ኣቶ ኣለም መሓረና፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ንግዲ ዝበጽሑ ዕዉት በዓል ዋኒን

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ ዘመን ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ንስም ኣለም መሓረና ዘይፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ካራሜላን ብሽኮትን ኣቦይ ኣለም መሓረና ዘይበልዐ ቈልዓ ይህሉዶ?
ኣቶ ኣለም፡ ብ11 ግንቦት 2022 ኣብ መበል 100 (ሒደት ኣዋርሕ ጐደል) ዕድመኦም'ዮም ዓሪፎም።
ኣብ ባህሊ ፈረንጂ፡ ከምዚ ናቶም ዕድመ ንዝጸገቡን ዝተዓደሉን ሰባት ሓዘን ንምግላጽ ዘይኰነስ እቲ ዕዉትን ጸጋ ዝተመልኦ ህይወቶምን ንምብዓል'ዮም ዝእከቡ።
ኣቶ ኣለም መሓረና ኣብ መወዳእታ ሓምሳታት፡ ካብ ዉጹእ ድኽነት ወናኒ ሰለሰተ ፋብሪካታትን ብርክት ዝበሉ መንበሪ ገዛውትን ክዀኑ ዝበቕዑ፡ ዕዉትን ኣብነታውን በዓል ዋኒን ነይሮም።
ኣብቲ ብዛዕባኦም ብበረኸት ኣማረ ዝተደርሰ መጽሓፍ፡ እዚ ዝስዕብ ጥቕሶም'ዚ ንረክብ፡ "ንጻዕሪ ዕድል እንተ ተወሲኽዎ ጸጋኻ ክበዝሕ ግድን'ዩ"። እቲ ጥቕሲ ንጕዕዞ ህይወቶም ዝደረኸ ብሂል'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ካብ ግዜ ቝልዕነቶም፡ ብፍላይ ድማ ስራሕ ካብ ዝጀመርሉ ኣትሒዞም ዘሕለፍዎ ብድሆታትን ዝረኸብዎ ዓወታትን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሞያ ንግዲ ምስ ኣተዉ ዘርኣይዎ ቅልጡፍ ዕብየትን ተበላሓትነትን እንታይ ከም ዝመስል ምፍላጥ ንባዕሉ ዓቢይ ትምህርቲ'ዩ።
መሓረን ኣብ ናይ ቀደም ኤርትራ
ካብ ዘመን ጥልያን ዝጀመረ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ኢንዱስትርያዊ-ልምዓት ኣገዳሲ ነበረ።
ድሕሪ መግዛእቲ ጥልያን፡ ካብ ግዜ እንግሊዝ ክሳብ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ፡ በቶም ኣብ ኤርትራ ዝተረፉ ኢጣልያውያንን ገለ ደቀባትን ዝውነን ትካላት ዝነበረሉ እዋን ነበረ።
ምዕቡል ሕርሻ፡ መፍረ ከብቲ፡ እንዳ ወረቐት፡ ፋብሪካ መርፍእን ምስማርን፡ እንዳ ክርቢት፡ ፋብሪካ ማልያ፡ ፋብሪካ ጫማ፡ ፋብሪካ ልስሉስ መስተ፡ ፋብሪካታት ማዕድናዊ ማይ፡ ፋብሪካ ዕሹግ መግቢ፡ ፋብሪካ ነቢት፡ እንዳ ሳሉሚፊችዮ (መፍረ ሓሰማ) ዕሙራት ደዃኵን፡ እንዳ ሰራሕቲ ኣዋርቕ፡ ዕዮ ሓጺንን ጽርበት ዕንጸይቲን፡ እንዳ ባኒ፡ፓስታ፡ ዶልሺ፡ ኣብያተ ሻሂ፡ ባራት፡ ኣብያተ መግቢ፡ ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየት፡ ፈጠራ ስራሕ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮም፡ ህይወት'ታ ሃገር ዝመልሱን ትካላት ነይሮም።
ኣብ ከባቢታት ከረን፡ ኣቑርደት ገማግም ጋሽ ዝበቍል ዝነበረ ጡጥ፡ ፍርያት ዓካት፡ ፍረ (ፍሩታ) ብናፍቘት ዝዝክርዎ ሕጂ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ገና ብህይወት ኣለዉ።
