ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕትታቶም ይቕጽሉ

ምንጪ ስእሊ, US Central Command
ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ይቕጽሎ'ሎ።
ንማእከላይ ምብራቕ ዝከታተል ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ሑቲ ከምዘዕነወ ሓቢሩ'ሎ።
ሓይልታት እቲ እዚ "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሓንቲ ሰብኣልቦ ነፋሪት ናይቶም ብኢራን-ዝድገፉ ሑቲ ኣብቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ኣዕንዮም" ይብል እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ።
ብቐዳም'ውን ሓንቲ 'ሰብኣልቦ ጃልባ' (USV) ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘዕነወ ሓቢሩ ነይሩ።
"እታ ጃልባ ሓይልታት ልፍንትን ኣመሪካን፡ ከምኡ'ውን ንመራኽብ ንግዲ ግሉጽ ሓደጋ ብምዃና" ስለዝተወሰነ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ማእከላይ እዚ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ሓደ መቆጻጸርን መኣዘዚን መደበር ሑቲ ዝበሎ ነቚጣ ከምዘዕነወ ሰራዊት ኣመሪካ ብመንገዲ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብርክት ዝበለ ተመሳሳሊ ዒላማታት ሑቲ ከምዘጥቅዐ'ውን ይግለጽ።
ድሕሪ ኲናት ቓዛ ምውልዑ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕትታት ብምፍጻሞም፡ ነቲ መስመር ንምውሓስ ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርትን ጃላቡን ሑቲ ኣብ ልዕሊ ሓያለ መራኽብ ንግዲ ጉድኣት ከምዘውረዱ ይዝከር። ገለ ካብተን መራኽብ'ውን ጥሒለን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንምውሓስ ሓንቲ 'ዲስትሮየር' ናብቲ ዞባ ኣዋፊሩ'ሎ።
እታ ወተሃደራዊት መርከብ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ጥሙር ሓይሊ ሕብረት ኣውሮጳ ኮይና ንጥፈታታ ከምእተሳልጥ፡ እተ EUNAVFOR ASPIDES ተባሂሉ ዝፍለጥ ልፍንቲ ሓይሊ ባሕሪ ሓቢሩ።
"ናጽነት መስመር ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንምውሓስ ኣብ ዘለና ተልእኾ እጃማ ንምብርካት ዝመጸት ሓዳስ ኣባል EUNAVFOR ASPIDES ክንቅበላ ደስ ይብለና" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ኣውሮጳዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ብዓርሞሸሸ መርከብ ዩ-ኤስ-ኤስ ኣይዘንኣወር ዝምራሕ ጭፍራ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ንመራኽብ ንግዲ ሓለዋ ንምሃብን ውሕስነት ንምርግጋጽን ናብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ኢልመንደብን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊረን ጸኒሐን።
ኣይዘን ኣዋር ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ጻኒሒት ዛዚማ ናብ ኣመሪካ ኣምሪሓ ከምዘላ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ሓቢሩ። ንዓኣ ንምትካእ ዩ-ኤስ-ኤስ ቴዶር ሩዝቨልት ናብቲ ዞባ ኣምሪሓ'ላ።
ኢጣልያ'ውን ኣብቲ ወፍሪ ግዴኣ ንምጽዋት በታ ነፈርቲ ኲናት እትጽዕን ITS Cavour ዝተባህለት መርከባ ዝምራሕ ጭፍራ ኣብቲ ዞባ ሰዲዳ ጸኒሓ'ያ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ መስመር ብዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ'ዩ። ብዙሓት በቲ ኩነታት ዝሰግኣ መራኽብ ንግዲ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ፡ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ኣቢለን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን ክጓዓዛ ተገዲደን ኣለዋ።
ዓመታዊ ልዕሊ 20, 000 መራኽብ ብመጻብቦ ባብ ኢልመንዳብ ከምዝሓልፋ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ማለት ኣስታት 30 ሚእታዊት ጸዓንቲ ኮንተይነር ዝኾና መራኽብ ዓለም፡ ከምኡ'ውን 21 ሚእታዊት መራኽብ ጸዓት በቲ መስመር ይሓልፋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







