ክስታት ምጽናት ዓሌት ዝሰምዕ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለም፡ ካብ 11 ክሳብ 12 ጥሪ 2024፡ ንደቡብ ኣፍሪቃን እስራኤልን ዝወከሉ ጠበቓታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክሟጐቱ ክትርኢ እያ።
እዚ ድማ፡ ዓብዪ ጉዳይ ቤት ፍርዲ እዚ ዘመን እዩ ክኸውን።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ድያ?
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እወ ትፍጽም እያ ዘላ ስለ እትብል፡ ብ29 ታሕሳስ 2023 ኣብ ሄግ ናብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክሲ ኣቕሪባ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ሃገሩ ኣብ ቓዛ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምታት፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ "ስነምግባር" ሓልያ ትፍጽሞ ከም ዘላ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ድማ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እተቕርቦ ዘላ ክሲ፡ ናይ ሓሶት ዩ ብምባል ይቃወሞ።
ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ ይብል?
እቲ 84 ገጻት ዝሓዘ መዝገብ ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተግባራት እስራኤል "ብባህሪኡ ምጽናት ዓሌት" ምዃኑ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ምኽንያቱ ንብዙሕ ክፋል" ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ንምጥፋእ ዝዓለመ እዩ" ይብል።
እቲ ተግባራት ድማ፡ ንፍልስጤማውያን ምቕታል፣ ከቢድ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ምስዓብ፣ ከምኡ'ውን ኰነ ኢልካ "ከም ጉጅለ ኣካላዊ ዕንወት ንምምጻእ" ዝዓለመ ኩነታት ምፍጣር ከም ዘጠቓልል ይምጉት።
ብሰበስልጣን እስራኤል ዝተዋህቡ መግለጺታት'ውን ሃቐነ ምጽናት ዓሌት ዝገልጹ'ዮም ክብል ይኸስስ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣውስትራልያ መምህር ሕጊ ዝዀነት ጁሊየት ማክኢንታየር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረበቶ ሰነድ፡ "ሰፊሕ" ከም ዝዀነን "ኣዝዩ ብጥንቃቐ ዝተዳለወ" ምዃኑን ትዛረብ።
"ንነፍሲ ወከፍ ብእስራኤል ክቐርብ ዝኽእል ክትዕ መልሲ ንምሃብ ይጽዕር . . . ከምኡ'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ ስልጣን ክጎድሎ ይኽእል'ዩ ንዝብል ዝዀነ ይኹን ክሲ መልሲ ዝህብ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ንሳ ወሲኻ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃ ክሲ ቅድሚ ምምስራታ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ብዙሓት መድረኻት ምስ እስራኤል ኣልዒላቶ'ያ" ትብል።
ምላሽ እስራኤልኸ?
ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ኢሎን ሌቪ፡ እስራኤል ነቲ ክሲ ክትቃለሶ ምዃና ገሊጹ።
ሓማስ ነቲ ዝጀመሮ ኲናት ምሉእ ሞራላዊ ሓላፍነት ከም ዝስከም እውን ገሊጹ።
ምጽናት ዓሌት ግን እንታይ እዩ?
ብመሰረት ውዕል ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት 1948፡ ንከም ብሄራዊ፣ ዓሌት፣ ዘርኣዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝበሉ ጉጅለን ዝመሰሉን ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ንምጥፋእ ብምሕሳብ ዝፍጸም ካብዞም ዝስዕቡ ዓይነታት ተግባር'ዩ።
እዚ ድማ፤
- ኣባላት ናይቲ ጉጅለ (ዓሌት) ምቕታል
- ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ክበጽሕ ምግባር
- ብሙሉእ ወይ ብኸፊል ኣብ ንብረት ዕንወት ንምስዓብ ምውጣን ወይ ኩነታት ህይወት እቲ ጉጅለ ጸቕጢ ምውራድ
- ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ወሊድ ንከይህሉ ብምሕሳብ ስጉምትታት ምውሳድ
- ናይቲ ጉጅለ ህጻናት ብሓይሊ ናብ ካልእ ጉጅለ ምስግጋር
ምጽናት ዓሌት ሓደ ካብቶም ንምርግጋጽ ዝኸበዱ ኣህጉራዊ ገበናት እዩ።
ብምጽናት ዓሌት ክኽሰስ ዝኽእል መን'ዩ?
ሓደ መንግስቲ ወይ ሓደ ሰብ ብናይ ዓሌት ምጽናት ክኽሰስ ይኽእል።
ኣብ ትሪኒቲ ኮሌጅ ደብሊን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሕጊ ማይክል ቤከር፡ ኣብ ሞንጐ ሓንቲ ውዕሊ ምጽናት ዓሌት ዝጥሓሰት ሃገርን ሓደ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኸበ ሰብን ኣፈላላይ ከም ዘሎ ይዛረብ።
"እዚ ፍልልይ ዝተሓላለኸን ምድንጋር ከስዕብ ዝኽእልን'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተራ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ እንታይ እዩ?
