መማህርቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ፡ ምስጉን መምህር ሚኪኤል ጋብር መን እዩ?

ሚኪኤል ጋብር

ምንጪ ስእሊ, WD

ብኣበርክቶኡን ሞያኡን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ብዝርከቡ ተማሃሩኡ ዝዝከር ዘሎ ሚኪኤል፡ ንልዕሊ 30 ዓመት ስልጣን ሃገር ተረኪቡ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1961-1962 ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን፡ ኣብ ሓንቲ ሰደቓ ኮፍ እናበሉ ታሽዓይ ክፍሊ ተማሂሮም።

ድሕሪኡ እውን ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሓደ ቀጺሎም።

ከም ደቂ ቤት ትምህርትን መንእሰያትን ኣብ ስሳታት ሓቢሮም ኣንጻር መግዛእታዊ ጎበጣ፣ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ኣብ መወዳእትኡ ግን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ተፈላልዮም በብመገዶም ተጓዒዞም።

ንምዃኑ እዚ ኣብ ሓደ እዋን መማህርትን መዘናን እቶም ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ብዝለዓለ ሓላፍነት ድሕሪ ነጻነት ከኣ ብደረጃ ምኒስተርነት ዝሰርሑ ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስቲ ዝነበረ መምህር ምኪኤል ጋብር መን እዩ?

line

ቢቢሲ ትግርኛ ንመተዓብይቱን ብጾቱን፡ ከምኡ እውን ንገለ ካብ ዕውታት ተምሃሩኡ ብምዝርራብ ንድሕረ ባይትኡ፡ ንልደቱን ዕቤቱን፡ ንሞይኡን ኣበርክቶኡን ዳህሲሱዎ ኣሎ።

ምኪኤል ጋብር ኣብ ፈለማ ኣርብዓታት ኣብ ገማግም ፈለግ ዓንሳባ ካብ ከተማ ከረን ሸሞንተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሙሻ እተባህለት ዓዲ ካብ ድኻታት ሓረስቶት ተወሊዱ።

ከም ኩሎም መዘናታቱ ብሕርሻ ንዝነባበሩ ስድርኡ ኣብ ጕስነትን ካልእ ንጥፈታት ሕርሻን እናተሓጋገዘ ተመሪቑ ዓበየ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ከረን ምስ ዝነብር ዝነበረ ጥሉቕ ሓምድ ዝተባህለ ሓወብኡ ንክመሃር ንከረን መጽአ።

ኣብ ከረን ካብ መባእታ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ምስ ተማህረ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ዝነበረ ካልእ ሓው ኣብኡ ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ንዘሎ ትምህርቱ ንኺቕጽል ንኣስመራ ኣምጸኦ።

ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1961-62 ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ንክመሃር ምስ መዝንኡን ዓርኩን ወልደየሱስ ዓማር ንኣስመራ ገዓዘ።

ምኪኤልን ወልደየሱስን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ክሳብ ሚኪኤል ብ1992 ብሞት ዝፍለ አዕሩኽን ናይ ቃልሲ ብጾትን ነይሮም።

ክልቲኦምን ምስ መዘናታቶም መንእሰያት ስሳታት ካብ 1961 - 1965 ኣብ ኣስመራ፡ ቀጺሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንህዝቢ ብዘነቓቕሕ ጽሑፋትን ንጎበጣ ኢትዮጵያ ብዝብድህ ሰላማዊ ሰልፍታትን ናይ ተቓውሞ ውዳበታትን ንሃገራዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምብርባር ልዑል ኣስተዋጽኦ ገይሮም።

ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ከረን

ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ እዩ እዚ ዳሕራይ መምህር ዝኾነ ምኪኤልን ካብ ነጻነት ክሳብ ሕጂ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ዘሎ ኢሳይያስን ኣብ ሓንቲ ሰደቓ ኮፍ እናበሉ ታሽዓይ ክፍሊ ሓቢሮም ዝተማህሩ።

እንተኾነ ምኪኤል ምስ ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓሳባት ይሰሓሓብ ከም ዝነበረ ኣብቲ እዋን መራሕ ዋህዮ ናይ ክልቲኦም ዝነበረ ወልደየሱስ ዓማር ተዘክሮኡ የካፍል።

