መም ተኪኤ፡ ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ቢለን ንምምዕባል ጻዕሪ ዝገበረ ምሁር

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝተቐመጠ፡ ብቋንቋ ብሌን ንቘልዑ ዝምህርን ስዋስዋዊ መሳርዕን ዛንታታት ጽውጽዋይን ዝሓቖፋ "ብሊና ድግም ሕያይቱዲ እንቍርቍራዲን፡ ብሊና ክታበትዲ ግብራ ጋቡኹዲን” ዝኣርኣስተን መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኤርትራዊ መምህር ተኪኤ ዓልበኪት መን እዩ?
ዕላል ምስ መምህር ተኪኤ ...
ቋንቋ ቢለን ሓደ ካብተን ትሽዓተ ቋንቋታት ኤርትራ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብፍላይ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ኣብ ድያስፖራ ዝቕመጡ ተወለድቲ ቢለን፡ ቋንቍኦም ንምምዕባል ብውልቀሰብ ደረጃ ይዅን ብእኩብ፡ መጻሕፍቲ ብምጽሓፍ፡ ናይ ሓበረታ መርበባት ኮነ ብቋንቋ ቢለን ዝመሓላለፍ ናይ ራድዮ መደባት ብምድላው ቋንቊኦምን ባህሎምን ክዕቅቡ ይጽዕሩ።
መምህርቲ ተኪኤ’ውን ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ቢለን ንምዕባል እጃሙ ዝገብረን ዘሎን ምሁር እዩ። ምስ ካልኦት ኣብ ስካንዲነቭያ ዝርከቡ ብጾቱ ዀይኑ ኣብ ዘቖሞ፡ ዓቢ ናይ ቢለን ወብሳይት (www.daberi.org)፡ ታሪኽን ባህልን ልምድን ናብራን ቋንቋን መንነትን ቢለን - ብደቂቕ ሰፊሩ ይርከብ።
መምህር ተኪኤ ብ1949 ዓ.ም. ኣብ እንጪናቕ እትበሃል፡ ካብ ከረን ንምዕራብ ኣብ ንኡስ ወረዳ ሓጋዝ እትርከብ ቍሸት ተወሊዱ ዓበየ።
መባእታዊ ትምህርቱ ብ1959 ኣብ ኣሸራ እትበሃል ዓዲ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ። ካልኣይ ደረጃ ከኣ ብ1965 ኣብ ከረን ብምኻድ ዛዚሙ። ብ1971 ከኣ ኣብ ከረን ብኣመሪካዊ ገባር ሰናይ፡ ሚስተር ሂዩ ዳውኒ ዝተመስረተት ላልምባ እትበሃል ናይ ግሊ መባእታዊ ቤት ትምህርትን፡ መዕበያ ዘኽታማትን፡ ከም መምህርን፡ ሓለቃ ቤት ትምህርትን ኰይኑ ንሽውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

ጉዕዞ ስደት
መምህር ተኪኤ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ናይ ነጻነት ቃልሲ ምስ ተሓኤ ብምስጢር ተወዲቡ የገልግል ነይሩ። ኣብ ብ1977 ብስደት ንኖርወይ ምስ ኣተወ እውን ኣባል ማሕበር መንእሰይ ኩይኑ ክሳብ ናጻነት ቀጺሉ።
ኣብ 1978 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዩኑቨርሲቲ ትምህርቲ ጀመረ። ክሰርሕ ስለዝመረጸ ግን ክሳብ 2013 ንሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ሰርሐ። ጥሮታ ምስ ኣተወ እውን እንተኾነ ብሰለስተ ቋንቋታት ኤርትራ ቢለን፡ ትግረን፡ ትግርኛን ከም ተርጓማይ እናሰርሐ ብቋንቋ ቢለን መጻሕፍቲ ጽሒፉ።
