ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሚሳይላት ዝተሃርመት መርከብ ትጥሕል ኣላ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓንቲ ብሚሳይላት ዝተሃረመት ንግዳዊት መርከብ ኣብ ምጥሓል ከምእትርከብ ጸብጻባት ሓቢሮም።
‘ኣምበረይ’ ዝተባህለ ትካል ጸጥታ ባሕሪ ከምዝበሎ እታ ድሮ ማይ ብምእታው ክትቀንን ጀሚራ ዘላ መርከብ፡ ብቀይሕ ባሕሪ እናሓለፈት እንከላ’ያ ብሚሳይላት ተሃሪማ።
እታ ካብ ገማግም ባሕሪ የመን ኣስታት 54 ኖቲካል ማይላት ርሒቓ ዝነበረት መንነታ ዘይተገልጸት መርከብ ብሰለስተ ተወንጨፍቲ ሮኬታት ከምዝተሃርመት እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እቶም በቲ መስመር ንዝሓልፋ መራኽብ ከጥቅዑ ዝጸንሑ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ብዛዕባ’ታ መርከብ ዝሃብዎ መግለጺ ዛጊት የለን።
ስለያዊ ሓበሬታ ንትካላት ንግዲ ባሕሪ ኣብ ምሃብ ዝነጥፍ 'ማሪታይም ትሬድ ኦፐረሽንስ' ካልእ ብሪጣንያዊ ትካል ብወገኑ፡ 31 ኖውቲካል ማይል ካብ ገማግም የመን ተመሳሳሊ ፍጻመ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
እቲ ጉዳይ ምስታ ብዝወረዳ ጉድኣት ኣብ ምጥሓል እትርከብ መርከብ ዝተሓሓዝ ድዩ ኣይኮነን ንብል ግን ኣየነጸረን።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብሪጣንያ ነቲ ንግዳዊ ማያት ንምሕላው ሓዳስ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ሰዲዳ'ላ።
እታ 200 ኣባላት ዘለውዋ ኤች-ኤም-ኤስ ዳንከን ነታ ኣብቲ ዞባ ተዋፊራ ዝጸንሐት ኤች-ኤም-ኤስ ዳያመንድ ንምትካእ'ያ ተላኢኻ ዘላ።
ብክልቲኡ ጫፋት መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ዝተዋፈረ ብኣመሪካ ዝምራሕ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ንደብዳብ ሚሳይላት ሑቲ ንምግታእ ጸረ-መጥቃዕቲ ክወስድ ምጽንሑ ይዝከር።
መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሃዲኡ'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ እቲ መስመር ዛጊት ውሑስ ከምዘይኮነ ዝእምት'ዩ።
ሓያለ መራኽብ ንግዲ ብመጥቃዕቲ ተሃሪመን ገለ ክጥሕላ እንከለዋ ገለ ድማ ጉድኣት ከምዝወረደን ይፍለጥ። ብዙሓት መራኽብ ድማ ካብቲ ስግኣት ንምእላይ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ፡ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ተዃሊለን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን ነዊሕ ጕዕዞ ክኸዳ ተገዲደን'የን።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ ንወተሃደራዊ ምትእትታዋት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ ነይሩ።
"ነዚ ውጥረት’ዚ ምስምስ ጌርካ፤ 'ኣህጉራዊ መገዲ-ማያት ክንሕሉ ኢና' ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምትእትታዋትን ኣራግጽን" ሓደገኛ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