ኣብቲ እዋን ዳሕራይ ኣብ ታሪኽ ሰውራን ቃልስን ልዑል ስም ዝነበሮም ከም ኣቦ መንበር ሰውራዊ ባይቶ ነበር ነፍስሄር ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ብዓመጽ ምስ ዝተኣስረ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ሃይለ ወንደንሰኤ (ድሩዕ)፡ ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት (ዳሕራይ ህዝባዊ ግንባር) ንመሪሕነት ብምንቃፎም ምስ ብጾቱ ዝተቐንጸለ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ነፍሲ ሄር ወልደ ዳዊት ተመስገን ፡ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ዘሎ ኣረፈይን በርሀ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ዮሴፍ ገብረስላሰ (እንጦጦ)ን ካልኦት ብዙሓት መዛንኡን ብሓባር እዮም ተማሂሮም።

"ሚኪኤል ኩሉ ግዜ መምህር እዩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሳን ክነግር ፈጺሙ ኣይደክምን ነይሩ። ሓደ ግዜ እኳ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ነበር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን 'ኣብ 60ታት ኣብ ኤርትራ ውግእ ከምዝነበረ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና ኣብ 1966-7 ካብ መማህርተይ ምኪኤል ጋብር እየ ሰሚዐን ፈሊጠን' ክብል ጽሒፉ" ይብል ወልደየሱስ።

ምኪኤል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ንኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ኣቑርደት መምህር ኮነ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራን ስርዓት ደርግን ሓያል ወተሃደራዊ ግጥማት ይካየድ ብምንባሩ፡ "እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጕርሶው" ብዝብል ጭርሖ ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ብ09 ግንቦት 1975 ኣብ ኣቑርደት ኣስታት 200 ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ ቀተለ።

ብድሕርዚ ምኪኤል ምስ ህዝቢ ኣቑርደት ኮይኑ ነቶም ግዳያት ድሕሪ ምቕባር ደቁን በዓልቲ ቤቱን ሒዙ ናብ ትውልዲ ዓዱ ናብ ሙሻ ከደ።

ንሕብረተሰብ ናይ ምምሃር ክቱር ባህጊ ስለዝነበሮ ከኣ ምስ ተሓኤ ብምትሕብባር ንቖልዑን ዓበይትን ናይተን ኣብ ጎደቦታት ዓዱ ዝርከባ ህዝቢ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ምምሃር ቀጸለ።

እንተኾነ ሽዑ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ሓድሕዳዊ ምትንዃይ ስለዝነበረን ተጻብኦን ስለዝበዝሖን ኣብ 1976 ስድርኡ ሒዙ ንሱዳን ኣተወ።

ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ተሓኤ ነቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ዕድላት ንኽህሉ ንላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት አእሚኖም ኣብ ከሰላ ቤት ትምህርቲ ከም እትኽፈት ገበሩ።

ሚኪኤል ጋብርን ሓያሎ ህርኩታት መማህራንን ብጾቱን ከኣ ነታ ኣሻሓት ዕውታት ተማሃሮ ዘፍረየት ቤት ትምህርቲ ኣቚሞዋ።

ምኪኤል ከኣ ከም መምህርን ርእሰ መምህርን ኮይኑ ካብ 1976 ክሳብ ብ25 ግንቦት 1992 ፡ ብሞት ዝፍለ ነታ ቤት ትምህርቲ ኣመሓደራ።

ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንሒደት ዓመታት ክመሃር ዕድል ዝረኸበ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ዶክተረይት መዓርግ ዝለበሰ ዶክተር ሳላሕ ንምኪኤል ጋብር " ንአእምሮ ኣሽሓት ቀንዴል ዝወለዐ ብርሃን እዩ" ክብል ይገልጾ።

"ኣጋጣሚ ኮይኑ ምኪኤል ጋብር ኣይመሃረንን። ልዕለይ ዝፈልጡዎን ብዛዕብኡ አዕሚቖም ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ኣማኢት ዕውታት ተማሃሮኡ ኣለው። ብዛዕብኡ ክነግር ስለዝተሓተትኩ ግን ኣብ ልቢ ኣሻሓት ዝበርህ ዘሎ ቀንዴል እዩ" ብምባል ክገልጾ እደሊ ብምባል ርእይትኡ የካፍል።

