ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ልዕሊ መርከብ ንግዲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EEE/REX/SHUTTERSTOCK
ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ንግዲ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ይግዕዙ ከምዘለዉ፡ ትካል ድሕነት ባሕሪ ኣምብረይ ገሊጹ፡፡
ካብ ዓደን ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ 100 ኪሜ ነትጒ ምስተሰምዐ እዩ እዞም ጸብጻባት ወጺኦም ዘለዉ፡፡
ትካል ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ብግዲኡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበረት መርከብ ከቢድ ነትጕ ከምዝተሰምዐን ትኪ ከምዝተርኣየን ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሑቲ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን፡፡
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንፍልስጤማውያን ዘለዎ ደገፍ ንምርኣይ ነቶም መጥቃዕቲታት ይፍጽም ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
ትካል ድሕነት ባሕሪ ኣምብረይን ትካል ንግዲ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንሓንቲ መርከብ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማን ጉድኣት ከምዝበጽሓን ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡
ኣምብረይ፡ ነታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይካየድ ምንባሩ ብምግላጽ ገሊኦም ኣባላት ናይታ መርከብ ድሮ ብጀላቡ ምድሓን ህይወት ከምዝተወሰዱን መርከብ ውግእ ህንዲ ኣብቲ ከባቢ ከምዘላን ገሊጹ፡፡
ባንዴራ ሃገረ በሊዝ ሰቒላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ካብ ሑቲ ብዝተተኮሱ ሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዓ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምጥሓላ ይዝከር፡፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝጅመር ንደሓር ዝጠሓለት ፈላመይቲ መርከብ እያ፡፡
ሩቢማር መጥቃዕቲ እንትፍጸማ በቲ ንወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ'ያ ትሓልፍ ነይራ፡፡ ኣባላት ናይታ መርከብ ሽዑ ንሽዑ ዝገዓዙ ኮይኖም፡ ንሳ ግን ቀስ ብቐስ ማይ ምምላእ ጀሚራ፡፡
እታ መርከብ 21 ቶን ድኹዒ ኣሞንየም ናይትሬት ጽዒና ዝነበረት ስለዝኾነት እቲ ድኹዒ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባብያዊ ሓደጋ ከምዘስዕብ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ፡፡
ኣመሪካን ብሪጣንያን ግብረ መልሲ ናይቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ደብዳባት ሚሳይልን ድሮንን፡ ኣብ ምዕራባዊ የመን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዒላማታት እቶም ዕጡቓት ሰፋሕቲ ደብዳባት ከካይዳ ጸኒሐን፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







