ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት፡ ሓደ ካብ ሃዋርያ ለውጢ ዞባና

ምንጪ ስእሊ, DM
ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መምህራን፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን'ዮም ዝነበሩ።
እቶም ቀዳማይ ኣመሓዳርን ኣስተራታዕን ቤት ማሕተም ብርሃንና-ሰላም እዮም ነይሮም።
በቲ ንሶም ዘሕትምዎ ዝነበሩ ሰሙናዊ መጽሔት ኣቢሎም ካብ 1917 ክሳዕ 1928 ንኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ይዅኑ ኤርትራውያን ምስ ዓለም ከፋልጥዎምን ኣተሓሳስብኦም ከስፍሑን ዝኸኣሉ ራእይተኛ ሰብ ነበሩ።
ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት ወዲ እቶም ፍሉጥ ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ምሒርካ'ዮም።
ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ብ1869 ኣብ ሓጸቦ (ጥቓ ኣኽሱም) ዝተወልዱ ናይ ኦርቶዶክስ ቀሺ ነበሩ።
ንሶም ብትምህርቲ ግእዝ፡ ታሪኽን ዜማን ቤተ-ክርስትያን ዝበሰሉ ኣዝዮም መስተውዓሊ ሰብ ከም ዝነበሩ፡ ድሒሮም ከኣ ኣብ ሃይማኖት ከኒሻ ብምእታው ብምስዮን ሽወደን ኤርትራ መምህር ንኽዀኑ ከም ዝተመልመሉ ዶ/ር ፓስተር እዝራ ገብረመድህን ኣብቲ ኵሉ ሸነኻት-ምስዮን ዘጠቓለለ 'ከኒሻ' ዘርእስቱ መጽሓፎም ኣስፊሮምዎ ኣለዉ።
ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ምሒርካ ኣብ በለዛ (ኵሉ-ዅሉ ማለት'ዩ) ከም መምህር ልዕሊ ዓሰርተ-ሸሞንተ ዓመታት ኣገልጊሎም።
ከምኡ'ውን ሓደ ምስ'ቶም ፍሉጣት መስረትቲ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ - ምስዮን ሽወደን (ከኒሻ) - እዮም ዝስርዑ።
ንሶም ኣብ ቀዳማይ ዑደቶም (1900-1911)፡ ካልኣይ ዑደቶም (1915-1920)፡ ሳልሳይ ዑደቶም (1934-1937) ኣብ በልዛ እንክምህሩ፡ ኣብ ትግራይ'ውን ንዓሰርተ ዓመታት (1921-1931) ምሂሮም'ዮም።
ድሕረ-ባይታ ሃለቃ ተኽለሃይማኖት
ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ካብ ቅሽነት (ተዋህዶ) ወጺኦም ኣብ ሃይማኖት ከኒሻ ምስ ኣተዉ፡ እታ ማዕከን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኤርትራ ዝነበረት ደብረ-ቢዘን ተመዓተቶም።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ወኪ (ሓማሴን) ኣብ መጽናዕትን ሰበኻን መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጣፍ ይነብሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምስ ሳልሳይ ርእሶም - ምስ ኣባ ወልደዮሃንስን (ኣብ ኣኽሱም ዝተወልዱ ግን ነባሪ በለዛ ዝነበሩ ፍሉጥ ቀሺ)፡ ቀሺ ገብረውታቴዎስ ዘምኪኤል (ብዓል ወኪዱባ)ን - ብ1891 ብኣቕሽሽቲ ደብረ-ቢዘን ተገዚቶም ሓጸልጸል ይብሉ ነበሩ።
ምስዮን ሽወደን ግን ተጣቢቑ ኣብ ሰበኻ ወንጌል ክነጥፉ ተሓጋገዞም ይብል ጉስታቭ ኣረን - ተመራማሪ ታሪኽ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዞባና።
ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ምሒርካ ምስዮን ብዝገብረሎም ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ደቀምሓረ (ደምበዛን) ቅዱስ መጽሓፍ ብምምሃር ሓያሎ ሰዓብቲ ከም ዝነበሮም ጉስታቭ ኣረን ኣብ መጽሓፉ ይምስክረሎም።