ኣብተን ኣብ ከሰላ ዝተማህረን ዓመታት ከኣ ዩኤንኤችሲኣር ንተማሃሮን መማህራንን ብዝህቦ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ደገፍ ትምህርቱ ክከታተል ከምዝኸኣለ ይሕብር።

ዳሕራይ ግን ዩኤንኤችሲኣር ብ 1997 ነቲ ንመምህራንን ተመሃሮ ዝህቦ ዝነበረ መተባብዒ ገንዘብ ደው ስለዘበሎ እታ ቤት ትምህርቲ ብሓገዝ ሚስዮናውያን ካቶሊክ ብመጠኑ እናተሓገዘት ንጥፈታታ ትቕጽል ከምዘላ ወልደየሱስ ይሕብር።

ብምኽንያት እዚ ኣብ ምድላው ዝርከብ ናይ ዝኽሪ ሲምፖዝዩም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ መሳርሕቱን ተማሃሮኡን ምስ ዝተፋላለያ ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታን ኣብ ዝገብሩዎ ዘለው ናይ ዝኽሪ ቃለ መሕትት፡ ምኪኤል ብጻዕሩን ህርኩትንኡን ዝፍለጥ ዘይስልኪ፡ ርእይቶ መሳርሕቱን ተማሃሮን ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ፍቱው መምህር ምንባሩ ይጠቕሱ።

ኣብ ገማግም ፈለግ ዓንሳባ ካብ ከተማ ከረን ሸሞንተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሙሻ እተባህለት ዓዲ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ከተማ ከረን ሸሞንተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሙሻ

ኣብታ ቤት ትምህርቲ ከም መሓመድ ዑመር፡ ገብረመድህን ዓሰባ፡ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ገብርሂወት ጋይምን ካልኦትን ምኩራት ግዱሳት ሃገራውያን ሞያውያን ክኢላታት ከምዝነበሩ ከኣ ይዝክሩ።

መሓመድ ብርሃን ብላታ ብወገኑ እቶም መማህራን ናይታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንተማሃሮ ዘስንቑዎ ፍልጠት ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ከይተረፈ ብጽኑዕ ድስፕሊን ክዓብዩን ኣብ ህይወቶም ዕውታት ንክኾኑን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ ይምስክር።

"እቶም መማህራን፡ ተማሃሮኦም ኣብ ኩሉ ዓውድታት ጸብለል ክብሉሎም ስዘዝደልዩ ካብቲ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ብገዛእ ፈቓዶም ይሕግዙዎም ስለዝነበሩ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም" ይብል።

ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ምኪኤል ጋብር ዝተራእዮን ዝተሰመዖን ዓው ኢሉ ዝዛረብ፡ ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ጸገማት ሓሳቡ ብናጻ ዝዛረብ ተባዕ ምንባሩ ብምግላጽ ብሞት ምፍላዩ ዓቢ ክሳራ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብታሪኽ ቀዳማይ ዲግሪ ዝጨበጠ ምኪኤል ጋብር ንመምሃሪ እትኸውን "ሓጺር ታሪኽ ናይ ኤርትራ" እትብል ንእሽቶ መጽሓፍ ኣዳልዩ ይምህረላ ከም ዝነበረን ክሳብ ሕጂ እውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ይምህሩላ ከምዘለውን ወልደየሱስ ይሕብር።

ምስ ትምህርትን ምንቕቓሕን ብዝተኣሰሰር ውድባዊ ተልእኾ ብቐረባ ዝፈልጦ ኣብ 1964 ናብ ተሓኤ ዝተጸንበረ መሓመድ ብርሃን ብላታ "ሚኪኤል ንቖልዑን መንእሰያትን ፍልጠት ከስንቕን መጻኢኦም ከቕንዕን ከይደቀሰ ዝሓድር ጻዕራም ሃገራዊ መምህር እዩ ነይሩ" ክብል ይገልጾ።

