ክልተ መንፈሳውያን ብጾት፡ ቅዱስ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስን ብጹእ ገብረ ሚካኤልን ሓበራዊ ቃልሶምን

እታ እንኮ ብ1875 ብኢድ ዝተሳእለት ስእሊ ብጹእ ገብረ ሚካኤል - ኣብ ማዕሪኦም ድማ ደ-ጃኮቢስ (ኣቡነ ያዕቆብ)
መግለጺ ስእሊ, እታ እንኮ ብ1875 ብኢድ ዝተሳእለት ስእሊ ብጹእ ገብረ ሚካኤል - ኣብ ማዕሪኦም ድማ ደ-ጃኮቢስ (ኣቡነ ያዕቆብ)

ሚስዮናዊ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስን ኣብ ሚስዮን ካቶሊክ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝጻወቱ፡ ብጹእ ገብረሚካኤል ድማ እምነት ካቶሊክ ምስ ተቐበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ስራሕ ዝሰርሑን ስለ እምነቶም በጃ ዝሓለፉ ፈላምን ዓቢ መምህር ምንባሮም ይዝንተወሎም።

ዛንታ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ’ዩ።

ብሰረተ-እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ብታሪኽ’ውን ከም ዝዋሰቡ ሰነዳት ስነ-ሃይማኖት ይሕብሩ።

ነቲ መውስቦ ንክንርድኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ ዛንታ ብጻይነት ቅዱስ ጁስቲኖ ደ-ጃኮብን ብጹእ ገብረ ሚካኤልን እንሆ።

***

ደ-ጃኮቢስ (1800-1860) ፈላሚ ሚስዮን ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ኰይኖም፡ ናይ እስክንድርያ ስርዓተ-ቅዳሰ ተዋህዶ ኣብ ሊጡርግያ (ስርዓተ-ኣምልኾ) ካቶሊክ ዘተኣታተዉ ሚስዮናዊ ነበሩ።

ብዙሓት ደቀ’ባት ኣመንቲ ከኣ ብኣቡነ ወይ ቅዱስ ያዕቆብ እዮም ዝፈልጥዎም።

ንምዃኑ፡ እስክንድርያ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ማእከላት ሃይማኖት፡ ጥንታዊ ታሪኽ ክርስትና ዘለዎ ኰይኑ ተዎሎግያዊ ውርሻታቱ ድማ ፍሉጥን ብዓሚቝ ዝተጸንዐን’ዩ።

ደ-ጃኮቢስ ብጎበዞም እንከለዉ (ኣጋ 1818 ምዃኑ’ዩ) ኣብ ማሕበር ላዛሪስት ተጸንበሩ።

ብ1839 ከኣ ንባጽዕ ተጓዕዙ።

ቅድሚኦም ጁዘፐ ሳፐቶ ዝተባህሉ ሚስዮናዊ ብ1837 ኣብ ከባቢ ዓድዋ ክሰርሑ ጀሚሮም ነበሩ።

ይዅን እምበር ስርሖም ብዘይ ፍቓድ ቤት-ጽሕፈት ጳጳስ ስለ ዝነበረ ንዐኦም ክትክኡ ደ-ጃኮቢስ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ተላእኩ።

ሚስዮን ላዛሪስት፡ ዓውዲ ደ-ጃኮቢስ ምዃኑ’ዩ፣ ብውፉያት ካህናትን ኣሕዋትን ዝቘመ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ሃይማኖታዊ ማሕበር’ዩ።

