መንሽሮ ዝሕክም ሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ተማሂዙ

ርእሲ

ሕሙማት መንሽሮ ቅድሚ ራድዮቴራፒ ምጅማሮም፡ ክጽበዩዎ ዘለዎም ግዜ ዘሕጽር ሓድሽ ዓይነት ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ-ሰርሖ ብልሒ) ከምዝተምሃዘ ተገሊጹ።

እዚ ድማ ሓካይም ብዝተኽኣለ መጠን መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት ንምቕታል ነቲ ፍወሳዊ ጩራታት ዘቕንዕሉ ኣንፈት ክፈልጡ ክሕግዞም’ዩ ተባሂሉ።

ተመራመርቲ ሆስፒታል ኣደንብሩክ [ዓዲ እንግሊዝ] ነቲ ፕሮግራም ኤኣይ ምስ ማይክሮሶፍት ክስልጥን ገይሮም ኣለው።

እዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰደ ምድላው ምዃኑ’ውን ሓቢሮም።

ሓካይም ብተለምዶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ኣብ ዝግበሩ ኣስታት 100 ስካን ብጥንቃቐ ኣብ ኣዕጽምቲ ወይ ውሽጣዊ ኣካላት “ቅርጺ ንምስራሕ” ወይ ንምሕንጻጽ ካብ 25 ደቓይቕ ክሳብ ክልተ ሰዓታት ይወስደሎም።

እቲ ፕሮግራም ኤኣይ ግን ካብዚ ብኽልተ ዕጽፍን ፈረቓን ዝቐልጠፈ ከም ዝሰርሕ እቶም ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ንኣብነት፡ ሓካይም ንጽኪ ፕሮስቴት ክሕክሙ እንከለዉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፍሕኛ ሽንቲ ወይ መሃንቱስ ጉድኣት ከየጋጥም ልዑል ጥንቃቐ እዮም ዝገብሩ፤ እዚ እንተተጐዲኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕሙም ቀጻሊ ጸገማት እዩ ዝፈጥር።

“እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ” ይብል ኣብ ሆስፒታል ኣደንብሩክ ክኢላ መንሽሮታት ርእሲ፣ ክሳድን ፕሮስቴትን ዶክተር ራጅ ጀና።

ዶክተር ጀና፡ ምስ ማይክሮሶፍት ብምትሕብባር ሓበሬታ ሕሙማት ወሲዱ ክሰርሕ ዝኽእል ‘ኢነርኣይ’ ዝተባህለ ፕሮግራም ከሰልጥን ጸኒሑ።

ብድሕሪኡ ላቦራቶሪ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኤንኤችኤስ ንሆስፒታል ኣደንብሩክ 500 ሽሕ ፓውንድ ብምሃብ ኣድላዪ መርመራታትን ገምጋማትን ድሕነት ንከሳልጥ ገይሩ።

ሕጂ እቲ ፕሮግራም ንሓደ ካልኦት ትራስትታት ‘NHS’ ነቲ ቴክኖሎጂ ብተመጣጣኒ ዋጋ ክረኽብዎ ከፍቀደሎም ንዝተሰማምዐ ኣፍራዪ ተዋሂቡ ኣሎ።

'90% ቅኑዕ’ዩ'

መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ኤኣይ ወፍሪ ክገብር ጸኒሑ'ዩ - እዚ ግን ከም መሳርሒ ሕክምናዊ ምስሊ ዝወጽእ ናይ መጀመርታ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝማዕበለ ፕሮግራም ኤኣይ እዩ።

ሓካይም ክሳብ ሕጂ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ብፕሮግራም ኤኣይ ዝተሳእለ ቅርጺ ይምርምሩ ኣለው።

እቶም ተመራመርቲ ግን ኣስታት 90 ሚኢታዊት ቅኑዕ ምዃኑን፡ ክሊኒካውያን ኣስታት ክልተ ሲሶ ግዜ እቲ ስርሑ ብዘይ ዝዀነ መአረምታ ከም ዝዓዪ ከም ዘረጋገጹ ይዛረቡ።

“ኣማኸርቲ መሳርሕትና ካብ ብመሳርሕቶም ዝመጽአ ብስራሕ ኤኣይ ክጅምሩ ይመርጹ ኣለው” ይብል ዶክተር ጀና።

ፕረዚደንት ሮያል ኮሌጅ ራድዮሎጂስታት ዶክተር ካተሪን ሃሊደይ “ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ውሽጢ መርመራታትን ፍወሳ መንሽሮን ሓዊሱ ንገለ መስርሓትን ኣገባባትን ኣብ ምትካእ ብዘለዎ ዓቕሚ ኣዚና ሕጕሳት ኢና” ኢላ።

ወሲኻ “ኤኣይ ንመስርሕ ምርመራ ናይ ምቅልጣፍ ዓቕሚ ኣለዎ፤ ሓካይም ሕማም ኣቐዲሞም ክፈልጡ ዝሕግዝን ንሕሙማት ዝሓሸ ናይ ምሕዋይ ዕድል ዝህብን'ዩ።

"ክሊኒካዊ ራድዮሎጂስታት ንዝተሓላለኹ ‘ስካናት’ ይትርጉሙን ንሕክምና ወይ መጥባሕቲ ይመርሑን - ኣብ ግሃድ ዘለው ክሊኒካዊ ራድዮሎጂስት ክኣ ኣገደስቲን መተካእታ ዘይብሎምን ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

“ይኹን’ምበር ዳታ፡ ርድኢትን ትኽክለኛነትን ኤኣይ ዘለዎ ክሊኒካዊ ክኢላ ራድዮሎጂ፡ ኣብ ክንክን ሕሙማት ብርቱዕ ሓይሊ ክኸውን እዩ። ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዓቢ ተስፋ ዘርኢ እንተዀነ፤ኳ፡ ንልዑል ስልጠናን ክእለትን ሓካይም ግን ክትክኦ ኣይክእልን” ኢላ።