ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ፡ ኣበርክቶኦም ዓቢይ ክንሱ ታሪኾም ተጐስዩ ዝተረፈ ጐብለል

1917 - ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚካኤል - ሰገነይቲ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, 1917 - ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚካኤል - ሰገነይቲ

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያለ ክኢላታት፡ ለባማት፡ ጀጋኑ፡ ቅድሚ ግዜኦም ሰጒሞም ዝነበሩ ሰባት ኣፍርዩ ክነሱ ታሪኾም ግን ብግቡእ ኣይተነግረን። ሓደ ካብኦም ጸሓፊ ታሪኽ ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት'ዮም።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ መብዛሕትኦም ክርስትያን 'ሕብረት' ክጠልቡ፡ ኣስላም ኣቦታት ከኣ ንናጽነት'ዮም ተቓሊሶም። እዚ ታሪኽ ግን ታሪኽ ስለ ዝዀነ'ምበር ምእንቲ ፖለቲካ ክጥምዘዝ ኣይግባእን።

ኵሉ በቲ ሓቂ'ቲ - ንናጽነት ደው ዝበሉን ንሕብረት ዝተቓለሱን ነይሮምና ኢልና በቲ ናይ ሓቂ መልክዑ ክግለጽ የድሊ።

ኰይኑ ድማ ዛንታ ገብረሚካኤል ግርሙ ዋላ'ኳ ንሶም ካብቶም ደለይቲ ሕብረት ይንበሩ፡ ታሪኾም በቲ መንጽር'ቲ ክርአ ይግብኦ፤ መምሃሪ ስለዝዀነ።

እታ ደ-ሎረንሲ ዝጸሓፋ መጽሓፍ፡ ካብ ጥንታዊ ዘመነ-ኣኽሱም ጀሚራ ክሳብ ዘለናዮ ዘመን፡ ብደቀ'ባት ኤርትራ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጽሑፋት ትድህስስ'ያ።

ብመጐተ ደራሲ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቦታ ከም ዘለወን ብምሕባር፡ ንመጐተኡ ንምድማዕ ድማ ኣብ ኣበርክቶ ሰለስተ ሰባት ብምትኳር ብዘገርም ኣግባብ ኣብታ 'እቶም ዓቀብቲ ባህሊ' (Guardians of the Tradition) ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ብሓቂ ኣብ ቋንቋና ክትርጐምን ክንበብን ዘለዎ መጽሓፍ!

ትንተናኡ ከም ዘርእዮ፡ ብሓጺሩ ንምግላጹ ማለት'ዩ፡ ኣብ ዞባና ምዕራባውያን ብዝጸሓፉዎ ታሪኽ ጥራይ ከም ዘይንቕየድ፡ ናይ ባዕላትና ታሪኽ ክንስንድ ዓቕሚ ዝነበረናን ዘሎናን ኣህዛብ ምዃንና ክንግንዘብ ንኽእል።

ዞባና ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ስነጽሑፋዊ ታሪኽ ዝነበሮ፡ ምስኡ ከኣ ፍሉይን ዝተሓላለኸን መግዛእታዊ ርክባት'ውን ዝነበሮ'ዩ። ጣልያን ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ዝኣተውሉ ዘመን (1882) ክሳብ ውግእ ዓድዋ (1896) ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንሃጸይነት ኤውሮጳ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገጢሞሞ'ዮም።

መግዛእቲ ኤውሮጳ ብሓደ ሸነኹ ዓይነታዊ ለውጥታት ከተኣታትውን ብኻልኡ ድማ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ከም ዝኽሰቱ ብምግባሩን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሓደ ጕጅለ ምሁራት ዞባና፡ ዓቕሞም ኣብ ኣገልግሎት ሃጸያዊ ቤተመንግስቲ ከውዕልዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ሕቝፊ ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ኢንዱስትርያዊ ምዕባለታት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ኣለክስ ድ-ቫል ዝተባህለ፡ ብኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሱዳንን ዞባናን፡ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘቕረበ ህርኩት ተመራማርን ጸሓፍን ከም ዝመስከሮ፡ "ደ ሎረንዚ ብዘድነቕ ማእምራውነት ዝተደገፈት መጽሓፍ ብምቕራቡ ዝንኣድ'ዩ፡"ብምባል ብልዑል ኣድናቖት ነታ መጽሓፍ ኣመጐሳ።

ወሲኹ፡ "እታ መጽሓፍ ንዘቤታውን ኣህጉራውን ኵነታት ትዅረት ብምሃብ፡ ብታሪኽ ውልቀ-ሰባት ኣቢላ ሓደ ታሪኻዊ ክልሰ-ሓሳብ ተጠቒማ ብቅርጥው ዝበለ ኣገባብ ኣቕሪባቶ ኣላ፡" ይብል።