ብሸነኽ ደብረቢዘን ዝመጽኡ ዝነበሩ ክስታት ግን ስለ ዘየዕረፉ፡ ጣልያን ከም ገዛእቲ መጠን ኣንጻር'ቶም ክስታት ኣይፋል እናበሉ ኢዶም የእትዉ ከም ዝነበሩ ካብ ሰነዳት ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል።
ክብሉ-ክብሉ ድማ ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ካብ ደቀምሓረ ተኣልዮም ዳግማይ ኣብ በለዛ ተመዲቦም ብምምህርና ሓደስቲ ምስዮናውያን ኣብ ምምልማል ይነጥፉ ነበሩ። ምምህርና ክሳዕ ግዜ ዕረፍቶም (1932) ተጊሆም ዝሰርሕሉ ሞያ ነበረ።
በዅሪ ወዶም ገብረክርስቶስ - ራዛ ናይ ኣቦኣ ሒዛ
ገብረክርስቶስ በዅሪ ወዶም ንሃለቃ ተኽለሃይማኖት'ዮም፣ ንሶም፡ ብሓጺሩ፡ ንዞባና ዝሃቡዎ ዓቢይ ህያብ ጩራ ምዕባለ'ዩ ክንብል ንኽእል።
ጄምስ ደ-ሎረንሲ ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ዞባና ኣብታ 'ሓለውቲ ባህሊ' (The Guardians of the Tradition) ዘርእስታ ኣገዳሲት መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት ኣዕሚቑ ዘስፈሮ ሓተታ ኣሎ።
ደ-ሎረንሲ ከም ዝብሎ ገብረክርስቶስ ኣብ ኤርትራ (ኣብ ሓማሴን) ከም ዝተወልዱን ኣብ ወኪ ከም ዝዓበዩን እዩ ዝጠቅስ። ምኽንያቱ፡ ኣቦኦም (ኣኽሱመታይ ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ምሒርካ) ኣብ ሽወደናዊ ምስዮን ኤርትራ የገልግሉ ስለ ዝነበሩ።
ብኣንጻሩ፡ ባህረ ዘውዴ ዝተባህለ ኢትይጵያዊ ተመራማሪ ታሪኽ ግን ኣብታ 'ሃዋርያ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ' (Pioneers of Change in Ethiopia) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ገብረክርስቶስ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ከም ዝተወልዱ እዩ ዝሕብር።
ኣኽሱመታይ ይዅኑ ሓማሴናይ ብዘየገድስ፡ ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት ንህዝቢ ዘበርከትዎ ዓቢይ ህያብ ኣሎ፣ ዛዕባና ከኣ ኣብኡ'ዩ ክዓስል።
ንምዃኑ ጄምስ ድ-ሎረንሲ መን'ዩ?
ድ-ሎረንሲ ብታሪኽ ዞባና ኣዕሚቑ ምርምር ዘካየደ፡ ክልተ ብደቂቕ መጽናዕቲ ዝተሰነዩ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዘበርከተ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም መምህር ታሪኽ ዝነጥፍ፡ ንመጽናዕቱ ከቃልለሉ ድማ ባዕሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተማህረ፡ ብብዙሓት መዘነታቱ ልዑል ኣፍልጦ ዝረኸበ፡ ንህዝቢ ዞባና ከኣ ፈትፊቱ ዝፈልጥ ተመራማሪ'ዩ።
ደ-ሎረንሲ ከም ዝብሎ፡ ገብረክርስቶስ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሑ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ናይ ኣወዳት ናይ ምስዮን ትምህርቲ ኣተዉ። ቅድሚኡ ግን ካብ ኣቦኦም ዝወረስዎ ትምህርተ-ግእዝ (ንባብን ጽሕፈትን፡ ስርዓተ ቤተ-ክርስትያንን ጸሎትን ዜማን) ኣጠናቒቖም ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ናብ ኣስመራ ዝሰገርሉ እዋን ብ1908 ነበረ። ናብ ኣስመራ ብምስጋሮም ድማ ኣብ መኣዝን ጕዕዞ ህይወቶም ለውጢ ከም ዝገበሩ ደ-ሎረንሲ ኣብ መጽሓፉ ይጠቕሶ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ሽዑ ዝነበረ ኵነታት - ብሓጺሩ
