ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓዲግ ዝተረፈት ናይ ነዳዲ መርከብ ኪኢላታት ክርእይዋ ጉጅለ ሑቲ ኣፍቂዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኪኢላት ሕቡራት ሃገራት ነታ ከቢድ ብከላ ከይተስዕብ ስግኣት ኣሕዲራ ዘላ ኣብ ገማግም እታ ሃገር መልህቓ ዝሰደደት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብውሑስ ኣገባብ ክኣልዩ፡ የመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ከምዘፍቀዱ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት፡ ስቴፋን ዱጃሪክ፡ እቶም ኪኢላታት ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ስርሖም ክጅምሩ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።
ኣብታ 'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር' ተባሂላ እትጽዋዕ ታንከር ዘሎ መጠን ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት ናይቲ ብሱዕዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ሓዲግ ተሪፋ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ እቶም ዕጡቓት ኪኢላታት ኣትዮም ክርእይዋ'ኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ብግብሪ ግን መኺኑ'ዩ ተሪፉ።
እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ግን ብሰነድ ዝተሰነየ ወግዓዊ ብምዃኑ፡ "ነቲ ዝድለ ስራሕ ንምስላጥ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ኣፈኛ ዱጃረክ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ነዳዲ ናብ ባሕሪ እንተፈሲሱ፡ ነቲ ዘይተበከለ ተባሂሉ ዝግለጽ ቀይሕ ባሕሪን ዕቑር ጸጋታቱን ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቅቑ።
እታ መርከብ ቀልጢፋ ቆላሕታ እንተዘይረኺባ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ኣብ መወዳእታ መስከረም ኤርትራ ጸዊዓ ነይራ።
እታ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ፡ እቲ ነዳዲ ብውሑስ ኣገባብ ከራገፍ ክኽእል ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ሓድሕድ የመን ጸቕጢ ክግበር'ያ ክትጽውዕ ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, UN
እቲ ኣብታ መርከብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ክልሑኽ ከም ዝኽእል ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ ኣብ ኣኼባ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ሕቡራት ሃገራት'ዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ዝምልከቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት የመን ንክተሓባበሩ ንምትብባዕ ናይ ሓባር መርገጺ ከም ዘድሊ ኤርትራ ትጽውዕ" ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ'ውን ሓቲቱ።
እታ ናይ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋ መርከብ ካብ ወደብ ሑደይዳ ንሰሜን 60 ኪሜ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማያት'ያ መልህቓ ሰዲዳ ዘላ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ንምእላይ ክዘራረብ'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ሓይልታት የመን ክሰልጥ ብምዘይምኽኣሉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ዩ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