ኣብ ዕላሎም ኵሉ ግዜ በዓል ዲታ ባራቶሎ፡ ካሽያኒ፡ ዲ'ደናዳይ፡ ማራሳኒ፡ ታሌሮ ዀነ ኦርቶላ ይዝከሩ'ዮም። ብዓቢኡ ኸኣ ቤት ማዘጋጃ (ምንቺብዮ) ኣብ ንግድን ካልኦት ስርሓትን ይሰርሕን የስርሕን ነበረ።
ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ብዙሓት ትካላት፡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ንኢትዮጵያ ግዒዞም፣ ዝተረፉ ኸኣ ብዘመን ደርግ ተሃጊሮም እዮም።
ብሰንኩ ኸኣ መብዛሕትኦም ትካላት በሪሶም፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብልጫታቶም ሃሲሱ ጐሰስ ክብሉ ተራእዩ።
ነዚ ዅሉ ርእዮም ፋሕተርተር ዝበሉን፡ ዕዉት በዓል ዋኒን ኣቦ፡ ኣቦይ ኣለም መሓረና'ዮም።
ኣለም መሓረና መን'ዮም?
ኣብ ዞባና፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዕዉታት በዓል ዋኒን ነፍስሄር ኣለም መሓረና'ዮም ነይሮም።
ዛንታ ኣለም መሓረና ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት በቲ ኣብ ህይወቶም ዝተጓናጸፍዎ ዓወትን ዘጥረይዎን ጸጋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህይወቶም ማዕረ-ማዕረ መግዛእቲ ጥልያን፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሴ፡ ደርግ፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ኤርትራ ክጓዓዝ ብምኽኣሉ'ዩ።
ብሓጺሩ፡ ኣቶ ኣለም ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ መንግስታት ዝረኣዩ ሰብ'ዮም። ታሪኾም ምፍላጥ ዓቢ ሸነኽ ታሪኽ ኤርትራ ምፍላጥ ማለት'ዩ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ዝገርም፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣቶ ኣለም መሓረና ከም ብርዥዋ ተወሲዶም ኣብ ትምህርቲ ማርክሰ-ለኒንነት ከም ኣብነት ይርቝሑ ከም ዝነበሩ ዝዝክርዎም ተጋደልቲ ኣለዉ።
ታሪኾም ኣብቲ ብዛዕባኦም ዝቐረበ ግሩም ዝዀነ መጽሓፍ ምስ እነንብብ ግን፡ ፍልስፍና ህይወቶም ኰነ ዘሕለፍዎ ጻዕርን ሽግርን መንከላልኦን ዝስእሎ ስእሊ፡ ብብርዥዋ ዝግለጽ ዘይኰነስ ጻዕረኛን ብልሓተኛን ከም ዝነበሩ ዝርኢ እዩ።
ኣብ ቢዝነስ ንዕኦም ዘርክብ ኣይነበረን ኢሎም ብዙሓት ዝምስክሩሎም ሰባት ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ድሕረ ባይታ
ኣቶ ኣለም መሓረና፡ ብ20 ሰነ 1922 ኣብ ዓዲ ባዕከል (ኣከለጉዛይ) ካብ ኣቦኦም መሓረና በረኸትን ኣደኦም ወርቅሃ ጋብርን'ዮም ተወሊዶም። ካብ ሓሙሽተ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ በዅሪ ገዛ'ዮም።
