ታሪኽ፡ ጽልዋ ሚስዮን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሊን

ምንጪ ስእሊ, ዳዊት
ኢጣልያውያን ነጋዶ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተገዳስነት ከሕድሩ ከምዝጀመሩ ኣብ ሰነዳት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ዝተዓቀቡ ሰነዳት ይሕብሩ።
ዛንታ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ዞባና ጐሊሑ ዝተራእየሉ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኰይኑ ሽዑ ሚስዮናውያን መደበራቶም ዝተኸልሉ እዋን ነበረ።
ካብ'ቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ከኣ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ፡ ጁዘፐ ሳፐቶ፡ ጅዮቫኒ ስተላ ይጥቀሱ። ብፍላይ እቶም ክልተ ዳሕረዎት፡ ኢጣልያ ኣብ ከባቢ ከረንን ዓሰብን መሬትን ኮንቸስዮነታት ንክትዕድግ ዝዓበየ ተራ ከም ዝነበሮም ይዝንቶ።
መጽሓፍ ጁሰፐ ሳፐቶ፡ "ጕዕዞ መንሳዕ፡ ቦጎስ፡ ሓባብ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ-ዘመን ሚስዮናውያን ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ይህደኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ዞባ ብዕሊ ንክንቀሳቐሱ ብዙሕ ሓጐጽጐጽ'ዮም አሕሊፎም።
ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ግን ኵነታት ስለዝተለወጠ ሚስዮናውያን ካቶሊክ፡ ብመሪሕነት ላዛሪስት ጁሰፐ ሳፐቶ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም እግሪ ክተኽሉ ጀመሩ።
ቀንዲ መደበሮም ኣብ ዓድዋ'ኳ እንተነበረ ሽዑ ጁሰፐ ሳፐቶ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሚስዮናዊ ስርሓቶም የካይዱ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክር። ብ1839 ከኣ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ ኣቡን ናይ ኢትዮጵያ ንክዀኑ ተመዘዙ።
ደ-ጃኮቢስ ክኢላ ስለ ዝነበሩ ንደጃች ዉበ እናኣፍተዉ ክሰርሑ ጀመሩ። ኰይኑ ድማ ስርሖም ኣብ ምድረ ኣከለጉዛይን ዓጋመን ብምስፍሕፋሕ ብ1844 ዘርኣ-ክህነት ተኸሉ። ከምኡ'ውን ምስ ኣባ ገብረሚካኤል ብምትሕብባር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም ዓቢ ተራ ተጻወቱ።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት (ደ-ጃኮቢስ ኣቡን ናይ ኢትዮጵያ ምስ ኰኑ ማለት'ዩ) ካልእ ስርዓት ካቶሊክ - ካፑቺን - ኣብቲ ዞባ ተቐልቀለ።
እቲ ስርዓት ብጉሌልሞ ማሳያ - (ኣብ ኢትዮጵያ ብኣቡነ ማስያስ ዝፍለጡ ዝነበሩ) ኣቡን ባጽዕ ንክዀኑ ዝተመዘዙ - ይምራሕ ነበረ።
ቀንዲ ዕላማ ኣቡነ ማስያስ ንምድሪ ኦሮሞ ንምብጻሕ ነበረ። መደቦም ቀልጢፉ ስለ ዘይተሰኻዓሎም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክጸንሑ ወሰኑ።
ስለዚ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብዝተፈላለዩ ሚስዮናውያን ጥራይ ዘይኰነስ ባዕዳውያን ገዛእቲ (ቅድም ቱርኪ፡ ጸኒሖም ግብጺ፡ ብድሕሪኡ ጣልያን) ብተኸታታሊ ዝዳህሰስሉ ዞባ እዩ ነይሩ።
ጁዘፐ ሳፐቶ ናብቲ ዞባ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)