ደ-ሎረንሲ ኣብ ታሪኽ ሰለስተ ውልቀሰባት ብምትኳር ዘዘንትዎ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዝተፈጸሙ ጉዳያት ኣቢሉ'ዩ።

ነፍሲወከፎም ኣብ ጽሕፈት ታሪኽ፡ ትርጐማ፡ ምምህርና፡ ዲፕሎማሲ፡ ጋዜጠኝነት፡ ሕትመት ዝነጠፉ ሰባት'ዮም ነይሮም።

ንሳቶም ከኣ ሕሩይ ወልደስላሰ (1878–1938)፡ ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት (1892–1932)፡ ከምኡ'ውን ገብረሚካኤል ግርሙ (1900–1969) እዮም።

ሕሩይ ወልደስላሰ ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝነጠፉ ምሁር ዲፕሎማት'ዮም ነይሮም።

ንሶም ኣብ ህይወቶም ክልተ ሳዕ (ብ1911ን 1927ን ምዃኑ'ዩ) ካታሎግ ናይ ግዕዝን ኣምሓርኛን መጽናዕትታት ዘዳለዉ ኰይኖም፡ ብመጽሓፍ ከቕርብዎም ዝኸኣሉ ብዓል ኣእምሮ ሰብ ነበሩ።

ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት (1892–1932) ከኣ ሰራሕተኛ መንግስቲ'ዮም ነይሮም።

ንሶም ኣካያዲ ቤት-ማሕተም መንግስትን ኣሰናዳኢ ሓደ ህቡብ 'ብርሃንና ሰላም' ዝበሃል መጽሔትን ነበሩ።

እቲ መጽሔት ብኣምሓርኛን ይሕተም ነበረ።

በቲ መጽሔት ኣቢሎም ድማ ንህዝቢ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም ክምህሩ በቒዖም'ዮም።

'ሓጺር ታሪኽ ዓለም' ዘርእስቱ ብኣምሓርኛ ዘቕረቡዎ መጽሓፍ ድማ ንታሪኾምን ኣበርክቶኦምን ክሳብ ሕጂ ህያው ገይሩዎ ኣሎ።

እቶም ደ-ሎረንሲ ኣብ ዛንትኡ ዘቕረቦም ሳልሳይ ሰብ ድማ ገብረሚካኤል ግርሙ ይበሃሉ። እዚ ሓተታ'ዚ ድማ ብዛዕባኦም'ዩ።

ደ-ሎረንሲ ኣብ ታሪኽ ሰለስተ ውልቀሰባት ብምትኳር ዘዘንትዎ ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, DM

ድሕረ ባይታ ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ

ገብረሚካኤል ግርሙ ካብ ኣቦኦም ግርሙ መርሑን ኣደኦም ሰንበቱ ክፍላይን ኣብ በራቒት ዓባይ (ኣከለጉዛይ) ብ1900 ተወልዱ።

በራቒት ኣብ እዋን ውግእ ዓድዋ ቀንዲ ድፋዕ ጣልያን ነበረት። እዚ ዝዀነሉ ቅድሚ ገብረሚካኤል ምውላዶም ነበረ።

ገብረሚካኤል ግርሙ ኣብ ኢጣልያዊት ኤርትራ'ዮም ተወሊዶም።

ዘይከም ገብረክርስቶስ ግን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም'ዮም ዝነጥፉ ዝነበሩ - ኣይተሰደዱን።

እታ ንሶም ዘቕረቡዋ "ታሪኽ ጣልያንን ኢትዮጵያን" ዘርእስታ መጽሓፎም ብትግርኛ'ያ ተጻሒፋ - ብዛዕባ መግዛእቲ ጣልያን ከኣ'ያ እተዘንቱ።

ገብረሚካኤል ዘይከም'ቶም ክልተ ጸሓፍቲ - ሕሩይን ገብረክርስቶስን - ኣብ መዛግብቲ ዝተሓትሙ ምንጭታት ዝተመርኰሰ ታሪኽ ዘይኰነስ ካብ ኣፋውን ኣብ ናይ ባዕሎም ዝኣከቡዎን ምንጭታት ብምምርኳስ ዘቕረቡዋ መጽሓፍ ታሪኽ'ያ።

ገብረሚካኤል ብጐበዞም ኣብ ቤተክርስትያን'ዮም ተማሂሮም፣ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ግእዝ ከኣ ብግቡእ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ኣባ ተወልደብርሃን ዓንዱ ኰይኖም ተማህሩ።

ብባህላዊ ትምህርቲ ዝተሳሕሉ፡ ጽምኢ ትምህርቲ ዝነበሮም ትኩር ተመሃራይ ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም።