መምህር ተኪኤ ኣብ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዘለዎ ተገዳስነቱ ክለዓዓል ዝኸኣለ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ሓደ ናይ ወጻእተኛ መበቈል ዘለዎ ቈልዓ ቋንቋ ኣዲኡ ንክመሃር ዘተባብዕ መርሓ ስለዝነበረ፡ በዚ መሰረት’ውን ኣብ ከባቢ ኦስሎ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ትርፊ ጊዚኡ ካብ 1984 ክሳብ 1986 ከም ናይ ትግርኛ መምህር ኰይኑ ንቘልዑ ፊደላት ትግርኛ ይምህር ነይሩ።
ብዛዕባ ቋንቋ ቢለን ኣትኲሩ ክሰርሕ ዝኸኣለ ግን፡ በቲ ኣብ ምርምር ኩሻዊ ቋንቋታት ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ፡ ለዮ ራይኒሽ (1832-1919) ዝተባህለ ኦስትርያዊ ልሳንተኛ (ተመራማሪ ቋንቋ) ብቋንቋ ቢለንን ጀርመንን ኣብ መንጎ 1882-1887 እተጻሕፈ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ምዃኑ ይሕብር። ናይ ባዕሉ ምርምር ንኸካይድ ድማ ምትብባዕ ከም ዝረኸበ ይጠቅስ።
መምህር ተኪኤ ብዛዕባ ቋንቋ ቢለን ብዝምልከት ልዕሊ’ቶም ዘካየዶም ምርምራት እተን ተሓቲመን ዝወጽኣ መጻሕፉቱ ሓንቲ "ብሊና ክታበትዲ ግብራጋቡዅዲ - ናይ ቋንቋ ቢለን ጽሕፈትን ሰውስውን" እያ።
እታ ካልአይቲ ድማ "ብሊና ድግም ሕያይቱዲ እንቍርቍራዲ - ናይ ቢለን ጽውጽዋያትን፡ ሕንቅልቅሊተይን" ዘርእስታ ንቈላዑ እትኸውን ኣገዳሲት መጽሓፍ ጽሒፉ። ከም ወልዴሱስ ዓማር ዝኣመሰሉ ብጾቱ ከኣ ንሓዋሩ መዘከሪ ዝኾኖ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ይምስክርሉ።
ነገደ ብሄረ ቢለን
ብሄረ ብሌን ታውቀን ታርቀን ዝበሃሉ 12 ነገድን ካልኦት ዓሌታት ኮይኖም ኣብቲ ቀደም ዘመን ምድሪ ቦጎስ ወይ ሓልሓል-ቦጎስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ካብ ዔላበርዕድ ክሳብ ዓደርደ፣ ካብ ሰሜን ንደቡብ ድማ ካብ ሓልሓል ክሳብ ኣሸራ ዝዝርጋሕ ኣብ ዝዓበየ ክፋል ናይ ኣውራጃ ሰንሒት ዝቕመጡ፣ ብመንነቶምን ባህሎምን ቋንቋኦምን ዝሕበኑ ህዝቢ’ዮም።
እቶም ብቤት ታርቀ ዝፍለጡን፡ 12 ነገድን ካልኦትን ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከብ ወረዳታት እዮም ዝነብሩ። ቤት ታውቀ ኸኣ ኣብ ከባቢ ሓል-ሓልን ምድሪ ጀንገረንን ይነብሩ። ቤት ታውቀ ተኸተልቲ ምስልምና ቤት ታርቀን ካልኦትን ሰዓብቲ ክልቲኡ ሃይማኖት ኮይኖም እቶም ዝበዝሑ ክርስትያን ሰዓብቲ ካቶሊክ እዮም። ገለ ውሑዳት ተዋህዶን ከኒሻን’ውን ይርከቡዎም’ዮም።
ህዝቢ ቢለን መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ዝቕመጡ ክኾኑ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ማእከል ከተማ ከረን፣ ከም’ውን ኣብ ካልኦት ብሕጂ ዝምዕብላ ዘለዋ ናእሽቱ ከተማታት ከም ዔላበርዕድ፡ ሓጋዝ ወዘተ ዝቕመጡ እዮም።
