ሑቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ሓደ ባሕረኛ ብኸቢድ ቈሲሉ

ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽን ንፍሊስጤም ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይን ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ብዝተኰስዎ ክልተ ክሩዝ ሚሳኤል ኣብ ልዕሊ ሓደ መርከበኛ ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘብጽሑ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።

እቲ ዝተሃረመ ባሕረኛ ዝሓሸ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ብሄሊኮፕተር ናብ ካልእ መርከብ ከም ዝተወሰደ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቶም ኣብታ ኤምዚ ቨበርና ዝተባህለት ባንደራ ፖላኡ ዝነበራ ብዩክረይን እትውነን ዝነበሩ ባሕረኛታት ነቲ በቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጠረ ባርዕ ንምጥፋእ ከም ዝተራበረቡ ገሊጹ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክልተ ብረት ዝጽዓና ጀላቡ፡ሓንቲ ፈጣን ጃልባን ሓንቲ ድሮንን ከም ዘዕነዉ ሓቢሮም።

“እዘን ጀላቡ ንኣሜሪካ፤ ንልፍንታውያን ሓይልታትን ነተን በዚ ዞባ ዝሓልፋ መራኽብን ስግኣት ክፈጥራ ዝጸንሓ’የን” ክብል ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

ሑቲ ብወገኖም ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ መርከብ ኤምቪ ቨርበና ትርከበን ሰለስተ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም ነይሮም።

“ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ እዕሊ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን ብኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ምትዅታኹን ዝወሰድናዮ መጥቃዕቲ’ዩ” ኢሎም።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብግሪኽ እትውነን መርከብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ከቢድ ሓደጋ ኣስዒቦም’ዮም።

እቶም ንገዛእ ርእሶም ጸረ እስራኤል፡ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ከም ዝዀኑ ዝገልጹ ሑቲ ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ “ኪዳን ተቓውሞ” ከም ዝዀኑ’ዮም ዝገልጹ።

ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ እተን ምስ እስራኤል ርክብ ኣለወን ዝብልወን መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ወሽጥ ዓደንን ዝተፈላለየ መጥቓዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣመሪካን ብሪጣንያ’ውን ከም ግብረ መልሲ ኣብ ውሽጢ የመን ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ሑቲ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ክፍንዋ ጸኒሐን።

ማእከላእ እዚ ኣሜሪካ “ሑቲ ኣብ ክንዲ ፍሊስጤማውያን ኰይንና ኢና ነዚ መጥቃዕትታት ንፍጽሞ ዘለና’ዮም ዝብሉ፤ እንተዀነ ንህይወት ናይቶም ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሎም ዜጋታት’ዮም ዝግኣት ዝዀኑ ዘለዉ” ኢሉ።

መስመር ቀይሕ ባሕሪ 12 ካብ ቑጠባ ዓለም ካብን ናብን ዝመሓላለፈሉ መስመር ኰይኑ፡ ብዙሓት መራኽብ ብስንኪ ስግኣት መጥቃዕትታት ሑቲ በቲ መስመር ምሕላፍ ኣቋሪጸንኦ ይርከባ።

ዕጡቓት ሑቲ ብረቡዕ’ውን ኣብ ልዕሊ ብባንዴራ ላይቤሪያ ትንቀሳቐስ ቱቶር ትብሃል መርከብ ንግዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብናይ ባሕሪ ድሮን መጥቓዕቲ ፈጺሞም ነይሮም።

እንተዀነ ዝዀነ ሞት ኣየጋጠመን።