ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ ሃገራት ሳሕል 'ልፍንቲ' መስሪቶም

ምንጪ ስእሊ, BURKINA FASO PRESIDENCY
ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን፡ ንዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ጠንጢኖም፡ “ኮንፈደሬሽን ሃገራት ሳሕል” ዝበሃል ልፍንቲ መስሪቶም።
ውሳነ እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ንዞባዊ ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢኮዋስ ዝንፅል እዩ።
ወተሃደራዊ መራሒ ኒጀር ዓብዱራሕማን ቺያኒ፣ መራሒ ማሊ ኮለኔል ኣሲሚ ጐይታን መራሒ ቡርኪናፋሶ መፊ ካፒቴን ኢብራሂም ትራኦሬን እቲ መስሪተሞ ዘለዉ ልፍንቲ፡ “ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ኣይወድቕን” ኢሎም።
ወተሃደራዊ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብቀዳም ኣብ ርእሰከተማ ኒጀር ኒያሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኮንፈደሬሽን ምጥያሾም ዜጋታቶም ከም ባንኪ ዝኣመሰሉ ሓባራዊ ትካላት ክጥቀሙ ከም ዘኽእል ገሊፆም።
ዜጋታት እተን ሃገራት ብነፃነት ንክንቀሳቀሱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ካብ ተመሳሳሊ ትካላት ንክረኽቡን ዘኽእል እዩ ኢሎም።
መራሒ ዕልዋ ኒጀር፡ ኣብ ክንዲ ኢኮዋስ፡ “ካብ ሓይልታት ወፃኢ ነፃ ዝኾነን ኣብ ክብርታት ኣፍሪቃ ዝተመስረተን ሰላምን ምትሕብባርን ዘለዎን ሕብረት ምምስራት ግድን ኰይንና ኣሎ" ኢሉ።
ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኮንፈደሬሽን ሃገራት ሳሕል “ብሓባር ሓቀኛ ነፃነትና ክንምስርት ኢና” ክብል፡ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።
ካፒቴን ትራኦሬ፡ “እዛ ሃገር ብኢምፔሪያሊስታት ዝበፅሓ ስቓይ ይቕፅል’ዩ ዘሎ” ኢሉ።
ኒጀር፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊት ገዛኢት ፈረንሳይ ይርከብ ካብ ዝበልዎ ኢኮዋስ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ከም ዝወፅኡ ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር ምንቅስቓስ እስላማዊ ጂሃድ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ መንበረ ስልጣን ንዝደየቡ መራሕቲ ኒጀር፣ ቡርኪናፋሶን ማሊን ስግኣት ኰይኑ ይርከብ።
በዚ ድማ እዞም መራሕቲ ጁንታ ንምንቅስቓስ እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ንምግታእ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሩስያ ገፆም ኣዚሮም ይርከቡ።
ሰለስቲአን ሃገራት ንእስላማዊ ጂሃድ ይዋጋእ ዝነበረ ሰራዊት ፈረንሳይ ከም ዝሰጐጓ ይዝከር።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