ህዝቢ ቢለን ቍጽሮም ክንድዚ’ዩ ኢልካ ምግማት ኣሸጋሪ’ዩ፣ ፍሉጥ ዘተኣማምን ቈጸራ-ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደ። ግናኸ ኣብ ገለ-ገለ ሰነዳት ዝሰፈሩ ኣሃዛት ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ህዝቢ ቢለን ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ከም ዝግመቱ ኣብ ዳበሪ ዳት ኦርግ (daberi.org) ዝበሃል ናይ ቋንቋ ቢለን ናይ ሓበረታ መርብብ ሰፊሩ ይርከብ።
ምድሪ ቢለን ንሳሕልን ባርካን ከበሳን ዘራኽብ እስትራተጂካውን ማእከላይን ቦታ ብምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ነዚ ናይ ሕጂ ኤርትራ ቦታታት ክወሩ ዝመጹ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቢለን ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ይዝንቶ። ንኣብነት ዉቤ ሃይለማርያም ካብ 1884 ክሳብ 1850 ንሽድሽተ ጊዜ ተመላሊሱ ንምድሪ ቦጎስ ከም ዝወረሮን፡ ብዙሓት ሰባት ከም እተቀተሉን፡ ጥሪት ከም እተዘምታን ይጥቀስ።

ምንጪ ስእሊ, ዳዊት
ኣተዓባብያ መም. ተኪኤ ዓልበኪት
መምህር ተኪኤ ካብ ሓረስቶት ስድራ ቤት ኣብ ገጠር ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓብትን ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ንእስነቱ ምድሪ ቢለን ብሕርሻን ጥሪትን ሃብታም ከምዝነበረ፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መታሕት ገንዘብ ከምጽእ ዝኽእል ፉል ይዝራእ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ደቂ ቢለን ከም ዝሃብተሙ ይጠቅስ።
ኣብ ርእሲኡ’ውን ናይ’ቲ ሽዑ ኵነታት ክሊማ ደሓን ብምንባሩ ጎቦታት ዱር ከምዝነበረ፡ ጐላጕልን ሩባታትን’ውን ዝብላዕ ፍረ ብዘለዎ ኣእዋም - ከም ጋባ፡ ሕሞር፡ ዝኣመሰሉ - ማዕሪጉ ከም ዝነበረን፡ ናይ ገጠር ህይወት ዝበሃግ ምንባሩን ይዝክር። መንእሰያት ቢለን ጻወታ ዝፈትዉ ብምዃኖም ክረምቲ ሓሊፉ ምህርቲ ምስ ኣተወ፡ ካብ ቀውዒ ክሳብ ኣየት ንዘሎ እዋን ብሰሓቕን ጻወታን የሕልፍዎ ከምዝነበሩ’ውን ይገልጽ።
“እቲ መጓሰና ህይወትና’ዩ ነይሩ፣ ፉል ከኣ ንዘርእ ነርና። ገሊኦም ናብ ግራታውቶም ይወፍሩ፡ ገሊኦም ነናቶም ዋኒን ክገብሩ፡ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝወፍረሉ፡ መንእሰይ ከኣ ብጓይላ ሂር ዝብለሉ፡ ድሓን ዘመን ድሓን ናብራ’ዩ ነይሩ ክብል እኽእል” ኢሉ ገለ መሳዅቲ ሕብረተሰብ ቢለን ይኸፍት።
“እቲ ቅርጽን ኣሰራርዓን ገጠራትና ስሕው ዝበለ ዀይኑ ብናእሽቱ እንዳታት ቈይሙ ምስ ቀረባ ስድራቤት ኣብ ግራትና ገዛውቲ ሰሪሕና ብሓደ ንሰፍር ነበርና።
“ማይ ንክንወርድ፡ ብጊዜ ክረምቲ ካብቲ ዝውሕዝ ማይ ኣብ ጥቓ ግራትና ኣብ ራህያና ማይ ንእክብ ኔርና፣ ሓጋይ ክኸውን ከሎ ግን ካብ ግራትና ዳርጋ ኣርባዕተ ኪሎሜትር ዝርሕቀቱ፡ ‘ደብር-ማንሹ’ ዝበሃል ቦታ እንዅዕቶም ዔላታት ስለ ዝነበሩ፡ መዓልታዊ ንመላለስ ነበርና ... ከየዕዘምዘምና እንሰርሖ ስራሕ ነበረ” ኢሉ እናሰሓቐ የዘንቱ።