ብ1625 ከም ዝተመስረተ ኸኣ ሰነዳት ቤተ-ክርስትያን ይምስክሩ።

ደ-ጃኮቢስ ምስ ምክትሎም - ልዊጂ ሞንቱሪ - ኣብ ዓድዋ ምስ በጽሑ ንሳፐቶ ረኸቡዎም።

ኣብቲ እዋን፡ ደ-ጃኮቢስ ኣብ ትግራይ ክተርፉ፡ ሳፐቶ ንሸዋ ክኸዱ፡ ሞንቱሪ ድማ ንጎንደር ክሰግሩ ተመደቡ።

ነቲ ዘመን ብዝሓሸ ቅብኣ ክንርድኦ፡ ግብጻውያን ንቱርኪ ተኪኦም ግዝኣቶም ንኸስፋሕፍሑ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመጣጠሩሉ ዝነበርሉ እዋን ደጃዝማች ዉበ ንመቃናቕንቶም ስዒሮም ንትግራይ ክገዝኡ ዝጀመሩሉ ዘመን ነበረ።

ደ-ጃኮቢስ ምስ ደጃዝማች ዉበ ጽቡቕ ዝምድና መስረቱ፤ በቲ ዝመስረትዎ ዝምድና ኣቢሎም ድማ ኣብ ምድሪ ኣከለጉዛይን ዓጋመን ወንጌል ክዝርግሑ ጀመሩ። ብ1844 ድማ ንፈለማ ግዜ ዘርአ-ክህነት (ሰሚናርዮ) ክምስርቱ በቕዑ።

ኣብቶም ዝሰዓቡ ዓመታት ከኣ ምስ ብጻዮምን ወደ-መዝምሮምን - ኣባ ገብረሚካኤል - ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ጽሑፋት ሚስዮን ይትርጕሙ ነበሩ። ተራን ኣበርክቶን ኣባ ገብረሚካኤል እምበኣር ብኸምዚ ዝስዕብ ይግለጽ።

እቲ ሓላፍነት ሚስዮን-ካቶሊክ ኣዝዩ ግዙፍ ስለ ዝነበረ፡ ቤት ጽሕፈት ጳጳስ ብ1845 ንተራ ሚስዮን ኣብቲ ዞባ ኣብ ሰለስተ ከፋፈሎ።

እቲ ቀዳማይ ቍምስና ሱዳን፡ እቲ ካልኣይ ቍምስና ኦሮሞ - (ኣብ ሞንጎ ላዛሪስትን ካፑቺን ዝተኸፍለ)፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣብ ትሕቲ ላዛሪስት - ቍምስና ምድረ-ሓበሻ ብዝብል መጸዋዕታ ብደ-ጃኮቢስ ዝእለ ክፍሊ ተመደበ።

ብ1849 ከኣ ደ-ጃኮቢስ ከም ጓሳ ሃዋርያዊ ሚስዮን ምድረ-ሓበሻ ንክዀኑ ተቐብኡ።

ነቲ ኣቐዲሙ ዝተረቝሐ ከም ናይ ደጃዝማች ዉበ ዝኣመሰሉ ስም ኣሕጽር ኣቢልካ ምግላጹ ኣገዳሲ እዩ።

ደጃዝማች ዉበ ሃይለማርያም መን’ዮም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ1799 ተወሊዶም ብ1867 ዝሞቱ ደጃዝማች ዉቤ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘመነ-መሳፍንቲ ቀንዲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሹም እዮም።

ኣብ ዘበኖም ንትግራይን ከባቢኡን ዝገዝኡ ጨካን ኣመሓዳሪ ከምዝነበሩ ሓደ ሓደ ሰነዳት ይጠቕሱ፤ ተወላዲ ትግራይ ግን ኣይነበሩን።

ኣፋዊ-ታሪኽ ይስዕር ኰይኑ’ምበር፡ ደጃች ዉበ ነቶም ኣንጻሮም ንዝተላዕሉ ባእታታት ድሕሪ ምድምሳስ ኣብ ሰሜን - ኣብ ትግራይን ኤርትራን - ወተሃደራዊ መግዛእቲ ዘተኣታተዉ ክሳብ ሕጂ ብጭካነኦም ዝዝከሩ ሹመኛ’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ትግራይ፡ ድሕሪ ደጃች ሰባጋዲስ ወልዱ ምዃኑ’ዩ፡ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኣትያ ነበረት፤ ሽዑ ድማ'ዮም ዉበ ነቲ ኵነታት ተጠቒሞም ንመረብ-ምላሽ ገጾም ዘስፋሕፍሑ።

