መንግስቱ ይስሓቕ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንፋሺሽትነት ብምቅዋሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝተሳቐዩ ኤርትራዊ

መንግስቱ ይስሓቕ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንፋሺሽትነት ብምቅዋሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝተሳቐዩ ኤርትራዊ

ምንጪ ስእሊ, DM

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኢጣልያዊ ደራሲ ማርኮ ሌንቺ ዝጸሓፋ 'All'inferno e ritorno' ("ናብን ካብን ገሃነም") ዘርእስታ ታሪኻዊት ግን ልበ-ወለድ ዘይኰነት መጽሓፍ ኰይና፡ ንፍሉይን ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃልን መዳይ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ እትምርምር እያ።

እታ መጽሓፍ፡ ሰበ-ስልጣን መግዛእቲ ጣልያን፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማይ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ተቓወምትን ንመግዛእታዊ ምሕደራን ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ንምቕጻዕን ንምምብርካኽን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መስርሕ መስጐግቲ ዜጋታት ዘተኰረት እያ።

ንጣልያን ዝጻብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተኣሲሮም ናብ ዓዲ-ጣልያን ይጥረዙ ዝነበሩሉ መዳያት ብምድህሳስ፡ ነቲ ብድሕሪ'ዚ ተግባር'ዚ ዝነበረ መስርሓት ኣበየናይ ሕጊ ይምርኰስ ከም ዝነበረን ሳዕቤናቶምን እትፍትሽ መጽሓፍ'ያ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ሰፊኑ ዝነበረ መድቈስትን ፖሊሲ-ገዛእትን ኣበየናይ ሸነኹ ሰናጢቖም ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ደራሲ ኣብ መጽናዕቱ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ብኻልእ ሸነኹ ድማ ኣብ ዓዲ-ጣልያን ዝነበሩ ኢጣልያውያን ተቓወምቲ ብኣስገደድቲ ስጕምትታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ (ንኣብነት ከም በዓል ዓሰብ ዝኣመሰሉ ቦታታት) ዝተሰጋገሩሉ ጉዳያት'ውን ከም ዝነበረ ምጥቃስ የድሊ።

እታ መጽሓፍ፡ ታሪኻዊ ሰነዳትን ውልቃዊ ዛንታታትን ኣወሃሂዳ፡ ታሪኽ ናይ ሓደ ኣንጻር ስርዓት ሙሶሊኒ ብግልጺ ዝተዛረበ ኤርትራዊ ተምሃራይ (ኣብ ሮማ ዝነበረ ማለት'ዩ) ምስ ጸረ-ፋሽሽታ ኢጣልያ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ነቲ ትረኻ ብፖለቲካውን ሰብኣውን ሸነኻቱ ጸብጺባ ኣቕሪባ ኣላ።

ቅርጽን ዕላማን

ገበር መጽሓፍ

እዛ ንተመራመርቲ-ታሪኽን ተራ-ኣንበብትን ብተነባቢ ቋንቋ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተፈላለዩ ምዕራፋትን ኣገባባት-ምስጓግን ዝገልጹ ገጻት ተኸፊል ኣላ።

ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ ዕላማ ናይታ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ገለ-ገለ ሸነኻት መግዛእቲ ጣልያን እኹል ኣተኵሮ ዘይተነብረሎም ጕዳያት ንምብራህ'ዩ - እዚ ማለት እቶም ብ19ን 20ን ክፍለ-ዘመናት መቕጻዕታውን ምምሕዳራውን መስርሓት ከመይ ከም ዝነበሩ ኣነጺራ ኣላ።

ስለዚ እታ መጽሓፍ ምንባብ ብዛዕባ ባህርያት መግዛእቲ ጣልያን ንምግላጽ ጥራይ ዘይኰነትስ እቲ መግዛእቲ ክሳብ ክንደይ ዝተራቐቐ ምንባሩ ብዛንታ መንግስቱ ይስሓቕ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ኣቢላ 'ያ እትድህስስ።