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ኣብ ሞንጐ ሃገራት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ዝውስን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት እዩ።
ኵለን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ እየን።
ሓንቲ ሃገር ናብቲ ብሓፈሻዊ ጉባኤን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ን9 ዓመታት ዝተመርጹ 15 ዳያኑ ዝቖመት ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክሲ ከተቕርብ ኣለዋ።
እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ብመሰረት ውዕሊ ምጽናት ዓሌት 1948 ዝቐርቡ ክትዓት ይሰምዕ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ኣብ ኤውሮጳ ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ብናዚ ተቐቲሎም'ዮም።
ድሕሪኡ፡ መራሕቲ ዓለም ነዚ ውዕሊ ብምጽዳቕ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከይድገም ኢሎም።
እስራኤል፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሚያንማር፣ ሩስያን ኣሜሪካን ገለ ካብተን ነዚ ውዕል ዘጽደቓ 153 ሃገራት እየን።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበንኸ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ 2002 ክምስረት እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሄግ እዩ ዝርከብ።
እዚ ቤት ፍርዲ፡ ቤት ፍርዲ ውሽጢ ዓዲ ክዳንየካ ምስ ዘይክእል ጥራይ ዝሰርሕ ናይ መወዳእታ ቤት ፍርዲ እዩ።
ኣሜሪካ፣ ሩስያን እስራኤልን ኣባላት እዚ ቤት ፍርዲ ኣይኰናን።
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ገበናዊ ጉዳያት ዝሰምዕ ኰይኑ፡ ንሓደ ውልቀሰብ ብገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ክፈርዶ ይኽእል።
እዚኦም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሕጊ ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎም። ዓቃቢ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ክሲ ምስ ዝምስርት'ዩ መስርሕ ፍርዲ ዝጅመር።
ብምጽናት ዓሌት መን ተፈሪዱ?
እቲ ናይ መጀመርታ ብምጽናት ዓሌት ዝተፈርደ ሰብ ሩዋንዳዊ ሁቱ ዣን ፖል ኣካየሱ ኰይኑ፡ ኣብ 1998 ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመወለ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ሩዋንዳ (ICTR) ተፈሪዱ።
ንሱ፡ ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ቱትሲውያን ኣብ ዝተፈጸመን 800 ሽሕ ሰባት ዝተቐትልሉን መጥቃዕቲ ብዝነበሮ እጃም'ዩ ተኸሲሱ።
ኣብ 2017 ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዩጎዝላቭያ ዝነበረ (ICTY)፡ ቦዝንያዊ ሰርብያዊ ኮማንደር ነበር ራትኮ ምላዲች፡ ኣብ 1995 ኣብ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ስረብሬኒካ ተፈሪዱ።
ኣብቲ እዋን 8000 ኣስላም ደቂ ተባዕትዮን ኣወዳትን ብወተሃደራቱ ተቐቲሎም።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ቦዝንያ፡ ሰርብያ ወይ ዩጎዝላቭያ ነበር ብቐጥታ ኣብ ስረብሬኒካ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ እያ ብምባል ዘቕረበቶ ክሲ ነጺጉዎ'ዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሰርብያ ምጽናት ዓሌት ክትከላኸልን ላዕለዋይ ጀነራል ከተረክብን ኣይክኣለትን ኢሉ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጸሓፊ ሕጊ ኰይኑ ዝሰርሐ ቤከር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሓንቲ ሃገር፡ "ሃቀነ ምጽናት ዓሌት" ነይሩዋ ዝብል ክሲ ንምምስራት ልዑል ደረት ከም ዘቐምጥ ይዛረብ።
ኲናት እስራኤልን ቓዛን እንታይ'ዩ?
እቲ ኲናት፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ካብ ቓዛ ወጺኦም 1200 እስራኤላውያን ምስ ቀተሉን ልዕሊ 200 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ወሰዱን'ዩ ተወሊዑ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻም፣ ናይ መሬት ወራር ብምክያድን ፍልስጤማውያን ናብ ደቡብ ወሽመጥ ቓዛ ክግዕዙን ኣዚዛ። ብተወሳኺ ናብ ቓዛ መግብን ነዳድን ክግደብ ገይራ።
እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝዀኑን ይገልጽ።
እስራኤል፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ንሓማስ ከም ግብረሽበራዊ ሓይሊ እየን ዝርእይኦ።
11ን 12ን ጥሪ 2024 እንታይ'ዩ ከጋጥም?