ምኪኤል ጋብር ብሓደጋ ቅድሚ ምማቱ ኣብ ጽድያ 1989፡ ኣብ ከሳላ ኣብ ጥቓ ቤቱ "መንነቶም ዘይተፈልጡ" ሰረቕቲ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ብሓጺን ቀጥቂጦም ንብረቱ ዘሚቶም ሞይቱ ኢሎም ገዲፎምዎ ከምዝኸዱ ወልደየሱስ ይዝክር።

ሽዑ ምኪኤል ነቲ ዘጋጠሞ ፍጻሜ ተራ ናይ ስርቅን ቅጥፈትን ተረኽቦ እምበር ብፖለቲካዊ ውዲት ከምዘይጠርጠሮ ወልደየሱስ ይገልጽ።

እንተኾነ ዳሕራይ ኣብ ፈለማ 1990ታት፡ ንኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ባይቶ (ልጅና ኣልሰውሪያ) ንዓብዱልቃድር ጀላኒ ክቐትሉ ዝፈተኑ ኣብ ከሰላ ዝተታሕዙ ጥርጡራት፡ ፖሊስ ሱዳን ምስ መርመሩዎም ኣባላት ጸጥታ ህዝባዊ ግንባር ከምዝኾኑን ንምኪኤል ጋብር ዝሃረሙ እውን ንሳቶም ምንባሮም ከምዝተዛረቡ ይዝረብ።

ይኹን እምበር ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከምዘይተሳተፈ እዩ ዝሕብር።

ወልደየሱስ ዓማር፡ ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመት እውን እንተኾነ ብሕልፈት ናይ ቀረባ ዓርኩን መማህርቱን ኣዝዩ'ዩ ዝሓዝን።

"ምኪኤል ጋብር ብ25 ግንቦት 1992 ብብሽክለታ እናተጓዕዘ ሱዳናዊ ብዝመርሓ ኣውቶቡስ ብሓደጋ እኳ እንተሞተ፡ ሽዑን ቅድሚኡን፡ ከም በዓል ስዒድ ሳልሕ፡ ወልደ ዳዊት ተመስገን፡ ኢድሪስ ሃንጋላ ፡ ሃይለ ጋርዛ፡ ማሕሙድ ሓሰብን ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ ተሓኤ ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብቓጻ ተቐቲሎም'ዮም።

"ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሞት ሚኪኤል ጋብር እውን ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)ን ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ስለ ዝተወስዱ፡ እታ ንምኪኤል ገጭያ ዝቐተለት ኣውቶቡስ ናይ ብሓቂ ብሓደጋ ድያ ወይስ ብውዲት እያ ዝብል ነገር ጥርጣረ ሓዲጉ እዩ" ክብል ገና ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ከምዘሎ የረድእ።

ፈለጥትን መቕርብን ምኪኤል፡ ህይወቱን መነባብሮኡን ንከመሓይሽ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክወጽእ ቀጻሊ ጠለብን ምኽርን የቕርቡሉ ነይሮም።

ንሱ ግን፡ "ንደቀይ ካብ ከባቢ ሃገሮም ከርሕቖም ኣይደልን እየ" ብምባል ሓደ መዓልቲ ምስ ደቁን ስድርኡን ናብ ኤርትራ ክምለስን ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ሃገር ክነብርን እናሓለመ'ዩ ኣብ ጽባሕ ጽምብል ነጻነት ኤርትራ 25 ግንቦት 1992 ኣብ ከሳላ ዓሪፉ።

ድሕሪ ሞቱ ከኣ እቶም ንዓዲ ናብ ሃገሮም ሒዙዎም ክኣቱ ዝሕልን ዝነበረ በዓልቲ ቤቱ ግምጃን ክልተ ደቁን ናብ ኣውስትራልያ ኣርሒቖም ተሰዲዶም።

ብሊና ጃህራይ ሚድያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ዕውታት ተመሃሩኡን መሳርሕቱ ነበር መምህራንን ተቓለስትን ብምዕዳም ን21 ግንቦት 2022 ንዝኽሩን ኣበርክቶኡን ንምዝካር ዓቢ ሲምፖዝዩም ኣዳልዩ ምህላው ኣዳለውቲ እቲ መደብ ይሕብሩ።