እቲ ዘበን እቲ ዘበነ መሳፍንቲ ኰይኑ፡ ማእከልነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጣሕሰሉ ዘመን ነበረ።

ብሓፈሻኡ ካብ 1769 ጀሚሩ ክሳብ 1855 - ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ ስልጣን ዝመጽሉ ዘመን’ዩ ዘጠቓልል።

ብኣበጋዝ ውግኣትን ብፍጹም ጽርድን ባእስን ከኣ’ዩ ዝልለ።

ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ሰፊሩ ከም ዝርከብ፡ ዘመነ-መሳፍንቲ ብድፍኢት ደግያት ሚኪኤል ስሑል (1691 – 1777) - በዓል ዓድዋ - ከም ዝጀመረ’ዩ ዝዝንቶ።

ኣብዚ ዛንታ’ዚ ዉበ ምስ ሚስዮን ካቶሊክ ዝነበሮም ምትእስሳር፡ ብባህሪኦም ክሳብ ክንደይ ሓያል ከም ዝነበሩ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሃገራት እንተ ብሚስዮናውያን ኰነ ካልኦት ጸዓዱ ኣቢሎም ርክባት ኣብ ምፍጣር ቀጻሊ ጻዕርታት እናኣካየዱ ንቱርክን ግብጽን ከኣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንከየስፋሕፍሑ ይቃለሱዎም ምንባሮም ይጥቀስ።

ጻዕሮም ከምቲ ዝድለ'ኳ እንተዘየፍረየ ብዛዕባኦም ንምጥቃስ፡ ብዘመኖም ኣብ ኢትዮጵያ ሊቀ-ጳጳስ ብዘይምንባሩ ደጃች ዉበ ንኣባ ሰላማ ዝበሃሉ ኣቡን ካብ እስክንድርያ ከምዝጠለቡ ይንገር።

ኣቡነ ሰላማ ናቶም ታሪኽ ዘለዎም፡ ብዘመነ-መሳፍንቲ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ካህን ኰይኖም ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት፡ መጽሓፍ ቅዱስ (ብሉይ ኪዳን) ከይተረፈ ካብ ዓረብኛ ናብ ግዕዝ ዝተርጐሙ ኣቡን ነበሩ።

ንሶም ምስ ደጃች ዉበ ጽኑዕ ርክብ መስሪቶም ኣብ ትግራይ ይነብሩ’ኳ እንተነበሩ፡ ዉበ ምስ ሚስዮን ላዛሪስት ብዝነበሮም ርክባት ግን ኣቡነ ሰላማ ኣይወሓጠሎምን ነበረ።

ዕላማ ደጃች ዉበ ግን ንሚስዮን ላዛሪስት ተጠቒሞም ምስ ፈረንሳ ርክብ ንክፈጥሩ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ብሚስዮን ላዛሪስት ዝተሃንጸ፡ ኣብ ኣኽሩር (ጥቓ ሰገነይቲ) ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ
መግለጺ ስእሊ, ብሚስዮን ላዛሪስት ዝተሃንጸ፡ ኣብ ኣኽሩር (ጥቓ ሰገነይቲ) ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ

ደጃች ዉበ ንሰሜን ኢትዮጵያን ኣብቲ ብኣከለጉዛይ ዝፍለጥ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ገዝእሉ ዝነበሩ እዋን (1831 - 1855) ደ-ጃኮቢስ ንማሕበረ-ሰብ ካቶሊክ ኣብ ሰገነይቲ መስረቱ።