እቲ ዞባ ይምዕብል ከም ዝነበረ፡ ብቑዕ መጐዓዓዝያ ከም ዝነበረ - ካብ ኣስመራ ንዞባ ሰንሒት ባቡር ይዅን ለተሪና፡ ከምኡ’ውን ኣውቶቡሳት ክንቀሳቐሳ ይዝከሮ። ነቲ መጐዓዓዝያ ዘይኣትዎ ቦታ ኸኣ ብእግሮም ይኸድዎ ነበሩ።
ብመዓልታዊ መናባብሮኦም ክገልጽ ከሎ “እኹል ጸባ ነይሩና - ኣጣልን ኣሓን ስለ ዝነበራና። ኣውራ ኸኣ ቅጫና ይዝከረኒ - ናይ ብልቱግ ይዅን ናይ ማሸላ - ሓድሓደ ጊዜ ኸኣ ሃንዛ እናበላዕና ኢና ዓቢና፣ ዋእ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ንገዓትና ዘርክብ ኣይነበረን። ቀስ ኢሉ’ውን ጣይታ እናተለምደ ክኸይድ ይዝከረኒ” ይብል መም ተኪኤ።
“እንተዀነ ግን፡ እቲ ሽዑ ዝተኸሰተ ምንቅስቓስ ናጽነት እናሓየለ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባርካ ናባና ገጾም ዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ ነይሮም’ዮም፣ ምስኡ ኸኣ ምንቅስቓስ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ክብ ክብል ይዝከረኒ” ኢሉ ሃዲኡ ነቲ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጨካን ዘመተታት ይጽብጽብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትምህርቲ ...
ቅድሚ ፈዴረሽን ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ኣብ ዓድታት ሓሊብመንተል፡ ብሪከንትያ፡ ኣሸራ ሰለስተ ናይ ገጠር ኣብያተ-ትምህርቲ ነይረን።
ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝኾነሉ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ስለ ዝተወለደን ንክመሃር ዕድል ስለዝረኸበን ሕጉስ ምንባሩ ይገልጽ።
“እቲ ቤት ትምህርቲ ርሑቕ እኳ እንተነበረ ኵላህና ደቂ’ቲ ጐደቦ ተኣኻኺብና ማዕረ ስሳ/ሰብዓ ቈልዑ ኴንና ንኣሸራ ክንወፍር ካብ ሓሳበይ ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን። ክልተ ንኣሽቱ ሳንጣታት - ሓደ ንጥራዛውትና እቲ ሓደ ኸኣ ንምሳሕና ዝኸውን ቅጫ ተዀልኲልና - እናተጻወትና ንነዊሕ መንገዲ ብእግርና ክንምርሽ እቲ ርሕቀት ኣይፍለጠናን ነበረ ... ምስ ተፈደስና ኸኣ ንዓድና ክንምለስ ብዙሕ ድኻም’ዩ ነይሩ... ብሓቂ ጥዑም ጊዜ ኢና ኣሕሊፍና” እናበለ ብምድንፋቕ ይዝክሮ።
ናይ ቋንቋ ሽግር ግን ነይሩዎም ። ሽዑ እዩ ትግርኛ ዀነ ኣምሓርኛ ከምኡ እውን እንግሊዝ ተማሂሩ። ኣብ መባእታ ብትግርኛዩ ዝመሃር ነይሩ። ክጽግሞም እንከሎ መምህሮም ቋንቋ ቢለን ሕውስ እናበለ የረድኦም። ሓሙሻይ/ሻድሻይ ክፍሊ ምስ በጽሑ ግን ነታ ትግርኛ ደርጐስጐስ እናበሉ ፈሊጦማ። ስዋስው እውን ተማሂሮም።
