ጥዕና ስነ ተዋልዶ፡ ጥንሲ መናቱ ብኸመይ'ዩ ዝፍጠር?

መናቱ

ምንጪ ስእሊ, CHAD KEMPEL

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ቈልዑ ብሓደ ግዜ ወሊድካ ምዕባይ ዘገርም'ኳ እንተዀነ፡ ሓድሽ ክስተት ግን ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሞሮኮ ብሓደ ግዜ ዝተወልዱ ትሸዓተ ቈልዑ፡ ጽንብል ሓደ ዓመቶም ከም ዝተኸበረሎም ይዝከር።

ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ቈልዑ ብምውላድ ኣብ መዝገብ ክብረ-ወሰን ዓለም ዝሰፈረት ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ዝዀነት ኣመሪካዊት ናድያ ሱለይማን እያ።

ሕጂ ድማ እዛ ኣብ ሞሮኮ ትሸዓተ ቈልዑ ዝወለደት ጓል ማላዊ ሓሊማ ሲሱ፡ በዓልቲ እዚ ክብረ ወሰን ኰይና ኣላ።

ሓንቲ ኣደ ብሓንሳእ ክንደይ ዝኣኽሉ ቈልዑ ክትወልድ ትኽእል?

ቢቢሲ፡ ነዚ ዛንታ ኣብ ዘዳለወሉ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቈልዑ ካብ ዝወለዳ ኣደታት ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕሪ ገይሩ'ዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሙከ-ጡሪ ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ከም ዝወለደት ዳይረክተር ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዶክተር ጸጋየ ተስፋየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዞም ህጻናት፡ መዓልቶም ከይኣኸለ ስለ ዝተወልዱ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኾም።

ኣብ ካልእ ድማ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ኣዳማ ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ተገላጊላ፤ እቶም ቈልዑ ድማ ሳድሻይ ጽንብል ልደቶም ጽንብል ከም ዝተኸበረሎም ክንፈልጥ ክኢልና።

ወይዘሮ ራሄል ከበደ መጀመርታ ክትጠንስ እንከላ፡ ኣብ ከብዳ ክልተ ደቂተባዕትዮን ክልተ ደቂኣንስትዮን ከም ዘለው ክንገራ እንከሎ፡ ክትኣምን ስለ ዘይከኣለት ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ምዝራብ ስኢና ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓካይም ማህጸን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብሓደ ግዜ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሓሓሊፉ ድማ ልዕሊኡ ከም ዘጋጠሞም ተዛሪቦም።

ብሓደ ግዜ ዝተወለዱ ሓሙሽተ ቈልዑ

ምንጪ ስእሊ, AMY KEMPEL

መግለጺ ስእሊ, ብሓደ ግዜ ዝተወለዱ ሓሙሽተ ቈልዑ

ኣብ ሓደ ጊዜ፡ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ምጥናስ ተኽእሎኡ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዶክተር ጸጋየ ተስፋየ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዓ ምውላዳ ፍሉይ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረን፡ ከምኡ ኣጓኒፉዎ ከም ዘይፈልጥን የረድእ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ እቲ ክስተት ተፈጥሮኣዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ናይ ምውላድ ዕድል ግን ብኵነታት ዝድረት ከም ዝዀነ ይገልጽ።

"መናቱ ናይ ምጥናስ ዕድል፡ ካብ 250 ጥንሲ ኣብ ሓደ የጋጥም። ሰለስተ ቈልዑ ብሓደ ግዜ ናይ ምጥናስ ዕድል ድማ ካብ 10 ሽሕ ጥንሲ ኣብ ሓደ ክፍጠር ይኽእል፡" ይብል።

ልዕሊ ሰለስተ ናይ ምዃን ዕድል እናነከየ ከም ዝኸይድ ዝጠቅስ ዶክተር ጸጋየ፡ ካብ 700 ሽሕ ጥንሲ እቲ ሓደ ኣርባዕተ ቈልዑ ናይ ምዃን ዕድል ከም ዝህልዎ ኣብሪሁ።

