ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓዲግ ዝተረፈት ናይ ነዳዲ መርከብ ኪኢላታት ክርእይዋ ጉጅለ ሑቲ ኣፍቂዱ

'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር' ተባሂላ እትጽዋዕ ታንከር ካብ ላዕሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሒዛቶ ዘላ መጠን ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ይግመት

ኪኢላት ሕቡራት ሃገራት ነታ ከቢድ ብከላ ከይተስዕብ ስግኣት ኣሕዲራ ዘላ ኣብ ገማግም እታ ሃገር መልህቓ ዝሰደደት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብውሑስ ኣገባብ ክኣልዩ፡ የመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ከምዘፍቀዱ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት፡ ስቴፋን ዱጃሪክ፡ እቶም ኪኢላታት ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ስርሖም ክጅምሩ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ኣብታ 'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር' ተባሂላ እትጽዋዕ ታንከር ዘሎ መጠን ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት ናይቲ ብሱዕዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ሓዲግ ተሪፋ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ እቶም ዕጡቓት ኪኢላታት ኣትዮም ክርእይዋ'ኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ብግብሪ ግን መኺኑ'ዩ ተሪፉ።

እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ግን ብሰነድ ዝተሰነየ ወግዓዊ ብምዃኑ፡ "ነቲ ዝድለ ስራሕ ንምስላጥ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ኣፈኛ ዱጃረክ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ነዳዲ ናብ ባሕሪ እንተፈሲሱ፡ ነቲ ዘይተበከለ ተባሂሉ ዝግለጽ ቀይሕ ባሕሪን ዕቑር ጸጋታቱን ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቅቑ።

እታ መርከብ ቀልጢፋ ቆላሕታ እንተዘይረኺባ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ኣብ መወዳእታ መስከረም ኤርትራ ጸዊዓ ነይራ።

እታ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ፡ እቲ ነዳዲ ብውሑስ ኣገባብ ከራገፍ ክኽእል ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ሓድሕድ የመን ጸቕጢ ክግበር'ያ ክትጽውዕ ጸኒሓ።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ

እቲ ኣብታ መርከብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ክልሑኽ ከም ዝኽእል ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ ኣብ ኣኼባ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ሕቡራት ሃገራት'ዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

"ዝምልከቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት የመን ንክተሓባበሩ ንምትብባዕ ናይ ሓባር መርገጺ ከም ዘድሊ ኤርትራ ትጽውዕ" ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ'ውን ሓቲቱ።

እታ ናይ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋ መርከብ ካብ ወደብ ሑደይዳ ንሰሜን 60 ኪሜ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማያት'ያ መልህቓ ሰዲዳ ዘላ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ንምእላይ ክዘራረብ'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ሓይልታት የመን ክሰልጥ ብምዘይምኽኣሉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ዩ ጸኒሑ።