ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን እንታይ ዘትዩ?

ምንጪ ስእሊ, us embassy and social media/fb
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሃሉ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራል፣ መራሕቲ ትግራይ፣ ተቓወምቲ ኦሮምያን ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣፍሪቃን ተራኺቡ ሰፋሕቲ ዘተ ኣካይዱ'ሎ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንምቁራጽ ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ዝንገረሉ ማይክ ሃመር፡ ምስቲ ስምምዕ ዝተኣሳሰሩ ዛጊድ መዕለቢ ዘይረኸቡ ኣዘራረብቲ ጉዳያት ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ይዝረብ።
ብፍላይ ብዕጡቓት ዝተትሓዙ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ዛጊድ ኣገደስቲ ጉዳያት እዮም። ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ተኣሳሲሩ’ውን ካልእ ቀንዲ ኣጀንዳ ከምዝነበረ ይግለፅ።
ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝተመስረቱ ‘ዘይሕጋዊ’ ምምሕዳራት ከምዝፈረሱን ዕጡቓት ከምዝተበተኑን ዝዝረብ ኰይኑ፡ እቲ ስጕምቲ ኣብ ከባብታት ወረዳ ፀለምትን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ማይክ ሃመር ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ናብ መቐለ ከምዝተጓዕዘን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ተራኺቡ ኣብቶም ቀንዲ ብድሆታትን ቀጻሊ ስጕምትታትን ከምዝዘተዩ ኣስፊሩ።
ኣቶ ጌታቸው ወሲኹ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ እቲ ኣፈጻጽማ ዳግም ምግምጋም ከምዘድሊ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም [ግ]፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን ፌደራል’ውን ከም ዝተዘራረበ ፀብፃባት የመልክቱ።
ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት ንመራሕቲ ፌደራልን ትግራይን ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ ኣመልኪቱ፡ ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኣቶ ተመሰገን ተዘራሪቦም።
ኣቶ ተመስገን ኣብ ኤክስ ገጹ፡ ኣመሪካ ኣብ ህንጸት ሰላም ጻዕርታት ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ምፍናውን ናብ ሕብረተሰብ ንምውህሃድን እትገብሮ ድጋፍ ኣበርቲዓ ክትቕፅለሉ’ውን ተማሐፂኑ።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ 370 ሽሕ ዕጡቓት ንምፍናው፡ ኣስታት 670 ሚልዮን ልዑል ፋይናንሳዊ ወጻኢ ከምዝሓትት ዝግለፅ ኰይኑ፡ ካብ ካናዳ ወፃኢ፡ እተን ቃል ዝኣተዋ ሃገራት ዛጊድ ድጋፍ ከምዘይገበራ ይዝረብ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብተን ዕጥቃዊ ጎንፅታት ዝካየደለን ዘሎ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ምዝርራቡ’ውን ፀብፃባት ይሕብሩ።
እቲ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ዝቐዝፍ ዘሎ ጎንጺታት ብፖለቲካዊ ልዝብ መዕለቢ ዝረኽበሉ መገዲ ኣመልኪቱ እዩ ዘተ ተኻዪዱ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተርኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ካብ 30 ሚያዝያ ክሳብ ሓደ ግንቦት ኣብ ዝህልዎ ጻንሒት፡ ናብ ናይሮቢ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ኣብ ሓባራዊ ዞባዊ ብድሆታት ከምዝዝቲ የመልክት።
ማይክ ሃመር ካብ ምስ ሰበስልጣን ፌደራልን ትግራይን ብተወሳኺ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተዘራሪቡ'ሎ።
እተ ኣምባሳደር፡ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ባንኮለ ኣዶየ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ንኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቓልቦ ከምዝሃቡ ኣብ ኤክስ ገፁ ኣመልኪቱ።
ስምምዕነት ፕሪቶርያን ሰነድ ኣፈጻጽማ ናይሮቢን፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ትግራይ ዝፍፀም ሓይልታት ደገን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝዀኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ምስ ዝወፁ ጐድኒ ጐድኒ ከምዝፍፀም ይጠቅስ።

ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝበልዐ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ምውግኦም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምርካብ ከበድቲ ኣጽዋር ሰራዊት ትግራይ’ኳ እንተተኣወጀ፡ ምድንጓያት ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕን፡ ኣብ ሞንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዘይምርድዳእ ክፈጥር ፀኒሑ እዩ።
ምኽንያት ምድንጓይ ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ብመረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ፖለቲካዊ ዘተ ስለዘይተኻየደን እኹል ፋይናንሳዊ ድጋፍ ስለዘይተረኽበን ምዃኑ፡ ምክትል ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ንቢቢሲ ምዝራቡ ይዝከር።
ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዝተኻየደ ኻልኣይ ዙር ድርድር ዳረሰላም ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሓደ ካብቶም ኣሸማገልቲ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን (ኦፍኮ) ዘተ ኣካይዱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ "ፖሊሲ ሰብኣዊ መሰላትን ምምኽኻርን" ኣብታ ሃገር ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባልን ሰላምን ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ብዝምልከት ርእይቶ ክህብ እንከሎ፡ ካብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ኣሰራርሓን 'ዝወጽእ መግለጺታት' ክብል ምንቃፉ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







