ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክወስዶም ዘይክእል ስራሓት ኣየኖት እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ማለት ሰብሰርሖ ብልሒ ደቂ ሰባት ዝሰርሑዎም ስራሓት ክትክእ እዩ ዝብል ቀጻሊ ዘረባታትን ስግኣታትን እዩ ዘሎ።
ገለ ሰብ ሞያ ክኣ፡ ንግዚኡ ገለ ኮምፒዩተራት ክትክኡዎም ወይ ክወስዱዎም ዘይክእሉ ስራሓት ኣለው ይብሉ።
ካብ ምጅማር ኢንዳስትሪያዊ ሰውራ ኣትሒዙ ሓደስቲ ማሽናት ደቂ ሰባት ስራሕና ክምንጥሉና’ዮም ዝብሉ ስግኣታት ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ገሊኡ፡ ነዚ ክንብድሆ ክኢልና ኢና፤ ሕጂ ግን ገለ ሰብ ክኢላታት ምስ ምምጻእ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ብዝዛመድ እቶም ዝጸንሑ ስግኣታት ዝግሃዱ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ ይብሉ።
ምኽንያቱ፡ ሮቦታት ገለ ደቂ ሰባት ክንሰርሖም እንኽእል ስራሓት ወሲዶምዎ ኣለው።
ኣብ መጋቢት እዚ ዓመት ጎልድማን ሳችስ ዘውጽኦ ሓደ ጸብጻበ እቶም ኵሎም ብደቂ ሰባት ዝስርሑ ዘለው ስራሓት ሰብሰርሖ ብልሒ ክወርሶም ከም ዝኽእል የመልክት።
ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን 300 ሚልዮን ስራሓት በዚ ቴክኖሎጂ ክውረሱ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሰካፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸሓፊ ‘Rule of the Robots: How Artificial Intelligence Will Transform Everything’ ማርቲን ፎርድ ይዛረብ።
“እዚ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ጥራይ ዘጋጥም ኣይኰነን፤ ሃንደበት፡ ምናልባት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ንብዙሓት ሰባት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ናይዚ ጽልዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኰነ ንጠቕላላ ቁጠባ እዩ ዘመላኽት” ይብል።
እንተዀነ እቲ ተስፋ መሊኡ ኣይጸልመተን። ሕጂ’ውን ‘ኤኣይ’ ክሰርሖም ዘይክእል - ግድን ክእለት ሰባት ዝጠልቡ፡ ስምዒታዊ ብልሕን ካብ ዝተቐመጠልካ ሓጹር ውጽእ ኢልካ ምሕሳብን ዝሓቱ ነገራት ኣለው።
ናብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ስራሓት ምስግጋር ድማ በዚ ቴክኖሎጂ ናይ ምትካእ ዕድላት ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል።
ፎርድ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝረአ መጻኢ ብተዛማዲ ንሓደጋ ክቃልዑ ዘይክእሉ ዝብሎም ሰለስተ ነገራት ይጠቅስ።
እቲ ሓደ፡ ብሓቂ ፈጠራዊ ዝዀነ ስራሓት’ዩ፤ “ኣብዚ ቀመር ጥራይ ኣይኰንካን ትሰርሕ፤ ብሓቂ ሓድሽ ሓሳባት ተምጽእን ሓድሽ ነገር ኢኻ ትሃንጽን” ኢሉ።
እዚ ማለት ግን፡ ኵሎም ናይ ፈጠራ/ ምህዞ እዮም ዝበሃሉ ስራሓት ‘ውሑሳት’ዮም’ ማለት ኣይኰነን።
ከም ግራፊክ ዲዛይን ከምኡ’ውን ምስ ቪዡዋል ኣርት ዝተሓሓዙ ስራሓት ካብቶም ቀዳሞት ብ’ኤኣይ’ ዝውሰዱ ስራሓት’ዮም።
