ብሊንከን፡ ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ንኽወጽኡ ዝግበር ዘሎ ድፍኢት ኰኒኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ክወጽኡ ጸቕጢ ክግበረሎም የብሉን፤ ኵነታት ምስ ፈቐደ ድማ ናብ ገዛኦም ክምለሱ ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ሚስተር ብሊንከን፡ ገለ ሚኒስተራት እስራኤል ፍልስጤማውያን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሩ ከምዘለዎም ንዝገልጽ መግለጺኦም ኮኒኑ።
ብሊንከን ነቲ መግለጺ ዝሃበ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም እዩ።
ካብ ጃባልያ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሬሳታት ኣብ ፍርስራስ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ ተደፊኦም ከምዘለዉ ዘርኢ'ዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይርከብዎም።
ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ከሃን ዩኒስ እውን ልዕሊ 60 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።
እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኲናት ካብ እትጅምር ንደሓር መዓስከር ጃባልያ ብዙሕ ግዜ ከምዝተደብደበ ይፍለጥ።
ኣብ ቓዛ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ደብዳብ እስራኤል ብውሕዱ 113 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሚስተር ብሊንከን ብሰንበት “ሲቪል ፍልስጤማውያን ኵነታት ኣብ ዘፍቀደሉ እዋን ቀልጢፎም ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም” ኢሉ። ዘይከኣል እንተዀይኑ ድማ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ጸቕጢ ክግበረሎም ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስተር ፋይናንስ እስራኤል ቤዛለል ስሞትሪች፡ ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ለቒቘም ክወጽኡን ነቲ በረኻ ከልምዕዎ ተኽእሎ ንዘለዎም እስራኤላውያን ክፉት ክገብርዎን ጸዊዑ።
ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ኣብዚ ሰሙን “ነበርቲ ቓዛ ናብ ስደት ከምርሑ ምትብባዕ” ሓደ ኣካል መፍትሒ ናይቲ ቅልውላው ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
ካብ መንግስቲ እስራኤል ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ፡ ቓዛውያን ኣብ መወዳእታ ናብ ገዛኦም ክምለሱ ከምዝኽእሉ'ኳ ዝእንፍት እንተዀነ፡ ብኸመይን መዓስን ከምዝከኣል ግን ዛጊት ኣይተነጸረን ዘሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኵነታት ቓዛ እናኸፍአ ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ሰበስልጣን ጥዕና፡ ትካላት ሕክምና ውሑስ ከምዘይኰነ ሓቢሮም።
ሰለስተ ኣህጉራውያን ጕጅለታት ሕክምናዊ ሓገዝ፡ እስራኤል ናይ ውጽኡ ትእዛዝ ካብ እተሕልፍ ንድሓር፡ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልኣቕሳ ከምዝወጽኡ ኣፍሊጦም።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "በዚ ምዕባለ ኣመና ከምዝተሻቐሉ" ገሊጻ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ልዕሊ 600 ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካብቲ ሆስፒታል ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሊንከን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ “ኲናት ቓዛ ክጐሃሃር ይኽእል እዩ” ዝብል ስክፍታታት ብምህላዉ ከምዝዀነ ተገሊጹ።
ሳልሕ ኣልኣሩሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ኣብ ደቡባዊ በይሩት ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ብዝንገረሉ መጥቃዕቲ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተለ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ንቕትለት ኣሩሪ፡ "መባእታዊ ምላሽ" ንምሃብ ትማሊ ሰንበት ናብ እስራኤል ሮኬት ተኲሱ።
ሚስተር ብሊንከን፡ ብሰንኪ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትለ በዅሪ ወዲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ ኣብ ቓዛ ጋዜጠኛ ሓምዛ ኣልዳህዱህ "ዘይተሓሰበ ሓዘን" ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ወሲኹ፡ "ኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃን ፍልስጤማውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን" ኣብቲ ኲናት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ሚስተር ብሊንከን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ቱርኪን ግሪኽን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ ናብ ቐጠር ኣትዩ። ቀጺሉ ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ናብ ኣቡዳቢ ኣቕኒዑ ሎሚ ሰኑይ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገይሽ ምዃኑ ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