ምንጪ ስእሊ, D.M
ንመጀመርታ ጊዜ ዝተንቀሳቐሱ ሚስዮናዊ (ላዛሪስት) ነበሩ። ግና'ኸ ስርሖም ምስ ቤት-ጽሕፈት ሮማ፡ ንኣህጕራዊ ሚስዮናዊ ስርሓት ዝቋመት ማእከል፡ ዝተማኣዘነ ስለ ዘይነበረ ካብ ኢትዮጵያ ንክስሕቡ ተኣዘዙ።
ሳፐቶ ዋላ'ኳ ዓቢ ስራሕ ይሰርሑ እንተነበሩ፡ ምስ ኣንስቲ ደቀባት መውስቦ ስለ ዝነበሮም ሓለፍቶም ኣይተሓጐሱሎምን።
ኰይኑ ድማ ሳፐቶ ብ1844 ንድሕሪት (ኤውሮጳ) ክምለሱ ተገደዱ። ይዅን'ምበር ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዳግማይ ናብቲ ዞባ ብዕሊ ተላእኩ።
ብ1851 ዓ.ም. ጁዘፐ ሳፐቶ ምስ ጆቫኒ ስተላ ዝተባህሉ ካልኣዮም ሚስዮናዊ ሓቢሮም ንሰንሒት ገጾም ተንቀሳቐሱ።
ፍርንቸስኮ ሰርዲች ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጀኖቫ ዝነበረ ተመራማሪ ከም ዘዘንተዎ፡ ጁዘፐ ሳፐቶ ምስ ጆቫኒ ስተላ ኰይኖም ንክልተ ወርሒ ኣብ መንሳዕ፡ ቦጎስ፡ ሓባብ ብምብጻሕ ነቲ ኵነታት ከም ዜጽንዕዎ ይምስክር።
ሳፐቶ ነቲ ዞባ ደጋጊሞም ድሕሪ ምብጻሕ ትዕዝብቶም ምስ ናፖልዮን 3ይ ንክመያየጡ ንኤውሮጳ ከም ዝተመልሱ ሰርዲች የዘንቱ።
ጁዘፐ ሳፐቶ ናብ ኤውሮጳ ምስ ተመልሱ ኣብኡ ተረፉ። ብዛዕባ ኩነታት እቲ ዝስረሕሉ ዞባን ቋንቋ ዓረብኛን እናመሃሩ ኣብ ናይ ባዕሎም ምርምራት ብምእታው ብዛዕባ ተመኩሮኦም ኣብቲ ዞባ መጽሓፍ ጸሓፉ።
ሳፐቶ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘዘክሮም ጕዳይ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ብ1869 ምስ ሓደ ኩባንያ ናይ ጕዕዞ-መራኽብ ኢጣልያ ብምትሕብባር ወሽመጥ ዓሰብ ካብ ክልተ ደቀባት ሱልጣናት ክሻየጡ ብምኽኣሎም ይዝከሩ'ዮም። ብእኡ ኣቢላ ከኣ ዓሰብ ግዝኣት ኢጣልያ ኰነት።
እቶም መኻይድቲ ጁዘፐ ሳፐቶ ዝነበሩ፡ ጆቫኒ ስተላ ግን፡ ንኤውሮጳ ኣይተመልሱን። ኣብ ጥቓ ከረን መንብሮኦም ብምምስራት ክሳብ ዕለተ ሞቶም (1869) ኣብኡ ይነብሩ ነበሩ።
ስተላ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ብሊን ማሕበረ-ሰብ ካቶሊክ ብምምስራት ካብ ወራር ግብጻውያን ንክከላኸልሎም ጸዓሩ። ብእኡ ምኽንያት ዋላ'ኳ ጽቡቕ ስም እንተኣጥረዩ ምስ ቨርነር ሙዚንገር ብዘይ ምስምምዖም ግን ዝነኦም ደኸመ። ምስኡ ኸኣ ካብ ብሄረ ብለን ስለ ዝተመርዓዉ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣይፈተወሎምን።
ንምዃኑ፡ ቨርነር ሙንዚንገር ነቲ ዞባ ኣዝዮም ዝፈልጡዎ፡ ኣብ ከረን ካብ 1854 ክሳብ 1861 ዝነበሩ፡ ምስ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓቢሮም ብምስራሕ ድማ ኣብ ከረን ወትሃደራት ግብጺ ንክዓርዱ ዜኽኣሉ፡ ከምኡ'ውን ንፎርቶ እምባ-ሰንሒት ዝሃነጹ እዮም።
ህዝቢ ቢለንን ሃይማኖት ካቶሊክን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሊን፡ ካልእ መጸወዒኦም በጐስ፡ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ሰንሒት ዝነብሩ - ካብ ሓልሓል፡ ከረን ክሳብ ዒላበርዕድ- ዝነብሩ ህዝቢ'ዮም። ብሊን ብክልተ ዓሌታት - ቤት-ታርቀን ቤት ታውቀን - እዮም ዝፍለጡ።
ቤት-ታርቀ ኣብ ከባቢ ከረን - እንኮላይ ማይ ቤት ቤት ገብሩ - ዘካትት ኰይኑ ቤት-ታውቀ ኸኣ ካብ ደምበዛን ዝመንጨዉ ኰይኖም ኣብ ከባቢ ሓልሓል ዝነብሩ፡ ቋንቋ ብሊን ዝዛረቡ ህዝቢ'ዮም።