መንግስቱ ይስሓቕ፡ ወዲ-ወዶም ንቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን - ሓደ ካብቶም ምስ ምስዮናውያን ሽወደን ሓቢሮም ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ንኽትከል ግዙፍ ተራ ዝተጻወቱ ወንጌላዊ ነበሩ።

ነዛ ዛንታ ባይታ ንምግባር ድማ፡ ሓጺር ታሪኽ ቀሺ ተወልደመድህን፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ኤርትራ ዓቢ ስም ዝገደፉ ወዶም መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህንን ምድህሳስ ሓጋዚ እዩ።

ቀሺ ተወልደመድህን ብ1860 ኣብ ጸዓዘጋ ተወሊዶም ብ1930 ኣብ ኣስመራ ዝዓረፉ ዓቢ ስም ዘለዎም ጓሳ ምእመናንን መምህርን ኣስተርጓምን ነበሩ።

ኣቦኦም - ቀሺ ገብረመድህን ተስፋይ - ኣብ ዓዶም ፍሉጥ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ቀሺ ነበሩ፣ ስድራቤቶም ከኣ ናይ ኣርባዕተ ወለዶ ቅሽነት ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ነበሩ።

ቀሺ ተወልደመድህን ብንእስነቶም ኣብ ገለብ (መደበር ምስዮናውያን ሽወደን) ምስ ተማህሩ ኣይጸንሑን፣ ምስ ብጻዮም መምህር/ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ኰይኖም ንሓዲስ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግረ ክትርጕሙ በቕዑ። ቀሺ ዳዊት እቶም ቀዳማይ ካብ መንሳዕ ብ862 ወንጌል ዝተቐበሉ ጓሳ ምእመናን ከኒሻ ነበሩ።

እቲ ስራሕ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ከይተወድአ እንከሎ ግን ቀሺ ተወልደመድህን ንሽወደን ስነ-ሃይማኖት ንኽምሃሩ ተላእኩ።

በቲ ዘመን'ቲ ኤርትራ ኣብ ድቕድቕ ጸላም ዝነበረትሉ እዋን ነበረ። ዓሰብ ኣብ ኢድ ጣልያን ኣትያ፡ ሱዳናውያን ማህዳውያን ነቲ ግብጺ ትቈጻጸሮ ዝነበረት ዞባ ዝደናደንሉ ዝነበረ ዘመን ነበረ።

ኣብ ዓመቱ ድማ ጣልያን ንባጽዕ ብምቍጽጻሮም ግብጻውያን ብ1885 ካብ ኤርትራ ተደፊኦም ዝወጽሉ ዓመት ኣርከበ።

ብተወሳኺ በቲ ዘመን'ቲ (1887) ራእሲ ኣሉላ ንጣልያን ኣብ ዶግዓሊ ከም ዘጥቅዕዎም ምዝካር የድሊ። እዚ ዅሉ ክኸውን ቀሺ ተወልደመድህ ኣብ ዓዲ ጣልያን ጕዳይ ትምህርቶም ይገብሩ ነበሩ።

ገበር መጽሓፍ

ቀሺ ተወልደመድህን ኣብ ቋንቋታት ዝነበሮም ፍልጠት ኣዝዩ ልዑል ነበረ። በቲ ዘመን'ቲ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ግዕዝ፡ ዓረብኛ፡ እብራይስጢ ጣልያንኛ ሽወደንኛ ክጥቀሙ ዝኽእሉ ሰፊሕ ዓቕሚ ዝነበሮም ሰብ ከም ዝነበሩ ሽወደናውያን ዝምስክርሉ ሓቂ'ዩ።

ንሶም እቶም ቀዳማይ ወደ'ባት ወንጌላዊ ብኣዶልፍ ኮልሞዲን ኣብ ኣስመራ ብ1909 ዝተቐብኡ፣ ቅሽነት ኣብ ዝለበስሉ ዘመን ምስ ቀሺ/መምህር ዳዊት ኣማኑኤልን ምስ ምስዮናዊ ካርል ቪንክዊስት ኰይኖም ንሓዲስ ኪዳን ናብ ትግርኛ ክትርጕሙ በቕዑ።

