ንሓወልቲ ኣመሪካዊ ጀነራል ሮበርት ዝትክእ ሓወልቲ ዝስረሓላ ዘላ ጸላም ኣመሪካዊት መን እያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሮኣኖክ፡ ቨርጂንያ፡ ሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ሓወልቲ ጀነራል ሮበርት ኢ ሊ ዝነበረሉ ቦታ ሓወልቲ ከም ዝትከለላ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።
እዛ ኣብ ሜሪላንድ ትነበር ዝነበረት ድኻ ጸላም ኣመሪካዊት ሄንሪታ ላክስ ዓቐኑ ክንዲ እቲ ዝነበራ ሰብነት ዝኸውን ካብ ነሓስ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ክትከለላ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ።
ስድራቤት ሄንሪታ፡ ነቲ ውጥን "ክብሪ" ከም ዝኾነ ገሊጾም።
ቅድሚ 70 ዓመታት ብዘይ ፍቓዳ ዝተወስዱ ዋህዮታት ህይወት ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን ሓጊዞም’ዮም።
ሄንሪታ ላክስ፡ ኣብ 1951 ንሞት ዘሳጥሕ ሕማም መንሽሮ ሓሚማ ሕክምና ኣብ እትገብረሉ ዝነበረ እዋን ሓካይም ፍቓዳ ከይሓተቱ ዋህዮታታ ወሲዶም።
ዋህዮታት መንሽሮ ሄንሪታ ላክስ ካብ ኣካላት ወዲ ሰብ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ክሎን ተገይሮም፡ እቲ ታሪኻዊ ስርሒት ንማእለያ ዘይብሉ ሕክምናዊ ፍወሳታት መንገዲ ከፊቱ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ንሄንሪታ ላክስ፡ "ኣደ ዘመናዊ ሕክምና" ዝብል መጸውዒ ሂቦምዋ።
እቲ ሓንቲ ኣብ ሕርሻ ትምባኾ ትሰርሕ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ብዘይፍላጥ ንባዮሜዲሲን (ሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ምልክታትን ሕማማትን መድሃኒት፡ ጨረርታ ወይ መጥባሕቲ ተጠቒሞም ዝሕክሙሉ ስርዓት) ከመይ ገይራ ከም ዝቐየረቶ ዝገልጽ ዛንታ፡ ተፈላጥነት ዝረኸበ ‘ዘ ኢሞርታል ላይፍ ኦፍ ሄንሪታ ላክስ’ ዘርእስታ ብብዝሒ ዝተሸጠት መጽሓፍ ኣብ 2010 ምስ ተሓተመት እዩ።
ደቃ ግን እቶም ዋህዮታት ብዘይ ፍቓዳ ወይ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳ ከም ዝተወሰዱ ብምግላጽ ኣዲኦም ኣፍልጦ ንኽትረከብ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቃለሱ ከም ዘሕለፉን ይዛረቡ።
ሮኣኖክ ሂደን ሂስቶሪስ ዝተባህለ ኣበርክቶ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ንምዕባይ ዝዓለመን ንመኽሰብ ዘይሰርሕን ትካል፡ ነቲ ሓወልቲ ንምህናጽ ልዕሊ 180 ሽሕ ዶላር ክእከብ ሓጊዙ።
ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ላክስ ፕላዛ ተባሂሉ ዝተሰየመ ቦታ፡ ኣብቲ ሓወልቲ ናይቲ ናይ ኮንፈደረሽን ጀነራል ዝነበረሉ ቦታ ክተክል እዩ።
ሓወልቲ ጀነራል ሮበርት፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ‘ጸሊም ህይወት ኣገዳሲ’ዩ’ ዝብል ተቓውሞ ከም ዝፈረሰ ይፍለጥ።
ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብዘኽብር ሓወልቲ ክትካእ ጻውዒት ድሕሪ ምቐራቡ፡ ቀራጺ ላሪ ቤክተል ናይ ሄንሪታ ላክስ ሓወልቲ ክቐርጽ ተመዊሉ።
ወዲ ወዳ ዝኾነ ሮን ላክስ፡ "እዚ ንስድራይ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ክብል ኣብቲ ንውጥን እቲ ሓወልቲ ንምግላጽ ዝተዳለወ ስነስርዓት ገሊጹ።
"ኣቦይ ናይ መወዳእታ ብህይወት ዘሎ ዘመድ ሄንሪታ'ዩ... ዛንታኣ ክነግርን ንዓለም ከካፍልን ብንብዓትን ብቃንዛን ተቓሊሱ'ዩ።"
ሄንሪታ ላክስ መን እያ?
