ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ካብ 1941 ክሳዕ 1962 እትድህስስ ዓባይ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ

ኣለምሰገድ ተስፋይ ምስ ሓዳስ መጽሓፉ

ምንጪ ስእሊ, BBC / Embassy Media

ብውሩይ ተመራማርን ጸሓፍን ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈት 'An African people's Quest For Freedom And Justice' ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፍ፡ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ብወግዒ ተመሪቓ - ተዘርጊሓ።

እታ ነተን ኣቐዲመን ባዕሉ ደራሲ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣተኲረን ዝተጻሕፋ፡ 'ኣይንፈላለ' (2001)፡ 'ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ' (2006)፡ 'ኤርትራ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን' (2016) ዘርእስተን ሰለስተ መጻሕፍቲ ኣጠቓሊላ ዝተጻሕፈት፡ ልዕሊ 500 ገጻት ዘለዋ ዓባይ መጽሓፍ፡ ትሕዝቶኣ ድማ ነቲ ካብ 1940ታት ክሳዕ ፈለማ 1960ታት ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መድረኽ እታ ሃገር ብዕምቈት ዝዳህሰሰ እዩ።

እዚ ሸፈነ ዝተዋህቦ 20 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ነቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ብረታዊ ቃልሲ መሰረት ዝዀነ ኣገዳሲ መድረኽን ውዑይ ፖለቲካዊ ክትዓትን ሓሳባትን ጽሑፋትን ዝደንፍዓሉ፡ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባትን ጋዜጣታታን ዝተቐልቀላሉ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብቲ ናይ መመረቕታ ኣጋጣሚ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ነቲ ንኤርትራዊ ሃገራዊነት መሰረት ዝዀነ ርሑቕ ታሪኻዊ ምዕባለታት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት እቲ ከባቢ ዝነበረ ዝምድናታትን ግርጭታትን ኣተሓሒዙ ኣረዲኡ።

ኣለምሰገድ፡ ኣብ 1974 ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ሓዲጉ ናብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ኰይኑ፡ ናይ ሕጊ ተመሃራይ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ፡ ንሕጋዊ መዳያት ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክመራመር ኣብ ዝጀመረሉ ዝገጠሞ ሕጽረታትን ድሩትነትን መወከሲታት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቱ ዝያዳ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣተኵሩ ነቲ ሃጓፍ ክምልእ ድርኺት ከም ዝፈጠረሉ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ መጽሓፍቱ ብዕምቈትን ስፍሓትን ዝተመራመረሉ መድረኽ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሃገሩ ድማ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ዝነበረ ቍርቍስን ብምምልካት፡ "ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ግጭት ተራእዩ ከምዘ ይፈልጥ፡" ኣስሚርሉ።

ኣብ ምሕታም እዛ መጽሓፍ፡ ምስ ጽኑሕ "ጸለመታት" ንኤርትራ፡ ኣሕተምቲ ንምርካብ ከቢድ ብድሆ ገጢምዎ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብጻዕርን ምክትታልን ናይ ቅድም መሳርሕቱ ዝነበረ ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ክትሕተም ከም ዝበቕዐት ጠቒሱ - ኣመስጊኑ።

ኣብ ኲንስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዓወት፡ ነዛ መጽሓፍ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ፡ እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ኣገዳሲትን እዋናዊትን መጽሓፍ ምዃና ብምጥቃስ፡ ነተን ኣቐዲሙ ብትግርኛ ዝጸሓፈን መጻሕፍቲ ጠርኒፉ ምስቲ ዝጸንሐ ምሁራዊ ምርምራዊ ስርሓት ኣወሃሂዱ እዩ ሰሪሑዋ፡ ብምባል፡ "ኣዝዩ ሃብታም ጽዑቕን ትሕዝቶ እዩ ዘለዋ ኢሉ፤ ምስዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃዋሁ ድማ ኣብ ጽቡቕ ግዜኣ እያ ትመጽእ ዘላ፡" ኢሉ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ማሕበራዊ መጽናዕትታት ማከረረ፡ ኣብ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣተኲሩ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ሰላሓዲን ዓሊ እውን ነዛ መጽሓፍ ኣመልኪቱ፡ "ኣብቲ ዓብላሊ ቦታ ሒዙ ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ስእለ-ታሪኽ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ቃልስን ንናጽነት፡ ነበር ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተኸተሉዎ ፍሹል መስርሕ ምህናጽ መንግስትነት (state building) ዘስዓቦ ናይ ምንጻል ምንቅስቓስ ገይሩ እዩ ዝውሰድ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣለምሰገድ ኣብ መጽሓፉ - ኣብዚኣ ይዅን ኣብተን ብትግርኛ ዝተጻሕፋ ሰለስተ ኣገደስቲ መጻሕፍቲ - ነዚ ዝጸንሐ ኣርዳድኣ ብምንጻግ፡ መንቀሊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት መስርሕ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ጸረ-መግዛእታዊ ሃገራውነት ምዃኑ ብኣዝዩ ሃብታም መርትዖታት ብምስናይ ሞጒቱ ኣሎ። ልዑል ኣገዳስነት እዚ መጽሓፍ እምበኣር፡ "ኤርትራዊ ሃገራዊነት ከመይ ተቐልቂሉ?" ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ስለ ዝቕርብ ምዃኑ'ዩ ብምባል ኣረዲኡ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ መመረቕታ መጽሓፉ