ኰይኑ ድማ ምድረ ኣከለጉዛይ ማእከል ካቶሊካውያን ኣብ ከበሳ ክኸውን ከኣለ።

ይዅን’ምበር፡ ደጃች ካሳ ሃይሉ (መጻኢ ሃጸይ ቴዎድሮስ) ንራእሲ ዓሊ ኣሉላ ምስ ሰዓሩዎም (1854) ኮኾብ ደጃች ዉበ ወደቐት - ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን’ቲ መሻርኽቲ ራእሲ ዓሊ ስለ ዝነበሩ፣ ብኣንጻሩ ድማ ኮኾብ ደጃች ካሳ ንላዕሊ ደየበት።

ደጃች ዉበ ኢዶም ንሃጸይ ቴዎድሮስ ምሃብ ምስ ኣበዩ ኣብ ዉግእ ደረስጌ (ሰሜን ጎንደር) - መንበሪ ቦታኦም ምዃኑ’ዩ - ተሳዕሩ።

ሽዑ ሃጸይ ቴዎድሮስ ንጉሰ-ነገስታት ኣብ ትሕቲ ዝብል መዓርግ ናብ ስልጣን መጽኡ።

ሃጸይ ቴዎድሮስ ንደጃች ዉበ ኣይቀተልዎምን፤ እንታይ ድኣ ኣብ መቕደላ ከም እሱር ክነብሩ ፈቐዱሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ብ1867 ሞቱ።

እዚ ዅሉ ክኸውን እንከሎ ግን ህላወን ዕቤትን ሚስዮን ካቶሊክ ቀጸለ።

ብ1851፡ ብጐስጓስ ኣብ ሰሜን ዝተዋደደ ካቶሊካዊ ሃዋርያዊ ምምሕዳር ኣቢሉ፡ ኣብቲ ዞባ ማዕረ 4,000-5,000 ምእመናን፡ ከምኡ’ውን 15 ደቀባት ኣቕሽሽቲ ከም ዝነበሩ ኣብ ሰነዳት ተጠቒሱ ኣሎ።

ሰገነይቲ፡ ኣብ ወረዳ ጽንዓደግለ ኣብ መንጐ ደቀምሓረን ዓዲ ቀይሕን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኰይና ብ19ታት ክፍለዘመን ንቕድሚት ዝተወንጨፈትሉ እዋን ማእከል ካቶሊካዊ ሚስዮን ምስ ኰነት’ዩ ይበሃል።

ምኽንያቱ፡ ሚስዮን ፊደል ምቝጻር ጥራይ ዘይኰነስ ብቑዕ ትምህርቲ ኣተኣታትዮም፡ ንክንክን ጥዕና ህዝቢ ኣብያተ ሕክምናታት ሃኒጾም፡ ንማሕበረ ሰብ ዝሓቍፉ ኣብያተ ክርስትያናትን መምህራን ዘፍርዩ ኣብያተ ትምህርትን ክሃንጹ ከምዝኸኣሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።

ኣባ ገብረሚካኤል

መነኵሴ ገብረሚካኤል (ድሓር’ዮም ኣባ ዝተባህሉ) ኣብ ጐጃም ብ1791 ተወሊዶም ብ1855 ከኣ ኣብ ወሎ-ዝሞት ኣገልጋሊ ነበሩ።

ኣብ 25 ዕድመኦም ኣብ ምብራቕ ጐጃም ዝርከብ ገዳም መርጡለ- ማርያም ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ብብልሖምን ምስትውዓሎምን ዝናን ተፈላጥነትን ረኸቡ። ከም ሓደ ምሁር መጠን ድማ በቶም ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ገዳማት ንኽምህሩ ክጥለቡ ጀመሩ።

ብ1841 ዉበ ሊቀ-ጳጳስ ናብ ኢትዮጵያ ንከምጽኡ ይጽዕሩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ መነኵሴ ገብረሚካኤል ኣባል ናይቲ ዝተሓጽየ ጕጅለ-ልኡኽ ኰይኖም ንካይሮ ተላእኩ።