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ እዩ። ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ተሸኒፎም ሓይሎምን ቀልቦምን ኣብ ኤርትራ ኣተኲሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገብረ ውዕል ድማ ኤርትራ ናይ ጣልያን ምዃና ብዳግማዊ ሃጸይ ምኒሊክ ዝተመስከረሉ ዘመን ነበረ።
ኣብ ዓመቱ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ጠቕላሊ ገዛኢ ኤርትራ ኰይኑ ብምሻሙ፡ ቀልጢፉ ንኤርትራ ከማዕብል ተበገሰ፣ ንኣስመራ ከኣ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ገበራ።
ሽዑ'ዮም ዓስክር ኤርትራ ምስ ሓይልታት ጣልያን ተሰሊፎም ንኽዋግኡ ናብ ሶማል ዝተላእኩ።
ይዅን'ምበር ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ልዑል ቍጠባዊ ምዕባለ ዝተኸሰተሉ ዘመን ነበረ።
ምድሪ ባቡር ተኣታትዩ፡ ጥጡሕ ጽርግያታት ተሃኒጾም፡ ትካላት መንግስቲ-ጣልያን ብብዝሒ ዝተሃነጸሉ፡ ምስዮናት ከኒሻን ካቶሊክን ማዕቢሎም ብዙሓት ምእመናን ዘፍረይሉ ዘመን ነበረ።
ብሓጺሩ ገብረክርስቶስ ወዲ ሃለቃ ተኽለሃይማኖት ነቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባለ ብጽቡቕ ተጠቕምሉ፣ ተመሃርሉ፣ ሽዑ ኣንፈት ህይወቶም ከኣ ተለወጠ ይብል ደ-ሎረንሲ።
ኣንፈታዊ ለውጢ ህይወቶም መጥቀሲኡ ምኽንያት ድማ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ብጣልያን ኣቢሉ ምዕቡል ናብራ ተኣታትዩ ስለ ዝነበረ'ዩ።
ገብረክርስቶስ ድማ ኣብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ ብ1909 ክምዝገቡ እንከለዉ ወርጠበ ነበሩ። ሽዑ ኣቦኦም (ሃለቃ ተኽለሃይማኖት) ኣብ በለዛ ይምህሩ ነበሩ።
ገብረክርስቶስ ኣብ ኣስመራ ምስ ገዓዙ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ቀሺ ኢቫርሶን ኰይኖም ክመሃሩ ጀመሩ።
ቀልጢፎም ከኣ ንኣካይዳ ህይወቶም ኣማዕበሉ።
ኣብ ልዕሊ ወግዓዊ ትምህርቶም ድማ ቋንቋታት ጣልያንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ እንግሊዘኛ ከም ዝወሰኽሉ ኩሙላቸው ፋንታሁን ዝተባህለ ጸሓፊ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ኣስፊሩዎ ይርከብ።
ንምዃኑ ሽወደናዊ ቀሺ ኢቫርሶን ኣብ ኣስመራ ብ1897 ዝተመደቡ፡ ንሰላሳ ዓመታት ከኣ ከም መምህርን ፓስተርን፡ ጸኒሖም ከኣ ኣማሓዳሪ ምስዮን ኰይኖም ዘገልገሉ ዓቢይ ምስዮናዊ ነበሩ።
ብዘመን ቀሺ ኢቫርሶን ምስዮን ብዙሓት ደቀ'ባት መምህራን፡ ሰበኽቲ፡ ዘርኣ-ኽህነታውያን፡ ኣሕተምቲ፡ ኣከፋፈልቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መራሕትን ኣለይትን ማሕበረሰባት ከኒሻ ይምልምል ነበረ።
ምስኡ ከኣ ምስዮን ሽወደን ኣብ ምሉእ ሃገር መደበራት ምስዮን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መዕበያ ዘኽታማት፡ ክሊኒካት ወዘተ. ተኺሎም ጽዑቕን ጽቡቕን ኣገልግሎት የበርክቱ ነበሩ።
እምበኣር ገብረክርስቶስ ኣብቲ ሃዋህው'ቲ እዮም ዓብዮም፣ ምስ ኣኸሉን ኣብ ስራሕ ምስ ተዋፈሩን ከኣ ንቐሺ ኢቫርሶን ብኣድናቖትን ከም ጸላዊ መምህሮምን ገይሮም እዮም ዝጠቕስዎም ዝነበሩ።
ብዛንታ ደ-ሎረንሲ መሰረት፡ ገብረክርስቶስ ብቐረባ ምስ ቀሺ ኣለሳንድሮ ትሮን - ኣብ ኣስመራ (ድሒሮም ከኣ ኣብ በለዛን ከረንን) ዘገልገሉ ፍሉጥ መምህርን ፓስተርን - ይሰርሑ ነበሩ።
ስለዚ፡ ገብረክርስቶስ ምስ ፈረንጂ መሳርሕቶም ኰነ ምስ ዕላማታት ምስዮን ተወሃሂዶም ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክንርዳእ ንኽእል።