ምንጪ ስእሊ, Embassy Media

ኣብዚ መጽሓፍ ገምጋሞም ካብ ዘስፈሩ ምሁራትን ጸሓፍትን ሓንቲ ዝዀነት ኢንግሊዛዊት ደራሲትን ጋዜጠኛን ሚሸላ ሮንግ ብወገና፡ "ምዝንታው ታሪኽ ቅድመ-ናጽነት ኤርትራ፡ ብዓቢዩ ካብ ኤርትራዊ ድምጽታት፡ ርድኢታትን ዓቕምን ንነዊሕ እዋን ተገፊፉ'ዩ ጸኒሑ። በዚ ገጻት'ዚ ኣቢሉ ድማ ኣለምሰገድ ተስፋይ ነቲ ክፍተት መሊኡ ነቲ ዘይምዕሩይነት ኣሪምዎ'ሎ፡" ኢላ።

ንሕትመታ ዝምልከት ንዝነበረ ብድሆታትን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣሕታሚ ንምርካብ ድሕሪ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣመልኪቱ ድማ ፕሮፌሰር ዓወት፡ ኣብ መወዳእታ "ሀርስት" ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ፍሉጥ ኣሕታሚ ትካል ብሽርክነት ምስ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ፕረስ ክትሕተም ከም ዝበቕዐት ኣረዲኡ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ትካል ኣሕተምቲ ሕድሪ ንዕዳጋ ውሽጢ ኤርትራ ዝኸውን ቅዳሓት ንኸሕትም ኮንትራት ከም ዝሃቡዎም ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነስርዓት፡ ደራሲን ተመራማርን ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ቀሊል ከም ዘይኰነ፡ ነቲ ንክውንነትን ፍሉጥ ታሪኽ ሕብረተሰብ ኤርትራ "ተዀሚሩ ዝደበየ ትረኻታት እናጋላህካ፡ ነቲ ሓቂ ምውጻእን ብኸምዚ ብቕኑዕ መልክዑ ምቕራብን ቀሊል ከም ዘይነበረ፡" ኣረዲኡ።

ፕሮፌሰር ዓወት፡ እዛ መጽሓፍ ነቲ ብፍላይ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ ሕጽረታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ክትምልእ፣ ከምኡ'ውን ንዝጸንሐ ትረኻታት እትብድህ "ብልጽቲ ህያብ ኣለምሰገድ ንኤርትራ እያ" ብምባል፡ ኣብ ክሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ተነባብነት ክትረክብ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ መን እዩ?

ኣለምሰገድ ተስፋይ

ምንጪ ስእሊ, Embassy Media

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣለምሰገድ ተስፋይ ብ1944 ኣብ ዓዲዃላ ዞባ ደቡብ ተወሊዱ። ብ1969 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሞያ ሕጊ ናይ ባችለርን ማስተርስን ማዕርግ ረኺቡ። ብ1974 ናይ ዶክቶረይት ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ከኣ ክሳዕ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ - ማለት ኣብ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ምንቕቓሕን ዜናን ኣገልጊሉ።

ኣለምሰገድ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ነታ "ስነጽሑፍ ኣመዓባብላኡን ተራኡን ኣብ ሰውራ" እትብል ንስነጽሑፍ ሳሕል ቅርጺ ከም ዘትሓዘት ዝንገረላ ኣገዳሲት መጽናዕታዊት መጽሓፍ ብምድላው እውን ብፍሉይ ይዝከር። ኣብ ርእሲኡ ንቀንዲ ቍነገር እታ መጽሓፍ ማእከል ዝገበረን ነቲ ንኽልሰሓሳባታ ዘንጸባርቕን፡ ከም 'እቲ ካልእ ኲናት'ን 'ልኡል'ን ዝብላ ድራማታት፡ 'ወዲ ሓደራ - ካብ ባድመ ናብ ሳሕል' እትብል ጽዋን ካልኦትን ስርሓት ኣበርኪቱ እዩ።

ብትግርኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለወት "ቅልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት" ከምኡ'ውን ንቘልዑ ዝዀኑ ከም "ጊታኖ" ዝኣመሰሉ መጻሕፍቲ ኣበርኪቱ።

ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ከኣ ነቲ ካብ 1941 ክሳብ 1962 ዝዝርጋሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ጥሙርን ተኸታታሊን መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ኣሕሊፉዎ።

በዚ መሰረት፡ 'ኣይንፈላለ' (1941-1950)፡ 'ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሜትየንሶ ክሳብ ተድላ' (1951-1955)፡ 'ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን' (1956-1962)፡ ንፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ብዕምቈት ዝዳህሰሳ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ቅጽታት ኣፍሪዩ።

እዚ ቅጽታት'ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ቋንቋ ትግርኛ ብኸምዚ ዕብየት ምሁራዊ ጽሑፍ ክቐርብ ካብ መራሖት ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታት፡ ተዋስኦታት፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ቴማታትን ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን ዘበርከተ ገዲም ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፡ ደራሲን ተርጓምን'ዩ።

ሓዳስ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ

ምንጪ ስእሊ, A.W

መግለጺ ስእሊ, ሓዳስ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