ብሓደ ግዜ ብዙሓት ቈልዑ ምጥናስ (Multiple Pregnancy) ብቐንዱ ክልተ ዓይነት እዮም።

እዚኦም፡ ተመሳሰልቲ መናቱ (Identical twins) ከምኡ'ውን ዘይመሳሰሉ መናቱ (Fraternal twins) ዝበሃሉ እዮም።

ኣብ ቀረባ ሳምንቲ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰለስተ ተመሳሰልቲ መናቱ [ደቂ ተባዕትዮ] ሓደ ዓመቶም ተጸንቢሉሎም ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ጥንሲ ካብ ክልተ ሚልዮን ኣብቲ ሓደ ጥራይ'ዩ ዘጋጥም።

ኣብ ዓለም፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ክንደይ ዝኣክል ቈልዑ ክወልድ ይኽእል ዝብል ውዱእ መልሲ የብሉን።

በዓል ሞያ ሕክምና ጥንስን ማህጸንን ዶክተር ደምሰው ኣመኑ'ውን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሓደ ግዜ ክህልዋ ዝኽእል ቍጽሪ ቈልዑ ክንዲ ዝኣክል ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ብግልጺ ዝተቐመጠ ነገር ከምዘየሎ ገሊጹ።

ብሓደ ግዜ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝወደለት ወይዘሮ ራሄል ምስ ደቃ

ምንጪ ስእሊ, SHEGER INFO

መግለጺ ስእሊ, ብሓደ ግዜ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝወደለት ወይዘሮ ራሄል ምስ ደቃ

ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ከመይ ኢሉ ይጥነስ?

ድሕረ ባይታ ስድራቤት፡ ድሕሪ 30 ዓመት ዝፍጠር ጥንሲ፡ ከምኡ'ውን ቈልዓ ንምርካብ ዝግበሩ ሕክምናታት፡ ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ንምውላድ ጠንቂታት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም።

ጸለምቲ ኣመሪካውያን ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ መናቱ ናይ ምውላድ ዕድሎም ሰፊሕ ከም ዝዀነ መጽናዕታት የመልክቱ።

ልዕሊ 35 ዓመት ዝዀኑ ጸዓዱ ድማ ሰለስተን ልዕሊኡን ቈልዑ ብሓደ ግዜ ናይ ምውላድ ሰፊሕ ዕድል ኣሎዎም።

ዶክተር ደምሰው ኣመኑ፡ ሰባት ብልምዲ ሓደ ቈልዓ ዝጽበዩ፡ ማህደር እንቋቑሖ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ እንቋቑሖ ኣዳልዩ ምስቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ስለዝራኸብ'ዩ፡ ይብል።

ብተወሳኺ፡ ሓደ እንቋቑሖ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ ተራኸበ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ቦታ ተመቒሉ ተመሳሰልቲ መናቱ ናይ ምፍጣር ዕድል ኣለዎ።

ብኻልእ ወገን፡ ማህደር እንቋቑሖ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ልዕሊ ሓደ እንቋቑሖ ብምፍራይ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምርኻብ ዝፍጠር ጥንሲ ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ዝዀነሉ ዕድል ይህሉ ማለት'ዩ።

እዚ፡ ብብዝሒ ቈልዓ ንምርካብ ሕክምናዊ ክትትል ኣብ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ የጋጥም።

ኢንቪትሮ ፈርትላይዜሽንን (IVF) ካልኦትን ቈልዓ ንምርካብ ዝግበሩ ሕክምናታት ፍርያምነት ማህደር እንቋቑሖ ብምልዕዓል ጥንሲ ንኽፍጠር ይገብሩ።