ምኡ’ውን ደ-ጃኮቢስ ብሸነኾም ነቲ ጕጅለ ከሰንዩ ንካይሮ ተላእኩ። እምበኣርከስ ደ-ጃኮቢስን ኣባ ገብረሚካኤልን ኣብኡ’ዮም ብጽቡቕ ዝተፋለጡ።

ቅድሚ ንኢትዮጵያ ምምላሶም (1842) ኣባ ገብረሚካኤል (ምስቶም ካልኦት ብጾቶም) መንገዶም ንሮማ ኣቕንዑ፤ ኣብ ሮማ ንጳጳስ ግረጎርይ XVI ኣቤቱታ ደጃች ዉበ ንኸብጽሑ።

እታ ናይ ሮማ (ቫቲካን) መገሻ ወሳኒ ተራ ተጻዊታ’ያ - ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ማእከል ሚስዮን ካቶሊክ ንኽትከል መንገዲ ከተጣጥሕ ክኢላ ማለት’ዩ። ብድሕሪ ጕዕዞ ሮማ እቲ ጕጅለ ልኡኽ ንእየሩሳሌም ክበጽሑ ዕድል ረኸቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ፡ ብ1844 ደ-ጃኮቢስ ንኣባ ገብረሚካኤል ንክኹትልኹ ብዕሊ ተቐበልዎም።

1844 ኣገዳሲት ዓመት ነበረት።

ደ-ጃኮቢስ ኣብ ምድረ ኣከለጉዛይ (ኣብ ኣኽሩርን ሓላይን) ኣብ ዓጋመ ከኣ (ኣብ ጓልዓን ዓሊተናን) ኮለጅን ሰሚናርዮን ተኸሉ። ኣብኡ ከኣ ምእመናን ካብ ኢሮብ፡ ተዛረብቲ ትግርኛ፡ በጐስ ክምሃሩ ጀመሩ።

ኣባ ገብረሚካኤል ትጉህ ኣገልጋሊ ስለ ዝነበሩ ኣብ ጓልዓ ከምኡ’ውን ዓሊቴና (ጥቓ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ኣብያተ ዘርኣ-ክህነት) ንክምህሩ ይዕደሙ ነበሩ። ብዕለት 1 ጥሪ 1851 ከኣ ኣብ 59 ዕድመኦም ኣብ ዓሊቴና ቅሽነት ተቐበሉ።

ኣብ መወዳእታ 1840’ታት ደ-ጃኮቢስን ኣባ ገብረሚካኤልን ግን ሽግር ኣጓነፎም። ኣባ ሰላማን ደግያት ካሳ ሃይሉን (ድሒሮም ሃጸይ ቴዎድሮስ) ቀንዲ ጸላእቶም ኰኑ።

ደ-ጃኮቢስ ኣቡንነት ምስ ለበሱ ብኣባ ሰላማን ደግያት ካሳ ሃይሉን ክወጹ ተኣዘዙ። ደ-ጃኮቢስ ንክወጹ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበሩ ኣብ ጎንደር ተኣስሩ።

ብ1854 ምስጓጓ (ሃድን) ካቶሊክ (ብኣባ ሰላማ) ምስ ተጀመረ ኣባ ገብረ ሚካኤል ኣብ ጎንደር ነበሩ። ንሶም ከኣ ተኣስሩ።

ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፡ ኣባ ገብረሚካኤል እምነቶም ንኽነጽጉ ን33 መዓልታት ኢዶምን እግሮምን ብሕማቕ ተኣሲሮም ከም ዝሳቐዩ ተገብረ፣ እምነቶም ግን ኣይከሓዱን። “ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣስሩ” ይብሉ ጸሓፊ ከቪን ኦ’ማሆኒ - ኣባል ኤጳርቅና ዓዲግራት ዝነበሩ።

ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ ንግስነት ምስ መጽኡ (1855) ንቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ንኸሕብሩ ንካቶሊካውያን ኣጸቢቘም ክምክቱ ጀመሩ።