ኣብቲ ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈ መጽሓፍ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ'ዚ ተመዝጊቡ ንረክብ፤
"ኣቶ ኣለም መሓረና ካብ ዝኽርታት ቍልዕነቶምን ንእስነቶምን ምንቕ ከይበሉ፡ ንዅሉ ዝሓለፍዎ መድረኻት ብስሩዕ'ዮም ዝዝክርዎ። ሩባታትን ስንጭሮታትን ዓዶም፡ ኣቡዕሮምን ኣሓኦምን፡ ደቂ ዓዶምን መተዓብይቶምን፡ ማሕረስን ቀውዕን፡ ድኽነትን ሃብትን፡ ብሓፈሻ ኵሉ ጕዕዞ ህይወቶም ኣብ ኣእምሮኦም ስኑድ'ዩ።"
ኣቦኦም ኣቶ መሓረና በረኸት፡ ብዘመነ ትረንታ-ቹንከ (1935) ብግዱድ ዕስክርና ኣብ ውግእ ክሳተፉ ስለ ዝተወስዱ፡ ብኡ ኣቢሎም ጠፍኡ።
ኣቶ ኣለም ከኣ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ኣቦ ተሪፎም ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ወደቑ። ሽዑ ኣቡዑር ክጸምዱ'ውን ኣይክእሉን ነይሮም።
ማሕረስ ከም ዘየዋጽኦም ተረዲእዎም ንከተማ (ደቀምሓረ) ክኸዱ ወሰኑ። ገና ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበሩ፡ ኣደኦም ከኣ ካብአን ክፍለዩ ስለ ዘይደለያ ንኽውስኑ ተሸገሩ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ወዲ 14 ነይሮም ክነሶም፡ ዝዀነ ይዅን ኢሎም ብ1936 ሞሊቘም ተዓዝሩ። ኣይተማህሩን፣ ካብ ማሕረስ ሓሊፉ ካልእ ተመኵሮ ኣይነበሮምን።
ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ሓደ ዝህነጽ ዝነበረ ገዛ ተሓጋጋዚ ጸራብ ዕንጸይቲ ኰይኖም ስራሕ ጀመሩ። እቲ ስራሕ ግዝያዊ'ምበር ካብ ዝነበሮም ገንዘባዊ ሽግር ዘገላግሎም ኣይነበረን።
ጸኒሖም ከኣ ኣብ ሓደ ጋራጅ ስራሕ ረኸቡ'ሞ ከም 'ለኻይ ሕብሪ' (ቨርኒቻቶረ) ኰይኖም ተቘጽሩ።
ኣቶ ኣለም መሓረና ብስርሖም ዕግበት ኣይረኸቡን። እቲ ከርፋሕ ናብራ ኸኣ ይሃስዮም ከም ዝነበረ ይርድኦም ነበረ። እንተዀነ ናብ ማሕረስ ክምለሱ ኣይደለዩን፣ ሓደ ንሓዋሩ ዝዀኖም ጥበብ ክመሃሩ'ዩ ነይሩ ድልየቶም።
ኣብቲ ዕድመ፡ ኣብቲ ኵነታት፡ እኹል ትምህርቲ ይዅን ዓቕሚ'ኳ እንተዘይነበሮም ብኒሕን ቈራጽነትን ይስጕሙ ነበሩ።
ህይወት ከቢድ'ዩ ነይሩ፣ ስድራቤቶም ክናብዩ (ኣደን ኣርባዕተ ኣሕዋትን ኣሓትን) ግን ግድን ነበረ።
ድሕሪ ብዙሕ ምዅላል ኣብ ሓደ ጥልያን ዝወናኒኡ እንዳ ፎርኖ ስራሕ ረኸቡ። እቲ ስራሕ ገና ከይጀመርዎ እንከለዉ ኸኣ ፈተዉዎ። ምስ ጀመሩ'ውን ዘዋጽኦም ኰይኑ ረኸብዎ።
ኣይጸንሑን፡ ባኒ ንምስንካት እንታይ ከም ዘድሊ፡ ኣብ ምብዓጡን፡ ምልዋሱን፡ ምስንካቱን ዘሎ ጥበብ ተታሓዝዎ። ካብ ኵሉ ኸኣ፡ ባኒ ንምስራሕ ዘድሊ ዓቐናት ምፍላጥ ስርሐይ ኢሎም ከጽንዕዎ ጀመሩ፣ ተዓወቱ ኸኣ።
ብድሕሪ'ዚ ኣቶ ኣለም ሓላፍነት ወሲኾም ተቘጻጻሪ ናይቲ እንዳ ፎርኖ ክዀኑ በቕዑ።
"ጠባይ ሓርጭ ልክዕ ከም ሰብ'ዩ፣ እቲ ዝግባኦ እንተ ደኣ ገይርካሉ፡ ከምቲ እትደልዮ እዩ ዝዀነልካ፡" ይብሉ ነበሩ ኣቶ ኣለም።
እቲ ስራሕ ኣህላኺ'ዩ ነይሩ። የግዳስ ሒደት ገንዘብ ክዓቝሩ ኣኽኣሎም።