“መባእታ ትምህርተይ ወዲኣ ናብ ከረን ዝገዓዝኩሉ እዋን - ኣብ መፋርቕ ስሳታትን ክኒኡን ማለት’ዩ - ሰብ ካብ መነባበርኡ ክፈናቐል፡ ዓድታት ክነድድ፡ ኣብ ምድረ-መታሕት ጭካኔ ዝገነነሉ እዋን ስለ ዝነበረ ሕማቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ” ኢሉ ነቲ ዝሰዓበ ዘመን ይገልጾ።
“ይዅን’ምበር እቶም ካብ ገጠር ንከረን ትምህርትና ንኽንቅጽል ዕድል ዝረኸብና፡ ተኣኪብና፡ ንእሽቶ ገዛ ተኻሪና፡ መግብና ባዕላትና እናኸሸንና ንመሃር ነርና፣ ንመግብና ዝኸውን እኽሊ፡ ንሓዊ ዝዀነና ዕንጽይቲ ተሸኪምና፡ ካልእ ቀንጠመንጢ ሒዝና ካብ ዓዲ ንከረን ንወርድ ነርና ... ቀሊል ናብራ ኣይነበረን ” ይብል ሓው ተኪኤ።
ትምህርቲ ቋንቋ ቢለን
ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት (ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ) ደቂ ቢለን ባዕላቶም ብተገዳስነት ንባህሎም ንኽዕቅቡ ዘይሕለል ቃልሲ የካይዱ ከምዘለው ይጠቅስ።
“ኣነ ኣብ ቋንቋ-ኣደ ኣብ ምምዕባል ዝኣምን ሰብ’የ። ቈላዑ ቢለን ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ብቋንቋ-ኣደ ይመሃሩ ኣለዉ፣ ካብ ሻድሻይ ክፍሊንላዕሊ ግን እቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ብእንግሊዘኛ’ዩ ዝቐርብ” ድሕሪ ምባል ሓደ ጸገም ይጥቍም።
እቲ ቅሬታኡ ዘስፈረሉ ዛዕባ ቋንቋ ቢለን ንተመሃሮ ብፊደል-ላቲን ብምቕራቡ’ዩ። “ርግጽ’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ቋንቋ ስለ ዘየለ፡ እቲ ሕቶ ኣካታዒ’ዩ። ኣብ ግብሪ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ትግርኛ ብመጠኑ ኸኣ ዓረብኛ’ዮም ዝዝውተሩ። ዕላዊ ቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን ክዀኑ ይግባእ ኢሎም ዝጕስጕሱ ሰባት’ውን ኣለዉ፣ ብጊዜ እንግሊዝ ከምኡ ስለ ዝነበረ። መንግስቲ ግን ንድሌት ህዝቢ ብግቡእ ከይተወከሰ ፊደል-ላቲን ኣተግበረ። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን ናይ ሎሚ መንእሰያት ቢለን ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከንብቡ ኣይክእሉን” ኢሉ ተቓውሞኡ ይገልጽ።
ንኣንበብቲ ንምብራህ፡ ሓው ተኪኤ ንቋንቋ ቢለን ብፊደል ግዕዝ ክጸሓፍ ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝኣምን ብዙሕ ጐስጓስ ዘካየደን ተጊሁ ዝሰርሐን ተመራማሪ’ዩ። እኳድኣ ገለገለ ፊደላት ግዕዝ ዝመሰረቶም ገይሩ ንቋንቋ ብለን ንምጽሓፍ ተወሰኽቲ 12 ፊደላት ንልሳን ብሊን ዝውክሉ ብሓገዝ ተመራማሪ ኣመሪካዊ ዳንኤል ያዕቆብ ዝበሃል እቲ ፍደላት ካብ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ተዋጺኡ ብኮምፕዩተር ከምዝቅረጽን፡ ምስ ብጻዩ ዶክቶር ክፍለማርያም ሓምደ ኰይኑ ኣብ ዩኒኮድ ስታንዳርድ ከምዝምዝገብን ብምግባር ቋንቋ ቢለን ብኮምፕዩተር ብፊደላት ግእዝ ብቀሊሉ ከም ዝጸሓፍ ንምግባር ዝሓገዘ ተመራማሪ’ዩ።
መግለጺ ናፍቖቱ ...

