ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደጋ ከየስዕብ ተሰጊኡ ዝጸንሐ ነዳዲ ግዒዙ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ገማግም የመን ነዳዲ ከዚና ንዓመታት ተጠንጢና ካብ ዝጸንሐት መርከብ ነቲ ነዳዲ ንምግዓዝ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሓት ብዓወት ከምእተፈጸመ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እታ 1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት መርከብ ‘ኤፍኤስኦ ሴፈር’፡ ኣብ የመን ኲናት ምስ ተወልዐ ካብ 2015 ጀሚራ ኣገልግሎት ከይሃበትን ጽገና ከይተገበረላን እያ ጸኒሓ።
እታ መርከብ ብሰንኪ ዕርጋንን ምምራትን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ከይትትኮስ ወይ ከይትስበርን እቲ ነዳዲ ኣብቲ ባሕሪ ከይክዖን ተፈሪሑ ኔሩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣከባብያዊ ሓደጋ ምእላይ ከምዝተከኣለ እኳ እንተኣፍለጠ፡ እቶም ኣብ የመን ዝዋግኡ ዘለው ወገናት ኣብ መሸጣ እቲ ነዳዲ ተሰማሚዖም እንተኾይኖም ኣይተገለጸን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሌና ባኤርቦክ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ “ተጻዊዱ ዝነበረ ተንሳፋፊ ቦምባ ከወግድ እንከሎ ኣብ ኣከባብን ጥዕናን ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ዓጊቱ ኣሎ” ኢላ።
ሕቡራት ሃገራት ሓዳስ መርከብ ንምዕዳግን ነቲ ነዳዲ ካብታ ዝመረተት መርከብ ንምግዓዝን 120 ሚልዮን ዶላር ከተኣኻኽብ ክኢሉ እዩ።
መስርሕ ምግዓዝ እቲ ነዳዲ ኣብ 18 መዓልታት እዩ ተፈጺሙ።
እቲ ከባቢ ናይ ባሕሪ ፈንጂ ዝርከበሉ ምዃኑ ይግለጽ።
‘ኤፍኤስኦ ሴፈር’ ኣብ 1976 ዝተሃንጸት ኮይና ካብቲ ኣብ 1989 ኣብ ሓደጋ ኤክሶን ቫልደዝ ዝፈሰሰ ዝበዝሕ ነዳዲ እያ ሒዛ ጸኒሓ።
እታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝርከብ መደበር ነዳዲ ራስ ዒሳ እያ መልሕቓ ተኺላ እትርከብ።
ኣብ የመን በቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሑቲን ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንትን ዝካየድ ኲናት ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገር ዓንዩ እዩ።
እቲ ዝቕጽል መስርሕ ነታ መርከብ ምውጋድ ኮይኑ ዝኸበደ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ዝገዓዘ ነዳዲ እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ግና ዝያዳ ዝኸበደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።
ካብ መሸጣ እቲ ነዳዲ ዝርከብ ገንዘብ ብኸመይ ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ይመቓቐል ኣብ ዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን።
ኣመሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣቺም ስተይነር፡ “እቲ ዛንታ ዝዛዘም እቲ ነዳዲ ተሸይጡ ካብቲ ዞባ ምስ ወጽአ” ምዃኑ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