ሽዑ ሓዲስ ኪዳን ተሓቲማ ኣብ ህዝቢ ቀረበት። ብድሕሪኡ 'ውን ኣብ ስርሓት ምትርጓም ብሉይ ኪዳን ተራ ከም ዝነበሮም ይዝንቶ'ዩ።

ኣቦይ ቀሺ ንክልቲኦም ደቆም - ኤፍሬምን ይስሓቕን - ኣብ በይሩት ከምህሩ ዝበቕዑ ኣዝዮም ስልጡን ሰብ ነበሩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ታሪኽን ኣገልግሎትን ቀሺ ተወልደመድህን ነዊሕ ስለ ዝዀነ ንሕጂ ናብ ወዶም መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህን ክንሰግር።

ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860-1930)
መግለጺ ስእሊ, ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860-1930)

መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህን ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ስም ዝነበሮም ዓቢ መምህር ነበሩ። ብዘመን እንግሊዝ ድማ ምስ መጀር ኪንስተን ስነል ዝተባህለ እንግሊዛዊ መኰነን ኰይኖም ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸፈቱን ብኣማኢት ዝቝጸሩ መምህራን ዘሰልጠኑ ቀለም ዝጸገቡን ዘጽገቡን ክኢላ ነበሩ።

እዞም ኣብ ምድረ መንሳዕ፡ ኣስመራ፡ በለዛ እናዞሩ ንሓያሎ ዓመታት ዝመሃሩን ከም ሓላፊ ትምህርቲ ኤርትራ ኰይኖም ዘገልገሉ መምህር ብላታንጌታ ኤፍሬም ተወልደመድህን ዝበሃሉ ሓው ነበሩዎም፣ ሓዎም ድማ - ብዘመን ሃጸይ ሃይለስላሴ ከም ዲፕሎማት ኰይኖም ዘገልገሉ - እዮም።

ብሓጺሩ፡ መምህር ይስሓቕ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ብዝተጻወትዎ ተራ ዓቢ ስም ስለ ዘጥረዩ እንሆ ብኣድማዕነቶም እቲ ዝዓበየ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ኣስመራ ብስሞም'ዩ ዝጽዋዕ።

መምህር ይስሓቕ ብዙሓት ቈልዑ ነበርዎም። ሓደ ካብኦም እዞም ከም ኣርእስቲ እነልዕሎም ዘለና መንግስቱ ይስሓቕ ነበሩ። እቲ ናይ ማርኮ ሌቺ ድማ ብህወቶምን ብኣንጻር ፋሺሽታውያን ዘካየድዎ ፖለቲካዊ ጐስጓሶም ብምጥቃስ ግሩም ሓተታ ኣቕሪቡ'ሎ።

መንግስቱ ይስሓቕ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቱ ይስሓቕ ብ 11 መጋቢት 1911 'ዮም ተወሊዶም። ንሶም ብትምህርቲ ጣልያንን ትግርኛን ተማሂሮም ብጽልዋ ኣቦኦምን ኣባሓጐኦምን ተዀስኲሶም'ዮም ዓብዮም። ኣብ ዓዲ ጣልያን ምህንድስና ንኽመህሩ ዕድል ረኺቦም ድማ ንሮማ ተጓዕዙ።

ካልኣይ ኲናት ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ (መስከረም 1939) ጣልያን ንኤርትራውያን ዓሳክር ኣምሪሓ ንኢትዮጵያ ምስ ወረረትን ተቖጻጸረትን፡ መንግስቱ ይስሓቕ እቲ ጕዳይ ስለ ዘቘጥዕም ኣንጻር ፋሺሽታ በጨቕ በሎም።

ኣይጸንሑን፡ ንመንግስቲ ጣልያን ደፊርኩም ተባሂሎም ብ 17 ለካቲት 1936 ኣብ ቀይዲ ኣተዉ። ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰሩ ተፈርዱ።