ብ1951 ኣብ ባልቲሞር፡ ሜሪላንድ እትነብር ዝነበረት ሄንሪታ ላክስ እትበሃል መንእሰይ ጸላም ኣደ፡ ኣብ ከብዳ ቃንዛን ዘይንቡር ምፍሳስ ደምን ክስምዓ ጀመረ።
ኣብ ሆስፒታል ጆንስ ሆፕኪንስ መርመራ ዝገበሩላ ሓካይም ማህጸን፡ ኣብ ማህጸና ድማ ዓቢ ኵምራ ከም ዘሎ ፈሊጦም።
ሓካይም ከይሓበርዋን ፍቓዳ ከይሓተቱን፡ ንሕክምናዊ መጽናዕቲ ዝኸውን ናሙና ሕበጥ ናብ ቤተ-ፈተነ ሰዲዶም።
ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብቲ እዋን፡ ንዝያዳ ሕክምናዊ ምርምር ካብ ሕሙማት ናሙናታት ምውሳድ ልሙድ ተግባር እዩ ነይሩ።
ዋህዮታት ሄንሪታ ላክስ ግን ሕክምናዊ ተኣምር ምዃኑ ተረጋጊጹ። ዳርጋ ኩሎም ዋህዮታት ኣብ ቤተ-ፈተነ ብቕልጡፍ’ኳ እንተሞቱ፡ እቶም ዋህዮታት ግን ምብዛሖም ቀጺሎም፡ ኣይኣረጉን'ውን ነይሮም፤ እዚ ድማ "ዘይሞቱ" ገይርዎም።
ካብ ቀዳማይን መወዳእታን ስም ሄንሪታ ላክስ ብዝተወስዱ ቃላት "ሄላ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘርኢ ዋህዮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ቤተ-ፈተነታት ምርምር ተላኢኹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዋህዮታት ሄላ፡ ክታበት ፖልዮ ንምፍጣርን ኣብ ምርምር ኤችኣይቪ፡ መንሽሮን መኻንነትን ምዕባለታት ከም ዘርኣዩ ይፍለጥ።
ነቶም ዋህዮታት ሳይንሳዊ ተኣምር ዝገበሩ ባህርያት ግን፡ ቀተልቲ እውን ገይርዎም’ዩ። ሄንሪታ ላክስ ንኣዋርሕ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ 31 ዓመታ ብሕማም መንሽሮ ካብዛ ዓለም ተፈልያ።
ስድራኣ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዋህዮታታ ከም ዝተወስዱ ከም ዘይተሓበሮምን፡ እታ ጸላም ሰበይቲ ድኻ ስለዝነበረት ዋህዮታት ኣዲኦም "ዝሰረቐ" ስርዓት ንክመሓየሽ ክቃለሱ ዓመታት ከም ዘሕለፉን ይገልጹ።
እቲ ሄንሪታ ላክስ ዘኽብር ሓወልቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ክትከል ትጽቢት ይግበር።
ጠበቓ ስድራቤት ሄንሪታ፡ ቤን ክራምፕ፡ ሓወልቲ ከተማ ሮኣኖክ "ታሪኻዊ ጌጋ ምእራም" ምዃኑ ገሊጹ።
"ሎሚ ኣብዚ ኣብ ሮኣኖክ ቨርጂንያ ኣብ ላክስ ፕላዛ፡ [ሄንሪታ] ትርጉም ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነትስ... ከም ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኾነ ታሪኻዊ ሰብ ኣገዳሲት ምዃና ንኣምን።"
ዓለማዊ ሕድሪ ሄንሪታ ላክስ ንምምስካር፡ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ዓመት ሓወልቲ ተኺሉላ’ዩ - እቲ ሓወልቲ ብጸላም ሰበይቲ ዝተሰርሐ ፈላማይ ህዝባዊ ሓወልቲ ጸላም ሰበይቲ እዩ።
እቲ ሓወልቱ ዝፈረሰ ጀነራል መን እዩ?
ምሉእ ስሙ ሮበርት ኤድዋርድ ሊ እዩ፡ ንሱ ኣብ 1807 ተወሊዱ ኣብ 1870 ዝዓረፈ ኮይኑ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ጀነራል ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮበርት ኢ ሊ፡ ኣብ መጀመርታ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ መራሒ ሰራዊት ሰሜናዊ ቨርጂንያ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣዛዚ ኹሎም ሰራዊት ኮንፈደረሽን ኮይኑ። ከም ወተሃደራዊ መራሒ ናይቲ ዝተሳዕረ ሰራዊት ኮንፈደረሽን፡ ሮበርት ኢ ሊ ምልክት ደቡባዊ ኣመሪካ ኮይኑ።
ንሱ፡ ኣባል ናይቲ ባሮት ዝሓዙ ምሩጻት ስርዓት ብምንባሩ፡ ስርዓት ባርነት ኣብ መንጎ ዓሌታት ስርዓት ንምሕላው ኣድላዪ ከም ዝኾነ ይኣምን።
ኣብቶም ነዚ ዝቃወሙን ባርነት ክጠፍእ ዝህንቀዉ ዝነበሩን ሰሜናውያን ድማ ጽልኢት ነይርዎ።
ኣብ ታሕሳስ 1856 ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ባርነት ከም ትካል፡ "ኣብ ዝኾነት ሃገር ሞራላዊን ፖለቲካዊን ሕሰም እዩ። ብዛዕባ ጉድለታቱ ምግፋሕ ፋይዳ የብሉን” ኢሉ።
ግን ባርነት፡ ካብ ኣብ ጸለምቲ ንላዕሊ ኣብ ጸዓዱ ሕሰም ኣለዎ ዝብል እምነት ነይርዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