ምስኡ ኸኣ፡ ጥበብ ምስራሕ ባኒ ሰኒቘም ዝሓሸ ስራሕ ከናድዩ ጀመሩ። ብ1937፡ ፓስታን ምቁር ሕብስትን [ፓስተ] ኣብ ዝሰርሓሉ ፋብሪካ ተቘጺሮም፣ ኣብቲ ዝቐሰምዎ ጥበብ ተመርኲሶም ብተኣማምነት ክሰርሑ ጀመሩ።
መስተውዓሊ ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ እቲ ስራሕ ዘድሊ ለውጥታት ከም ዝተኣታቱ ብምግባር ኣማዕበልዎ።
ብመንፍዓቶም ብሉጽ ሰራሕተኛ ብምዃን፡ ንመዓልቲ 35 ፈረንካ፡ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቶም ካልኦት ሰራሕተኛታት፡ ክኽፈሉ በቒዖም። መነባብሮ ስድራኦም ከጣጥሑ ጀመሩ።
ይዅን'ምበር ሃንደበት፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ስለ ዘርከበ እቲ ቤት-ዕዮ ተዓጽወ። ናይ ባዕሎም ዕዮ ክምስርቱ ሕልሚ ዝነበሮም ኣቦይ ኣለም፡ በቲ ኲናት ተሰናኺሎም ንዓዶም ክምለሱ ተገደዱ።
ሕማቕ ዕድል ኣርኪቡ ኣብ ዓዲ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል እዋን ሸቀሉ። ካብ ዜእትዉዎ እቲ ወጻኢኦም በዚሑ ድማ፡ ናብራኦም ምምሕያሽ ኣበየ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣቶ ኣለም ብ1942፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ብእንግሊዝ ንደቀምሓረ ተመልሱ።
ኣብ እንዳ ፓስቲቸሪያ (ሰራሕ ምቍር ሕብስቲ) ስራሕ ረኺቦም ብትግሃት ክሰርሑ ጀመሩ። ገንዘብ ክዓቝሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣድማዒ ጥበብ ክድልቡ'ውን ከኣሉ።
ብ1943 ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዝነበሩሉ፡ ተመርዖ-ተመርዖ ዀይኑ ኣብ ዓዶም ዓዲ ባዕከል ምስ ወ/ሮ ለተኺዳን ሓድጉ፡ ተመርዓው።
መርዓ ኣርኪቡ ግን ካብ ሕልሞም ፈንከት ከይበሉ ገስገሱ።
ካብ ዓዲ ንኸተማ ወጺኦም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ ሞያዊ ብቕዓት ጥራይ ኣይኰኑን ኣጥርዮም፣ ንግድን ዋኒንን ብኸመይ ከም ዝቐውም'ውን ብተዛማዲ ንቕሓት ከጥርዩ ክኢሎም'ዮም።
ጸኒሖም ከኣ ካብ ደቀምሓረ ናብ ኣስመራ ግዒዞም ኣብ ተመሳሳሊ ዓይነት ስራሕ ጀመሩ።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለዩ ፓስቲቸሪያታት ድሕሪ ምስሕ፡ ዝኣኽሎም ጥበብን ደሓን ገንዘብን ደሊቦም ካብ ተራ ሰራሕተኛ ናብ በዓል ዋኒን ክሰጋገሩ ብርእሰ ምትእምማን ተበገሱ።
ዓመተ-1949 ንኣቶ ኣለም መሓረና መቐይሮ ህይወቶም ከም ዝነበረት ኣብታ ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ብዝርዝር ሰፊሩ'ሎ።
ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንደቀባት ፍቓድ ንግዲ ስለ ዘፍቀደ፡ ኣቶ ኣለም መሓረና ከኣ ነቲ ዕድል'ቲ ተጠቒሞም፡ ብሽኮቲ እተፍሪ ፋብሪካ ንክኸፍቱ ወረቐት ፍቓድ ኣውጽኡ።
እቲ ዝተረፈ ታሪኽ'ዩ ...