ገብረሚካኤል ንኣካይዳን መንገድን ኣቦን ካሚሎ ካራራ - ብዘመኖም ምስዮን ካቶሊክ ኣዝዩ ከም ዝዓበየ ዝንገረሎም ኣቡን - ብግቡእ ተጠቕምሉን ተመላለስሉን።

እወ፡ እቲ ዘመን'ቲ ክዝከር ዝግብኦ ዘመን'ዩ... ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቡነ ካሚሎ ካራራ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መዕበያ ዘኽታማት፡ ኣብያተ-ንባብ፡ በብዓይነቶም ክለባት፡ መደበራት ክንክን ጥዕና፡ ብዓቢዩ ከኣ ቤት ማሕተም ቲፖግራፊያ ፍራንቸስካና ብግቡእ ይሰርሑ ነበሩ።

ክፍሊ ትምህርት ከኣ ብዝያዳ ብማሕበር ካፑቺን ይካየድ ነበረ ይብል ደ-ሎረንሲ።

ምስቲ ዝተኣታተወ ምዕባለ ኵነታት ትምህርቲ ንደቂ ጣልያን ጥራይ ዘይኰነስ ንቘልዑ ኤርትራ'ውን ሓዊሱ ክብ እናበለ ከደ።

ይዅን'ምበር፡ እቶም ደቀ'ባት ተምሃሮ ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ጣልያን ንኸገልግልሉ ዘኽእሎም ሞያ ከጥርዩ ተባሂሉ ጻዕርታት ይካየድ ነበረ።

ማዕረ 200 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ታሪኽ - ብገብረሚካኤል ግርሙ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ማዕረ 200 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ታሪኽ - ብገብረሚካኤል ግርሙ

ገብረሚካኤል ብተፈጥሮኦም ትኵር ስለ ዝነበሩ ምስቶም ካፑቺን ጽኑዕ ርክባት ብምፍጣር ቋንቋ ጣልያን ብግቡእ ተማህሩ።

ኣብ ቤትጽሕፈት መንግስቲ ጣልያን ከኣ ከም ጸሓፊ ተቈጽሩ።

ኣይጸንሑን፡ ኣብ ስርሖም ከኣ ተዓወቱ፣ ጥጡሕ ሓላፍነት ብምርካብ ከኣ ማዕበሉ።

ብኣገላልጻ ደ-ሎረንሲ፡ ገብረሚካኤል ሓደ ካብቶም ብግዜ ጣልያን ኣብ ስራሓት ምሕደራ-ከተማ ዓቢይ ቦታ ዝነበሮም ሰብ ነበሩ።

ሽዑ'ዮም ገብረሚካኤል ኣብ ስራሓት ጋዜጠኝነት (ወይከኣ ሞያ ስነጽሑፍ) ተገዳስነት ዘሕደሩ።

ብሓምለ 1934፡ (ሸሞንተ ዓመት ቅድሚ ናይ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም 'ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ' ምሕታሙ) ገብረሚካኤል ኣብቲ ብጣልያን ዝሕተም ዝነበረ መዓልታዊ ጋዜጣ ('ኢል-ኮቲድያኖ') ኣብ ትሕቲ "ገ. ግርሙ ዘበራቒት" ዝብል ስም ናይ ፈለማ ጽሑፎም ኣስፈሩ።

እታ ጽሕፍቲ ንውሕ ዝበለት ኰይና ብዛዕባ ሰባት ንምንታይ ከም ዝቐትሉን ዝሰርቁን እተውክእ ነበረት።

ኣብ በዓል መስቀል፡ ገዛእቲ ጣልያን ነቲ በዓል ተጠቒሞም ንጥቅዋት ደቀ'ባት ሽመትን ኣፍልጦን ዝህብሉን መዓልቲ ነበረ። እቶም ዝተሾሙ ወይከኣ ብልጫ ዝተዋህቦም ሰባት ኣብ ጋዜጣ ኣስማቶም ይሕተም ነበረ።

ንገሊኦም ነቲ ስርዓት ጽቡቕ ኣገልግሎት ዘበርከቱ ዜጋታት ከኣ መሳርያ ክሕዙ ፍቓድ ይወሃቦም ነበረ። ኣብ መስቀል 1934 ገብረሚካኤል M91 ዝዓይነታ ጠበንጃ ክወሃቦም ፍቓድ ከም ዝረኸቡ ደ-ሎረንሲ ኣብ መጽሓፉ ይጠቕሶ።

ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚሮም ገብረሚካኤል ኣብ ስነጽሑፍ እናጠለቑ ከዱ ይብል ደ-ሎረንሲ። ብኢዶም ዝጸሓፉዎም ዛንታታት፡ ባህላዊ ታሪኽ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ዝነበሮም ርእይቶን ኣብ ጥራዛውቲ እናጸሓፉ ይእክቡዎም ነበሩ።