ርጕጽ’ዩ፡ ኣብ ማእሰርቲ ከለዉ መንፈሰ-ህይወቶም ንክስበር ሓያልን ብጭካነ ዝተሰነየን ፈተነታት ኣብ ልዕሊኦም ተኻዪዱ’ዩ።

ካቴድራል ዓዲግራት
መግለጺ ስእሊ, ካቴድራል ዓዲግራት

ብዕድል ግን ደ-ጃኮቢስ ድሕሪ ማእሰርቲ ኣብ ሰለስተ ወርሖም ሃገር ክለቁ ተኣዘዙ። እቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ወተሃደራት ግን ካብ መተማ ንኽሞልቁ ተሓባበርዎም።

ካብኡ ንንዮው ከኣ ኣብ መንጎ ባጽዕን ሓላይን ተሓቢኦም ይነብሩ ነበሩ ይብል ዛንታ ኢንሳክሎፒድያ ኢትዮፒካ።

ብ1860 ደ-ጃኮቢስ ተታሕዙ፤ ምስ ደግያት ንጉሰ ወልደሚካኤል (ወራሲ ደግያት ዉበ) ኣሻሪኹም ብዝብል ክሲ ድማ ኣብ ተኾንዳዕ (ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ) ተኣስሩ። ኣብኡ ን22 መዓልታት ምስ ተኣስሩ ተፈትሑ፣ ኣይጸንሑን ግን ሞቱ፣ ኣብ ሔቦ ኸኣ ተቐብሩ።

ኣባ ገብረሚካኤል እውን ን13 ኣዋርሕን 14 መዓልታትን ምስ ተኣስሩ ህይወቶም ብስቅያት ሓለፈት።

ብዕለት 3 ጥቅምቲ 1926 ጳጳስ ፕዮ XI ብዕሊ ናይ ብጹእነት መዓርግ ኣልበሱዎም።

ደ-ጃኮቢስ ብቅድስናኦም፡ ትሕትናኦም፡ ወንጌላዊ ኣቛሞም - ከምኡ’ውን ኣብ ናይ 1858 ለብዒ ሕማም ሸሮኽ - ኮሌራ ዝገበርዎ ሓገዝ - እዮም ዝዝከሩ።

ብ1890 ጣልያን ንኤርትራ ምስ ተቛጻጸሩ እቲ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ክልተ ፖለቲካዊ ሕጋዊ-ስልጣን ወደቐ - ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራ። ስርዓተ ኢትዮጵያ ብዕሊ ብሮማ ተፈልጥነት ረኸበ።

ደ-ጃኮቢስ በቲ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ብ25 ሓምለ 1939 ብጹእነት፡ ብ1975 ከኣ ቅዱስነት ካብ ጳጳስ ክቕበሉ ከኣሉ።

ኣባ ተኽለሃይማኖት (በዓል ዓድዋ) ብዛዕባኦም “መጽሓፈ እህጕሎተ ሓሰት” ዘርእስታ መጽሓፍ ጽሒፎም’ዮም። ከምኡ’ውን ብድሕሪ ሞቶም ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ቀሪቦም’ዮም።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ዕብየት ካቶሊክ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ክኸይድ ኣብ ኤርትራ ግን ድሒሩ ከም ዝተጋህደ ብዙሕ ጸገማት ኣጓኒፉዎ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ህላወ ሕብረተሰብ ካቶሊክ ንምግላጽ - ተራ መግዛእቲ ጣልያን፡ ተራ ባህታ ሓጐስ፡ ተራ ላዛሪስት ጁዘፐ ሳፐቶ ኣብ ከባቢ ከረን፡ ተራ ማሕበር ካፑቺን (ብመሪሕነት ጉሌልሞ ማሳያ ኣብ ከባቢ ባጽዕ)፡ ተራ ጆቫኒ ስተላ ኣብ ምድሪ ቢለን፡ ድሒሩ ዝተኸስተ ተራ መንግስቲ ኤርትራ ብኣዎንታን ኣሉታን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶን ጽልዋን ኣለዎ።