ኣቶ ኣለም መሓረና፡ ትኩርን ተበላሓትን ስለ ዝነበሩ፡ በዓል ዋኒን ኰይኖም ንእሽቶ መእተዊ ረኺቦም ኣብ ንግዲ ዓለም ኣትዮም ክነጥፉ ጀመሩ።
ንበዓልቲ ቤቶም ካብ ዓዲ ንኣስመራ ኣምጺኦም ሓቢሮም ኣበርቲዕም ክሰርሑ ጀመሩ።
ነቲ ዘጓንፎም ዝነበረ ጸገማት ብምብዳህ፡ ከም ዋሕዲ ሽኮር፡ ጐንጺ ኢጣልያውያን ነጋዶ ዘኣመሰሉ መሰናኽላት፡ ምስ ናይ ስራሕ መከራኽርቶም እናተወዳደሩ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጀመሩ።
ኣቶ ኣለም ብርእሰ ምትእምማን ዝተኸልዎ ትካል፡ መጻኢኦም ድሙቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣንፈት ክህቦም ስለ ዝኸኣለ፡ ብዝያዳ ንኽሰርሑን ትካሎም ንኸስፍሑን ሓጊዝዎም'ዩ።
"በዛ ናይ መጀመርታ ትካሎም ኣቢሎም ከኣ ብቕዓቶምን ፈጠራውነቶምን ኣብ ባይታ ከመስክሩ ክኢሎም'ዮም። ብድሕሪ'ዚ ዓወት'ዚ፡ እቲ ወግሐ ጸብሐ ሓሳባት ዘፈልፍል ኣእምሮኦም፡ ካልእ ሓሳብ ከመንጩ ጀሚሩ" ይብል እቲ ኣብ መጽሓፍ ዝበጽሐ ዛንታኦም። ንመንገዲ ዓወት ከኣ ተረር ኢሎም ክሓልፍዎ ጀመሩ።
ዘድሊ ኣቑሑ ብምግዛእ ሓደ ፋብሪካ ብስኮቲ ኣብ ገዛ ብርሃኑ ክተኽሉ ከኣሉ።
ጸኒሖም፡ ኣብ 1955 ኣብ ርእሲ'ቲ ፋብሪካ እንዳ ብሽኮቲ፡ ፋብሪካ ካራሜለ ክተኽሉ ከኣሉ።
እቲ ኣብ ኣስመራ ንኣስታት 40 ዓመት ዝሰርሐ፡ ፍሉጥ ፋብሪካ ካራሜለ ዝነበረ፡ ፋብሪካ ካራሜለ ቺቾሮ'ዩ ነይሩ።
ንቈልዑ ኣስመራን ከባቢኣን ዘዕበየ ካራሜላ ኸኣ ነበረ። ኣቶ ኣለም መሓረና ኣብ ውድድር ኣትዮም ጸብለል በሉ።
ቺቾሮ ምስ ተዓጽወ፡ ፋብሪካ ካራሜለ ኣለም መሓረና ንዕዳጋ ካራሜላ ክቈጻጸሮ ከኣለ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ፍርያት ኣለም መሓረና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጠለብ እናረኸበ ስለ ዝኸደ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተፈልጥነቱ ክዓቢ ጀመረ። ጸኒሖም ከኣ ብ1958 ዘይቲ ንሂጕ ዘፍሪ ፋብሪካ ከፊቶም ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ተጓናጸፉ።
ኣብኡ ደው ኣይበሉን፣ ዋኒኖም መሊሶም ከም ዝዓቢ ገበሩ። ከተማ ኣስመራ ምስ ዝነበራ ጽሬትን ውቁብ ህንጻታትን ብዙሓት ኣጋይሽ ካብ ደገ እናመጹ ይዘናግዑላ ነይሮም።
