ቀይሕ ባሕሪ፡ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ነዳዲ 'ከባብያዊ ሓደጋ' ከይተስዕብ ተሰጊኡ

ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ባሕረኛታት መርከብ ንግዲ ግሪኽ

ምንጪ ስእሊ, EUNAVFOr

ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብቀይሕ ባሕሪ ትሓልፍ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ጉድኣት ወሪዱ።

ኣባላት ናይታ ብግሪኽ እትውነን መርከብ፡ ብደገፍ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊራ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ መርከቦም ከምዝገዓዙ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ምዕራብ ካብ የመናዊት ወደብ ሑደይዳ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ እታ 'ኤም-ቪ ሶንዮን' ዝተባህለት መርከብ ካብ ንኣሽቱ ጀላቡ ብዝተተኮሰ ጥይት ድሕሪ ምህራማ፡ ብሚሳይላት ከምዝተጠቕዐት ሓደ ንመጓዓዝያ ባሕሪ ዝከታተል ብሪጣንያዊ ትካል ሓቢሩ።

ብሰለስተ ተወንጨፍቲ ድሕሪ ምህራማ፡ ባርዕ ከምዝተወልዐን ሞተረኣ ከምዝጠፍአን እቲ ትካል ጠቒሱ።

ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ጃልባ ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ’ሎ።

"ኤም-ቪ ሶንዮን ሕጂ ናይ መጓዓዝያን ኣከባብን ሓደጋ ኰይና ኣላ" ክብል እቲ ልፍንቲ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ'ሎ።

"ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ወገናት ጥንቃቐ ክገብሩን ዝዀነ ነዚ ዘሎ ኵነታት ዘጋድድ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክሕየቡን ኣገዳሲ'ዩ"።

ኣካያዲ ናይታ መርከብ ዝዀነ 'ደልታ ታንከርስ' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ባርዕ ኣባላታ ከይገዓዙ እንከለዉ ከምዝጠፍአ ብምግላጽ፡ ነታ መርከብ ናብ ክትምርመረሉን ክትዕረየሉን ናብ እትኽእል ውሑስ ቦታ ናይ ምግዓዝ ውጥን የዳሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሞተረኣ ድሕሪ ምጥፍኡ ብዘይ መቈጻጸሪ ከተንሳፍፍ'ኳ እንተጸንሐት፡ መልሕቕ ክትድርቢ ክኢላ ኣላ።

ዝዀነ ጕጅለ'ኳ ዛጊት ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት እንተዘይወሰደ፡ሚኒስተር ጉዳያት ባሕሪ ግሪኽ ግን እቲ ስጕምቲ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ ክብል ነቒፉ'ሎ።

እንተዀነ፡ ብኢራን-ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ እተን ብቐይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ እቲ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ግብረመልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናትን ኰይኑ ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ነተን ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ንካልኦት መራኽብ'ውን ከምዝሃረሙ ይፍለጥ።

እዛ ግሪኻዊት መርከብ 274 ቁመት፡ ከምኡ'ውን 50 ሜትሮ ጐድኒ ዘለዋ ኰይና፡ ካብ ዒራቓዊት ወደብ ባስራ ዘይተጻረየ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት'ያ።

ብወሽመጥ ዓደን ትሓልፍ ዝነበረት ካልእ ናይ ጽዕነት መርከብ ብወገና፡ ኣብ ከባቢኣ ሰለስተ ነትጒ ከምዘጋጠመን እቲ ብሪጣንያዊ ትካል ሓበሬታ መጓዓዝያ ባሕሪ (UKMTO s) ሓቢሩ።

ብወተሃደራዊት መርከብ ዝተሃረመት ሰብ-ኣልቦ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሃርመት ሰብ-ኣልቦ ጃልባ

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ይቕጽሎ ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ንማእከላይ ምብራቕ ዝከታተል ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ ሰብኣልቦ ነፈርቲን ጃላቡን ሑቲ ከምዘዕነወ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተዀነ እቲ ብሓያለ ሃገራት ምዕራብን መሻርኽተንን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ወፍርን ግብረመልስታትን ንመጥቃዕትታት ሑቲ ደው ከብሎን ውሕስነት ከረጋግጽን ኣይክኣለን ዘሎ።

እስራኤል'ውን ብወገና፡ ንወደብ ሑደይዳ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ምንባራ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ሓንቲ ባንዴራ ላይበርያ እተንበልብል ግሪኻዊት መርከብ ጽዕነት ብዝወረዳ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሑቲ ክትጥሕል እንከላ፡ ሓደ ካብ ኣባላት ከምዝተቐትለ ይዝከር።