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ግዝያዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝሓትት ክሲ ኣቕሪባ ኣላ።
እቲ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝውሰድ ኵሉ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ደው ከተብሎ ክእዝዝ ትደሊ። እዚ ህጹጽ ኣገባብ እዩ መጀመርታ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክስማዕ።
"እዚ፡ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ናብ ርኽበት ምጽናት ዓሌት ኣይመርሕን'ዩ" ትብል ማክኢንታየር።
"ኣዝዩ ትሑት ደረጃ መርትዖ ኣሎ። እቲ ዝሕተት ዘሎ ሕቶ፡ ዘይምለስ ጉድኣት ናይ ምጉዳእ ዕድል ኣሎ ድዩ ዝብል'ዩ።"
ወሲኻ፡ ሞገት ደቡብ ኣፍሪቃ "ዘእምን ሓደጋ ምጽናት ዓሌት ከም ዘሎ" ምዃኑ'ውን ሓቢራ።
ዩክሬይን ብ24 ለካቲት 2022 ብሩስያ ምስ ተወረረት ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ፤ ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ሩስያ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ከተብል ኣዚዙ። ሞስኮ ግን ነዚ ዕሽሽ እያ ኢላቶ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣውስትራልያ መምህር ሕጊ ዝዀነት ጁሊየት ማክኢንታየር፡እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ፍርዱ ክህብ ትጽቢት ኣለዋ ትብል።
"ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ክፈጥር'ዩ" ትብል። እንተዀነ፡ ናይ መወዳእታ ከም ዘይከውንን ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ድማ ነዚ ከተግብረሉ ዝኽእል መገዲ ከም ዘይብሉን ትዛረብ።
"ቤት ፍርዲ ድሒሩ ጭብጢ እቲ ክሲ ምስ ርኣየ ምጽናት ዓሌት ከም ዘይነበረ ክረክብ ይኽእል'ዩ።"
ቤከር ብወገኑ፡ ቤቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝሃቦ ግዝያዊ ፍርዲ፡ ሩስያ ትወስዶ ስጉምቲ ደው ከተብል ክሳብ ምግባር "ኣድማዒ" ምንባሩ ይዛረብ።
"እቲ ቤት ፍርዲ እስራኤል ደው ከተብል ክእዝዛ ድዩ ዝብል ግን ቁሩብ ይጠራጠር'የ" ብምባል ኣብ ክንድኡ እስራኤል ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ "ክትድርት" ክሓታ ከም ዝኽእል ይእምት።
"እዚ ማለት እስራኤል ነቲ ዘለዋ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ግዴታታት ክትሕሉ ኣለዋ ማለት ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጉዳያት ምጽናት ዓሌት
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣውስትራልያ መምህር ሕጊ ዝዀነት ጁሊየት ማክኢንታየር፡ምስዚ ክሲ ክነጻጸር ዝኽእል ዝሓሸ ቅኑዕ ኣብነት ጋምብያ ኣብ ልዕሊ ሚያንማር ዘቕረበቶ ጉዳይ ምጽናት ዓሌት እዩ ትብል።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያንን ህዝቢ ሮሂንጊያን፡ ሃገራት ስለ ዘይኰኑ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክኸዱ ስለ ዘይኽእሉ ካልኦት ሃገራት እየን ብሽሞም ዝገብርኦ።
ጋምብያ፡ ኣብ ክንዲ እስላም ሃገራት ኰይና ሚያንማር ኣብ 2017፡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ካብ ባንግላድሽ ክወጽኡ ድሕሪ ምግዳዶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሮሂንጊያ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ እያ ክትብል ከሲሳ።
ኣብ መወዳእታ 2023 ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዴንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድን ካናዳን ናብቲ ክሲ ክጽንበራ ሓቲተን፤ እዚ ማለት ሕጋዊ ክትዕ ከቕርባ ይኽእላ እየን።
"ንዓለምን ቤት ፍርድን ነቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ከም ዝድግፉ ዘርኢ'ዩ" ትብል ማክኢንታየር።
ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬይን ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምድጋፍ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን።
ሕጂ ግን" ሃገራት ምዕራብ ንደቡብ ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ጣልቃ ክኣትዋ ኣይክንርእየንን ኢና። እቲ ሕቶ ካብ ሃገራት ዓረብ ምትእትታው ክንርኢ ዲና ዝብል እዩ" ኢላ።
ናይ መወዳእታ ፍርዲ መዓስ ክንጽበ?
ጋምብያ ኣብ ሕዳር 2019 እኳ እንተሓተተት፡ ብዛዕባ እቲ ዘቕረበቶ ጠለብ ዝምልከት መስርሕ ፍርዲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተኻየደን።
ናይ መወዳእታ ፍርዲ ንኽወሃቦ ኽኣ ዓመታት ክወስድ ይኽእል።
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመት እንተኣረጋጊጹ፡ ድሒሩ ኣብ ዝዀነ ውልቃዊ ገበናዊ ክሲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ከም መርትዖ ክቐርብ ከም ዝኽእል ማክኢንታየር ትዛረብ።
ክልቲኦም ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ፍርዲ እንተሓሊፉ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እተን ንእስራኤል ዝድግፋ ሃገራት ምስ ተልኣቪቭ ዘለወን ርክብ ዳግመ ግምት ንክገብራሉ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ይሰማምዑ።
ይኹን'ምበር ኣሜሪካ ድሮ ኣንጻር እቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቕረበቶ ክሲ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ "ጭብጢ ዘይብሉ"ን "ፍጹም መሰረት ሓቂ ዘይብሉን" እዩ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