ዳን ኮኔል ከም ዝትርኾ፡ ታሪኽ ብሊን ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ'ዩ ዝጥቀስ። ህዝቢ ብሊን መብዝሕትኦም ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ምስ እምነት ኦርቶዶክስ ተኣሳሲሮም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ።
ዋላ'ኳ ንገዛእቲ መረብ ምላሽ ቀረጽ ይኸፍሉ እንተነበሩ ብናይ ባዕሎም ምሕደራ ይነባበሩ ከም ዝነበሩን ምስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ጽኑዕ ምትእስሳር ከም ዘይነበሮም ተመራመርቲ ታሪኽ ይገልጹ።
ብሊን ብዕዉት ሞያ-ማሕረስ ተጣይሶም ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ጠማቲ በዝሖም። ከይኑ ድማ ካብ ዘመታ ጐረባብቶም ክድሕኑ ኣይከኣሉን። ማሎም ይዅን ሰቦም (ንዕዳጋ ባርነት) ይዝመቱ ነበሩ። እቲ ወረራ ኣብ ዘመን 'ንምድረ ሰንሒት መን ተቘጻጸረ' ዝካየዱ ዝነበሩ ዉግኣት - ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውንን ግብጻውያንን - እናገደደ ከም ዝኸደ ዳንኮኔል ዝተወከሶ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቅስ።
ወራር ደግያት ዉበ (1844-1849)፡ ወራር ግብጺ (1850ን 1854ን)፡ ራእሲ እሉላ (1879-1887) ካብ'ቶም ክሳብ ሎሚ ዝዝከሩ ወራራት'ዮም።
ኣብቲ እዋን ደጃች ዉበ ዝበሃሉ ብጨካን ምሕደራ ዝዝከሩ ንምስፍሕፋሕ ግብጻውያን ክዓግቱን ካብ ንግዲ ባሮት ኩናማን ቢለንን ንክረብሑን ብ1850 ኣብ ሰንሒትን ባርካን ሰፊሕ ወራር ኣካየዱ።
ህዝቢ ብሊን ካብ ወራራት ክኽወሉ ብዙሓት ሃይማኖቶም ክልውጡ ጀመሩ ይብል ዳን ኮኔል። ኰይኑ ድማ ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከቡ ደቂ ቢለን - ካብ ቤት ታርቀ ማለት'ዩ - ብሚስዮናዊ ስተላ ተጸልዮም ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣተዉ፣ ዝበዝሑ ካብ ቤት-ታውቀ ድማ ብግብጻውያን ተጸልዮም ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ኣተዉ ይብል ነቲ ኩነታት ንኸብርህ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕታዊ ምርምር።
ደጃች ዉበ፡ ብከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ስልቲ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ጸገማት ፈጠሩ። ኣከለ ጉዛይን ሰራየን ከናቍቱ፡ ማይቤት ምስ ማይቤት ከምዝፈራርሑ፡ ኣብ ሞንጐ መታሕትን ከበሳን ሓዊ ክኣጕዱ ፡ ምስኡ ኸኣ ብዘመኖም ብሓይሊ ምግዛእ ንቡር ነበረ። ዝዀነ ኰይኑ ሓይሊ ደጃች ዉበ ምስ ምምጻእ ሃጸይ ቴድሮስ እናተባሕጐጐ ከደ፣ ብ1855 ከኣ ጨሪሶም ተሳዕሩ።
ብ1865 ሚስዮናዊ ስተላ ካብ ደግያት ሃይሉ ተወልደመድህን - 233 ኪ.ሜ. ትርብዒት ዝስፍሓቱ መሬት ንከልምዑ (ኣብ ከባቢ ሽተል) ፍቓድ ምስ ረኸቡ ኣብ ክልተ ዓመቶም ሓደ ናይ 'ግዝኣተ-ሕርሻ' ትካል መስረቱ። ደግያት ሃይሉ በዓል ጸዓዘጋ ኰይኖም ኣብ ሓማሴን ዝገዝኡ ዝነበሩ ሹም እዮም።
እቲ መደብ ሕርሻ ግን ተጻባእቲ ስለ ዝመከትዎ ክዕወት ኣይከኣለን። እቲ መደብ ብሓደ ሸነኽ ሙንዚንገር፡ ብባዕዳውያን መንግስታት ተዓሲቦም ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ዝነበሩ ሹመኛ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብደቀባት ስለ ዝተመከተ ኣብ ፍረ ኣይበጽሐን።
