ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህወሓት፡ ፋኖን ኦነግን ዝሃቦ መግለጺ

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy in Ethiopia
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ጀይ ማሲንጋ፡ ኣብታ ሃገር ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ክብል፡ ደረት ኣልቦ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉን ከም መበገሲ ድማ ግዝያዊ ሃገር-ለኸ ምቁራጽ ተዂሲ ክግበር ጸዊዑ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ትማሊ 15 ግንቦት 2024 ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤትጽሕፈት ቆንስል ኣመሪካ ነበር ኣብ ዘካየዶ ዑደት እዩ ነዚ ገሊጹ።
እቲ ቀጽሪ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ብ12 ለካቲት ኣብ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣስታት 750 ኢትዮጵያውያን ከምዝተዓቝቡሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ኣካል ናይ የመን ማሕበረሰባዊ ቤት ትምህርቲ የገልግል ከምዘሎን ይፍለጥ።
ካብዚ ተበጊሱ ኣምባሳደር ጀይ ማሲንጋ፡ ኣገደስቲ መዳያት ፖሊሲ ኣመሪካ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ምዃኑን ኣብ ክንዲ ብዓመጽ ብዘተ ሰብኣዊ ክብሪ ምሕላውን ሰላም ምኽባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ፍሉያት ክልላት ኢትዮጵያ ኣመሓደርተንን ጠቒሱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ ንሰላምን ዕርቅን ሓቀኛ ፃዕሪ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ምድንፋዕ ሰብኣዊ መሰላትን ልዝብ ኣብ ምምችቻውን ዝጻወትዎ ተራ ብምጥቃስ፡ ብድሆታት ከምዘጋጥሙን ሕሉፍ ጌጋታት ብምእራም ንፍትሒ ንምርግጋጽ ውፉያት ምዃኖም ኣስሚሩ።
ከም ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዚትዮጵያ ዝፍጸሙ ተግባራት ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ሳዕቤን ስለዘለዎም፡ ኣብታ ሃገር ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቁፍን ግሉጽን ምምኽኻርን ክህሉ ጸዊዑ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታትን ዘይምርዳዳእን ብዝምልከት እውን ለበዋኡ ኣስሚዑ እዩ።
ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ህወሓት እንተላይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱን ካልኦት ዘይተፈትሑ ጉዳያት መልሲ ንኽረኽቡን ኣብ ዝገብሮ ጽዕሪ "ንኹሉ ዝሓቁፍ፡ ስርዓት ዘለዎን ንሰባት ዘኽብርን" ኣገባብ ክኽተል መኺሩ።
እዚ ኣገባብ እዚ "ብሓይሊ ግዝኣታት ምምላስ" ዝብል ኣማራጺ ከጠቓልል ከምዘይብሉ'ውን ኣስሚሩ።
ብዛዕባ ፋኖ ድማ "ንዘተ ዕድል ዘይምሃብኩም ከምዘይጠቕመኩም ክትግንዘቡ ይግባእ" ኢሉ።
ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታት እዮም። ብዙሓት ህዝቢ ኣምሓራ ጠለቦም ፍትሓዊ ምዃኑ ይኣምኑ። እዚ ድማ ብዘተ እምበር ብግርጭት ክረጋገጽ ኣይኽእልን።"
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝምልከት "ናብ ዳረሰላም ተጓዒዙ ነቲ ኣብ ዙርያ መኣዲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ልባዊ ጻዕሪ ኣካይዱ ነይሩ። ኢድ ኣይትሀቡ" ብምባል ነቲ በቲ ግጭት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተሰብ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ እቲ ጽዕሪ ክቕጽልሉ ሓቲቱ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ንምጥንኻር፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ ንምዕባይ፡ ምስ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ክሰርሕ ተወፋይነት ከምዘለዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።
እዋናዊ ትኹረት ኣመሪካ
ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ 'ተደለይቲ ሰባት' ተመሓላሊፎም ክወሃብዋ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ሕቶ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።
ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፡ ‘ሰላምን ድሕንነትን እታ ሃገር ብምዝራግ ንደልዮም' ኢና ክብል ሕቶኡ ንኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋን ከምዝቕረበ ፖሊስ ፌደራል ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ብወገኑ ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብኣመሪካ ዝድለዩ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ፡ ሃገሩ ተመሳሳሊ ድጋፍ ንምሃብ እጃማ ከምእትገብር ምዝራቡ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር።
"ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዝዘርጉ ተደለይቲ" ብዝብል ዝተጠቐሱ ኣካላት በዓል መን ምዃኖም ግን መግለፂ ፌደራል ፖሊስ ኣየነጸረን።
ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ ነቲ ኮሚሽነር ገብረሚካኤልን ኣምባሳደር ኤርቪንን ዘካየድዎ ዝርርብ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ዋላ እኳ ብዛዕባ ተደለይቲ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝጠቐሶ ነገር እንተዘየለ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፈጻጽማ ሕጊ ህዝብን ኣካላት ፍትሕን ከምዝተዘራረቡ ግን ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, FEDERAL POLICE
ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ስግኣታት ጸጥታ ዝያዳ ትኹረት ክትህብ ጸኒሓ እያ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ገምጋም ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክሰተፍ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከምዝነበረ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ማይክ ሃመር ትማሊ ረቡዕ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ነይሩ።
ኣብቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪ ካዝተኻደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ብድሆታት ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ ነይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ብምርኻብ ተላዚቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዝተሓላለኹ ፀገማት ዘተኮረ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድማ ጉዳይ ሃገራዊ ምምኽኻርን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካብቶም ዝተለዓሉ ቀንዲ ነጥብታት ከምዝነበሩ እቲ ፕሮፌሰር ጠቒሱ።
ቀንዲ ትኹረት እቲ ዘተ "እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ ዝብል እዩ። ቀዳማይ፡ እቲ ጸገም እንታይ እዩ? ካልኣይ ኦሮምያ ትኹን ኢትዮጵያ ካብዚ ፀገም ንኽወጻ እንታይ ክንገብር ይግባእ?” እዩ ነይሩ።
ወሲኹ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝደለዮ ነገር፡ እቲ ጸገም ብዝምልከት ዘለዎም መርገጺን ኣብቲ ጉዳይ ዘቕርብዎ ናይ መፍትሒ ሓሳብን ንምፍላጥን ከምዝነበረ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ህወሓትን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ብረቡዕ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ራያ-ኣላማጣ ዘጋጠመ ግጭትን ምርግጋጽ ሰላምን ዝርከብዎም ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ክልቲኦም ወገናት ዘውጽእዎ መግለጺ የመልክት።
ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ኣብ ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያን ሰነድ ትግበራ ናይሮቢን፡ ሓይልታት ወፃኢን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ዘይኰኑን ሓይልታት ክልልን ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፅእሉ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣፅዋር ከም ዝፈትሑ ተደንጊጉ ይርከብ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ እቲ ስምምዕ እውን ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ንሓያለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ንኵናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻታትን ክልል ኣምሓራ ንገለ ከባብታት ደቡብ ትግራይ፣ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳራዊ መሓውር መስሪቶም እዮም።
ምክትል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ እዚ “ዘይሕጋዊ ምምሓዳር” ክሳብ 30 ሰነ 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንምፍራስ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፁ ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ነቲ ኵናት ስዒቡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ወረዳታት ፀለምትን ዝተመስረተ ምምሕዳር ክሳብ 30 ጉንበት ከምዝፈርስ ኣሚቱ ነይሩ።
ምምሕዳራዊ መሓውራት ኣብ ምፍራስን ምምላስ ተመዛበልትን ዝምልከት ዝርዝር ትልሚ ከምዝወጸን፡ ኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ንተፈፃምነቱ ክቆፃፀር ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