እዚኦም እቲ መሰረታዊ ቀመር ወይ ኣልጎሪዝም ሚልዮናት ምስልታት ብምልላይ ኤኣይ ነዚ ቀልጢፉ ክመልኮ ስለ ዝገብር ዝያዳ ተቓላዕቲ ይገብሮም።
እንተዀነ ኣብ ካልኦት ምህዞታት ውሕስነት ኣሎ ክብል ፎርድ ይዛረብ።
“ኣብ ሳይንስ፡ ከምኡ’ውን ሕክምናን ሕግን . . . ስርሖም ሓድሽ ሕጋዊ ስትራተጂ ወይ ንግዳዊ ስትራተጂ ሒዙ ዝመጽኡ ሰባት። ኣብኡ ንደቂ ሰባት ዝኸውን ቦታ ክቕጽል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።”
እቲ ካልኣይ ካብ ሓደጋ ኤኣይ ክውል ኢሉ ዘሎ ድማ፡ ዝተራቐቐ ናይ ሰባት ዝምድናታት ዝሓትት ስራሓት እዩ።
እዚ ነርስታት፡ ኣማኸርቲ ቢዝነስን መርመርቲ ጋዜጠኛታትን ይሕዝ።
እዚኦም ስራሓት እዮም ይብል ፎርድ “ብዛዕባ ሰባት ኣዝዩ ዓሚቝ ርድኢት ዝጠልቡ’ዮም፤ ኤኣይ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ዝምድናታት ዝሓዙ ክእለታት ንከማዕብል ነዊሕ ግዜ ክወስደሉ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሳልሳይ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣሎ ዝበሃል ዓይነት ስራሕ “ብሓቂ ብዙሕ ምንቅስቓስን ብልሕን ከምኡ’ውን ኣብ ዘይግመት ሃዋህው ጸገማት ናይ ምፍታሕ ክእለት ዝሓቱ ስራሕቲ’ዮም።”
ኣብዚ ብዛዕባ ብዙሓት ናይ ንግዲ ስራሓት ምሕሳብ ይክኣል - ክኢላታት ኤሌክትሪክ፣ ቱቦ ዝሰርሑ ከምኡ’ውን በየድቲ ኣብዚ ይጠቓለሉ።
ሰባት ስርሖም ኣብ ከምዚ ዝኣመለሰ ምድብ ክጸንሓሎም ድልየት'ኳ እንተሃለዎም፡ እዚ ማለት ግን እቶም ሞያታት ጠቕሊሎም ካብ ሓደጋ ‘ኤኣይ’ ዝደሓኑ’ዮም ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቡፋሎ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ቝጠባ ዕዮ ጆኣን ሶንግ ማክላውሊን፡ መብዛሕትኡ ስራሓት ኢንዱስትሪ ብዘየገድስ በቲ ቴክኖሎጂ ክቕየር ተኽእሎ ኣለዎ እዩ ትብል።
ሮቦት መንሽሮ ኣብ ምርካብ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ብኣካል ዝርእዩዎ ዶክተር ይደልዩ እዮም - ብዛዕባኡ ዝነግሮም በዓል ሞያ ትብል።
ወሲኻ፡ እዚ ዳርጋ ንኵሎም ዓይነታት ስራሕ ዝሕውስ እዩ ብምባል፡ ነዞም ክእለታት ምምዕባል ድማ ሰባት ኣብ ጐኒ ኤኣይ ኰይኖም ስርሖም ንኽሰርሑ ዕድል ዝህብ እዩ ክትብል ተረድእ።
“ኣየናይ ስራሕ’ዩ ብኮምፒዩተር ክትካእ? ወይ ብዝሓሸ ብኮምፒዩተር ወይ ኤኣይ ክስራሕ ዝኽእል? ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ ይመስለኒ” ብምባል፡ ሰራሕተኛታት ባንኪ ብኣብነት ተልዕል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ብኮምፒዩተር ክስራሕ ከም ዝጀመረ ብምዝኽኻር ሕጂ’ውን ገለ ነቶም ብሰብ ክስርሑ ዝኽእሉ ናይ ባንክ ስራሕቲ ቦታ ምህላው ሓቢራ።
“ብሰንኪ ማሽን ገንዘብ ምቝጻር ግዜኡ ዝሓለፎ ስራሕ ኰይኑ ኣሎ። ሕጂ ሰራሕተኛታት ባንክ ቀንዲ ስርሖም እቲ ዓሚል ምስ ሓደሽቲ መተግበሪታት ምልላይ ኰይኑ ኣሎ። ኣብዚ እቲ ማሕበራዊ ክእለት ጥራይ ዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ ኣሎ” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