ኣይቪኤፍ፡ እንቋቑሖ ኣብ ቤተ-ፈተነ ምስ ፍረ ዘርዚ ወዲተባዕታይ ክራኸብ ብምግባር፡ ናብ ማህጸን ዝኣቱ ሜላ ሕክምና እዩ።

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ካብ ቀረባት ግዜያት ንነጀው ኣብታ ሃገር ካብ መንጐ ዝውለዱ ሰለስተን ልዕሊኡን መናቱ፡ ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ቈልዓ ንምርካብ ብዝተገብሩ ሕክምናታት ዝተወለዱ ምዃኖም ይሕብር።

ዶክተር ደምሰው ድማ፡ ኣብ ዓለም ካብ መንጐ ዝውለዱ መናቱ፡ እቶም ልዕሊ 70 ሚእታዊት ዘይመሳሰሉ መናቱ'ዮም ይብል።

እቶም ዝተረፉ 30 ሚእታዊት ድማ ተመሳሰልቲ (Identical twins) እዮም ብምባል፡ እቲ ዕድል ጸቢብ ከም ዝዀነ የረድእ።

ኣብ ካሜሩን ብሓደ ግዜ ዝተወለዱ ትሸዓተ ቈልዑ

ምንጪ ስእሊ, Salum Arby

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካሜሩን ብሓደ ግዜ ዝተወለዱ ትሸዓተ ቈልዑ

እቶም ህጻናት ከጋጥሞም ዝኽእል ጸገም ጥዕና?

ብሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ኰይኖም ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝህልዎም ግዜ ዕብየት ከይወድኡ ይውለዱ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ኣብ ኣዳማ ዝተወለዱ ኣርባዕተ ማናቱ ኣብ ሻምናይ ወርሖም ከም ዝተወለዱ ኣደኦም ወይዘሮ ራሄል ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቶም፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዝተወለዱ መናቱ'ውን መዓልቶም ከይኣኸለ ከም ዝተወለዱ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥንስን ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዶክተር ደምሰው፡ እቶም ልዕሊ ሓደ ኰይኖም ዝውለዱ መናቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥሞም ጸገም ጥዕና ምስቲ ቅድሚ ምውላዶም ዝህሉ ኵነታት ዝትሓሓዝ እዩ ይብል።

60 ሚእታዊት ብሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ኰይኖም ዝውለዱ ቈልዑ መዓልቶም ከይኣኸለ ከም ዝውለዱ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።

ቁጽሪ መናቱ ክውስኽ እንከሎ ድማ፡ ነታ ኣደ'ውን ክጐድኣ ስለ ዝኽእል እቲ ጥንሲ ክቋረጸሉ ዝኽእል ዕድላት ከም ዝህሉ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

እቶም ዕሸላት ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከለው ክሞቱ ከም ዝኽእሉን፡ እታ ኣደ ድማ ንጸቕጢ ደምን ካልኦት ተዛመድቲ ሕማማትን ከቃልዑዋ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ደምሰው ገሊጹ።

ልዕሊ ክልተ መናቱ ክውለዱ እንከለው፡ ምስቲ ሓደ ኰይኑ ዝውለድ ክነጻጸር እንከሎ ኣካላዊ ቁመናኦም ብጣዕሚ ዝነኣሰ፣ ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘለዎምን ሰፊሕ ንኻልኦት ሕማማት ተቓላዕቲ ናይ ምዃን ዕድሎም ድማ ዝሰፍሐ እዩ።

ካልኦት መጽናዕታት ድማ፡ ዕብየቶም ዝተደናጐየ፡ ምስ ባክተሪያ፡ ቫይረስን ጽግዕተኛ ተሃዋስያንን ብዝተሓሓዝ ኣብ ህጻናት ዝርኣይ (sepsis) ከምኡ'ውን ሴረብራል ፓልሲ ንዝተባህለ ሕማም ከም ዝቃልዑ የመልክቱ።

መብዛሕትኦም ከምዚ ዓይነት ጥንሲታት ድማ ብመጥባሕቲ ከም ዝውለዱ ዶክተር ደምሰው ሓቢሩ።