ምንጪ ስእሊ, DM
ገብረክስቶስ ኣብ ዕስራ ዓመቶም ትምህርቶም ጨሪሶም ናይ ምድላው መምህራን ትምህርቲ ኣጠናቒቖም ክምህሩ ጀመሩ። ሽዑ'ዮም ምስ ይሕደጋ ገብረሃዋርያት ሓዳር ዝመስረቱ።
በቲ እዋን ቤት ማሕተም ምስዮን ማዕቢሉ ስለ ዝነበረ፡ 'መልእኽቲ ሰላም' ዝበሃል መጽሔት፡ ከምኡ'ውን 'ብርሃን ይዅን' ዘርእስቱ ኣብ ደቀ'ባት ዝዝርጋሕ መጽሔት-ንባብ - በቶም ዓበይቲ መራሕቲ ምስዮን ዝቐርብ ዝነበረ (ብበዓል ቀሺ ሰሎሞን ዓጽቁ፡ ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴ ዘኣመሰሉ) - ንሰዓብቲ ምስዮን ዘነቓቕሕን ንደቀ'ባት መምህራን መምርሒ ዝኸውንን በብዓይነቶም መንፈሳውያን ጽሑፋት በብእዋኑ ይሕተሙ ነበሩ።
ገብረክርስቶስ ድማ ምስ ቀሺ ትሮን ኰይኖም ንመመልመሊ ምስዮናውያን ዝኸውን ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ኣብ ናይ ደ-ሎረንሲ ሓተታ ተመዝጊቡ ንረኽቦ።
ገብረክርስቶስ ቀጺሎም ብቐሺ ትሮን ዝተዳለወ መጽሓፍ-ቍጽሪ ናብ ትግርኛ ተርጒሞም ከቕርቡ በቕዑ።
በቲ ዘመን'ቲ ጣልያን ንሽወዳናውያን ክጻብእዎም ጀመሩ።
ቀሺ ኢቫርሶን ብኣካይዳ ጣልያን ስለ ዝተሰከፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መደበር-ምስዮን ናይ ምትካል መደብ ከሰላስሉ ጀመሩ።
ሽዑ ኣዲስ ኣበባ ዓባይ ከተማ ኰይና - ማዕረ 100,000 ነባሮ (መብዝሕትኦም ኣምሓራን ኦሮሞን)፡ ከምኡ'ውን ኣርሜናውያም፡ ግሪኻውያን፡ ህንዳውያንን ኰኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጽኡ ጸዓዱ ተአንግድ ነበረት።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዘመን'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ወንጌላዊት ቤት-ክርስትያን ከም ስደተኛታት ይነብሩ ነበሩ።
ወራስ-ዓራት ተፈሪ መኰነን ምስ ፈረንጂ ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዝነበሮም፡ ማሕበር ምስዮን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድልዱል መደበር ከኒሻ ክትምስርት ከኣለት።
ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ
ብ1920 ከኣ ገብረክርስቶስ እኹል ተመክሮ ቤት ማሕተም ቀሲሞም ምስ ብዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ናብ ኣዲስ ኣበባ ገዓዙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኦሎፍ ኤሪክሶን ተቐበልዎም።
ኤሪክሶን ብስርሓት ቤት ማሕተም ኣብ ኣስመራ እቲ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮም ምስዮናዊ ነበሩ።
ንሶም ብተጻብኦ ጣልያን ከኣ ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ተጠሪዞም ስለ ዝነበሩ፡ ንመደበር-ምስዮን ኣዲስ ኣበባ ክመርሕዎ ሓላፍነት ተዋህቦም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገብረክርስቶስ ምስ ሓደ ዮሃንስ ወልደማርያም ዝተባህለ ብጻዮም ኰይኖም ንኦሎፍ ኤሪክሶን ክተሓባበርዎ ጀመሩ።
ሓደ ካብ'ቶም ፕሮጀክትታቶም ድማ ነቶም ብማርቲን ፍላድ ዝተጸሕፉ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ (ንቘልዑ) ናብ ኣምሓርኛ ምትርጓም ነበረ፣ ተዓወቱ ከኣ።