ምንጪ ስእሊ, ዳዊት
“ተዘክሮታተይ ሓያል’ዩ፣ ዘንትእለት ብደቂ ቢለን፡ ብናብራ ቢለን፡ ብጥዑማት ስድራይ፡ መታዓብይተይ፡ ኣዝማደይ፡ ዝተወለድኩላ ቍሸት፡ ቃና ባህለይ፡ ጣዕሚ ደወል ቋንቋይ ኵሉ ጊዜ ምሳይ’ዩ። ዋላ’ኳ ንነዊሕ ዘመን ኣብ ኖርዋይ እንተነበርኩ፡ እቲ ዝበዝሐ ጊዜይ ምስ ተዘክሮታትይ’የ ዘሕልፎ” ይብል ሓው ተኪኤ።
“መጓሰና፡ ኣባይትና፡ ጸባናን ብራሕናን፡ ቅጫና ዀነ ገዓትና፡ እቲ ጐይኻ ዘይውዳእ ሜዳን መሮርን ዓድና፡ እምባታትን ስንጭሮን ጐደቦና ... ኵሉ ኮታ፡ ኣብ መዛግብ ተዘክሮታተይ ተወቂጦም’ዮም ተሪፎም” እናበለ ንጽባቐ ዓዶም እንጪናቕ ይገልጽ።
“ኣብ ገዛና ብብሌን ንዛረብ፣ እቶም ዓበይትና 2-3 ቋንቋታት’ዮም ዝመልኩ፣ ምስ’ቶም ዝዳበዉና ብትግረ፡ ኣርሒቖም እንተኸዱ ኸኣ ትግርኛ ዝጥቀምሉ እዋን ነይሩ። ኣስላምና ከምኡ’ውን ገለ ካብ ክርስትያን ብመጠኑ ኣፍልጦ ቋንቋ ዓረብ ዘለዎም ኣለዉ ... ከምኡ እናበልና ብዝተሓዋወሱ ቋንቋታት ምስ ኩሉ ተሰማሚዕናን ተኸባቢርናን ብሰላም ንነብር ብሄር ኢና” እናበለ ምስ ናፍቖቱ ተወሳኺ ሓበሬታ የቕርብ።
“ካባይ ኣብሊጾም ብዛዓባ ብሄረ-ቢለን ዝፈልጡ ብጾት’ኳ እንተ ሃለዉ፡ ኣነ በቲ ዓቕመይ በቲ ጕዕዞ ህይወተይ ኣቢለ ብዝከኣለኒ መጠን ሓደ ስእሊ ቢሄረ-ቢለን ኣቕሪበ ክኸውን ተስፋ እገብር” ኢሉ ኣብ መደምደምታ ዛንታኡ በጽሐ።
“ብሓፈሽኡ፡ ኣተዓባብያይ ከምዚ ዝገለጽኩዎ ዀይኑ፡ እቲ ካብ ሓሳበይ ዘይፍለን ዝወረስኩዎ መንነትን ኣብ ህይወተይ ሰለይ ኣቢሉኒ’ዩ ክብል እኽእል። እቲ ምዕሩግ ባህልናን ጸላዊ ባህሪ ኣለዎ፣ ቢለናይ ብምዃነይ መንነተይ እናጸንበልኩ ዝነብር ሰብ’የ ክብል እኽእል” ኢሉ ክፋነወና መረጸ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