ብመጀመርታ ኣብ ኡስቲካ ዝበሃል ቦታ ተኣስሩ። እታ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሓደ እሳተ-ጐሞራዊ ደሴት - ካብ ፓለርሞ 70 ኪ.ሜ. ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ፡ ብዓሚቝ ማያት ዝተኸበበት፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕን ሰብ ዘይሰፍሮን ዝተደኰነት ጽንዕቲ ቤት ማእሰርቲ ነበረት።

በኒቶ ሙሶሊኒ ንኡስቲካ ቤት-ማእሰርቲ ከም መዳጐኒ ተቓወምቲ ፋሺሽትነት ይጥቀመሉ ነበረ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ እቲ ፍሉጥ ስነፍልጠተኛ ኢጣልያዊ ኣንቶንዮ ግራምሺ ኣብኡ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ይዝንቶ።

እታ ቤት ማእሰርቲ ማዕረ 1,500 እሱራት ትሕዝ ነበረት።

መንግስቱ ይስሓቕ ካብ ኡስቲካ ናብ ሓደ ቨንቶተነ ዝበሃል፡ ዝጸንከረ ቤት-ማእሰርቲ ሰገሩ።

ቤት ማእሰርቲ ሳንቶ ስቴፋኖ / ቨንቶቴነ ብ 1797 ኣብ ዝባን ደሴት ዝተሃንጸ፡ ኣብ ሃው ዝበለ ርሑቕ ቦታ ዝሰፈረ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።

እሱራት ኣብ ንኣሽቱ ሸላታት ተነጺሎም ይነብሩ ነበሩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብተነጽሎ፡ ሕማቕ መግቢ፡ ከቢድ ስራሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ ተሪር መቕጻዕትን ጽኑዕ ሓለዋን ይነብሩ ነበሩ።

እቲ ዕላማ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ንእሱራት ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስ ዘይኰነስ ኣብ መለሳ ኣልቦነት ኣእቲኻ ሞራሎም ንምስባርን ተቓውሞኦምን ንኽርስዑ ንምግባር ዝሓለነ ዕጽዋ ነበረ።

መንግስቱ ብሕማም ተጠቕዑ፣ ብነድሪ-ጕርጉማን ፖልሞኒተን ይሳቐዩ ነበሩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንፋሺሽቲ ዝውድስ ሰላምታ ንምቕራብ እምቢ ስለ ዝበሉ ድማ ተወሳኺ ጸገማት ይፈጥረሎም ነበረ።

ምስቶም ኣብኡ ብፖለቲካ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ብምቅርራብ ድማ ካብ ምቅዋም ድሕር ኣይብሉን ዝነበሩ።

እቲ ዛንታ ንምንጻር፡ መንግስቱ ብኽንደይ ከርተት ንማእሰርቶም ተጻወርዎ፣ ዕድል ገይሮም ግን ሙሶሊኒ ብ 1943 ምስ ወደቐ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ፣ ኣይጸንሑን ከኣ፡ ንኣስመራ ተመልሱ።

ኣስመራ ምስ ተመልሱ ኣብ ስርሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቘጺሮም ይሰርሑ ነበሩ፣ ዳይሬክተር ፋብሪካ ሽጋራ - ሞኖፖልዮ ኰይኖም'ውን ሰሪሖም'ዮም።

ደርጊ ምስ መጸ ብዙሕ ኣይቀሰኑን፣ ዕድመ'ውን ቀስ ኢሉ ስለ ዘርከበ ቅሩብ ተኸላቢቶም'ዮም። ይዅን'ምበር ንናጽነት ኤርትራ ኣርኪቦምሉ'ዮም።

ምስ ገለ ካብቶም ኣብ ዓዲ ጣልያን መተኣስርቶም ዝነበሩ ሰባት - ከም በዓል ሳንድሮ ፐርቲኒ - እቲ ድሒሩ ፕረዚደንት ኢጣልያ ዝነበረ - ይጸሓሓፉ ከም ዝነበሩ ድማ ይዝንቶ።

መንግስቱ ይስሓቕ ዕድመ ጸጊቦም ኣብ 84 ዕድመኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።