ኣብ ዓመቱ ገብረክርስቶስ ነቲ ዓቢይ ቤት-ማሕተም ተፈሪ መኰነን (ድሒሮም ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተሰየሙ) ብርሃንና-ሰላም ካብ ብላታ መርስዔ ሓዘን ወልደቂርቆስ ተረኪቦም ንኸካይዱዎ ተመዘዙ።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ተፈሪ መኰነን ኢትዮጵያ ንኸማዕብሉ ኣጸቢቖም ይጽዕሩ ነበሩ።
እቶም ሽዑ ዝነበሩ ምሁራት ኣዋፊሮም ንህዝቢ ብትምህርቲ ንኽነቅሕን ክመሃርን ንኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዘመናዊ መድርኽ ንኸሰጋግርዋ ብመደብ ተታሒዞምዎ ነበሩ።
እቶም ሽዑ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ከኣ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ተመራማሪ ታሪኽ ባህሩ ዘውዴ ብደቂቕ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት ከኣ ሓደ ካብቶም ፈወንቲ ከም ዝነበሩ ይምስክረሎም።
እቶም ፈወንቲ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣብ ጐደና ምዕባለ ንኽትኣቱ ኣበገስዋ።
ገብረክርስቶስ ኣብ ትምህርትን ምዕባለን ዝነበሮም ሃረርታን ጻዕርን ኣብቶም ዘበርክትዎም ዝነበሩ ዓንቀጻት መጽሔት ብርሃንና ሰላም ይርአ'ዩ - ይብል ደ-ሎረንሲ። ብዛዕብኦም ዝጸሓፎ ዛንታ ብዅሉ ሰብ ክንበብ ዝግብኦ ሓተታ'ዩ።
ኢትዮጵያ ኣካል ዓለምና ምዃና ዘርኢ ሓደ ዘደንቕ (በቲ ሽዑ ዝተነብረ ሚዛን ምዃኑ'ዩ) 'ኣጪር የኣለም ታሪክ በኣማርኛ' ዘርእስቱ ብገብረክርስቶስ ዝቐረበ መጽሓፍ ጠቒሱ ግሩም ዝዀና ትንተና ኣቕሪቡ'ዩ።
ኣብቲ መጽሓፍ ናይ 2,000 ዓመት ታሪኽ ጸሚቖም ብምቕራቦም - ካብ ታሪኽ ህዝቢ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ዘመን ንግስቲ ዘውዲቱ ዝሽፍን'ዩ።
ኣብ ሞንግኡ ብዛዕባ ታሪኽ ጃፓን፡ ዘመን ሮማውያን (ብዘመነ ክርስቶስ)፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ኣብዮት፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ውሽጢ 100 ዓመታት ዝማዕበለን ዝወሓዘን ሰፊሕ ውሕልነት፡ ውግእ ዳግማይ ምኒልክን ጣልያንን... ጠርኒፎም ብምቕራቦም ደ-ሎረንሲ ኣዝዩ'ዩ ዘድንቖም።
ደ-ሎረንሲ ከም ዝብሎ፡ ገብረክርስቶስ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ባህላዊ ኣጸሓሕፋ - ብፍጹም ድግማ ዝቐርብን ኣብ ንግስነት ዝዓስልን (ብዘይ ገለ ትዕዝብትን ኣስተንትኖን ማለቱ'ዩ) ርሒቖም ሰባት በቲ ዘንብብዎ ክሓስቡን ከስተውዕሉን፡ ንታሪኽ ድማ ምስ ህልዊ ኵነታቶም ንኸተኣሳስርዎ ዝድርኽ ቅዲ ኣቀራርባ ተኸቲሎም ዓይኑ ከንቍሕ ዝገበሩ ባሃር'ዮም ኢሉ'ዩ ዝገልጾም።
ንኣንባቢ ካብ ኣፍኣዊ ናብ ጽሑፋዊ ታሪኽ ኣሰጋጊሮሞ'ዮም ይብል ደ-ሎረንሲ።
ወሲኹ፡ ገብረክርስቶስ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ ግቢ ወይከኣ ዓይኒ-ዓይኒ ቤተ-ክርስትያን እናረኣዩ ብድግማ ዝተጠቕዑ ተመራመርቲ ታሪኽ ዘይኰኑስ ሓዲስ ኣቀራርባ ሒዞም ንህዝቢ ዘዋስእን ሰለይ ዘብልን ዓይነት ታሪኽ፡ ሕሉፍን ዘሎን ዘቀራርብ ስልቲ ተጠቒሞ'ዮም ዝጽሕፉን ዝምህርን ዝነበሩ እናበለ ደ-ሎረንሲ ይምጕሶም።
እቲ ስልቲ'ቲ ድማ'ዩ ንኣንበብቲ ናብ ዝለዓለ መድርኽ ንባብን ኣፍልጦን ከሰጋግሮም ዝኸኣለ ይብል ደ-ሎረንሲ።
በቲ ኣግባብ'ቲ ድማ'ዮም ገብረክርቶስ ተኽለሃይማኖትን ካልኦት ብጾቶምን ንኣንበብትን ሃገርን ዕውቀተኛ ባህሊ (intellectual) ንኽሓቍፍ ዘኽኣልዎ።
ዕውቀተኛ ባህሊ ምሕቋፍ ድማ ናብ ምዕባለ ዘምርሕ ስልቲ ምዃኑ ኣየካትዕን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







