ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይፈስስ ተሰጊኡ ዝጸንሐ ነዳዲ እተግዕዝ መርከብ የመን በጺሓ

ካብ 1980ታት ጀሚራ ኣብ ገማግም የመን ተዓሺጋ ዘላ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ 'ሴፈር'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይተጻረየ ነዳዲ ጽዒና ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ ክተስዕቦ እዝኽእል ከቢድ ከባቢያዊ ዕንወት ንምክልኻል ዝዓደጋ ዓባይ መርከብ፡ ብሰኑይ ናብ ወደብ ሑደይዳ የመን ምብጽሓ ተገሊጹ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በራሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝኸዘነት መርከብ ‘ኤፍኤስኦ ሴፈር’ ንዓመታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከተንሳፍፍ ብምጽንሓ፡ ብሰንኪ ምብዅባዃ ሓደጋ ከይተስዕብ ሻቕሎት ፈጢራ እያ ጸኒሓ።

ሕጂ ግና እቲ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብዛ ስማ ካብ ‘ዘ ኖውቲካ’ ናብ ‘የመን’ ክቕየር ምዃኑ ዝተገለጸ መርከብ ክግዕዝ ትጽቢት ይግበር።

ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ዴቪድ ግረስሊ፡ ኣብ እዋን ምርኽኻብ እታ መርከብ፡ ምግዓዝ እቲ ነዳዲ “ብውሕዱ ክልተ ሰሙን” ክወስድ ምዃኑ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

“ወላ’ኳ ኤፍኤስኦ ሴፈር ትብዅቡኽ እንተላ፡ ሽፋን እታ መርከብ ኣዝዩ ውሑስ እዩ ዘሎ፤ ስለዚ እቲ ምስግጋር ነዳዲ ብተዛማዲ ትሑት ተኽእሎ ናይ ሓደጋ እዩ ዘለዎ” ኢሉ።

ሚኒስተር መጉዓዝያ ናይቲ ብሑቲ ዝምራሕ መንግስቲ የመን ዝዀነ ዓብደል ዋሃብ ኣል-ዱራ ብወገኑ፡ ንመርከብ ሴፈር ንምድሓን “ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕሪ ሎሚ ፍረ ረኺቡ ኣሎ” ድሕሪ ምባል “እዚ ናይቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ጸገም መኸተምታ ከምዝኸውን” ተስፋኡ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት፡ መርከብ ኤፍኤስኦ ሴፈር ኣብ ዝዀነ እዋን ክትስበር ወይ ክትፍንጀርን፡ ካብቲ ኣብ 1989 ኣብ ኣላስካ ዘጋጠመ ሓደጋ ኤክሶን ቫለደዝ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ነደዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክክዓውን ከም እዝኽአል ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2020 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ኣቶ ተስፋይ ገረብስላሰ፡ እታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፈለማ መጋቢት ናይዚ ዓመት ነቲ ኣብታ መርከብ ተኸዚኑ ዘሎ ነዳዲ ንኸተግዕዝ ናብቲ ከባቢ እተቕንዕ መርከብ ከም ዝዓደገ ኣፍሊጡ ኔሩ።

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ መርከብ፡ ‘ዩሮናቭ’ ካብ ዝተባህለ ዓቢ ኩባንያ ታንከራት ከም ዝተዓደገት፡ ኣብ ቻይና ስሩዕ ጽገና ትገብር ከም ዝጸንሐትን ኣብ ግንቦት ስርሓ ከም እትጅምር እዩ ገሊጹ።

መርከብ ኤፍኤስኦ ሴፈር ካብ 1988 ጀሚራ ኣብ ገምገም የመን ካብ ወደብ ሑደይዳ ንሰሜን 60 ኪሜ ርሒቓ ተዓሺጋ እኳ እንተጸንሐት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ 2015 ጀሚሩ ዝዀነ ጽገና ኣይተገበረላን።