ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሐት ኢጣልያዊት ከምዝነቐሐት ተፈሊጡ

ክርስቲና ሮሲን ሰብኣያን

ምንጪ ስእሊ, Cristina Rosi

ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሐት ኢጣልያዊት ከምዝነቐሐት ተገሊፁ።

እታ ክርስቲና ሮሲ ዝተባህለት፡ ጓል 37 ዓመት ሰበይቲ፡ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥንስቲ እናሃለወት ብዘጋጠማ ሕማም ልቢ እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ውኒኣ ስሒታ።

በዚ ምኽንያት ጓላ ካትሪና ብመጥባሕቲ ካብ ማህፀን ኣዲኣ ክትወፅእ ተገይሩ።

እንተኾነ፡ ኣዲኣ ወይዘሮ ሮዚ ኣብ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብዝጥርጠር ፀገም ናብ ውኒኣ እንተይተመለሰት ተሪፋ።

ሎሚ ኣብ ዝነቐሐትሉ እዋን ድማ፡ "ማማ" ዝብል ፈላማይ ቃል ከምዝተዛረበት ዝገልፅ በዓል ቤታ ገብርኤል ሱቺ፡ ከምዘይተፀበዩዎን ፍፁም ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን፡ ላ ናዝዮን ንዝተባህለት ጋዜጣ ተዛሪቡ።

ወይዘሮ ሮዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ተዛዊራ ሕክምና እናተገበረላ ዝፀንሐት ኮይና፡ ወጻኢታታ ክራውድፈንዲንግ ብዝተገብረ ኣበርክቶ እዩ ተሸፊኑ።

ዛጊት ንተወሳኺ ሕክምና ወይዘሮ ሮዚ፡ 208 ሽሕ ዶላር ተኣከቡ ኣሎ።

እታ ዕሸል'ውን ብምኽንያት ሕፅረት ኦክስጅን ኣብ ሆስፒታል ንኣዋርሕ ክትፀንሕ ተገዲዳ እያ።