እንተዀነ፡ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ገያሾ መደቀሲ ሆቴል ይሽገሩ ነበሩ። ነዚ ኣስተብሂሎም ድማ ንስርሓትን ኣካይዳን ሆቴል ከጽንዑ ተበገሱ።
ብ1968፡ ኣቶ ኣለም ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል 1000 ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መሬት፡ በዓል 35 ክፍልታት 50 ዓራት ዝሓዘ ሆቴል ኣስሪሖም "ዋይት ሆቴል" ክብሉ ሰመይዎ።
ኣብቲ ሆቴል ጥራይ ከይተደረቱ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣስመራ ገዛውቲ ክዕድጉ'ውን ክኢሎም'ዮም። ሓደ ዓቢ ጋራጅ'ውን ኣስሪሖም ነበሩ።
ኣብ ሕብረተሰቦም ዝነበሮም ተራ
ካብ ንግዲ ዓለም ግልል ኢልና ንህይወቶም እንተ ተዓዚብናዮ፡ ኣቦይ ኣለም መሓረና ብቤተሰቦም ምስጉን ከም ዝነበሩ ክንርዳእ ንኽእል። ኣሕዋቶም ወ/ሮ ለተሚኪኤልን ወ/ሮ ለተሃዋርያትን ብሓወን ከምዚ እናበላ ይምስክራ፤ -
"ሳላ ኣያይ ኵሉ ረኺብናዮ። ምስ ንኣሽቱ ከይነኣሰ ከም ሓውን ኣቦን ኰይኑ ኣዕብዩና። ካብ ዓዲ ንኣስመራ ኣምጺኡ ብዝግባእ እናሓገዘ ደቅና ኸም ነዕቢ ገይሩና። ኣያይ፡ ካብ ዝዀነ መርዓ ይዅን ሓዘን ከይበዀረ፡ ንዅሉ'ዩ ዘርክበሉ ነይሩ።"
ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ዝርከብ ምስክርነትን ምስጋናን ንኣቶ ኣለም መሓረና ብሓቂ ዘደንቕ'ዩ።
ንዅሉ ስድራቤቶም ይሓልዩን ይከናኸኑን ከም ዝነበሩ፣ እዚ ዕማም ንባዕሉ ግዜን ጕልበትን ዝበልዕ ስራሕ ክነሱ፡ ደኺመ ከይበሉ ኣብ ኵሉ ጕዳያት መቕርቦም ተገዲሶም ይዋፈሩ ነበሩ።
እቲ ዛንታ ብርግጽ ነዊሕ'ዩ፡ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸኣ'ዩ ሓሊፉ። ኣቶ ኣለም ዝነበሮም መሃዝነት ገደብ ኣይነበሮን።
መንግስቲ ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሰብ ዋኒን ክከናኸን'ምበር ክድህኽን ክዕምጽን ኣይግባእን። እቲ መዓት'ቲ ግን ኣርኪቡዎም'ዩ።
ደርጊ መጸ ዕንወት ሰዓበ። እቲ ንርሑቕ ዝዓለመ መደብ ከኣ ተኸሽፈ። ማእሰርቲ'ውን ነበሮ።
ክንድምድሞ ...