ደ-ሎረንሲ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታ ገብረሚካኤል ግርሙ ንኣቕዋምን ኣካይዳን መደብን ጣልያን ምስ ፈለጥዎ ክሳብ ክንደይ ንመግዛእቲ ጣልያን ዝቃወሙ ሰብ ከም ዝነበሩ፡ በቲ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ብዛዕባ ኤርትራ ምስ ጣልያን ዝፍርምዎም ዝነበሩ ውዕላት'ውን ሕጕስ ከም ዘይነበሩ ይጠቅስ።

ብሓፈሻኡ ገብረሚካኤል ንንጉስ ዮሃንስ ራብዓይ ካብ ዳግማዊ ምነሊክ ኣብሊጾም ዝርእዩ፡ ብመንፈስ ኣሉላነትን ባህታ-ሓጐስነትን ዝኣምኑ፡ ንሽርሒ ጣልያን ዝቃወሙ፡ ብዓቢዩ ከኣ ንኢትይጵያዊ መንነቶም ብዓውታ ዝተዛረብሉ ዓይነት ሰብ ከም ነበሩ ደራሲ የረድእ።

ኰይኑ ድማ፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡በቲ እናሓየለ ዝመጸ ኤርትራዊ ሃገራውነት ካብቲ ፖለቲካዊ ክቢ ኤርትራ ሃሲሶም።

ኣዝማች ገብረሚካኤል ብዛዕባ ደግያት ባህታ ሓጎስ ዘቕረብዎ ዛንታ ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ሓሳብን መስተውዓልን ከም ዝነበሩ ከርእየና ይኽእል።

ብዛዕባ ትውልዲ ባህታ ሓጎስ፡ ንእስነቶም፡ ዝዓበይሉ ቦታ፡ ካቶሊካዊ መንነቶም፡ ሃገራዊ ስምዒቶም፡ ምስ መኳንንቲ ዝነበሮም ርክባት፡ ዝተዋፈርሉ ዞባታት፡ ምስ ጣልያን ዝነበሮም ርክብን ድሒሩ ከኣ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድዎ ቃልስታት፡ ወፍሪ ዓድዋ፡ ክሳብ ውግእ ሓላይን መስዋእቶምን ብግሩም ዝዀነ ኣገባብ ሰኒዶም ክፋል ታሪኽ ኤርትራ ንመጻኢ ወለዶ ዘረከቡ ጸሓፊ'ዮም።

ኤርትራ ካብ ግዝኣት ጣልያን ናብ እንግሊዝ ምስ ተሰጋገረት ብዙሕ ለውጥታት ክርኣዩ ጀመሩ፣ እንኮላይ ኣብ ህይወት ገብረሚካኤል ግርሙ።

ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፍለት - ደምበ ናጽነትን ደምበ ሕብረትን። ክልቲኣቶም ደምበታት ተጋጨዉ። ቅትለትን ናዕብን ኣብ ኤርትራ ገነነ። ብኢደ-ኣእትዎ ኢትዮጵያ ከኣ ደምበ ሕብረት ጸብለል በለ - ገብረሚካኤል ዝነበርዎ ደምበ ምዃኑ'ዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ገብረሚካኤል ብታሪኽ በየነ በራኺ (ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ሕብረት) ኰነ ካልኦት - ንምንቅስቓስ ሕብረት ዝድገፉ ጽሑፋት - ኣብ 'ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ' ብብዝሒ ብምጽሓፍ ኣበርቲዖም ዘመተኦም ኣካየዱ።

ጸኒሖም ከኣ (ብ1947) ናይቲ 'ኢትዮጵያ' ዝስሙ ጋዜጣ ደምበ-ሕብረት ከም ዳይረክተር ኰይኖም ዘመተኦም ቀጸሉ።ሽዑ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ዓቢይ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ከመስክሩ ከኣሉ ይብል ደ-ሎረንሲ።

ገብረሚካኤል ግርሙ ክሳብ መጠረስታ ኣብ ጸግዒ'ቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝደሊ ዝነበረ ደምበ ኰይኖም ቃልሶም ደፍእሉ። ደለይቲ ሕብረት ከኣ ዝገበሩ ገይሮም፡ ብደገፍ ኢትዮጵያ ተሰንዮም ሰዓሩ። ፈደረሽን ፈሪሱ ድማ ኤርትራ ብሓይሊ ኣካል ኢትዮጵያ ኰነት።

እቲ ናጽነት ዝደሊ ዝነበረ ደምበ ከኣ ብሸነኹ ቃልሱ ብዝከኣሎ ኣካየደ። ድሕሪ ጐበጣ ኤርትራ እቲ ቃልሲ'ቲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ገጹ ከደ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ዝሓዘለ'ዩ፣ ገብረሚካኢል ግርሙ ከኣ ሓደ ካብቶም ሒደት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዞባና፡ ብ1969 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።