ስተላ ምስ ሙዚንገር ዝነበሮም ምስሕሓብ ሱር ስለ ዝሰደደ ብዘምኦም ኣቢሎም ንክቐትልዎም ከም ዝፈተኑ ተመራማሪ ታሪኽ ፍራንስኮ ሰርዲች ሰኒዱዎ ኣሎ። ብድሕሪ'ቲ ፈተነ ስተላ ብጽዕዮ-ደም ሞቱ።
ብሓጺሩ፡ 'ብስተላን ሙዚንገርን ስእሊ ቢለን ስለ ዝደመቐ' ይብል ተመራማሪ ዎልበርት ስሚድት፡ 'ታሪኽ ናይ'ቲ ዞባ - ቅድሚ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ምስፍሕፍሑ - ብዝሓሸ ኣገባብ ክስነድ ተኻእለ'።
ብተወሳኺ፡ 'ህላዌ ካቶሊክ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ስምብራት ገዲፉ'ዩ' ይብል ስሚድት። ከረን ሃዋርያዊ መንበሪ ጵጵስና ምድረ ሓበሻ ክኸውን በቒዑ'ዩ።
ኣብ 1883 ሚስዮናውያን ቤት-ትምህርትታት ክኸፍቱ ክኢሎም። ኣብቲ እዋን ኣብ ከረን 650 ተምሃሮ ከምዝነበሩ መምህር ሚካኬል ጋብር ኣብ መጽሓፎም የዘንትው።
ብጽልዋን ተሓባበርነትን ማሕበር ላዛሪስት፡ ደቂ ብሊን ኣደልዲሎም ከምዝሰደሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩ። መሬቶም ስቡሕ መሬት ስለዝነበሮም ከኣ ሕርሻ ትምባኾ ካልኦትን ጀራዲንን ኣስፋሕፍሑ።
ብዘመን ጣልያን ድማ ኣብ ሸተል - ኣብ ከባቢ ደቡብ ከረን - ስተላ ብዝደፍኡሉ ተበግሶ ናይ ሕርሻ ትካል (Colonia Italo-Africana di Sciotel) ዝብል ትካል ተመስረተ። እዚ ብ1867-69 ዝተኸናወነ ፍጻሜ ነበረ።
ሓድ-ሓደ ምስ ብሊን ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታት ንምጥቃስ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግብጻውያን ኣብ ገምገም ቀይሕ-ባሕሪ ንግዝኣተ-ዖጥማን (ቱርኪ) ምስ ተረከቡ (1865)። ሙዚንገር ከኣ፡ ብ1871 ወኪል ግብጺ ኰይኖም ስለ ዝተሾሙ ክሳብ ከረን ክገዝኡ ተመጣጢሮም'ዮም፣ ንህዝቢ ብሊን ከኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእተዉዎም።
ዉግእ ግብጽን-ኢትዮጵያን ናይ 1875 ምስ ተወልዐ መብዝሕትኦም ወተሃደራት ግብጺ ካብ ገማግም ባጽዕ ተሳሒቦም ኣብ መሬት በጐስ ዓረዱ።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ዘትኰረ ባእሲ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደንኪኤልን ተወዓዊዑ ስለ ዝነበረ ራእሲ ወልደንኪኤል ምስ ሰራዊቶም ኣብ መንጐ ህዝቢ በጐስ ዓሪዶም ነበሩ።
ወትሃደራት ግብጺ ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ ራእሲ ኣሉላ እንግዳ - ገዛኢ መረብ-ምላሽ - ንብሊን ወረርዎም፣ ንፎርቶ ሰንሒት ከኣ ኣኽበቡዎ።
ሽዑ ሃጸይ ዮውሃንስ IV፡ እቲ ኵነታት ስለ ዝተጠዓዓመ ነቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም አእተውዎ። ኰይኑ ድማ ብ1884 ግዝእተ-በጐስ ኣብ ኢድ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣተወ፣ ራእሲ እሉላ ድማ ከም ኣማሓዳሪ ተመዘዙ።
ብ1890 ጣልያን ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ምድሪ ብሊን ኣብ ኢዶም ኣተወ።
ጣልያን ንህዝቢ ብሊን በቲ ዝነበሮም ባህልን ስርዓትን ንክመሓደሩ ኣፍቀዱሎም። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት (1932) መራሕቲ ካብ ቤት-ታርቀን ቤት-ታውቀን ኣምጺኦም ኮፍ ኣበሉሎም። እቲ ሓድሽ ስርዓት ግን ተቓውሞ ነበሮ። ክብል-ክብል ምድሪ ብሊን ናብ ሰንሒት ተለወጠ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







