ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ 'ተደለይቲ' ሰባት ተመሓላሊፎም ክወሃብዋ ሓቲታ

ኣምባሳደር ኤርቪን (ጸጋም) ምስ ኮሚሽነር ጀነራል ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, FEDERAL POLICE

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ 'ተደለይቲ ሰባት' ተመሓላሊፎም ክወሃብዋ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ፖሊስ ፌደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዕለት 2 ግንቦት 2016 [ግ] ሕቶኡ ናብ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ‘ሰላምን ድሕንነትን እታ ሃገር ብምዝራግ ስለንደልዮም ተመሓላሊፎም ክወሃቡና” ዝብል ሕቶ ዝቐረበ: ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤልን ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋን ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ።

ኮሚሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤል "ነቶም ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኮፍ ኢሎም ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ዝዘርጉ ዘለዉ ተደለይቲ ሰባት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ” ብወገን ኣመሪካ ምትሕብባር ክግበር ብዝብል’ዩ ነቲ ኣምባሳደር ሕቶ ኣቕሪቡሉ።

"ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዝዘርጉ ተደለይቲ" ብዝብል ዝተጠቐሱ ኣካላት በዓል መን ምዃኖም ግን መግለፂ ፌደራል ፖሊስ ኣየነጸረን።

ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ብወገኑ ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብኣመሪካ ዝድለዩ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ሃገሩ ንፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ድጋፍ ንምሃብ እጃማ ከም እትገብር ምዝራቡ’ውን እቲ መግለጺ የመልክት።

ኢትዮጵያን ኣመሪካን ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ እኳ እንተዘይሃለወን ቅድሚ ሒደት ዓመታት ግን ብቕትለት ክልተ ሰባት ብኣመሪካ ዝድለ ዝነበረ ዮውሃንስ ነሲቡ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ከምዘረከበቶ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ምስ ዝውልዑ ጎንጽታት ብዝተሓሓዝ ተጠርጠርቲ ገበነኛታት ዝበሎም ዝርዝሮም ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሎም እዋናት ኣስማት ናይ ገለ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን እውን ዝርከቦም ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ኣምባሳደር ነቲ ኣብ መንጎ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ ኣመሪካን (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ዘሎ ርክብ ኣብ ምጥንኻር እጃሙ ክፍጽም እውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ ጻውዒት ኣቕሪቡሉ’ሎ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ ነቲ ኮሚሽነር ገብረሚካኤልን ኣምባሳደር ኤርቪንን ዘካየድዎ ዝርርብ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ዋላ እኳ ብዛዕባ ተደለይቲ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝጠቐሶ ነገር እንተዘየለ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፈጻጽማ ሕጊ ህዝብን ኣካላት ፍትሕን ከምዝተዘራረቡ ግን ጠቒሱ።