ምንጪ ስእሊ, DM
ብግዜ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ንብረቶም ሸይጦም ቀስ-ብቐስ ንዓዶም ክምለሱ ጀመሩ።
ሽዑ እቶም ደቀባት ነቲ ንብረት ኢጣልያውያን፣ ገዛውቲ፡ መካይን፡ ድኳናት፡ ኣብያተ ዕዮ፡ ንኣሽቱ ፋብሪካታት፡ ጀራዲን፡ በብዓይነቱ ኣቝሑት፡ ይገዝእዎን ይርከብዎን ነበሩ።
ፈደረሽን ምስ ተኣወጀ (1952) መብዛሕትኡ ሃብቲ ከተማ ኣስመራ ተባሕጒጉ ንኢትዮጵያ ይግዕዝ'ኳ እንተነበረ፡ ቍጠባዊ ሓይሊ ኤርትራ ገና ሓያል'ዩ ነይሩ።
ካብ'ቶም ቅድሚ ፈደረሽን ዝነበሩ ተቐማጦ ኣስመራ ጥራይ፡ (ኣስታት 130,000) ዳርጋ 18,000 ኢጣልያውያን'ዮም ነይሮም፤ ቍጠባ ኸኣ ኣብ ኢዶም ነበረ።
ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ (1962) ቁጽሪ'ቶ ዝተረፉ ኢጣልያውያን ናብ 10,000 'ኳ እንተ ወረደ (ምስ 14,000 ሓናፍጽ) ንግድን ፍርያትን ገና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም 'ዩ ነይሩ።
ብዙሓት ከም ኣካየድቲ ስርሓት፡ መሃንድሳት፡ ሓካይም፡ ተክኒሻናት፡ ኰይኖም ይሰርሑ ነይሮም።
ኣቶ ኣለም መሓረና 'ምበኣር ኣብ ሞንጐኦም ኰይኖም'ዮ ተቓልሲም፣ ዓወታት ተጓናጺፎም። ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 85 ሰራሕተኛታት ነይሮሞም።
ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታትን ካራሜለን ብሽኮትን ኣለም መሓረና ዘየስተማቐረ ቈልዓ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።
እቶም ናይ ሽዑ ቈልዑ ብዕድመ ደቂ ስሳን ሰብዓን ኰይኖም፡ በቲ ዘሕለፍዎ ንእስነት ከዕልሉ እንከለዉ ፍርያት ፋብሪካ ኣለም መሓረና ይዝከር'ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነን።
ኣብ ግዜ ደርግ ስርቅን ዕንወትን ኣርከበ። "ደቀይ ክስደዱ ጀመሩ፣ ኣብ መጠረስታኡ ድማ ባዕለይ ኣርኪበዮም ... ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ1983 ተሰዲደ፡ ንትሽዓተ ዓመት ነቢረ፡" ይብሉ ኣቦይ መሓረና።
እቲ ዛንታ ቀጺሉ'ዩ፣ ምስኦም ንኣስመራ ተመሊሱ። እቲ ዛሕዛሕ ዝበለ ንብረቶም ንምእካብ ዘይተኣደነ ጻዕሪ በሊዑ ክንሱ፡ በቲ ዝግባኦም ኣብ ዝደለይዎ ክበጽሑ ሽግራት ከም ዝነበረ ብድብድቡ ክንድምድሞ ንኽእል። ከምቲ ምስላ ዝብሎ፡ "ሰብ ንጻዕሪ'ዩ ተፈጢሩ" ሓቂ ምዃኑ ኣመስኪሮም።
ብሓጺሩ፡ ንመንፈስ ወዲሰብ ዘተባብዕን ዝቕስቅስን ኰይኑ ማሕንቘታት መንግስቲ ክሳብ ትንብርከኽ ከም ዝገብረካ'ዩ ዘርኢ። እንተ ንሶም ግን ንዅሉ ተጻዊሮም ተቓሊሶም፣ ኣብ ሚእቲ ዓመቶም ከኣ ተሰናበቱ።
ኣቶ ኣለም መሓረና፡ ኣብቲ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ዓዲ ቤት ትምህርቲ ስለዘይነበረ፡ ንኽመሃሩ ዕድል ኣይረኸቡን። ዘይምምሃሮም ድማ ኣብ ስራሖም ብዙሕ ጉድለት ከም ዘውረደሎም ይገልጹ።
እቶም ኣብ ዓዶምን ጐደቦኦምን ዝውለዱ ቘልዑ ኸኣ፡ ከምኦም ምእንቲ ከይኰኑ ኢሎም ንሰለስተ ዓዲ ከተማእክል እትኽእል ቤት ትምህርቲ ኣብ 1998 ኣስሪሐም።
ነታ ቤት-ትምህርቲ ብቐረባ ዝጥቀማላ ዘለዋ ዓድታት ዓዲ ባዕከል፡ ዓዲ ቐይሕን ደግራ መሬቶን እየን። "መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓደሕስኣ" ተባሂላ ድማ ተሰምያ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







