲ ትካል ምስ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ብምትሕብባር ኣብ ጥቓ እቲ ፋብሪካ መጽንሒ ቈልዑ ሰሪሑ። እዚ ኣብታ ሃገር ብዓይነቱ ዝተፈለየ ነይሩ።

"ካብዚ ክልተ ደቒቕ ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ንወደይ ከቐምጦ ዕድል ከም ዝረኸብኩ ምፍላጠይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ቀልጢፈ ክበጽሓሉ ስለ ዝኽእል፡" ትብል ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ፋይናንስ ናይቲ ትካል ዝኸዋኦነት ሜላንያ ሳንድሪን።

ብዘይካኡ ናብ ስራሕ ምምላስ ከጸግማ ነይሩ'ዩ።

ንሳን መሓዙታን ልክዕ ከም ቫለንታይን፡ ክሰርሓ ድልየት ስለ ዝነበረን ክሳብ 30ታት ዕድሚአን ኣይወለዳን ጸኒሐን።

ሜላንያ ድማ ካልኣይ ቆልዓ ከም እትወልድ ርግጸኛ ኣይኮነትን፡ ሕጂ'ውን እንተኾነ። "ቀሊል ኣይኮነን" ትብል።

ኣብዚ ደንጕኻ ምውላድ ልምዲ እናዀነ ይመጽእ ምህላው፡ ቍጽሪ ወሊድ ንክንኪ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ እዩ።

እዚ ኵሉ'ዩ ድማ ኣካያዲት ስራሕ ካቲያ ዳ ሮስ፡ ጣልያን ንጸገም ብዝሒ ህዝባ ንምፍታሕ "ሰፊሕ ለውጢ" ክትገብር ከም ዘለዋ ትገልጽ።

"እቲ ለውጢ ዘምጽእ 1000 ዩሮ ክፍሊት ዘይኰነስ፡ ከም ነጻ መዋእለ ህጻናት ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ምህላው'ዩ። ነቲ ኵነታት ክንቅይሮ እንተደሊና ሓያል ስጉምቲ የድልየና፡" ትብል።

እቲ ካልእ መፍትሒ ድማ ምውሳኽ ኢሚግሬሽን ኰይኑ፡ እዚ ጕዳይ ንመንግስቲ ሜሎኒ ኣዝዩ ዝያዳ ኣካታዒ እዩ።

ኣብ ኢሪኖክስ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ሰራሕተኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽኡ እዮም።

ኣብ መንደቕ እቲ ፋብሪካ ዝተጠቅዐ ካርታ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ሞንጎልያ ክሳብ ቡርኪናፋሶ ከም ዝመጹ ይሕብር።

ኣካያዲት ስራሕ ካቲያ ዳ ሮስ
መግለጺ ስእሊ, ኣካያዲት ስራሕ ካቲያ ዳ ሮስ

ኢሚግሬሽን'ዉን እንተዀነ ግን ነታ ኣብ ጥቓ ትረቪሶ ንዝነበረት ቤት ትምህርቲ ከድሕና ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ፓስኮሊ፡ እኹል ተማሃሮ ስለ ዘይነበረ፡ ንሓዋሩ ተዓጽዩ።

27 ህጻናት ጥራይ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ተኣኪቦም ሓደ ናይ መወዳእታ ስነ-ስርዓት ገይሮም።

ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓላ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዝወሰደት ኤሌኖራ ፍራንቸስኪ፡ "ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልቲ፡" ኢላ።

ጓላ ካብ መስከረም ጀሚራ ርሒቝ ናብ ዝርከብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ክትጕዓዝ ክትግደድ እያ።

ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ሉና ስካርፊ፡ "ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዙሓት ሰባት ናብዚ ስለ ዝመጽኡ ተቐይሩ'ዩ፡" ኢላ።

ን20 ዓመታት ኣብ ዝነበረ ስደት፡ ናብ ዞባ ቬነቶ ብዙሓት ፋብሪካታትን ሰራሕተኛታትን ከም ዝመጽኡ ሓቢራ።

"ድሕሪኡ ገለ [ስድራቤታት] ናብ ካልኦት ውሑድ ስደተኛ ዘለዎም ኣብያተ ትምህርቲ ክኸዱ ወሲኖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ናብዚ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኡ ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት'ዮም፡" ኢላ።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ብዝሒ ህዝቢ ጣልያን ኣብ ዝቕጽሉ 25 ዓመታት ካብቲ ሕጂ ዘለዎ 59 ሚልዮን ብኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ክጐድል እዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ ቍጽሪ ኣረጋውያን ይወስኽ'ዩ ዘሎ፤ እዚ ክኣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝወርድ ጸቕጢ ክውስኽ ይገብር ኣሎ።